ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/7 ገጽ 4-7
  • ክትመያየጠሉ ዘድልየካ ምኽንያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትመያየጠሉ ዘድልየካ ምኽንያት
  • ንቕሑ!—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይምርድዳእ ኣወግድ
  • ሓቂ​—ተቐባልነት ኣለዎ ድዩ የብሉን፧
  • ነቲ ቕኑዕ መገዲ ብኸመይ ክትረኽቦ ከም እትኽእል
  • መማህራን የድልዩ ድዮም፧
  • ሃይማኖትካ ብሓቂ ወሳኒ ኢዩ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ፊልጶስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን የጠምቕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—1999
g99 8/7 ገጽ 4-7

ክትመያየጠሉ ዘድልየካ ምኽንያት

“ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ: ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።” —⁠ምሳሌ 27:⁠17 መጽሓፍ ቅዱስ

ካራ ስቕ ኢልካ ንሓድሕዱ ብምግጫው ክሰሓል ኣይክእልን ኢዩ። ምስሓል ዝያዳ ጥንቃቐ ዘድልዮ መስርሕ ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ: ብፍላይ ከም ሃይማኖት ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ኣርእስትታት ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ ንኣእምሮ ንምስሓል እትጥቀመሉ ቅኑዕን ጌጋን መገድታት ኣሎ።

ብመጀመርታ ደረጃ: ነቲ እነዘራርቦ ዘሎና ሰብ ክብረቱ ክንሕልወሉ ኣሎና: ነዚ ኸኣ ኣብ ኣዘራርባናን ኣቀራርባናን ከነንጸባርቖ ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ [“ብሕያውነት:” NW ] ይኹን” ይብል። (ቈሎሴ 4:⁠6) ቃና ናይቲ ብሕያውነት እተዘርበን ብጨው እተቓመመን ዘረባ ተሪር ኣይኰነን። እዚ ድማ እቲ ተዛራባይ ቅኑዕ መዛርብቱ ግን ጌጋ ከም ዘሎ ኰይኑ ኣብ ዝስምዖ ኣጋጣሚ እውን ከይተረፈ ዝንጸባረቕ ኢዩ።

ሕያውነት ኣብ ኣገባብ ጽን ኣበሃህላና እውን ይንጸባረቕ ኢዩ። ኣብ መንጎ ነቋርጾ እንተድኣ ዄንና ወይ ከኣ ቀጺልና እንታይ ኢልና ከም እንማጐት ንምድላው ጽን ዘይንብል እንተድኣ ዄንና ብሕያውነት ንሰምዕ ኣሎና ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። እቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ: ኣብ ርእይቶኡ ንግደስ ከም ዘየሎና ከስተብህል: ምናልባት እውን ነቲ ምምይያጥ ከቋርጾ ይኽእል ኢዩ። ከምኡውን እቲ ሰብ እቲ ኣመለኻኽትኡ ንኽቕይር ከነገድዶ ወይ ብገጽና ክንገንሖ ፈጺሙ ኣይግባእን። ደሓር ከኣ: ኣብ ልቢ ናይቲ ምላሽ ዝህብ ሰማዒ ነቲ ‘ዘርኢ ሓቂ ዘብቍሎ ኣምላኽ’ ኢዩ።​—1 ቈረንቶስ 3:6

እቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ‘ብምርድዳእ’ ‘ዝዘራረብ’ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ገዲፉልና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:17፣ 28:23, 24) ጳውሎስ ንሰባት ኣብ ዝረኸቦም ዘበለ ማለት ኣብ ከም ዕዳጋን ኣባይቶምን ዝኣመሰለ ቦታ እናኸደ ብዛዕባ ሃይማኖት ይመያየጥ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠2, 3፣ 20:⁠20) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ኣብ ዝርከብዎ ዘበለ ቦታ ብምኻድ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናኣረድኡ ምስ ሰባት ይዘራረቡ ኢዮም።

