ወርቂ ሒዝዎ ዘሎ ምስጢር
ወርቂ—ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ እዚ ብተዛማዲ ፍዅስ ዝበለ ብሩህ ብጫ ዝሕብሩ ዓይነት ማዕድን በቲ ፍሉይ ባህርያቱ ክብሪ ክወሃቦ ጸኒሑ ኢዩ። ሕብሩ: ምንጽብራቑ: ተቐጥቂጡ ሓድሽ ቅርጺ ክሕዝ ዝኽእልን ዘይምርትን ምዃኑ ካብ ካልእ ዓይነት ማዕድን ፍሉይ ዝገብሮ ባህርያት ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣተሓሳስባ እቶም ሃለው ኢሎም ዝረኸብዎ ሰባት ሒዝዎ ዘሎ ክብሪ: ወርቂ ካብ ካልእ ዓይነት ማዕድን ንላዕሊ እተፈለየ ታሪኽ ኢዩ ዘለዎ።
“ወርቂ! እወ ወርቂ ኢዩ: ከረጋግጸልካ እኽእል ኢየ! ወርቂ ኢዩ!” ወርቂ ተደልዩ ምስ ተረኽበ: ልቢ ብሓጐስ ከም ዝፍንጫሕ: ትርግታ ከም ዝውስኽ: ተባላሓትነት ከም ዝዓቢ ገይሩ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ: ኣብ ወሓይዝን ኣብ ኣፍላጋትን: አረ ኣብ ምድሪውን ኣሽሓት ሜትሮታት ንውሽጢ ተዃዒቱ ተደልዩ ኢዩ።
ወርቂ: ከም ክቡር ስልማት ኰይኑ ንነገስታትን ንግስትታትን ኣማዕሪጉ ኢዩ። ንዙፋናትን ናይ ኣብያተ-መንግስቲ መናድቕን ኣመልኪዑ ኢዩ። ዓሳ: ኣዕዋፍ: እንስሳታትን ካልእ ነገራትን ዝውክል ብወርቂ እተሰርሐ ጣኦታት ከም ኣማልኽቲ ክምለኽ ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ወርቂ ንምርካብ እተገብረ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣብ ስልጣነ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኢዩ።
ወርቅን ታሪኽን
ኣብ ጥንታዊት ግብጺ: ወርቂ ንናይ ግብጺ ኣማልኽትን ፈርኦናትን ከም ክቡር ንብረት ይርአ ስለ ዝነበረ: ፈርኦናት ንነጋዶኦምን ሰራዊቶምን ወርቂ ክደልዩ ናብ ርሑቕ ሃገራት ይልእክዎም ነበሩ። እቲ ብ1922 እተረኽበ መቓብር ቱታንካሃመን እውን ብኽቡር ሃብቲ ወርቂ ዝመልአ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሬሳ ሳጹኑ እውን እንተዀነ ብጽሩይ ወርቂ ጥራይ ኢዩ ተሰሪሑ።
ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዝበልዎ: ኣሌክሳንደር ዓቢ “ናብ እስያ ክኣቱ ዝማረኾ ቀንዲ ነገር እቲ ኣብ ፋርስ ዝነበረ ውሩይ መዝገብ ወርቂ ኢዩ።” ሰራዊቱ ነቲ ወርቂ ካብ ፋርስ ናብ ግሪኽ ንምውሳድ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መጽዓኛ ከም እተጠቕሙ ጸብጻብ ተዋሂቡ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ግሪኽ ብወርቂ ዝሃብተመት ሃገር ኰነት።
ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝበሎ ናይ ሮማ “ሃጸያት ንወርቂ ነቲ ናይ ሰበ-ስልጣኖም ተኣማንነት ንምዕቃብን ንናይ ካልኦት ሃገራት ሰበ-ስልጣን ከኣ ጽልዋ ንምግባርን ይጥቀምሉ ነበሩ። ነቲ መስተንክር ዝዀነ ናይ ወርቂ ስልማት ብቐሊሉ ከም ዝርአ ብምግባር: ንህዝቦም ብእኡ ከም ዝምሰጡን ርእሶም ኣትሕት ከም ዘብሉን ይገብርዎም ነበሩ።” ሮማውያን ንስጳኛ ምስ ወረርዋ እሞ ነቲ ናይ እስጳኛ ናይ ወርቂ መዐደኒ ኸኣ ምስ ረኸብዎ: ብዙሕ ወርቂ ከጥርዩ ከም ዝኸኣሉ ሓደ ጽሑፍ ይገልጽ።
