ቀመማዊ ጸረ ባልዕ ሓሳኹ ጥራይ ኣይኰነን ዝቐትል
ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ብራዚል
ዶሚጎስ ዶስ ሳንቶስ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ብራዚል ኣብ ዘሎ ሕርሽኡ ዝዘርኦ ተኽሊ ካሳቫ እናጠመተ “ኣቤት ክጽብቕ” በለ። ከም ዝዓግብ ዝገበሮ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። እቲ ናይ ኣታኽልቱ ኣቝጽልቲ ብጐዳእቲ ሓሳኹ ተተንኪፉ ዝፈልጥ ኣይመስልን ኢዩ። ሓደ ካብቲ ቀመማዊ ፈውሲ ሓሳኹ ዘምጽኦ ኣሳልጦ ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋሉን። ዶሚጎስ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን እዚ ዓመት እዝን ጥር ትብል ፈውሲ ሓሰኻ ኣይዓደግኩን” በለ።
ዶሚጎስ: ሓደ ካብቶም ንምክልኻል ኣእካሎም ቀመማዊ ጸረ ባልዕ ክጥቀሙ ዘይደልዩ እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ ሓረስቶት ኢዩ።a ኣብ ክንድኡስ: እዞም ሓረስቶት እዚኣቶም ቀመማዊ ነገራት ከም ዘይትጥቀም ዝገብር ወይ ከኣ እንተ ወሓደ ክቕንሶ ዝኽእል ኣገባባት ኢዮም ዝጥቀሙ። ንሳንድሮ ሙለር “እዚ እንታይ ዓይነት ኣገባባት ኢዩ፧ ንሓረስቶት መንጸጊ ፈውሲ ሓሳኹ ከም ዘየዘውትሩ ዝገበሮምከ እንታይ ኢዩ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ሳንድሮ ሙለር ጥቓ ሳኦ ፓውሎ ከም ለሚንን ኣራንሽን ዝኣመሰለ ዓይነት ኣግራብ ኣብ ዝበቝለሉ ከባቢ ገለ ፈተነታት ዝገብር ናይ ሕርሻ ምሁር ኢዩ።
ዑደት ጸረ ባልዕ
ሓደ ካብቲ ቀመማዊ ፈውሲ ሓሳኹ ዘስዕቦ ጕድኣት ኣብ ኣእምሮይ ክስእሎ ምእንቲ ክሕግዘኒ ኢሉ ሳንድሮ ከምዚ በለ:- “ንሰረቕቲ ባንክ ዝሃድኑ ዘለዉ ጕጅለ ፖሊስ እሞ ሕሰብ። እቶም ሰረቕቲ ንኸምልጡ ኢሎም ናብ ሓደ ሰብ ዝበዝሖ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ሃዲሞም ኣተዉ። እቶም ሰረቕቲ ኣብ ማእከል እቲ ጭፍራ ተሓዊሶም ስለ ዝጠፍኡ: እቶም ፖሊስ ኣብቲ ዓቢ ህንጻ ናይ ጋዝ ቦምባ እትድርቢ ሄሊኮፕተር ለኣኹ። እዚ ነቶም ሰረቕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ንጹሃት ሰራሕተኛታትን ሓለውቲ ጸጥታ ናይቲ ህንጻን ዝቐትል ኢዩ። ሓደ ሓረስታይ ኣብ እኽሉ ብተደጋጋሚ ብርቱዕ ፈውሲ ሓሳኹ ምስ ዝንስንስ ድማ ነዚ ዝመሳሰል ነገር ኢዩ ዝፍጸም። ነቶም ከም ሰረቕቲ ተመሲሎም ዘለዉ ጐዳእቲ ሓሳኹ ይቐትል ኢዩ: ይኹን እምበር ነቶም ከም ሓለውቲ ጸጥታ ተመሲሎም ዘለዉ ጠቐምቲ ዝዀኑ ሓሳኹ እውን ኣይንሕፎምን ኢዩ።”
