ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • es26 ገጽ 37-46
  • ሚያዝያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሚያዝያ
  • ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ረቡዕ 1 ሚያዝያ
  • በዓል ዝኽሪ
    ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ
    ሓሙስ 2 ሚያዝያ
  • ዓርቢ 3 ሚያዝያ
  • ቀዳም 4 ሚያዝያ
  • ሰንበት 5 ሚያዝያ
  • ሰኑይ 6 ሚያዝያ
  • ሰሉስ 7 ሚያዝያ
  • ረቡዕ 8 ሚያዝያ
  • ሓሙስ 9 ሚያዝያ
  • ዓርቢ 10 ሚያዝያ
  • ቀዳም 11 ሚያዝያ
  • ሰንበት 12 ሚያዝያ
  • ሰኑይ 13 ሚያዝያ
  • ሰሉስ 14 ሚያዝያ
  • ረቡዕ 15 ሚያዝያ
  • ሓሙስ 16 ሚያዝያ
  • ዓርቢ 17 ሚያዝያ
  • ቀዳም 18 ሚያዝያ
  • ሰንበት 19 ሚያዝያ
  • ሰኑይ 20 ሚያዝያ
  • ሰሉስ 21 ሚያዝያ
  • ረቡዕ 22 ሚያዝያ
  • ሓሙስ 23 ሚያዝያ
  • ዓርቢ 24 ሚያዝያ
  • ቀዳም 25 ሚያዝያ
  • ሰንበት 26 ሚያዝያ
  • ሰኑይ 27 ሚያዝያ
  • ሰሉስ 28 ሚያዝያ
  • ረቡዕ 29 ሚያዝያ
  • ሓሙስ 30 ሚያዝያ
ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2026
es26 ገጽ 37-46

ሚያዝያ

ረቡዕ 1 ሚያዝያ

ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ፡ . . . ፍቓድ ኣቦይ እዩ።—ዮሃ. 6:40።

ካብ ስጋን ደምን የሱስ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ በቲ በጃ ኽንኣምን ኣሎና። (ኤፌ. 1:7) እቶም የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ኢሉ ዝጽውዖም፡ ካብቲ ዓመት ዓመት ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ኣይወስዱን እዮም፣ ኪወስዱ እውን የብሎምን። (ዮሃ. 10:16) ይኹን እምበር፡ ካብ ስጋን ደምን የሱስ ክርስቶስ ይጥቀሙ እዮም። ኣብቲ መስዋእታዊ በጃ እምነት ብምሕዳር ከኣ እዮም ዚጥቀሙ። (ዮሃ. 6:53) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቶም ኪወስዱ ዘለዎም ሰባት፡ በዚ ተግባሮም ኣቢሎም ክፍሊ እቲ ሓድሽ ኪዳንን ወረስቲ እታ ሰማያዊት መንግስትን ከም ዝዀኑ እዮም ዜርእዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ካብቶም ቅቡኣት ንኹን፡ ወይ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ፡ ብእምነት ክንመላለስ ኣሎና። w24.12 13 ¶14, 16

ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (ብመዓልቲ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 12 ኒሳን) ማቴዎስ 26:1-5, 14-16፣ ሉቃስ 22:1-6

በዓል ዝኽሪ
ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ
ሓሙስ 2 ሚያዝያ

ኣታ ሒደት መጓሰ፡ መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ።—ሉቃ. 12:32።

ኣብ ድራር ጐይታ፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ቅጫ ድሕሪ ምሃብ፡ እዚ ንስጋኡ ኸም ዜመልክት ሓበሮም። ድሕሪኡ፡ ወይኒ ድሕሪ ምሃብ፡ “ደም ኪዳን” ማለት ምዃኑ ነገሮም። (ማር. 14:22-25፣ ሉቃ. 22:20፣ 1 ቈረ. 11:24) እቲ ሓድሽ ኪዳን ምስቶም “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ” ገዛእቲ ዚዀኑ መንፈሳውያን “ቤት እስራኤል” እዩ ተኣትዩ። (እብ. 8:6, 10፣ 9:15) ኣብ ድራር ጐይታ፡ የሱስ ኣብቲ “ሒደት መጓሰ” እዩ ኣተኲሩ ነይሩ። እቲ ንእሽቶ ጕጅለ እቲ፡ በቶም ምስኡ ኣብታ ኽፍሊ ዝነበሩ እሙናት ሃዋርያት እዩ ጀሚሩ። እዚኣቶም ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ቦታ ኺህልዎም እዩ። w24.12 11 ¶9-10

ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (ብመዓልቲ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 13 ኒሳን) ማቴዎስ 26:17-19፣ ማርቆስ 14:12-16፣ ሉቃስ 22:7-13 (ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 14 ኒሳን) ዮሃንስ 13:1-5፣ 14:1-3

ዓርቢ 3 ሚያዝያ

ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።—ዮሃ. 3:16።

የሱስ ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ፡ ተኣሲሩ፡ ተጸሪፉ፡ ተጠቂኑ፡ ተፈሪዱ፡ ከምኡ እውን ተሰቅዩ እዩ። ወተሃደራት ከኣ ናብታ ዚቕተለላ ቦታ ወሲዶም ኣብ ጕንዲ ሰቒሎምዎ እዮም። ንዅሉ እዚ ስቓይ ብተኣማንነት ኪጻወሮ ኸሎ ግና፡ በዚ ዅሉ ኻብኡ ንላዕሊ እተሳቐየ ነይሩ እዩ። ንሱ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓይሉ ገቲኡ፡ ጣልቃ ኸይኣቱ እውን ገዛእ ርእሱ ዓጊቱ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ብሓንቲ ቓል፡ ፍቕሪ እያ። እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረካ የርኢ እዩ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኼድሕነካ ኢሉ ዓብዪ መስዋእቲ ኸፊሉ፡ ከቢድ ስቓይ እውን ኣሕሊፉ እዩ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) እወ፡ ንነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ምስ ሓጢኣት ዚግበር ቃልሲ ኽንዕወት ይደልየና እዩ! w24.08 6 ¶13-14

ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (ብመዓልቲ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 14 ኒሳን) ዮሃንስ 19:1-42

