ሓንቲ ሓብቲ ግዜ ብምምዳብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢባ ተስተንትን
ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ንቕሑ!
ሕቶ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧ ወይስ ምሉእ ብምሉእ ሓሳባት ሰባት ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ፧
ጥቕሲ፦ 2ጢሞ 3:16
መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜብርህ ሰለስተ መርትዖ ተቕርብ።
ሓቂ ምሃር
ሕቶ፦ ንውህበት ህይወት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧
ጥቕሲ፦ ራእ 4:11
ሓቂ፦ ህይወት፡ ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝዀነት፡ ኣኽቢርና ኢና እንሕዛ። ኰነ ኢልና ህይወት ካልእ ሰብ ስለ ዘይነጥፍእ፡ ንድሕንነት ንጥንቀቕ ኢና። ንውህበት ህይወት ድማ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።
መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧
ሕቶ፦ ኣብ ቅድሚት እዛ ትራክት ንዘላ ሕቶን ንገለ እቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዘሎ ኣማራጺታትን ኣስተብህለሉ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧
ጥቕሲ፦ ሉቃ 11:28
መፋለጢ፦ እዛ ትራክት እዚኣ፡ እዚ ንስድራ ቤትካ ብኸመይ ኪጠቕሞም ከም ዚኽእልን ንዅሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ስለምንታይ ክንኣምኖ ኸም እንኽእልን ትገልጽ።
ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።