ኣነ ድማ “ይኹን እምበር እንተ ወሓደ እቲ እኽሊ ድሒኑ ኢዩ” ኢለ መለስኩሉ። ሳንድሮ ግን ኣብ ኵሉ ኣልሚምካ እተገብረ ጸረ ባልዕ ጐዳኢ ዑደት ከም ዝጀመረ ሓበረኒ። ብኸመይ፧ ገለ ሓሳኹ ንገሊኡ ጸረ ባልዕ ስለ እተጻወርዎ ካብቲ እተነስነሰ ፈውሲ ክድሕኑ ክኢሎም ኢዮም። ድሕርዚ እቶም ‘ሓለውቲ ጸጥታ’ ወይ ጠቐምቲ ሓሳኹ ክጠፍኡ ከለዉ ንሳቶም ግን ኣብ ማእከል ኣእካል በይኖም ኣራጢጦም ይነብሩ። ስለዚ ሓረስታይ ፈውሲ ምንስናሱ ነቶም ጐዳእቲ ሓሳኹ ንጥቕሞም ኢዩ ዝኸውን።
መግቢ ብብዝሒ ስለ ዝረኽቡን እቶም ባህርያውያን ተጻባእቶም ስለ ዝጠፍኡን ድማ ነቶም ፈውሲ ሓሳኹ ዝጻወሩ ብዙሓት ሓሳኹ ብቕልጡፍ ንኽራብሑ መገዲ ይኸፍተሎም። ነቲ ሓረስታይ ድማ እንደገና ፈውሲ ክንስንስ ምናልባትውን ብርትዕ ዝበለ ክጥቀም የገድዶ። ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ከም ባልዶንጋ ዝኣመሰለ ኣዝርእቲ ኣብ ዝበቝለሉ 3ከባቢታት: ሓረስቶት ኣብ ሰሰሙን ፈውሲ ሓሳኹ ይንስንሱ። መወዳእታ ናይዚኸ እንታይ ኰነ፧ ሓደ ሓረስታይ “ጸረ ባልዕ እንተድኣ ነስኒስካ መርዚ ኢኻ እትዓጽድ” በለ።
ጸረ ባልዕ ምጥቃም ዝሓሸ ኣማራጺ ድዩ፧
መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እቲ ንሓሳኹ ዝምርዝ ሰብ ንገዛእ ርእሱውን ይምርዝ ኢዩ። ኣብ ብራዚል ጥራይ ጸረ ባልዕ ዓመት ዓመት ንገለ 700,000 ዝዀኑ ሰባት ይምርዝ ከም ዘሎ ጊያ ሩራል እትብሃል መጽሔት ትሕብር። እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 45 ካልኢት ሓደ ሰብ ማለት ኢዩ! ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኸኣ ንመርዛም ጸረ ባልዕ ብምቅልዖም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 220,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ገለጸ። ኣብ ርእሲ እዚ ጸረ ባልዕ ንኣከባቢና ዓቢ ጕድኣት ኢዩ ዘስዕበሉ።
ሎሚ ገለ ሰባት ጸረ ባልዕ ምጥቃም ብዙሕ ጸገማት ካብ ምፍጣር ፈሊኻ ዝርአ ኣይኰነን ኢሎም ዝሓስቡ እኳ እንተዀኑ: ምጥቃሙ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ዝስምዖም ሰባት ከኣ ኣለዉ። ሰባት ዝህብዎ ምኽንያታት ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ጸረ ባልዕ ተጠቒምካ መግቢ ምርካብ ወይ ከኣ ጸረ ባልዕ ከይተጠቐምካ ምጥማይ። ድሓር ድማ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት እናጐደለ ክኸይድ ከሎ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ዓለምለኻዊ ዓጸቦ ከየጋጥም ክንከላኸል እንተድኣ ዄንና: ንኣእካል ካብቲ ብሓሳኹ ክወርዶ ዝኽእል ጥፍኣት ክንዕቅቦ ኣሎና።