ይኹን እምበር: ብዛዕባ ወርቂ ዝዝረብ ዝዀነ ይኹን ነገር ናብቲ ዝያዳ ብደም ዝጠልቀየ ታሪኹ ጥልቕ ኢልካ ኣቲኻ ከይመርመርካ ምሉእ ኣይከውንን ኢዩ። ወራርን ጭካነን ባርነትን ሞትን ዝሓዘ ታሪኽ ኢዩ።
ብደም ዝጠልቀየ ታሪኽ
ስልጣነ እናዓበየ ምስ ከደ: ዝዓበያን ዝሓየላን ብጋንጽላ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዘይተዳህሰሰ ቦታታት ንምርካብ: ሓድሽ ግዝኣት ንምሓዝ: ወርቂ ንምድላይ ተላእካ። ነቲ ኣብ ናይ ምድህሳስ ተግባር ፈላሚ ዝዀነ ክሪስቶፈር ኮሎምበስ (1451-1506) እውን ሓዊስካ: ወርቂ ምርካብ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ዳህሰስቲ ተቐርጸ።
ኮሎምበስ ወርቂ ንምርካብ ሃለው ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ብዛዕባ ህይወት እቶም ደቂ ዓዲ ዋላ ሓንቲ ኣይግደስን ኢዩ ነይሩ። ነቶም ናይ ጕዕዞኡ ወጻኢታት ዝሸፈንሉ ናይ ስጳኛ ንጉስን ንግስትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓንቲ ደሴት ዘጋጠሞ ተመክሮታት ኣብቲ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ መዝገቡ ዝጸሓፎ ከምዚ ብምባል ኣዘንተወሎም:- “ሓደ ሰብ ኣብዚ ኰይኑ ንኽገዝእ: ነቶም እተዋህቦም ዘበለ ዅሉ ትእዛዝ ዝፍጽሙ ደቂ ዓዲ ምቍጽጻርን ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ምዝውታርን ጥራይ ኢዩ ዘድልዮ። . . . ህንዳውያን . . . ጥራሕ ነፍሶም ዝኸዱ: ክከላኸሉ ድማ ዘይክእሉ ብምዃኖም: ትእዛዝ ክቕበሉን ኣብ ተግባር ከውዕልዎን ድሉዋት ኢዮም።” ኮሎምበስ በረኸት ኣምላኽ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ። እቲ ናይ ወርቂ ሃብቲ: ንስጳኛ ነቲ ቅዱስ ዝብሃል ውግእ ንኸተካይድ ዝሕግዛ ኢዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ካብ ወርቂ እተሰርሐ ማስኬራ ህያብ ምስ ተቐበለ ‘ወርቂ ንኽረክብ ኣምላኽ ብምሕረቱ ይሓግዘኒ’ በለ።
እቶም ወርቂ ንምድላይ ደድሕሪ ኮሎምበስ ብመርከብ እተጓዕዙ ደቂ ስጳኛ ወረርቲ: በቲ ናይ ስጳኛ ንጉስ ፍረዲናንድ እዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ:- “ወርቂ ኣምጽኡለይ! እንተ ተኻኢሉ ብሕያውነት ከም እትረኽብዎ ግበሩ። ይኹን እምበር: ብኸመይ ከም እትረኽብዎ ብዘየገድስ ናባይ ኣምጽእዎ።” እቶም ጨካናት ዳህሰስቲ ኣብ መክሲኮ ከምኡውን ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ንዝረኸብዎም ዘበሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቂ እቲ ዓዲ ቀተልዎም። እቲ በቶም ወረርቲ ብመርከብ ተጻዒኑ ናብ ስጳኛ እተወስደ ወርቂ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብደም ዝጠልቀየ ኢዩ ነይሩ።
