ረቡዕ 15 ሚያዝያ
ንሓድሕድኩም [ተፋቐሩ]።—ዮሃ. 15:12።
ህዝቢ የሆዋ ንሓድሕዶም ምትሕግጋዝ ይፈትዉ እዮም። (2 ቈረ. 8:4) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ትብዓት ይሓትት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ውግእ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን መተባብዒ፡ ደገፍ፡ ምናልባት እውን መንፈሳዊ ዀነ ኣካላዊ ምግቢ ኸም ዜድልዮም ሽማግለታት ይፈልጡ እዮም። ነተን ኣባጊዕ ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ተላዒሎም ከኣ፡ ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ዜድልየን ዘበለ የማልኡለን እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሓድነትና ንዓቅብ። ምስቲ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚመጽእ መምርሒ ንተሓባበር። (እብ. 13:17) ሽማግለታት ነቲ ንሓደጋ ድሉው ንምዃን ዚግበር መሰናድዎን ነቲ ሓደጋ ኣብ ዚመጸሉ እዋን እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ ብዚምልከት ካብ ውድብ ዝመጸ መምርሕን ብስሩዕ ኪኽልስዎ ኣለዎም። (1 ቈረ. 14:33, 40) ተባዕ ግናኸ ጥንቁቕ ኩን። (ምሳ. 22:3) ለባም ኩን። ብዘየድሊ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ሓደጋ ኣይተእቱ። ብየሆዋ ተኣመን። የሆዋ ንዓኻን ንኣሕዋትካን ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየልኩም ዘክር። w24.07 4 ¶8፣ 5 ¶11
ሓሙስ 16 ሚያዝያ
ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡ . . . ኣብ ቅድሚኡ ዘቕረብክዎ ኣውያተይ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ።—መዝ. 18:6።
ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ይፈልጦ፡ ኣብኡ እውን ይውከል ነበረ። በቶም ከም ንጉስ ሳኦል ዝኣመሰሉ ጸላእቱ ኣብ ዚህደነሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመነ። ኣምላኽ ንጸሎቱ ምስ መለሰሉ ኸኣ፡ “የሆዋ ህያው እዩ!” በለ። (መዝ. 18:46) ዳዊት በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ጥራይ ኣይኰነን ዚሕብር ነይሩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዚሕብሮ፡ ዳዊት ኣብቲ “ምእንቲ ህዝቡ ወትሩ ስጕምቲ ዚወስድ ህያው ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ዘለዎ እምንቶ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እወ፡ ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ፡ ኣምላኽ ህያው ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ እምነቱ ኸኣ ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋልን ንምውዳስን ዘለዎ ቘራጽነት ኣደልዲሉሉ እዩ። (መዝ. 18:28, 29, 49) የሆዋ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ እንተ ኣሚንና፡ ብቕንኣት ከነገልግሎ ንኽእል ኢና። ፈተናታት ንምጽዋር፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከኣ ብትግሃት ንምዕያይ ብርታዐ ንረክብ ኢና። ናብ የሆዋ ንምልጋብ ዘሎና ቘራጽነት እውን ይድልድል እዩ። w24.06 20-21 ¶3-4
ዓርቢ 17 ሚያዝያ
ብዝዀነ ይኹን ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም።—2 ተሰ. 2:3።
ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፎ ቓላት እንታይ ንምሃር፧ ምስቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ዘይሰማማዕ ነገር ወይ ልቢ ዚሰልብ ወረ እንተ ሰሚዕና፡ ከነስተውዕል ኣሎና። ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ ጸላእትና ኻብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ተላኢኻ እተባህለት ደብዳበ ኣብ ኣሕዋት ከም እትዘውር ገበሩ። እታ ደብዳበ ኸኣ፡ ገሊኦም ኣሕዋት ብርእሳ እትምሓደር ውድብ ኬቝሙ እተተባብዕ እያ ነይራ። ናይ ሓቂ እያ እትመስል ነይራ። እሙናት ኣሕዋት ግና ኣይተዓሸዉን። እቲ ኣብታ ደብዳበ ዚርከብ መልእኽቲ ምስቲ ኣቐዲሞም እተማህርዎ ኸም ዘይሳነ ኣስተውዓሉ። ሎሚ፡ ሓድሓደ ግዜ ጸላእቲ ሓቂ ኼደናግሩናን ኪኸፋፍሉናን ኢሎም ዘመናዊ ተክኖሎጂ ይጥቀሙ እዮም። ‘ካብ ሓሳብና ቐልጢፍና ኣብ ክንዲ እንናወጽ፡’ እቲ ዝሰማዕናዮ ወይ ዘንበብናዮ ምስቲ ድሮ እንፈልጦ ሓቅታት ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ግምት ብምእታው ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።—2 ተሰ. 2:2፣ 1 ዮሃ. 4:1። w24.07 12 ¶14-15