ሓሳኹ ዓቢ ሽግር ከም ዘምጽኡ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዙሓት ሓረስቶት ብዙሕ ጸረ ባልዕ ኣብ ኣእካል ካብ ምንስናስ ዝሓይሽ መገዲ ከም ዘሎ ይግንዘቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ኢንተግሬይትድ ፔስት ማነጅመንት (እተወሃሃደ መቈጻጸሪ ባልዕ) ወይ ኣይ.ፒ.ኤም. ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣይ.ፒ.ኤም.—ካልእ ኣማራጺ
ንሓላፊ ናይቲ ኣብ ከተማ ፒራሲካፓ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሳኦ ፓውሎ ዘሎ ክፍሊ ስነ-ሓሳኹ ከምኡውን ቀንዲ ተመራማሪ ባህርያዊ መቈጻጸሪ ባልዕ ዝዀነ ፕሮፌሰር ኤቫኒዮ ቤርቲ ፊልዩ: “ኣይ.ፒ.ኤም. እንታይ ኢዩ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ፕሮፌሰር በርቲ: ዕላማ ናይ ኣይ.ፒ.ኤም. ብእተኻእለ መጠን ፈውሲ ሓሳኹ ንምንካይ ከምኡውን ነቶም ጐዳእቲ ሓሳኹ ጥራይ ፈልዩ ክቐትል ዝኽእል ፈውሲ ንምዝውታር ምዃኑ ገለጸ። በዚ ኸምዚ እቲ ገደብ እተገብረሉ ምንስናስ ጸረ ባልዕ በቲ ባህርያዊ ኣገባባት መቈጻጸሪ ባልዕ ይዕብለል።
ሓደ ካብዚ ኣገባባት መቈጻጸሪ ባልዕ እናበራረኻ ምዝራእ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሓረስታይ በብዓመቱ ዘርኢ ዕፉን ብዘርኢ ባልዶንጋ ከበራርዮ ይኽእል። እቶም ዕፉን ዝፈትዉ ባልዶንጋ ግን ዝጸልኡ ሓሳኹ: ብጥሜት ይጥቅዑ ወይ ከኣ ዕፉን ዝርከቦ ከባቢታት ክደልዩ ይኸዱ። ድሕርዚ: ኣብ ዝመጽእ ዕፉን ክትከል ከሎ: መብዛሕትኦም እቶም ሓሳኹ እንተ ወሓደ ንግዜኡ ኣልጊሶም ይጸንሑ። እቶም ዕፉን ዝፈትዉ ሓሳኹ ብብዝሒ ኣብ ዝምለስሉ እዋን ከኣ: ድሮ ካልእ ዓይነት እኽሊ ተዘሪኡ ስለ ዝጸንሕ ሕጅውን ክርሕቑ የገድዶም።
ካልእ ክፍሊ ኣይ.ፒ.ኤም. ከኣ ባዮሎጂካል ኮንትሮል ማለት እቶም ሓሳኹ ኣብ ዝራብሑሉ ቦታ ካልእ ዓይነት ሓሳኹ የእቲኻ ቍጽሮም ከም ዝቕንስ ምግባር ኢዩ። እዚ ድማ ሓረስቶት ነቶም ከም ጸረ ባልዕ ዝጥቀምሎም ሓሳኹ: ባክቴርያ: ቫይረስ: ዕሲ: ከምኡዉን ካልኦት ባህርያውያን ጸላእቲ ሓሳኹ ዘጣመረ ኢዩ። ንኣብነት: ብራዚላውያን ተመራመርቲ ብዙሓት ኣባ ጨጐራ በቲ ባኩሎቫይረስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም ከም ዝሞቱ ተዓዚቦም ኢዮም። እቲ ቫይረስ ንደቅሰብ ዘይጐድእ ስለ ዝዀነ: ነዚ ቫይረስ እዚ ዝሓዘ ፈሳሲ ብምንስናስ ነቶም ኣዳጕራን ካሳቫን ዝምገቡ ኣባ ጨጐራ ከጥፍኦም ከም ዝኽእል ሓበሩ። እዚ ኸኣ ውጽኢታዊ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ኣባ ጨጐራ ነቲ ሓሳኹ እተነስነሰሉ ኣእካል ንሒደት መዓልትታት ድሕሪ ምብላዖም ሞቱ። ከም ተወሳኺ ሓገዝ እውን እቶም ዝሞቱ ኣባ ጨጐራ ነቲ ሓረስታይ ኣብ መጻኢ ኣንጻር ሓሳኹ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ብጥርሑ ዝረኸቦም ኣጽዋር ኰይኖም የገልግልዎ። ብኸመይ፧