ድሕርዚ ኸኣ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ባንዴራ ዘይነበሮም ናይ ባሕሪ ሸፋቱ ተላዕሉ። ኣብቲ ሃገራት ዘይቈጻጸርኦ ክፍሊ ባሕሪ ኣድብዮም ብምጽናሕ ነተን ወርቅን ካልእ ክቡር ሃብትን ጽዒነን ዝነበራ ናይ ስጳኛ መራኽብ ዘረፍወን። እተን መራኽብ: እኹል ዕጥቅን ሓይሊ ሰብን ስለ ዘይነበረን ነቶም ክሳዕ ኣፍንጭኦም ተዓጢቖም ዝነበሩ ሸፋቱ ክከላኸላኦም ኣይከኣላን። ኣብ መበል 17 ከምኡውን 18 ክፍለ-ዘበናት: ስርቂ መራኽብ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ኢንድስ ከምኡውን ኣብ ገማግም ኣመሪካ ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ዝኸፍአ መዓት ኰይኑ ነበረ።
ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ወርቂ ንምእካብ ዝነበረ ቅድድም
ብ1848 ኣብ ስንጭሮ ሳክራመንቶ: ካሊፎርንያ: ብዝሒ ዘለዎ ወርቂ ተረኽበ። እቲ ወረ ኣብ ኵሉ ተነዝሐ እሞ ብዙሓት ስደተኛታት ሰፈርቲ ይግብኣና ኢዩ ዝብልዎ ቦታ ንምሓዝ ብዘይምቍራጽ ናብኡ ክውሕዙ ጀመሩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ካሊፎርንያ በቶም “ፎርቲ-ናይነርስ” ዝበሃሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ደለይቲ ሃብቲ ተኸበት። ካሊፎርንያ ብ1848 ብዝሒ ህዝባ 26,000 ዝነበረ ብ1860 ናብ 380,000 ደየበ። ሓረስቶት መሬቶም ጠንጢኖም: መርከበኛታት መራኽቦም ሓዲጎም: ወተሃደራት ካብ ሰራዊት ተረፊቶም ብወርቂ ምእንቲ ክህብትሙ ተጓዕዙ። ገሊኣቶም “ጽምኢ ደም ዘለዎም እኩያት ሰባት” ብዝብል ኢዮም ዝፍለጡ ነይሮም። እቲ ካብ እተፈላለየ ባህልታትን ደረጃታትን ዝመጸ ህዝቢ ምስ ተሓዋወሰ ኸኣ ገበንን ዓመጽን ገነነ። እቶም ወርቂ ናይ ምርካብ ህርፋን ዝነበሮም: እንተዀነ ግን ክጽዕሩ ዘይደለዩ ሰባት ከኣ ሰረገላታትን ባቡራትን ብምዝማት ኣብ ስርቂ ተጸምዱ።
ደድሕሪ እቲ ወርቂ ንምርካብ ተባሂሉ ናብ ካሊፎርንያ ንምኻድ ዝግበር ዝነበረ ቅድድም: ብ1851 ኣብ ኣውስትራልያ ብዙሕ ቅሙጥ ወርቂ ምህላዉ ተፈልጠ። “እቲ እተረኽበ ወርቂ ብሓቂ ዘስደምም ኢዩ ነይሩ” ዝብል ጸብጻብ ተዋህበ። ንሓጺር ግዜ ኣውስትራልያ ወርቂ ብብዝሒ ብምፍራይ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ኰነት። ገለ ካብቶም ናብ ካሊፎርንያ ተሰዲዶም ዝነበሩ ሰባት ሳንጥኦም ጠርኒፎም ናብ ኣውስትራልያ ከዱ። ብዝሒ ህዝቢ ኣውስትራልያ ብናህሪ ወሰኸ። እዚ ድማ ብ1850 እቲ ቝጽሪ 400,000 ዝነበረ ብ1860 ናብ ልዕሊ 1,100,000 ደየበ። ብዙሓት ሰባት ብወርቂ ክህብትሙ ይጓየዩ ስለ ዝነበሩ ማሕረስን ካልእ ዓይነት ዕዮን ደው በለ።
ኣብ ምውዳእ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ከኣ: ኣብ ዩኮንን ኣላስካን እውን ወርቂ ምስ ተረኽበ: እቲ ወርቂ ንምርካብ ብብዝሒ ዝውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ: ናብዘን ሃገራት እዚኣተን ገዓዘ። በሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ብወርቂ ሃብታም ዝዀነ ሃገር ይግብኣና ኢዩ ዝብልዎ ቦታ ንምሓዝ ክሳዕ ርሑቕ ሰሜን ማለት ዞባ ክላንዲክን ኣላስካን ብምኻድ ምስ ቍሪ እናተቓለሱ ይነብሩ ነበሩ።
ጥሒሉ እተረኽበ ሃብቲ
ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጠሊቕካ ናይ ምሕምባስ ምዕባለ ምስ መጸ: ወርቂ ዝድህስሱ ሰባት ቈላሕታኦም ናብ ውሽጢ ባሕሪ ገበሩ። ኣብኡ ኸኣ ከም ናይ ወርቂ ስልማትን ካልእ ብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ኣቢሉ ይገብር እተሰርሐ ናይ ኢደ ጥበብ ነገራትን ዝኣመሰለ ዝጠሓለ ሃብቲ ንምርካብ እተሰብራ መራኽብ ክደልዩ ጀመሩ።
ብ20 መስከረም 1638 ኮንሴፕስዮን እተባህለት መርከብ ስጳኛ ብኸቢድ ንፋስ ምስ ኣኻውሕ ድሕሪ ምርጻማ: ካብ ገምገም ባሕሪ ሰይፓን ርሒቓ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ጠሓለት። በዚ ናይ ሎሚ ዋጋ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ወርቅን ካልእ ሃብትን ዝመልአ ጽዕነት ተሰኪማ ነበረት። ኣብታ መርከብ ካብ ዝነበሩ 400 ዝዀኑ ሰባት መብዛሕትኦም ሞይቶም ኢዮም። እቶም ውሽጢ ጠሊቖም ዝሕምብሱ ካብታ እተሰብረት መርከብ ነፍሲ ወከፉ 1.5 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ: ብኺሎ ግራማት ከኣ ዝምዘን 32 ናይ ወርቂ ሰንሰለት ረኸቡ። ብጠቕላላ: እቶም ሓምበስቲ 1,300 ዝኸውን ከም ሰንሰለት: መስቀል: መላጕም: ወለባ ኽዳን: ቀለበትን ቁልፍን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ስልማት ወርቂ ረኸቡ።
ካልኦት እተሰብራ መራኽብ እውን ተረኺበን ኢየን። ውሽጢ ጠሊቖም ዝሕምብሱ ብ1980 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ገማግም ፍሎሪዳ: ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘበን እተሰብረት ሳንታ ማርጋሪታ እተባህለት ናይ ስጳኛ መርከብ ረኸቡ። ክሳዕ ምውዳእ ናይቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዓመት: ሓንበስቲ ልዕሊ 44 ኪሎ ግራም ሕጡብ ወርቅን ካልእ ብወርቂ እተሰርሐ ኢደ ጥበባትን ረኸቡ።
ኣብ ግዜ ውግእ እተዘምተ ወርቂ
ጀርመን ብ1945 ምስ ተሳዕረት: ብኡንብኡ ወተሃደራት ጥሙር ሓይልታት ኣብቲ ኣብ ቱሪንጅያ: ጀርመን: ዝርከብ መዐደኒ ጨው ኪዜሮዳ ዘደንጹ ነገር ረኸቡ። ብመሰረት ዘ ኣትላንታ ጆርናል (እንግሊዝኛ) “ኣብቲ መዐደኒ 2.1 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ሕጡብ ወርቂ: ናይ ስነ-ጥበብ ውጽኢታት: ባጤራን ናይ ዋንነት ሰነዳትን ተረኽበ።” ናይ ስኒ ኣዋርቕን ብሩርን ዝመልአ ቦርሳታትን እውን ተረኽበ። ገለ ካብኡ ካብ ኣስናን ግዳያት ሆሎካስት እተወሰደ ብምንባሩ መኺኹ እተዀልዐ ኢዩ ነይሩ። እዚ ሕቡእ መዝገብ ወርቂ እዚ: ንመራሕቲ ውግእ ናዚ እተናውሐ ኲናት ከካይዱ ሓጊዝዎም ኢዩ። 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ወርቂ ናብ ዓሰርተ ዝዀና ብሂትለር ተታሒዘን ዝነበራ ሃገራት ከም እተመልሰ እቲ ጆርናል ሓቢሩ ኣሎ። ካብቲ ብናዚ እተዘምተ ሕቡእ ወርቂ ዘይተረኽበ ኣሎ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረ እቲ ምድላይ ቀጸለ።