ቀዳም 4 ሚያዝያ

ክርስቶስ . . . ምእንታኹም መከራ ጸጊቡ እዩ።—1 ጴጥ. 2:21።

እቲ በጃ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘኽፈሎ ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ የሆዋ ንዓና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና ብዝሓሸ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ሰይጣን፡ ‘ኣብ እዋን ጸገም ንኣምላኽ እሙን ዚኸውን የሎን’ ኢሉ እዩ ዚማጐት። የሆዋ ድማ እቲ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ ምእንቲ ኺረጋገጽ ኢሉ፡ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኺስቀ ፈቐደ። (እዮ. 2:1-5) ስለዚ፡ የሆዋ እናረኣየ፡ ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ ንየሱስ ኣላገጹሉ፡ ወተሃደራት ገረፍዎ፡ ኣብ ጕንዲ ድማ ሰቐልዎ። ድሕርዚ እውን የሆዋ እናረኣየ፡ ፍቑር ወዱ ዜሳቒ ኣማውታ ሞተ። (ማቴ. 27:28-31, 39) የሆዋ ነዚ ደው ኬብሎ ምኸኣለ ነይሩ። (ማቴ. 27:42, 43) ጣልቃ እንተ ዚኣቱ ነይሩ ግና፡ እቲ በጃ ኣይምተኸፍለን፡ ንሕና እውን ብዘይ ተስፋ ምተረፍና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሆዋ፡ ወዱ ኽሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ መከራ ኼሕልፍ ዝፈቐደ። w25.01 22 ¶7

ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (ብመዓልቲ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 15 ኒሳን) ማቴዎስ 27:62-66 (ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 16 ኒሳን) ዮሃንስ 20:1

ሰንበት 5 ሚያዝያ

40 መዓልቲ [ተርኣዮም]።—ግብ. 1:3።

እዋኑ 16 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሓዘን ደንዚዞም፡ ብፍርሂ እውን ለሚሶም እዮም ነይሮም። ክልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ኤማሁስ እትብሃል ቍሸት ይኸዱ ነበሩ። ሓደ ጋሻ ረኸቦም እሞ ምስኦም ኪኸይድ ጀመረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ዜሕዝን ፍጻመታት ነገርዎ። ሽዑ እቲ ጋሻ፡ ፈጺሞም ዘይርስዕዎ ነገራት ኪነግሮም ጀመረ። “ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነብያትን ጀሚሩ፡” መሲሕ ስለምንታይ ኪሳቐን ኪመውትን ከም ዝነበሮ ገለጸሎም። እዞም ሰለስተ ሰብኡት ኣብ ኤማሁስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እቲ ጋሻ መንነቱ ኣግሃደሎም፣ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ እዩ ነይሩ! (ሉቃ. 24:13-35) የሱስ ኣብተን ኣብ ምድሪ ዝጸንሓለን ናይ መወዳእታ 40 መዓልቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ ተራእዮም። እቶም ብጓህን ብፍርህን ተዀርምዮም ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ ከኣ ናብ ሕጉሳትን ተባዓትን ሰበኽትን መምህራንን መንግስቲ ኣምላኽ ተቐየሩ። w24.10 12 ¶1-3

ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (ብመዓልቲ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 16 ኒሳን) ዮሃንስ 20:2-18

ሰኑይ 6 ሚያዝያ

በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም [ህነጽዋ]።—ይሁ. 20።

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ብኣካላዊ መዳይ ዕቤት ንገብር ኢና። መንፈሳዊ ብስለት ግና ብግዜ ጥራይ ዚብጻሕ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ብስራት ተቐቢሎም፡ ተጠሚቖም፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም፡ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ተማሂሮም ነይሮም እዮም። (ግብ. 18:8-11) ኰይኑ ግና፡ ካብ ዚጥመቑ ገለ ዓመታት ምስ ሓለፈ እኳ፡ ብዙሓት ገና ኣይበሰሉን ነይሮም። (1 ቈረ. 3:2) ናብ ብስለት ንምብጻሕ፡ ፈለማ ብሱላት ንምዃን ድሌት ከነሕድር ኣሎና። ‘ዘይልብምና ዚፈትዉ’ ሰባት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕጻናት ኰይኖም ስለ ዚነብሩ፡ ዕቤት ኣይገብሩን እዮም። (ምሳ. 1:22) ከምቶም ብኣካላዊ መዳይ ዓበይቲ ኽነሶም ወለዶም ውሳነታት ዚገብሩሎም ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ መንፈሳዊ ዕቤት ናይ ምግባር ሓላፍነትና ኽንስከሞ ንደሊ ኢና። ስለዚ፡ ናብ ብስለት ንምብጻሕ ጻዕሪ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ “ድሌትን ንምግባር ዓቕምን” ምእንቲ ኽትረክብ ናብ የሆዋ ጸሊ።—ፊል. 2:13። w24.04 4 ¶9-10

ሰሉስ 7 ሚያዝያ

የሆዋስ፡ . . . ሓደ እኳ ኺጠፍእ [ኣይደልን እዩ]።—2 ጴጥ. 3:9።

የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዚፈርደሉ መገዲ እንታይ ከም ዚስምዖ ገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 33:11) የሆዋ ንሰባት ተቐላጢፉ ንሓዋሩ ኸም ዘየጥፍኦም ንፈልጥ ኢና። ምሕረቱ ብዙሕ እዩ፡ ብእተኻእለ መጠን እውን ምሕረት ይገብር እዩ። ብዛዕባ እቶም ትንሳኤ ዘይረኽቡ ሰባት እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ኣብነታት ጥራይ እዩ ዚጠቅስ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኸም ዘይትንስእ፡ የሱስ ሓቢሩ እዩ። (ማር. 14:21) ይሁዳ ደይ መደይ ኢሉ እዩ ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱን ዚጻረር ተግባር ገይሩ። (ማር. 3:29) ኣብ ካልእ እዋን፡ የሱስ ብዛዕባ ገሊኦም እተጻረርዎ መራሕቲ ሃይማኖት ኪዛረብ ከሎ፡ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይብሎም ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 23:33) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ዘይንስሑ ኸሓድቲ ኸም ዘይትንስኡ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ።—እብ. 6:4-8፣ 10:29። w24.05 4 ¶10-11