ፕሮፌሰር በርቲ “እቲ ሓረስታይ ነቶም እተለኽፉ ምዉታት ኣባ ጨጐራ ሓዋዊሱ ምስ ኣድቀቖም ብመጻረዪ ዘቚቑ ነቲ ፈሳሲ ኣብ መዝሓሊ የቐምጦ” ብምባል ገለጸ። ሽዑ እቲ ሓረስታይ ነቲ ብቫይረስ እተበከለ ዝረግአ ፈሳሲ ኣምኪኹ ምስ ማይ ይሕውሶ እሞ ኣብ ኣእካሉ ይንስንሶ።
እዚ ኣገባብ እዚ ምስቲ ንዕኡ ዝመሳሰል ቀመማዊ ፈውሲ ሓሳኹ ክነጻጸር ከሎ ቅልጡፍ ውጽኢት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ሓንቲ ተመራማሪት ከም ዝበለቶ ብገምጋም እንተ ወሓደ 90 ሚእታዊት ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ኣለዎ።
ብባህርያዊ መገዲ ተጠቒምካ ሓሳኹ ምጥፋእ
ካልእ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣገባብ መቈጻጸሪ ባልዕ ድማ ንጐዳእቲ ሓሳኹ ዝበልዑ ጠቐምቲ ሓሳኹ ምዝውታር ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓረስቶት ነዚ ሓሳኹ ናይ ምቍጽጻር ኣገባብ ምእንቲ ከዘውትርዎ ንምእማኖም ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ: መብዛሕትኦም ኣብ ብራዚልን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዘለዉ ሓረስቶት ገና ኣይተዋሕጠሎምን ዘሎ። ስለምንታይ፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣባይቲ ድዱዕ ምፍናው ንተቐማጦ ከተማ ዕሽነት ዝዀነ ንሓረስቶት እውን ኰነ ኢልካ ኣብ ሕርሻ ሓሰኻ ምፍናው ከምኡ ኢዩ ዝስምዖም። ፕሮፌሰር በርቲ “መብዛሕትኦም ሓረስቶት: ኵሎም ሓሳኹ በላዕቲ ኣታኽልቲ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝስምዖም። ሓረስታይ ንመብዛሕትኦም ኣይደልዮምን ኢዩ” በለኒ።
ስለዚ እምበኣር: እዚ ኣገባብ መቈጻጸሪ ባልዕ ተፈላጥነት ክረክብ ዝኽእል ሓረስቶት ዝጠቕምዎም ሓሳኹ ከም ዘለዉ ምስ ዝርድኡ ጥራይ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ካሊፎርንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ዝርከቡ ሰብ ጀራዲን: ኣብ መወዳእታ ናይ 1800ታት ሌዲባግ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓሳኹ ተጠቒሞም ኢዮም። እቶም ካብ ኣውስትራልያ ብወዝቢ ዝኣተዉ ጐዳእቲ ሓሳኹ ንዅሉ እቲ ናይ ለሚንን ኣራንሽን ኣግራብ ብምጥቃዕ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብረስዎ። እቶም ሌዲባግ እተባህሉ ሓሳኹ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ነቶም ወረርቲ ሓሳኹ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ገበርዎም። በዚ ኸምዚ ነቲ ናይ ካሊፎርንያ ናይ ለሚንን ኣራንሽን ኣግራብ ኣድሓንዎ!
