ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/7 ገጽ 3-4
  • ብዛዕባ ሃይማኖት ትመያየጥ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ሃይማኖት ትመያየጥ ዲኻ፧
  • ንቕሑ!—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተጻዋርነት ዘይምህላው ንብዙሓት ተስፋ የቝርጾም
  • ከመይ ገይረ እየ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ዝኽእል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሃይማኖት ከይዝረበሉ እተኸልከለ ኣርእስቲ ድዩ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ነታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ረኺብካያዶ ኣሎኻ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ንቕሑ!—1999
g99 8/7 ገጽ 3-4

ብዛዕባ ሃይማኖት ትመያየጥ ዲኻ፧

“በጃኻ ኣርእስቲ ቐይር ክመያየጠሉ ዘይደሊ ኣርእስትታት ሃይማኖትን ፖለቲካን ኢዩ!”

“ሃይማኖት ንሰበይትን ቈልዑን ግደፈሎም።”

“ብዛዕባ ሃይማኖት ክመያየጥ ኣይደልን ኢየ: ሕጂ ኢየ ካብ ቤተ-ክርስትያን መጺአ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ገሊኣቶም ሃይማኖት ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዘሎ ጕዳይ ጥራይ ገይሮም ስለ ዝሓስብዎ ብዛዕባኡ ክመያየጡ ኣይደልዩን ኢዮም። የሱስ እውን ከምዚ በለ:- “ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ: ናብ ቤትካ እቶ: ማዕጾኻ ዕጾ: ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።”—ማቴዎስ 6:6

በቲ ሓደ ሸነኽ ግን የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኵሉ ንሃይማኖት ዝምልከት ነገራት ከም ምስጢር ገይርካ ክትሓዝ ኣለዎ ኣይበሉን። ብዛዕባ እተፈላለየ መንፈሳዊ ኣርእስትታት ከይተሰከፉን ብጋህድን ተዘራሪቦም ኢዮም: ከምኡ ምግባሮም ከኣ ትምህርትታቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ዘስፋሕፍሕ ገይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ቈሎሴ 1:​23) ርግጽ ኢዩ: ኵሉ ሰብ ምሳታቶም ክዘራረብ ይደሊ ነይሩ ማለት ኣይኰነን: ገለ ካብቶም እተዘራረቡዎም እውን ተጠራጠርቲ ካብ ምዃን ኣይተለወጡን።

ሎሚውን ብዛዕባ ምምይያጥ ሃይማኖት ዘሎ ኣመለኻኽታ ካብ ሰብ ናብ ሰብን ካብ ባህሊ ናብ ባህልን ይፈላለ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ሰባት ብኸም ትምህርቲ: ስራሕ: ስፖርት: ኮምፕዩተራት: ቲቭን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዓለማዊ ነገራትን ኣዝዮም ኢዮም ዝግደሱ። ኣብ ካልእ ባህልታት ከኣ ሰባት ብዛዕባ እምነቶም ክዘራረቡ ዝያዳ ፍቓደኛታት ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኣተዓባብያኦም ብዘየገድስ ሰባት ኣብ ህይወቶም ዘጋጥሞም እተፈላለየ ነገራት ኣሎ። እዚ ድማ ንገለ ካብቶም ኣቐዲሞም ብዛዕባ ሃይማኖት ዘይግደሱ ዝነበሩ ንመንፈሳዊ ድሌቶም እንደገና ንኽምርምርዎ ክደፋፍኦም ይኽእል ኢዩ።

ተጻዋርነት ዘይምህላው ንብዙሓት ተስፋ የቝርጾም

እቶም ብዛዕባ ሃይማኖት ክመያየጡ ዘይደልዩ ሰባት: ርሱን ክትዕ ከም ዝለዓል ዝገበረ ምይይጥ ተዓዚቦም ወይ ኣጋጢምዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ውሩይ ተዛራቢ “ካብ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዝያዳ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ኢዩ ባእሲ ዘልዕል” በለ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ሪቻርድ ኤም. ጀንሰን ከኣ ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ:- “ሃይማኖታዊ ቅንኢ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ከይመርመርካ ብሕማቕ ከም እትፈርድ ዝገብር ብርቱዕ ባህርይ ዘማዕብል ኢዩ፣ ግጉይ ኣንፈት ከም ዝሕዝ እንተድኣ ተገይሩ ድማ ንኣምላኽ ምግልጋል ዝብል መደናገሪ ስም ብምሓዝ ክፉእ ስምዒት ከም እተሕድር ዝገብር ኢዩ።”