ዘይምርድዳእ ኣወግድ

ህዝቢ እስራኤል: ኣብ ምድሪ ተስፋ ክሰፍሩ ምስ ጀመሩ ብዛዕባ ሓደ መሰውኢ ግጉይ ምርዳእ ስለ ዘሕደሩ ውግእ ሓድሕድ ክኸፍቱ ተዳልዮም ነበሩ። እቶም ብሸነኽ ምብራቕ ርባ ዮርዳኖስ ሰፊሮም ዝነበሩ ሰባት መሰውኢ ሃነጹ: እቶም ካልኦት ነገዳት ከኣ እቲ መሰውኢ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ኢዩ ተገይሩ ዝብል ግጉይ ምርዳእ ኣሕደሩ። ስለዚ ድማ ንኣሕዋቶም ክቐጽዑ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስዱ ተዳለዉ። ኣቐዲሞም ግን ጥንቃቐ ገበሩ። እዞም ከጥቅዑ ሓሲቦም ዝነበሩ ነገዳት ብመጀመርታ እቲ መሰውኢ ንምንታይ ዕላማ ከም እተገብረ ክሓቱ ልኡኻት ሰደዱ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ኵሎም እቶም ነገዳት ሕብረት ከም ዘለዎም ዘዘኻኽር​—⁠“ምስክር”​—⁠ተብሂሉ ከም እተገብረ ምስ ፈለጡ ዓቢ ቅሳነት ኣምጽኣሎም። ምዝርራብ ባእሲ ከም ዘይለዓል ገበረ: ናይ ብዙሓት ህይወት ከኣ ኣድሓነ!​—⁠እያሱ 22:⁠9-34

ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ዘይምርድዳእ መብዛሕትኡ ግዜ ርእስኻ ምንጻልን ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ጠባይን ኢዩ ዘምጽእ። ንኣብነት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትሕልላፍ ደም ክግበረሎም ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም ዝነግር ጸብጻባት ብምውጽኡ ገለ ሰባት ከም ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ገይሮም ወሲዶምዎም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብብሕቲ ዝሓተቱ ሰባት: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሒዞምዎ ዘለዉ መትከል መሰረቱ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ከምኡውን ውሕስነት ዘለዎን ኣስላጥን ኣማራጺ ሕክምና ከም ዘሎ ምስ ተረድኡ መብዛሕትኦም ተገሪሞም ኢዮም። (ዘሌዋውያን 17:⁠13, 14፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29) አረ ሓደ ኣዳላዊ ዓምድስ ብዛዕባ እቲ ደም ዘምጽኦ ግድላት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ናይ ደም መተካእታታት ንምርካብ ዝግበር ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈለምቲ ኰይኖም ምርካቦም ንኣምላኽ ምስጋና ይብጽሓዮ።”

ብተመሳሳሊ ገሊኦም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኣይኣምኑን ኢዮም ዝብል ዘረባ ስለ ዝሰምዑ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዘራረቡ ኣይደልዩን ኢዮም። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኰን ኢዩ! እቲ ሓቂ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ድሕነት ንኽንረክብ የሱስ ዘለዎ ግደ የጕልሑ ኢዮም። እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ክብጀዎም ኢሉ ዝለኣኾ ወዱ ምዃኑ ይገልጹ ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዘራረቡ ሰባት ነቲ ዝነበሮም ግጉይ ምርዳእ ከወግድዎ ክኢሎም ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 16:⁠16፣ 20:⁠28፣ ዮሃንስ 3:⁠16፣ 14:⁠28፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠15

ሓቂ​—ተቐባልነት ኣለዎ ድዩ የብሉን፧

ምናልባት ንብዙሓት ከገርሞም ዝኽእል ነገር ግን ብሃይማኖት ዝመጸ: እቲ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ግጉይ ምዃኑ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ ከምዚ ኢሉ ምሂሩ ኢዩ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።”​—⁠ማቴዎስ 7:⁠13, 14

ኣብ ግዜ ኖህ መንፈሳዊ ሓቂ እተዛረቡ ሰባት ሸሞንተ ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ንሳቶም ከኣ ኖህ: ሰበይቱ: ሰለስተ ደቁን ኣንስቲ ደቁን ኢዮም። እቲ ዝነግርዎ ዝነበሩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽትን መርከብ ናይ ምስራሕ ዕዮኦምን ኣደዳ ላግጽን ግፍዕን ከም ዝገበሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኖህን ስድራቤቱን ግን ኣይጃጀዉን፣ ስብከቶምን ስርሖምን ቀጸሉ። (ዘፍጥረት 6:⁠13, 14፣ 7:⁠21-24፣ 2 ጴጥሮስ 2:⁠5) ብተመሳሳሊ: ንመምርሒታት ኣምላኽ ተኣዚዞም ካብ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ዝደሓኑ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ኢዮም።​—⁠ዘፍጥረት 19:⁠12-29፣ ሉቃስ 17:⁠28-30