ረብሓ ዘለዎ መቈጻጸሪ
ሎሚ ኣብ ብራዚል ዘለዉ ገሊኦም ሓረስቶት ነቲ ዣውኢንያ (ንእሽቶ ጆኣና: ኣብዚ ሃገር እዚ ሌዲባግ ዝጽወዓሉ ስም) ዝበሃል ሓሰኻ: ዘተኣማምን ‘ሓላዊ ጸጥታ’ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ። ሳንድሮ: ብማእከል እቲ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱ ዘሎ ናይ ኣራንሺ ኣግራብ እናኸድና ከሎና “ዣውኢንያ ነቶም ኣብዚ ናይ ለሚንን ኣራንሽን ኣታኽልቲ ዝርከቡ ቁማል ተኽሊ ይኣርይዎም ኢዮም” በለኒ። ኣብ ጥቓ ሓንቲ ናይ ኣራንሺ ገረብ ደው በለ እሞ ልምሉም ኣቝጽልቲ ዘለዋ ጨንፈር ንታሕቲ ሰሓበ። ኣፊድ ወይ ከኣ ቁማል ተኽሊ—ለመም ዝብሉ ደቀቕቲ ሓሳኹ—ነቲ ኣብ ተኽሊ ዘሎ ፈሳሲ እናመጸዩ ከይተንቀሳቐሱ ኣብቲ ኣቝጽልቲ ጠቢቖም ነበሩ።
ይኹን እምበር: እዞም ቁማል እዚኣቶም ነቶም ‘ሓለውቲ ጸጥታ’ ቀለቦም ኢዮም። ገሊኦም ዓይነት ሌዲባግ: ሓደ ሓሰኻ ጥራይ ክሳዕ ግዜ ሞቱ 800 ቁማል ክበልዕ ይኽእል። በዚ ጥራይ ረብሓ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ ክውሰን ይኽእልዶ፧ ሳንድሮ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ነቶም ብዙሓት ሌዲባግ ከምኡውን ነቶም ካልኦት ባህርያውያን ጸረ ባልዕ ዝኸውን መንበሪ ምእንቲ ክዀኖም ኣብ ማእከል እቲ ኣግራብ እኹል ሳዕርን ጻህያይን እንተ ተገዲፉ እዚ ረብሓ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል።” ኣብዚ ኣታኽልቲ ፍረታት: ከምዚ ዝበለ ባህርያዊ ኣገባብ መቈጻጸሪ ባልዕ ኣብ ዘይነበረሉ እዋናት: ቀመማዊ ፈውሲ ሓሳኹ ኣብ ከክልተ ሰሙን ይንስነስ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ሎሚ ግን ሳላ እቶም ከም ሌዲባግ ከምኡውን ካልኦት ሓሳኹ ዝኣመሰሉ ባህርያውያን ጸረ ባልዕ: ፈውሲ ሓሰኻ ናይ ምንስናስ ኣድላይነት ኣብ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ወርሒ ክኸውን ክኢሉ ኢዩ።
ሌዲባግ ሓደ ካብቶም ሓረስቶት ትውክልቲ ዝገብሩሎም ብዙሓት ባህርያውያን ጸረ ባልዕ ኢዩ። ሒደት ንምጥቃስ ዝኣክል ንህቢ: ዕኮት: ኣዕዋፍ: ሳሬት: እንቍርዖብ ኵሎም ዕዮኦም ዘየቋርጹ ኣባላት ሰራዊት መቈጻጸሪ ባልዕ ኢዮም። ዓሳ እኳ ከይተረፈ መተካእታ ቀመማዊ ጸረ ባልዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧
ኣብ ናንኪንግ: ኣውራጃ ኪያንግሱ ተመራማሪ ሕርሻን ዱርን ዝዀነ ሲያኡ ፋን: ኣብ ቻይና ኣብቲ ብወሓይዝ ዘጥለቕለቐ ሕርሻ ሩዝ ዓሳ ክራብሑ ምስ ጀመሩ ናይ ፈውሲ ሓሳኹ ኣድላይነት ምንካዩ ገሊጹ። እቶም ሓሳኹ ኣብቲ ማይ ምእንቲ ክወድቁ ሓረስቶት ብኽልተ ጫፍ ገመድ ሒዞም ብልዕሊኡ እናጐተቱ ነቲ ኣታኽልቲ ይንውንውዎ። ፋን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቶም ሓሳኹ ካብቲ ናይ ሩዝ ኣታኽልቲ ምስ ወደቑ ከም ዝሞቱ ስለ ዘምስሉ እቶም ዓሳ ብቐሊሉ ኢዮም ዝበልዕዎም።”
ኣብ ርእሲ እዚውን: ጸረ ባልዕ ብብዝሒ ዘይምጥቃም ነቶም ጠቐምቲ ሓሳኹ ብህይወት ንኽነብሩ ይሕግዝ ኢዩ። እዞም ጠቐምቲ ሓሳኹ እዚኣቶም ምስቶም በላዕቲ ሓሳኹ ዝዀኑ ዓሳታት ሓቢሮም ነቶም ጸረ ተኽሊ ሓሳኹ ይቃለስዎም። ፋን: ሳላ እዚ ባህርያዊ ኣገባብ መቈጻጸሪ ባልዕ: እቲ ብብዝሒ ዝዝውተር ዝነበረ መርዛም ፈውሲ ሓሳኹ ተሪፉ ኢዩ በለ። ወሲኹ ድማ: ንጥዕና ይኹን ኣከባቢ ንምምሕያሽ ከም ዝጠቅም ዘይክሓድ ምዃኑ ይገልጽ።