ረቡዕ 8 ሚያዝያ

የሆዋ ንእሙናት የዕቍቦም።—መዝ. 31:23።

ናብ የሆዋ እንተ ለጊብና፡ ሰይጣን ነባሪ ጕድኣት ኬምጽኣልና ኣይክእልን እዩ። (1 ዮሃ. 3:8) ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ የሆዋ ንእሙናት ኣዕሩኹ ኻብ መንፈሳዊ ጕድኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ሞት እውን ኬዕቍቦም እዩ። (ራእ. 21:4) ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻ ምዃን፡ ማለት ምስ የሆዋ ብሕታውን ነባርን ርክብ ምምስራት ብሓቂ ዓብዪ ኽብሪ እዩ! (ህዝ. 37:27) እሞ ደኣ ወትሩ ኣጋይሹ ዄንና ምእንቲ ኽንነብር እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ናብ እንዳ ሰብ እንተ ትዕደም፡ እቲ ዓዳሚኻ ኻባኻ እንታይ ከም ዚጽበ ኽትፈልጥ ምደለኻ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኻብቶም ብግሽነት ዚቕበሎም ሰባት እንታይ ከም ዚጽበ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ፡ ‘ብዅሉ ምእንቲ ኸነሐጕሶ’ ዚከኣለና ኽንገብር የለዓዕለና እዩ። (ቈሎ. 1:10) ወትሩ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከነሕድር ኣሎና፣ ንሱ መን ምዃኑ እውን ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። ከምዚ ዝበለ ኣኽብሮት ንዕኡ ኻብ ዜጕህዮ ኣካይዳ ኽንሕሎ ይድርኸና። እወ፡ ምስ ኣምላኽና ‘ብትሕትና ኽንመላለስ’ ንደሊ ኢና።—ሚክ. 6:8። w24.06 4 ¶8-9

ሓሙስ 9 ሚያዝያ

ንኣበስቲ ድማ ለሚኑሎም።—ኢሳ. 53:12።

የሆዋ ንኣብርሃም፡ ንወዱ ይስሃቅ ኪስውኣሉ ሓተቶ። ኣብርሃም መሸም በዚ ኣመና ተጨኒቑ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ከምቲ እተባህሎ ኺገብር ተዳለወ። ኣምላኽ ግና ኣብታ ናይ መወዳእታ ህሞት ደው ኣበሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብነት እቲ፡ እምነት ንዘለዎም ኵሎም ሰባት ኣገዳሲ ሓቂ ይምህሮም እዩ። የሆዋ ንዜፍቅሮ ወዱ ንምስዋእ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ክሳዕ ክንድኡ እዩ ንደቂ ሰብ ዜፍቅሮም። (ዘፍ. 22:1-18) ድሕሪ ዘመናት፡ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ሕጉ ኺህቦም ከሎ፡ ንሓጢኣቶም ዜተዓርቕ ሓያሎ መስዋእትታት ኬቕርቡ ኣዘዞም። (ዘሌ. 4:27-29፣ 17:11) እዚ መስዋእትታት እዚ፡ ናብቲ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ዜድሕኖም ዓብዪ መስዋእቲ ዜመልክት ነበረ። ነብያት ኣምላኽ ብድራኸ መንፈስ ተመሪሖም፡ እቲ እተተስፈወ ዘርኢ፡ ማለት ሓደ ፍሉይ ወዲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡—እንተላይ ንዓኻ፡—ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን፡ ከም ዚሳቐን ከም ዚመውትን ተነበዩ።—ኢሳ. 53:1-12። w24.08 4 ¶7-8

ዓርቢ 10 ሚያዝያ

ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ! ምሉእ መዓልቲ ኣጸቢቐ እሓስበሉ ኣለኹ።—መዝ. 119:97።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ ዘንበብካዮ እትትግብረሉ መገድታት ኣናዲ። ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ነዚ ሓበሬታ እዚ፡ ሕጂ ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኸመይ ክትግብሮ እኽእል፧’ ንኣብነት፡ ኣብ ንባብካ 1 ተሰሎንቄ 5:17, 18 ተንብብ ንበል። ነዘን ክልተ ፍቕዲ ድሕሪ ምንባብካ፡ ሓንሳእ ደው ኣቢልካ፡ ክሳዕ ክንደይ ብተደጋጋሚ ኸም እትጽልን ክሳዕ ክንደይ ብዕምቈት ከም እትጽልን ትሓስብ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኸተመስግነሎም እትደሊ ነገራት ትሓስብ። ምናልባት፡ ብዛዕባ ሰለስተ ነገራት ፈሊኻ ንየሆዋ ኸተመስግኖ ትደሊ ትኸውን። በዘን ብኣትኵሮ ዘጽናዕካለን ሒደት ደቓይቕ፡ ብእተወሰነ መጠን ሰማዕን ተግባርን ቃል ኣምላኽ ኢኻ እትኸውን። ካልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ መዓልቲ መዓልቲ ነዚ ሜላ እዚ እንተ ደጋጊምካዮ እትረኽቦ ጥቕሚ እሞ ሕሰቦ! እወ፡ ከም ገባሪ ቓል ኣምላኽ እናዓበኻ ኽትከይድ ኢኻ። w24.09 4-5 ¶9-10

ቀዳም 11 ሚያዝያ

ምሉእ ዓስቢ ኽትረኽቡ እምበር፡ ነቲ ዝጸዓርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።—2 ዮሃ. 8።

የሆዋ ፍሉይ ክእለት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። ምቕባል ዜሐጕሰና እኳ እንተ ዀነ፡ ዝያዳ ሓጐስ እንረክብ ግና ክንህብ ከለና እዩ። ንክርስትያናት ብጾትና ኽንሕግዝ ከለና ባህ ይብለና እዩ። ሞሳኦም ኪገልጹ ኸለዉ ኸኣ ንሕጐስ ኢና። እቲ ተቐባሊ የመስግን ኣየመስግን ብዘየገድስ፡ ንሕና ቕኑዕ ነገር ብምግባርና ሕጉሳት ንኸውን ኢና። ዝሃብና እንተ ሃብና፡ ‘የሆዋ ኻብኡ ዚበዝሕ ኪህበና ኸም ዚኽእል’ ኣይንረስዕ። (2 ዜና 25:9) ብምሃብ ዝመጸ ንየሆዋ ኽንበልጾ ኣይንኽእልን ኢና! ብተወሳኺ፡ ካብ የሆዋ ውሬታ ኸም ምርካብ ገይሩ ዜሕጕስ ካልእ የልቦን። እምበኣር፡ ከም ሰማያዊ ኣቦና ለጋሳት ንምዃን ቈራጽነት ንግበር። w24.09 31 ¶20-21