ኣብዚ ግዜናኸ፧ ሓደ በዓል ቤት ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር “ኣብዚ እዋን እዚ ክርስቶስ ብስጋ እንተ ዝምለስ ነይሩ: ሰባት እንደገና ምቐተልዎ ነይሮም” በሎ። እዚ ሰብኣይ እዚ: ትምህርትታት የሱስን እቲ ክብ ዝበለ ስነ-​ምግባራዊ ስርዓታቱን ልክዕ ከምቲ 2,000 ዓመታት ይገብር ተቐባልነት ዘይነበሮ: ሎሚ እውን ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ኢዩ ተሰሚዕዎ። ነዝስ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧

ትሰማምዓሉ እንተድኣ ዄንካ ቅኑዕ ኣሎኻ: ከመይሲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብዛዕባ ስመይ . . . ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” ብምባል ኣጠንቀቖም። እዚ ትንቢት እዚ ሓቅነቱ ተረጋጊጹ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠9) ንክርስትና ኣመልኪቶም ክዛረቡ ኸለዉ እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ንሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ይጻረሩዋ ኢዮም’ በልዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠22) ይኹን እምበር: ክርስትና ዘይቅቡል ምዃኑ ንሰዓብቲ ክርስቶስ እምነቶም ንኻልኦት ካብ ምክፋል ኣይዓገቶምን። ነቶም ቅኑዓት ሰባት እውን እንተዀነ ምስ ክርስትያናት ከይዘራረቡ ኣይከልከሎምን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠43-49

ሎሚ መልእኽቲ የሱስ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኵነታት ዓለም “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ከም ዘሎና: እዘን መዓልትታት እዚኣተን ከኣ ገበርቲ እከይ ካብ ምድሪ ክጽረጉ ኸለዉ ክዛዘማ ምዃነን ኢዩ ዝሕብር። የሱስ ንግዜና ምስ መዓልትታት ኖህ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5፣ ማቴዎስ 24:⁠37-39) ዘለኣለማዊ ህይወት ዝረኽቡ እቶም ንኣምላኽ ዝፈልጥዎ: ‘ብመንፈስን ብሓቅን ከኣ ዝሰግዱሉ’ ሰባት ጥራይ ስለ ዝዀኑ: ሕጂ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና እምነት ብህጹጽ እንምርምረሉ ግዜ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠24፣ 2 ተሰሎንቄ 1:⁠6-9

ነቲ ቕኑዕ መገዲ ብኸመይ ክትረኽቦ ከም እትኽእል

ናይ መበል 17 ክፍለ-ዘበን እንግሊዛዊ ፈላስፋ: ደራሲ: ናይ ሕጊ ፈላጥን በዓል ሞያን ዝዀነ ፍራንሲስ ቤከን: ነቶም ደለይቲ ሓቂ “ከመዛዝኑን ክምርምሩን” መኸሮም። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ዝነበረ ቶማስ ጀፈርሰን ከኣ “ካብ ጌጋ ክሕልወካ ዝኽእል ቀንዲ ነገር ብርትዓዊ መገዲ ምርድዳእን ከይተቐየድካ ዝግበር ምርምርን ጥራይ ኢዩ። . . . ናይ ጌጋ ባህርያዊ ተጻራሪ ኸኣ ኢዩ።” ስለዚ እምበኣር ሓቂ ንምርካብ ልባዊ ድሌት እንተድኣ ኣልዩና ‘ከነመዛዝንን ክንምርምርን’ ኢና: ከምኡውን ‘ብርትዓዊ መገዲ ክንረዳዳእን ከይተቐየድና ክንምርምርን’ ኢና።

ከምዚ ዝበለ ኣቀራርባ ስለምንታይ ኣድላዪ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ እንግሊዛዊ ሊቅ ሰር ሀርማን ቦንዲ ከምዚ በለ:- “ሓቀኛ ክትከውን እትኽእል እምነት ሓንቲ ጥራይ ስለ ዝዀነት: ደቅሰብ ኣብተን ፍሉጣት ሃይማኖታት ዘሎ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ጸኒዖምን ብቕንዕናን ከም ዝኣምኑ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: እዚ ዘይከሓድ ሓቂ እዚ ንሓደ ሰብ እምነቱ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ይኹን ብዘየገድስ ኣብ ጌጋ ክህሉ ይኽእል ምዃኑ ከም ዝሓስብ ዝገብሮ ትሕትና ከንጸባርቕ ክድርኾ ትጽቢት ይግበሮ ኢዩ።”

ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ብርግጽ ኣብታ ‘ናብ ህይወት እትመርሕ ጸባብ መገዲ’ እንተድኣ ኣልዩ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፧ የሱስ: ኣምላኽ ‘ብሓቂ’ ክምለኽ ከም ዘለዎ ምሂሩ ኢዩ። ስለዚ: ክልተ ትምህርቲ ንሓድሕዱ ዝጋጮ እንተድኣ ዀይኑ ክልቲኡ ሓቂ ክኸውን ከም ዘይክእል ብርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክውሰን ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: ሰባት ድሕሪ ሞት እትቕጽል ነፍሲ ኣላቶም ወይ የብሎምን። ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ሰባት ኢዱ ከእቱ ኢዩ ወይ ኣየእቱን ኢዩ። ኣምላኽ ስላሴ ኢዩ ወይ ኣይኰነን። ደለይቲ ሓቂ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገደስቲ ሕቶታት ጭቡጥ መልሲ ክረኽቡሉ ይምነዩ ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣምላኽ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ከም ዘሎ ይኣምኑ ኢዮም።a

ቅዱሳት ጽሑፋት ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ’ ስለ ዝዀነ ንእተፈላለየ ትምህርትታት ክትምርምረሉ እትኽእል ቀንዲ መገዲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምውድዳሩ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:​16) ከምዚ ብምግባር ‘እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽትምርምር [“ባዕልኻ ከተረጋግጽ:” NW  ]’ ትኽእል። (ሮሜ 12:⁠2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ እትኣምኖ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑ “ባዕልኻ ከተረጋግጽ” ትኽእልዶ፧ ከምዚ ክትገብር ምኽኣል ኣድላዪ ኢዩ: ከመይሲ ኣምላኽ ምስ ‘ብዘላ ዓለም’ ክትታለል ኣይደልየካን ኢዩ።​—⁠ራእይ 12:⁠9

መማህራን የድልዩ ድዮም፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሒደት ጥቕላል ጽሑፋት ብምሃብ “ናይ ሕቶታትኩም መልሲ ብምሉኡ ኣብኡ ኣሎ። ኣብ ቤትኩም ኬድኩም መርምርዎ” ኣይበሎምን። ኣብ ክንድኡስ ብትዕግስትን ሕያውነትን ቃል ኣምላኽ ማሃሮም። እቶም ንትምህርትታቱ እተቐበሉውን ንኻልኦት ክምህሩ ኸለዉ ነቲ ዝገደፈሎም ኣገባብ ኢዮም ስዒቦም። ንኣብነት እቲ ወደ መዝሙር ዝነበረ ፊልጶስ ንውሰድ። ምስ ሓደ ቅኑዕ ዝልቡ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን ተዘራረበ። እቲ ኢትዮጵያዊ ምስ ኣይሁድ ይራኸብ ስለ ዝነበረ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓገዝ የድልዮ ነበረ። ስለዚ ወኪል እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበረ ፊልጶስ ንኽሕግዞ ተመርሐ። እዚ በዓል ስልጣን እዚ ብዛዕባ ሃይማኖት ክመያየጥ ፍቓደኛ እንተ ዘይከውን ነይሩ: ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኣይምፈለጦን። ንዅሎም ደለይቲ ሓቂ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ገዲፉሎም!​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠26-39

ንስኻኸ ከምቲ እዚ ኢትዮጵያዊ እዚ ዝገበሮ ብዛዕባ እምነትካ ክትመያየጥን ሕቶታት ክትሓትትን ፍቓደኛ ዲኻ፧ ከምዚ ብምግባር ብዙሕ በረኸታት ከም እትዓጽድ እተረጋገጸ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ብቕንዕና ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ክመያየጡ ሕጉሳት ኢዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ብሕታዊ ርእይቶታት ኣየቕርቡን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ከርእይዎም ኢዮም ዝጽዕሩ።

እቲ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን: ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዓበይቲ ነገራት ተማህረ። ገለ ኻብኡ ምስ ድሕነትና እተተሓሓዘ ኣምላኽ ንየሱስ ብኸመይ ክጥቀመሉ ከም ዝነበሮ ዝገልጽ ሓቂ ዝምልከት ነበረ። ሎሚ: ዕላማ ኣምላኽ ዝፍጸመሉ ግዜ ኣዝዩ ቀሪቡ ኢዩ። ዘፍርህን ዘደንቕን ነገራት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክፍጸም ኢዩ። እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ በዚ ክትንከፍ ምዃኑ ትሕብር። ርግጽ ኢዩ: ብኸመይ ከም እንትንከፍ ኣብ ኣመለኻኽታናን እንወስዶ ስጕምትን እተመርኰሰ ኢዩ።

[እግረ ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ ንምርካብ ነታ ዘ ባይብል​—⁠ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ እትበሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክመያየጥ ፍቓደኛ ነበረ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