ሓረስቶት ኣይ.ፒ.ኤም. ዝጥቀምሉ ቀንዲ ምኽንያት ንኣከባቢ ኢሎም ዘይኰነስ ንቝጠባዊ ኵነታቶም ኢሎም ኢዮም። ነቲ ክቡር ዝዀነ ጸረ ባልዕ ዘይምጥቃም ገንዘብ ይቝጥብ ብምዃኑ ብዙሕ መኽሰብ ኣለዎ ክበሃል ይከኣል ኢዩ: እዚ ኸኣ ኵሉ ግዜ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ደራኺ ሓይሊ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብ ቍጠባዊ መኽሰብ ንላዕሊ ናይ ኣእካል ምምራዝን ከባብያዊ ጕድኣትን ዝንኪ እንተድኣ ኰይኑ ኣይ.ፒ.ኤም. ንሓረስቶትን ህዝብን እኽልን ኣከባብን ረብሓታት ዘምጽእ ኢዩ። ሓደ ተዓዛቢ ከም ዝገለጾ ኣይ.ፒ.ኤም. “ንዅሉ ዝጠቅም ኢዩ።”
[እግረ ጽሑፍ]
a ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዝርከብ ዓይነት ጸረ ባልዕ (1) ፈውሲ ሓሳኹ (2) ፈውሲ ጻህያይ (3) ፈውሲ ዕሲ (4) ፈውሲ ገሃጽቲ እንስሳታት ክኸውን ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ፈውሲ ብስም እቲ ዝቐትሎ ዓይነት ባልዕ ኢዩ ተጸዊዑ።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ተኸዚኑ ዝጸንሐ ጸረ ባልዕ
ካብ ሎሚ ጀሚሮም ኵሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሓረስቶት እተወሃሃደ መቈጻጸሪ ጸረ ባልዕ ክጥቀሙ እንተ ዝጅምሩ እውን: እቲ ናይ ጸረ ባልዕ ግድል ዘብቅዕ ኣይመስልን ኢዩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን (FAO) ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ካብ 100,000 ቶን ንላዕሊ ተረፍ ጸረ ባልዕ ተኸዚኑ ከም ዘሎ ግምት ይህብ። ብከባብያዊ ፕሮግራም ሕቡራት ሃገራት (ዩናይትድ ኔሽንስ ኢንቫይርመንታል ፕሮግራም) እትዳሎ ኣዋር ፕላኔት እትበሃል መጽሔት “ካብቲ ተኸዚኑ ዘሎ ነገራት: መብዛሕትኡ ተረፍ ናይቲ ብሓገዝ እተዋህበ ጸረ ባልዕ ኢዩ” ትብል። እዚ ኸኣ ነቲ ሎሚ ከም ሓደገኛ ጐሓፍ ዝርአ ዘሎ ብዙሕ ዲዲትን ካልእ ጸረ ባልዕን ዘጠቓልል ኢዩ። መጽሔት ኣዋር ፕላኔት: እዚ ተኸዚኑ ዝጸንሐ ጸረ ባልዕ እዚ እንተ ዘይተወጊዱ “ዕንወት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ” ብምባል ትገልጽ።
ይኹን እምበር: ነዚ ጐሓፍ እዚ ንምጽራይ ዝግበር ዕማም ዋግኡ ኣዝዩ ክቡር ኢዩ። ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ተኸዚኑ ዘሎ ጸረ ባልዕ ጥራይ ንምልጋስ ክሳዕ 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ይሓትት። ነዚ ዋጋ እዚ መን ኢዩ ክኸፍሎ ዝኽእል፧ ትካል መግብን ሕርሻን ነተን ጸረ ባልዕ ዝለገሳ ሃገራት ሓገዘን ከበርክታ ይዕድመን። እንተዀነ ግን: ከምቲ እዚ ውድብ ዝሓበሮ “እተን ናይ ሕርሻ ቀመማት ዘፍርያ ኩባንያታት እውን: መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ወይ ዘየድሊ ጸረ ባልዕ ኣብ ምቕራብ ግደ ስለ ዝነበረን ደገፍ ክገብራ ክሕተታ ኣለወን።” ይኹን እምበር: ክሳዕ ሕጂ እዘን ኩባንያታት እዚኣተን “ነቲ ናይ ቅድም እተኸዘነ ጐሓፍ ንምጽራይ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምሃብ የዕጠጥያ” ኢየን ዘለዋ።