ሰንበት 12 ሚያዝያ

ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ብዅሉ ልበይ እውድሰካ ኣለኹ፣ ንዘለኣለም ከኣ ንስምካ ከኽብሮ እየ።—መዝ. 86:12።

የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን እዩ። (መዝ. 103:13፣ ኢሳ. 49:15) ደንጋጺ እዩ፣ ስቓይና እውን ይስምዖ እዩ። (ዘካ. 2:8) ናብኡ ኽንቀርብን ፈተውቱ ኽንከውንን መገዲ ይኸፍተልና እዩ። (መዝ. 25:14፣ ግብ. 17:27) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ትሑት ስለ ዝዀነ፡ “ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኪርኢ ይደንን እሞ፡ ንትሑት ካብ ሓመድ የተንስኦ” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝ. 113:6, 7) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽና ኽብሪ ኽንህቦ ንደሊ ኢና። ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ስለ እንደሊ፡ ክብሪ ንህቦ ኢና። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ልክዕ ፍልጠት የብሎምን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሰይጣን ብዛዕባኡ ሓሶት ብምንዛሕ፡ ንኣእምሮኦም ኣዕዊርዎ ኣሎ። (2 ቈረ. 4:4) ሰይጣን ንሰባት፡ የሆዋ ቒመኛን ሕሱምን ጠንቂ መከራ ዓለምን ከም ዝዀነ ገይሩ ኣእሚንዎም ኣሎ። ንሕና ግና ብዛዕባ ኣምላኽና እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና! እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንኻልኦት ክንነግር፡ በዚ ኸምዚ ድማ ክብሪ ኸነምጽኣሉ ንደሊ ኢና።—ኢሳ. 43:10። w25.01 3 ¶6-7

ሰኑይ 13 ሚያዝያ

ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ . . . ሰይጣን።—ራእ. 12:9።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ደገፍቲ ሰይጣን ብዛዕባ እቲ ፍጹም ገባር ተኣምራት ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ ብዙሕ ሓሶት እዮም ነዚሖም። ንኣብነት፡ ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ የሱስ ንኣጋንንቲ “ብሓለቓ ኣጋንንቲ” ኸም ዜውጽኦም ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ። (ማር. 3:22) የሱስ ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ገይሮም ከሰስዎ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ምእንቲ ኺጠልቡ እውን ነቶም ህዝቢ ሓበልዎም። (ማቴ. 27:20) ድሕርዚ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብስራት ኪሰብኩ ኸለዉ፡ እቶም ተጻረርቶም መስጐጕቲ ምእንቲ ኪቝስቍሱ ኢሎም ነቶም ህዝቢ ኣብቶም ኣሕዋት “ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም።” (ግብ. 14:2, 19) ናይ 1 ታሕሳስ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ግብሪ ሃዋርያት 14:2 ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “እቶም ኣይሁድ ተጻረርቲ ንርእሶም ነቲ መልእኽቲ ምንጻጎም ስለ ዘየዕገቦም፡ እቶም ኣህዛብ ኣንጻር ክርስትያናት ብሕማቕ ኣቐዲሞም ምእንቲ ክፈርዱ ብሓሶት ናይ ምጽላም ወፈራ ጀመሩ።” ሎሚ እውን ሰይጣን ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኣሎ።’ w24.04 11 ¶15-16

ሰሉስ 14 ሚያዝያ

እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧—ዘፍ. 18:25።

ናይ ሓደ ሰብ ዘለኣለማዊ መጻኢ፡ ኣብቲ ዚሞተሉ ግዜ ዚምርኰስ ኣይኰነን። የሆዋ ፍጹም ፈራዲ እዩ፣ ፍትሓውን ቅኑዕን ውሳነ እዩ ዚውስን። (መዝ. 33:4, 5) “እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ቕኑዕ ከም ዚገብር ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ናይ ሓደ ሰብ ዘለኣለማዊ መጻኢ፡ ኣብቲ ዚነብረሉ ቦታ እውን ዚምርኰስ ኣይኰነን። የሆዋ ነቶም ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ኣብ ዘይረኽቡሉ ዓድታት ዚነብሩ ሚልዮናት ሰባት፡ ብጃምላ “ኣጣል” ኢሉ ኺፈርድሲ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ። (ማቴ. 25:46) እቲ ጻድቕ ፈራድ ኵላ ምድሪ ብዛዕባ እዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ካባና ንላዕሊ ይሓሊ እዩ። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ነቲ ፍጻመታት ብኸመይ ከም ዚቕልሶ ኣይንፈልጥን ኢና። ምናልባት ገለ ኻባታቶም ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ፡ ብእኡ ኺኣምኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ ገዛእ ርእሱ ኪቕድስ ከሎ ኸኣ ኣብ ጐድኑ ኪቘሙ ይኽእሉ ይዀኑ።—ህዝ. 38:16። w24.05 12 ¶14-15

ረቡዕ 15 ሚያዝያ

ንሓድሕድኩም [ተፋቐሩ]።—ዮሃ. 15:12።

ህዝቢ የሆዋ ንሓድሕዶም ምትሕግጋዝ ይፈትዉ እዮም። (2 ቈረ. 8:4) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ትብዓት ይሓትት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ውግእ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን መተባብዒ፡ ደገፍ፡ ምናልባት እውን መንፈሳዊ ዀነ ኣካላዊ ምግቢ ኸም ዜድልዮም ሽማግለታት ይፈልጡ እዮም። ነተን ኣባጊዕ ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ተላዒሎም ከኣ፡ ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ዜድልየን ዘበለ የማልኡለን እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሓድነትና ንዓቅብ። ምስቲ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚመጽእ መምርሒ ንተሓባበር። (እብ. 13:17) ሽማግለታት ነቲ ንሓደጋ ድሉው ንምዃን ዚግበር መሰናድዎን ነቲ ሓደጋ ኣብ ዚመጸሉ እዋን እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ ብዚምልከት ካብ ውድብ ዝመጸ መምርሕን ብስሩዕ ኪኽልስዎ ኣለዎም። (1 ቈረ. 14:33, 40) ተባዕ ግናኸ ጥንቁቕ ኩን። (ምሳ. 22:3) ለባም ኩን። ብዘየድሊ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ሓደጋ ኣይተእቱ። ብየሆዋ ተኣመን። የሆዋ ንዓኻን ንኣሕዋትካን ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየልኩም ዘክር። w24.07 4 ¶8፣ 5 ¶11