ወርቂ ዋጋ ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ወርቂ ልክዕ ከምቲ ካልእ ስጋዊ ሃብቲ: ነቶም ዝደልይዎ ህይወት ክህቦም ከም ዘይክእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (መዝሙር 49:6-8፣ ጸፎንያስ 1:18) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ካብ ምጥራይ ወርቂ ኽንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ” ይብለና። (ምሳሌ 16:16) ናይ ሓቂ ጥበብ ካብ ፈጣሪ ማለት ካብ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ዝመጽእ: ኣብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኢዩ ዝርከብ። ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ዝደሊ ሰብ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ ሕግታት ኣምላኽን ስርዓታቱን ምኽሩን ክፈልጥ: ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ናብርኡ ከውዕሎ ይኽእል ኢዩ። ካብ ኵሉ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ብሰብ እተረኽበ ወርቂ: እቲ በዚ ኸምዚ ዝርከብ ጥበብ ኢዩ ኣዝዩ ዝበሃግ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ንሕጂ ዝሓሸ ህይወት ንዝመጽእ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘውህብ ኢዩ።—ምሳሌ 3:13-18
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]
ብዛዕባ ወርቂ ዘሎ ገለ ጭብጥታት
• ወርቂ ካብ ኵሉ ዓይነት ማዕድን እቲ ብቐሊሉ ክጸፍሕን ክምጠጥን ዝኽእል ኢዩ። ምስ ተቐጥቀጠ ክሳዕ 0.1 ማይክሮ ሜተር ክቐጥን ዝኽእል ኢዩ። 28 ግራም ወርቂ ተቐጥቂጡ ክሳዕ 17 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ቦታ ክሽፍን ይኽእል ኢዩ። 28 ግራም ወርቂ ክሳዕ 70 ኪሎ ሜተር ክምጠጥ ይኽእል ኢዩ።
• ጽሩይ ወርቂ ኣዝዩ ፈኲስ ስለ ዝዀነ: ስልማትን ካልእ ብወርቂ ዝዳሎ ነገራትን ክስራሕ ኸሎ ትርር ምእንቲ ኽብል መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ካልእ ዓይነት ማዕድን ይሕወስ ኢዩ። እቲ ወርቂ ምስ ካልእ ማዕድን ናይ ምሕዋስ መጠን በብ24 ኢዩ ዝግለጽ: እቲ መዐቀኒ ኸኣ ካራት ይብሃል። ስለዚ 12-ካራት 50 ሚእታዊት ወርቂ ኢዩ: 18-ካራት 75 ሚእታዊት ወርቂ ኢዩ: 24-ካራት ምስ ዝኸውን ከኣ ጽሩይ ወርቂ ኢዩ።
• እተን ወርቂ ብምፍራይ ብቐዳምነት ዝስርዓ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢየን
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ኣሌክሳንደር ዓቢ:-
The Walters Art Gallery, Baltimore
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ክሪስቶፈር ኮሎምበስ: ብ1492 ናይ ወርቂ ሃብቲ ንምድላይ ባሃማስ ከም ዝኸደ ዝሕብር ስእሊ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
Courtesy of the Museo Naval, Madrid (Spain), and with the kind permission of Don Manuel González López