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
እተመሓየሸ ኣታኽልቲ ኣከራኻሪ ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
ባዮቴክኖሎጂ ኣንጻር ባልዕ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሓጋዚ ዝዀነ ካልእ መሳርሒ ኢዩ። ወድሰብ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይ ዲ.ኤን.ኤ. ሞለክዩል ዘለዎ ፍልጠት እናወሰኸ ብምኻዱ: ተመራመርቲ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ኣዝርእቲ ዘሎ ናይ ዲ.ኤን.ኤ. ክፋላት ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ሓሳኹ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም ኣታኽልቲ ከዳልዉ ክኢሎም ኢዮም።
ዕፉን ሓደ ኣብነት ኢዩ። ጀነቲክ ኢንጅነርስ ዝበሃሉ ተመራመርቲ ንሓደ ጂን ካብ ካልእ ምንጪ ወሲዶም ኣብ ናይ ዕፉን ዲ.ኤን.ኤ. የመሓላልፍዎ። እቲ ሓድሽ ጂን ብግዲኡ ንሓሳኹ ዝቐትል ፕሮቲን ይፈጥር። ኣብ መወዳእታ ድማ በቶም ጸረ ተኽሊ ዝዀኑ ሓሳኹ ክጥቃዕ ዘይክእል ተኽሊ ኰይኑ ይርከብ።
ይኹን እምበር: እቲ ምምሕያሽ እተገብረሉ ተኽሊ ኣከራኻሪ ኰይኑ ኣሎ። ነዚ ዝቃወሙ ሰባት: እዞም ምምሕያሽ እተገብረሎም ኣታኽልቲ ንሰባት ከሕምምዎም ይኽእሉ ኢዮም ወይ ከኣ ናብቲ መመሊሱ ዝጥጥዕ ጻህያይ ክቕየሩ ይኽእሉ ኢዮም ኢሎም ይከራኸሩ። ገሊኦም ሊቃውንቲ: ጸረ ሓሰኻ ጂን ዝሓዙ ኣታኽልቲ: ነቶም ሓሳኹ ዝያዳ ናይ ምጽዋር ክእለት ከም ዝህልዎም ዝገብር ኢዩ ብምባል የጠንቅቑ። እቲ ናይ ስነ-ሓሳኹ ምሁር ዝዀነ በርቲ ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “ነቲ ብዛዕባ ምምሕያሽ ተኽሊ ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት ክንቈጻጸሮ ይግብኣና። ኣብ 1950ታት ፈውሲ ሓሳኹ ከም ተኣምር ኰይኑ ምስ ተወደሰ: ሰባት ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ከም ዝነበሩ ንዝክርዶ፧ ሎሚ እዚ ሓቂ ከም ዘይኰነ ንፈልጥ ኢና። እቲ ተኣምር ዝነበረ ፈውሲ ሓሳኹ ሓደስቲ ሓሳኹ ክወልድ ክኢሉ ኢዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብ ኣታኽልቲ እተገብረ ናይ ምምሕያሽ ተኣምርከ እንታይ ዓይነት ግድላት ከም ዝፈጥር መን ይፈልጥ፧”
ኵሉ ስነ-ህይወታዊ ግድላት ክፍታሕ እንተ ዝኽእል እውን ከይተረፈ: ገለ ሰባት ብዛዕባ እቲ ሊቃውንቲ ኣብ ስነ-ውርሻዊ ሕጊ ኢዶም ምእታዎም የሻቕሎም ኢዩ። ገለ ሰባት ባዮቴክኖሎጂ ነቲ ናይ ቅድም ጸረ ባልዕ ዘምጽኦ ግድላት ዝፈትሕ እኳ እንተዀነ ሓድሽ ስነ-ምግባራዊ ጸገማት ዝፈጥረሎም ኰይኑ ይስምዖም።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሓደ ሌዲባግ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሓሳኹ ክበልዕ ይኽእል