ሓሙስ 16 ሚያዝያ

ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡ . . . ኣብ ቅድሚኡ ዘቕረብክዎ ኣውያተይ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ።—መዝ. 18:6።

ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ይፈልጦ፡ ኣብኡ እውን ይውከል ነበረ። በቶም ከም ንጉስ ሳኦል ዝኣመሰሉ ጸላእቱ ኣብ ዚህደነሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመነ። ኣምላኽ ንጸሎቱ ምስ መለሰሉ ኸኣ፡ “የሆዋ ህያው እዩ!” በለ። (መዝ. 18:46) ዳዊት በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ጥራይ ኣይኰነን ዚሕብር ነይሩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዚሕብሮ፡ ዳዊት ኣብቲ “ምእንቲ ህዝቡ ወትሩ ስጕምቲ ዚወስድ ህያው ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ዘለዎ እምንቶ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እወ፡ ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ፡ ኣምላኽ ህያው ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ እምነቱ ኸኣ ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋልን ንምውዳስን ዘለዎ ቘራጽነት ኣደልዲሉሉ እዩ። (መዝ. 18:28, 29, 49) የሆዋ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ እንተ ኣሚንና፡ ብቕንኣት ከነገልግሎ ንኽእል ኢና። ፈተናታት ንምጽዋር፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከኣ ብትግሃት ንምዕያይ ብርታዐ ንረክብ ኢና። ናብ የሆዋ ንምልጋብ ዘሎና ቘራጽነት እውን ይድልድል እዩ። w24.06 20-21 ¶3-4

ዓርቢ 17 ሚያዝያ

ብዝዀነ ይኹን ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም።—2 ተሰ. 2:3።

ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፎ ቓላት እንታይ ንምሃር፧ ምስቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ዘይሰማማዕ ነገር ወይ ልቢ ዚሰልብ ወረ እንተ ሰሚዕና፡ ከነስተውዕል ኣሎና። ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ ጸላእትና ኻብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ተላኢኻ እተባህለት ደብዳበ ኣብ ኣሕዋት ከም እትዘውር ገበሩ። እታ ደብዳበ ኸኣ፡ ገሊኦም ኣሕዋት ብርእሳ እትምሓደር ውድብ ኬቝሙ እተተባብዕ እያ ነይራ። ናይ ሓቂ እያ እትመስል ነይራ። እሙናት ኣሕዋት ግና ኣይተዓሸዉን። እቲ ኣብታ ደብዳበ ዚርከብ መልእኽቲ ምስቲ ኣቐዲሞም እተማህርዎ ኸም ዘይሳነ ኣስተውዓሉ። ሎሚ፡ ሓድሓደ ግዜ ጸላእቲ ሓቂ ኼደናግሩናን ኪኸፋፍሉናን ኢሎም ዘመናዊ ተክኖሎጂ ይጥቀሙ እዮም። ‘ካብ ሓሳብና ቐልጢፍና ኣብ ክንዲ እንናወጽ፡’ እቲ ዝሰማዕናዮ ወይ ዘንበብናዮ ምስቲ ድሮ እንፈልጦ ሓቅታት ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ግምት ብምእታው ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።—2 ተሰ. 2:2፣ 1 ዮሃ. 4:1። w24.07 12 ¶14-15

ቀዳም 18 ሚያዝያ

ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ፡ . . . ረዳኢ . . . ኣሎና።—1 ዮሃ. 2:1።

ሓደ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውሳነ፡ ርእሱ ንየሆዋ ንምውፋይን ክፍሊ እቶም ብኣምለኽቱ ዝቘመ ስድራ ቤት ንምዃንን ዚገብሮ ውሳነ እዩ። የሆዋ ንዅሎም ሰባት፡ ከምኡ ኺገብሩ እዩ ዚደልዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ምስኡ ዕርክነት ኪምስርቱን ንዘለኣለም ኪነብሩን ይደልዮም እዩ። (ዘዳ. 30:19, 20፣ ገላ. 6:7, 8) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዋላ ሓደ ሰብ ብግዲ ኼገልግሎ ኣይደልን እዩ። የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ከም ዚገብር ባዕሉ ኺውስን እዩ ዚደሊ። ሓደ ጥሙቕ ክርስትያን ከቢድ ሓጢኣት ብምፍጻም ሕጊ ኣምላኽ እንተ ጥሒሱ ደኣኸ፧ እንተ ዘይተነሲሑ፡ ካብ ጉባኤ ኺውገድ ኣለዎ። (1 ቈረ. 5:13) ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ነቲ ኣባሲ ኺምለስ እዩ ዚደልዮ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ዚንስሑ ዘበሉ ሓጥኣን በደሎም ምእንቲ ኺሕደገሎም ኢሉ እዩ ነቲ በጃ ኣዳልይዎ። ስለዚ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ንኣበስቲ ኺንስሑ ምሕጽንታ የቕርበሎም እዩ።—ዘካ. 1:3፣ ሮሜ 2:4፣ ያእ. 4:8። w24.08 14 ¶1-2

ሰንበት 19 ሚያዝያ

ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀይኑ፡ ኣነ እውን ልበይ ይሕጐስ።—ምሳ. 23:15።