ከም ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ጽልዋ ክገብር ዝኽእል ነገር ዘይምጽውዋርን ድርቅናን ጽልእን ንምስፍሕፋሕ ብዘይ ግቡእ ንግጉይ ዕላማ ምውዓሉ ኣየገርመካንዶ፧ ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን ብዙሓት ሰባት ንሃይማኖት ከም ዝጸልእዎ ዝገብሮም ዘሎ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ዘይግቡእ ኣወዓዕልኡ ኢዩ። ንኣብነት: ክርስትና ንርአ።

እቲ ንክርስትና ዝመስረተ የሱስ ክርስቶስ ዘይምጽዋርን እምነተ-ድርቅናን ዘይኰነስ ንኣምላኽን ሰብን ምፍቃር ከም ዘድሊ ኢዩ ብቓሉን ብግብሩን ኣተባቢዑ። ክርስቶስን ሰዓብቱን ኣብ ኣገልግሎቶም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ ርትዓዊ ኣዘራርባን ኣረዲእካ ምእማንን ኢዩ። (ማቴዎስ 22:⁠41-46፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠2፣ 19:⁠8) ኣብ ክንዲ ጸላእቶምን መስጐጕቲ ዘውረዱሎምን ሰባት ከኣ ጸለዩ።​—ማቴዎስ 5:​44፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:​59, 60

ሓቀኛ ሃይማኖት ንኣእምሮን ልብን ብርሃን ዝህብ: ንሰባት ድማ ዘሕብር ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ከምቲ ቀጺልና እንርእዮ ነቶም ቅኑዓት ደለይቲ ሓቂ ዋዕዋዕ ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ምምይያጥ ምግባር ፍረ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ፍሉጣት ሰባት እንታይ ከም ዝበሉ

“የሱስ ናብ ኣምላኽ ዝመርሕ መገዲ እንተድኣ ዀይኑ: ሰዓብቲ የሱስ ነዚ ሓበሬታ እዚ ንኻልኦት ከካፍልዎም ግቡእ ኢዩ።”​—⁠ኣብቲ ናይ ኮሎምብያ ቲኦሎጂካል ሰሚናሪ ናይ ወንጌላውነት ፕሮፌሰር ቤን ጀንሰን

“የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ወንጌል ንሰባት ከብጽሑሎም ምሂርዎም ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ትእዛዝ ከኣ ኣብ ኵላ ዓለም ክንከይድ ዝሓትት ኢዩ። ጐይታ ንሰዓብቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ክኸዱ ኢዩ ኣዚዝዎም።”​—⁠ዳይረክተር ናይ ሳውዘርን ባፕቲስት ሰንተር ፎር ቸርች ግሮውዝ: ኬነት ኤስ. ሄምፊል

“መሰኻኽር እንተድኣ ዘይኴንና: ሓቀኛታት ክርስትያናት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። . . . ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ሚስዮናውን ምስክርን ክኸውን ኢዩ ተጸዊዑ። ”​—⁠ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ

“ኣዝዮም ብዙሓት ሰበኽቲ . . . ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ዘይለዋወጥን ዘይምቹእን መልእኽቲ ዘድህቡ: ዓበይቲ ጉባኤታትን ፕሮጀክትታት ህንጻ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ምህናጽ: ከምኡውን ኣብቲ ዝረኽብዎ መጻኢ ናይ ኣገልግሎት መደባት ኢዮም ዝያዳ ተገዳስነት ዝገብሩ ዘለዉ።”​—⁠ደራስን ኣዳላዊ ዓምድን ካል ቶማስ

“ኣብ ኣባይቲ ክንኵሕኵሕ ኣሎና።. . . ከም (ናይ የሆዋ) መሰኻኽርን ሒደት ካልኦትን: ኬድና ወንጌል የሱስ ክርስቶስ ክንሰብኽ ኣሎና።”​—⁠ናይ ካቶሊክ ኣቡን ቶማስ ቪ. ደይሊ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