ሃዋርያ ዮሃንስ ነዛ ሳልሰይቲ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ገሊኦም ሰባት ናይ ሓሶት ትምህርትታት ይነዝሑ፡ ክፍፍል ከኣ ይፈጥሩ ነበሩ። ገሊኦም ግና “በታ ሓቂ ይመላለሱ” ነበሩ። ‘ከም ትእዛዛት የሆዋ ገይሮም እውን ይመላለሱ ነበሩ።’ (2 ዮሃ. 4, 6) እዞም እሙናት ክርስትያናት እዚኦም፡ ንዮሃንስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እውን ኣሐጕሶምዎ እዮም። (ምሳ. 27:11) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ተኣማንነት ናብ ሓጐስ ይመርሕ። (1 ዮሃ. 5:3) ንኣብነት፡ ንየሆዋ ኸም እነሐጕሶ ምፍላጥና የሐጕሰና እዩ። ንሱ ድማ ንፈተናታት እዛ ዓለም እዚኣ ነጺግና ሓቂ ኽንቅበል ከለና ይሕጐስ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰማይ ዚነብሩ ኻልኦት ፍጡራት ይሕጐሱ እዮም። (ሉቃ. 15:10) ንሕና እውን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብተኣማንነት ኪመላለሱ እንተ ርኢና፡ በዚ ንሕጐስ ኢና። (2 ተሰ. 1:4) ድሕሪኡ፡ እዚ ስርዓት እዚ ምስ ሓለፈ፡ ኣብታ ሰይጣን ዝገዛኢኣ ዓለም ንየሆዋ እሙናት ምንባርና ዕግበት ኬምጽኣልና እዩ። w24.11 12 ¶17-18

ሰኑይ 20 ሚያዝያ

ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።—1 ቈረ. 10:24።

ንፍቕሪ ኸም እትደልያ ቕድሚ ምግላጽካ፡ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢኻ ንሓንቲ ሰብ ክትዕዘባ ዘሎካ፧ ተሃዊኽካ ሓሳብካ እንተ ገሊጽካ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ ብዕምቈት ከም ዘይትሓስብ ገይራ ኽትርእየካ እያ። (ምሳ. 29:20) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ እምብዛ ነዊሕ ግዜ እንተ ወሲድካ፡ ምናልባት ከኣ እታ ሰብ እንታይ ከም እትደሊ እንተ ኣስተብሂላትልካ፡ ተወላዋሊ ኸም ዝዀንካ ገይራ ኽትርእየካ እያ። (መክ. 11:4) ዝዀነ ዀይኑ፡ ንሓንቲ ሰብ ሓሳብካ ንምግላጽ ቅድሚ ምቕራብካ፡ ርግጽ ከም እትምርዓዋ ኽትኣምን ኣየድልየካን እዩ። ንሓዳር ድሉው ከም ዝዀንካ፡ እታ ሰብ እቲኣ ድማ ክትኰነካ ኸም እትኽእል ግና ክትኣምን ኣሎካ። እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ንሓዳር ይጥምተኪ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልኪ እንታይ ኢኺ ኽትገብሪ ዘሎኪ፧ ንስኺ ኸም ናቱ ዓይነት ስምዒት እንተ ዘይብልኪ፡ ሓሳብኪ ብተግባር ንጹር ግበርሉ። ዕድል ከም ዘይትህብዮ እናፈለጥኪ፡ ዕድል ከም ዘለዎ ኣምሲልካ ምቕጻል ጽቡቕ ኣይኰነን።—ኤፌ. 4:25። w24.05 22-23 ¶9-10

ሰሉስ 21 ሚያዝያ

ተመሊሰ ኽመጽእን ናባይ ክወስደኩምን እየ።—ዮሃ. 14:3።

እቶም ናይ ሓቂ እሙናት ቅቡኣት ጥራይ እዮም ብየሱስ ናብ ሰማያዊ መንግስቲ ዚውሰዱ። ብመንፈሳዊ ንቑሓት ዘይኰኑ ቕቡኣት ምስቶም “ሕሩያት” ኣይኪእከቡን እዮም። (ማቴ. 24:31) ብሓፈሻ፡ ኵላቶም ህዝቢ ኣምላኽ ተስፋኦም ብዘየገድስ ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ተቐቢሎም፡ ብንቕሓት ኪከታተሉን እሙናት ኪዀኑን ይግባእ። ንየሆዋ ጽቡቕ ጌርና ስለ እንፈልጦ፡ ንኣምኖ ኢና። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ እሙናት ሰባት ኪቐብእ እንተ መረጸ ኼተሓሳስበና የብሉን። ኣብቲ የሱስ ዘዘንተዎ ምሳሌ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት እተቘጽሩ ሰብ ውዕለት እንታይ ከም ዝበለ ንዝክሮ ኢና። (ማቴ. 20:1-16) እቶም ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዓይዩ እተጸውዑ ሰብ ውዕለት፡ ማዕረ እቶም ኣቐዲሞም ኣብኡ ዚዓይዩ ዝነበሩ እዮም ውዕለቶም ተቐቢሎም። ከምኡ ድማ፡ እቶም ቅቡኣት መዓስ ይተሓረዩ ብዘየገድስ፡ እሙናት እንተ ዀይኖም ሰማያዊ ዓስቦም ኪቕበሉ እዮም። w24.09 24 ¶15-17

ረቡዕ 22 ሚያዝያ

ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም ምእንታኹም መከራ ጸጊቡ እዩ።—1 ጴጥ. 2:21።

ንዘይፍትሓውነት ብምጽዋር ዝመጸ፡ የሱስ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ነቲ ኻብ ስድራ ቤቱ ዀነ ኻብ ካልኦት ዘጋጠሞ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ እሞ ሕስብ ነብሎ። እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማዱ ኸም እተጸለለ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ምስ ኣጋንንቲ ኸም ዚተሓባበር ገይሮም እዮም ከሲሶምዎ፣ ወተሃደራት ሮሜ ኸኣ ኣላጊጾምሉን ወቒዖምዎን ቀቲሎምዎን እዮም። (ማር. 3:21, 22፣ 14:55፣ 15:16-20, 35-37) ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉን ካልእን ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ዓጸፌታ ኣይመለሰን። እሞ ደኣ ኻብ ኣብነቱ እንታይ ንምሃር፧ (1 ጴጥ. 2:21-23) ዘይፍትሓውነት ኣብ ዜጋጥመና እዋን፡ ነዚ ብኸመይ ክንጻወሮ ኸም ዚግባእ የሱስ ፍጹም ኣርኣያ ሓዲጉልና ኣሎ። ንሱ መዓስ ስቕ ከም ዚብልን መዓስ ከም ዚዛረብን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:62-64) ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እተዘርበ ሓሶት ምላሽ ኣይሃበሉን። (ማቴ. 11:19) ኪዛረብ ኣፉ ምስ ከፈተ ኸኣ፡ ንሰጐጕቱ ኣይጸረፎምን፡ ወይ ኣየፈራርሆምን። w24.11 4-5 ¶9-10

ሓሙስ 23 ሚያዝያ

ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን እዩ መጺኡ።—1 ጢሞ. 1:15።

ንሓደ እትፈትዎ ሰብ ጽቡቕን ጠቓምን ፍሉይ ህያብ ሂብካዮ ንበል። እቲ ሰብ ነቲ ህያብካ ኣብ መኽዘን እንተ ዜቐምጦ፡ ብዛዕባኡ እውን ፈጺሙ ዘይሓስብ እንተ ዚኸውን ኣዚኻ ምጐሃኻ። ብኣንጻሩ ግና ንህያብካ ብጽቡቕ ምስ ዚጥቀመሉ፡ ሞሳኡ እውን ምስ ዚገልጸልካ፡ ኣዚኻ ምተሓጐስካ። ኣብዚ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንወዱ፡ በጃ ኪኸውን እዩ ሂቡና። ስለዚ፡ ነቲ ኽቡር ውህበቱን ነቲ ንዕኡ ንምድላው ዝደረኾ ፍቕርን ምስጋናና ምስ እንገልጽ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ! (ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 5:7, 8) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ነቲ ውህበት በጃ ኸም ተራ ነገር ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ኣብ መኽዘን ከነቐምጦ ንኽእል ኢና። ብእኡ ሕጉሳት እኳ እንተ ዀንና፡ ካብ ቅድሚ ዓይንና ግና ንኣልዮ። ከምኡ ምእንቲ ኸይከውን፡ ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልና ነገር ዘሎና ምስጋና ብቐጻሊ ኽንሕድሶ ኣሎና። w25.01 26 ¶1-2

ዓርቢ 24 ሚያዝያ

ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ።—1 ጢሞ. 4:15።

ንሽምግልና ዚበቅዕ ሓው፡ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኪኸውን የብሉን። ስለዚ፡ ካብ እትጥመቕ ብዙሕ ዓመታት ክትገብር ግድን ዜድሊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብሱል ክርስትያን ንምዃን ግና ግዜ የድልየካ እዩ። ሽማግለ ቕድሚ ምዃንካ፡ ከም የሱስ ትሑት ከም ዝዀንካን ሓላፍነት ክሳዕ ዚውሃበካ ብትዕግስቲ ንየሆዋ ኸም እትጽበን ከተርኢ ኣሎካ። (ማቴ. 20:23፣ ፊል. 2:5-8) ናብ የሆዋን ናብቲ መለክዒታት ጽድቁን ብምልጋብ፡ ነቲ ብውድቡ ኣቢሉ ዚውሃበና መምርሒታት ከኣ ብምስዓብ፡ “እሙን” ምዃንካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓላዊ ንምስትምሃር ብቑዕ ኪኸውን ከም ዚግብኦ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ። እሞ ደኣ ብሉጽ መዳሪ ኽትከውን ኣሎካ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ብቑዓት ዝዀኑ ብዙሓት ሽማግለታት፡ ብሉጻት መደርቲ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ጕስነታዊ ምብጻሕን ብግቡእ ይምህሩ እዮም። w24.11 23-24 ¶14-15

ቀዳም 25 ሚያዝያ

ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ [እየ] ዘፍቅሮ።—መዝ. 119:127።

ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘይተረድኣካ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ክትበጽሕ ከለኻ፡ ምርምር ግበር። ድሕሪኡ፡ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ ነጥቢ ኣስተንትን። እቲ ነጥቢ እቲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ወዱን ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዘለዎም ፍቕርን እንታይ ከም ዚነግረካ እውን ሕሰብ። (መዝ. 119:97፡ እ.ጽ.) ንባብ ወይ ምርምር ብዝገበርካ መጠን፡ ሓድሽ ወይ መሳጢ ነገር እንተ ዘይረኸብካ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንገዛእ ርእስኻ ወርቂ ምስ ዚደሊ ሰብ ከተመሳስላ ትኽእል ኢኻ። ዓደንቲ ወርቂ ንእሽቶ ወርቂ ቕድሚ ምርካቦም፡ ንሓያሎ ሰዓታት ወይ መዓልትታት እዮም ብትዕግስቲ ዚዓይዩ። ዋጋ ወርቂ ኽቡር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣይሕለሉን እዮም። ኣብ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሃብቲ ደኣኸ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይከብር! (ምሳ. 8:10) ስለዚ፡ ብትዕግስቲ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ስዓብ።—መዝ. 1:2። w25.01 25 ¶14-15

ሰንበት 26 ሚያዝያ

ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።—ቈሎ. 3:13።

የሆዋ ነቶም ዝጐድኡና ሰባት ይቕረ ንምባል ድሉዋት ክንከውን ይጽበየና እዩ። (መዝ. 86:5፣ ሉቃ. 17:4፣ ኤፌ. 4:32) ሓደ ሰብ ብዝበሎ ወይ ብዝገበሮ ነገር ኣመና ንጕዳእ ንኸውን። ምናዳ እቲ ሰብ እቲ ናይ ቀረባ ፈታዊና ወይ ኣባል ቤተ ሰብና እንተ ዀይኑ፡ ብዙሕ ኢና እንህሰ። (መዝ. 55:12-14) ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ሽዑ ዚስምዓና ስምዒታዊ ስቓይ፡ ከም እተወጋእና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:18) ነቲ እተጐድአ ስምዒትና ኽንዓብጦ ወይ ዕሽሽ ክንብሎ ንፍትን ንኸውን። ከምኡ ምግባር ግና፡ ከምቲ ብኻራ ምስ ተወጋእካ፡ ነቲ ኻራ ኣብኡ ሓዲግካዮ ምንባር ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንእተጐድአ ስምዒትና ዕሽሽ ስለ ዝበልናዮ ጥራይ እናሓሸና ኣይከይድን እዩ። ሓደ ሰብ ቅር ኬብለና ኸሎ፡ ኣብ ፈለማ ንቝጣዕ ንኸውን። ክንቍጣዕ ከም እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። በቲ ስምዒት እቲ ኸይንዕብለል ግና የጠንቅቐና እዩ። (መዝ. 4:4፣ ኤፌ. 4:26) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቍጥዓ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ፍረ የብሉን። (ያእ. 1:20) ሓደ ነገር ኬቘጥዓና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንቝጥዓና ግና ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። w25.02 15 ¶4-6

ሰኑይ 27 ሚያዝያ

ጥበብ ንዋናኣ ብህይወት ተንብሮ።—መክ. 7:12።

ሓደ ሰብ ገንዘብ እናኣዋህለለ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም” እንተ ዘይኰይኑ፡ እዚ ተግባሩ ዕሽነት ከም ዝዀነ የሱስ ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 12:16-21) ጽባሕ እንታይ ሒዛ ኸም እትመጽእ ዋላ ሓደ ዚፈልጥ የልቦን። (ምሳ. 23:4, 5፣ ያእ. 4:13-15) ሰዓብቲ ክርስቶስ ስለ ዝዀንና ድማ፡ ተወሳኺ ጸገማት የጋጥመና እዩ። የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ኽንከውን ከለና፡ ኵሉ ንብረትና ‘ንምቕባጽ’ ድሉዋት ክንከውን ከም ዘሎና ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 14:33) ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንምዝማት ንብረቶም ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ እዮም። (እብ. 10:34) ኣብዚ ግዜና እውን ብዙሓት ኣሕዋት ንፖለቲካዊ ስርዓት ብዘይ ምድጋፎም ጥሪቶም ስኢኖም እዮም። (ራእ. 13:16, 17) ከምኡ ንምግባር ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ኣብቲ የሆዋ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምሉእ እምንቶ ኣለዎም። (እብ. 13:5) እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዜድልየና ነገር ብመደብ ንምንቅስቓስ ዚከኣለና ንገብር ኢና። እንተዀነ ግና፡ ዘይተጸበናዮ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኸም ዚድግፈና ንተኣማመን ኢና። w25.03 29 ¶13-14

ሰሉስ 28 ሚያዝያ

ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ ካብ ሰገርና፡ ናብ ብስለት ንገስግስ። ከም ብሓድሽ እውን መሰረት ኣይንሰርት።—እብ. 6:1።

የሆዋ ባዕልና ናብ ብስለት ክንበጽሕ ኣይጽበየናን እዩ። እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጓሶትን መምህራን ኰይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ንነፍሲ ወከፍና ብመንፈሳዊ መዳይ “እኹል” ሰብ ክንከውን ማለት፡ “ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ክንበጽሕ ይሕግዙና እዮም። (ኤፌ. 4:11-13) ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ምእንቲ ኺህልወና፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ይሕግዘና እዩ። (1 ቈረ. 2:14-16) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝነበሮ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ተግባራትን ተመዝጊቡልና ኣሎ። ንኣተሓሳስባን ንተግባራትን የሱስ እንተ ቐዲሕካዮ፡ ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ናብ ብስለት ምእንቲ ኽንበጽሕ፡ ስግር እቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ፡” ማለት ስግር እቲ መሰረታዊ ትምህርትታት ክርስትና ኽንከይድ ኣሎና። w24.04 4-5 ¶11-12

ረቡዕ 29 ሚያዝያ

ምምዝዛን ክትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።—ምሳ. 2:11።

መዓልቲ መዓልቲ ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። ገሊኡ ውሳነታት ብተዛማዲ ቐሊል እዩ። ገለ ኻብኡ፡ እንታይ ከም እንቘርስ ወይ ሰዓት ክንደይ ከም እንድቅስ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ገሊኡ ውሳነታት ግና፡ ከቢድ እዩ። ንጥዕናና፡ ንሓጐስና፡ ንስድራ ቤትና፡ ወይ ንኣምልኾና ኺጸሉ ይኽእል እዩ። ውሳነታትና ንዓና ዀነ ንስድራ ቤትና ዚጠቅም ኪኸውን ኢና እንደሊ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ኪኸውን ኢና እንደሊ። (ሮሜ 12:1, 2) ጽቡቕ ውሳነ ናብ ምግባር ዚመርሕ ኣገዳሲ ስጕምቲ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንኣብነት፡ ሓደ ሕሙም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም፡ ናብ ሓኪም ይኸይድ ንበል። እሞ ደኣ እቲ ሓኪም ነቲ ሕሙም ከይመርመሮ ወይ ሕቶታት ከይሓተቶ እንታይ ዓይነት ሕክምና ኸም ዜድሊ ምወሰነዶ፧ ኣይምወሰነን። ንስኻ እውን ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር፡ ምስቲ ዅነታትካ ዚተሓሓዝ ቅኑዕ ሓበሬታ ኽትረክብ ኣሎካ። w25.01 14 ¶1-3

ሓሙስ 30 ሚያዝያ

የሆዋ ኸኣ በደልካ ሓዲጉልካ እዩ። ኣይክትመውትን ኢኻ።—2 ሳሙ. 12:13።

ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ የሆዋ፡ ‘ሓደ እኳ ኺጠፍእ ከም ዘይደሊ’ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (2 ጴጥ. 3:9) ከቢድ ሓጢኣት ንዝገበሩ ሰባት ብኸመይ ምሕረት ከም ዝገበረሎም እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ብተደጋጋሚ ኸቢድ ሓጢኣት ገይሩ እዩ። ገለ ኻብኡ ዝሙትን ቅትለትን ኪጥቀስ ይከኣል። እንተዀነ ግና፡ ስለ እተነስሐ፡ የሆዋ ምሕረት ገበረሉ። (2 ሳሙ. 12:1-12) ንጉስ ምናሴ ኸኣ ኣብ መብዛሕትኡ ህይወቱ ኣመና እኩይ እዩ ነይሩ። ምስ ተነስሐ ግና የሆዋ መሓሮ፡ ይቕረ እውን በለሉ። (2 ዜና 33:9-16) እዚ ኣብነታት እዚ፡ የሆዋ ምሕረት ንምግባር ዜኽእሎ መሰረት እንተ ረኺቡ፡ ምሕረት ከም ዚገብር የዘኻኽረና። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበሩ ስለ ዝፈለጡን ካብ ሓጢኣቶም ስለ እተነስሑን ኬተንስኦም እዩ። w24.05 4 ¶12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