ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 127
  • መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ—ተስፋ ንስደተኛታት!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ—ተስፋ ንስደተኛታት!
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መጸናንዒ
  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋ
  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥበብ
  • ሚልዮናት ካብ ዩክረይን ይስደዱ
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • “ጓኖት” ‘ንየሆዋ ብሓጐስ ኬገልግልዎ’ ንሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 127
ክልተ ስደተኛታት ሒደት ሳንጣታት ሒዞም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ባይታ ኾፍ ኢሎም፡ ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዘሎ ድንኳናትን ካልኦት ስደተኛታትን ይጥምቱ።

Imagination World/stock.adobe.com

መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ—ተስፋ ንስደተኛታት!

ቅዳሕ ናይዛ ዓንቀጽ ኣራግፍ።

በብዓመቱ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ዓዶም ኪስደዱ ይግደዱ እዮም። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ዜሕዝን ኵነታት ተሕልፍ ኣለኻ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ኣጆኻ፡ በይንኻ ኽትዋጽኣሉ ኣየድልየካን እዩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ዝሓሸ ህይወት ኣተስፍዩ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

“ስደተኛታትን ካብ ዓዶም እተመዛበሉ ሰባትንa ህጹጽ ሓገዝና ጥራይ ዘይኰነስ፡ . . . ናይ መጻኢ ተስፋ እውን የድልዮም እዩ” ብምባል ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ፡b ክሪስቶስ ስቲሊኣኒደስ ገሊጹ ኣሎ። ትስፉዋት ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኣለዎም። ንስደተኛታት ግና፡ ብስምዒታዊ መዳይ ምእንቲ ኺሓውዩ ተስፋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መጸናንዒ እውን የድልዮም እዩ።

“ስድራ ቤተይ ሓዲገ ኻብ ዓደይ ምስ ተሰደድኩ፡ ክጻወሮ ዘይክእል ናይ ባዶነት ስምዒት ተሰሚዑኒ፣ ብፍርህን ብጓህን ብጭንቀትን ድማ ተዋሒጠ ነይረ።”—ኢማንወል፡ ሀይቲ።

ንስኻኸ ኸምዚ ድዩ ዚስምዓካ፧ ስደተኛ እንተ ዄንካ መጸናንዕን ተስፋን የድልየካ እዩ። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መጸናንዒ

ናይ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘንበቦ ምጽንናዕ ዝረኸበ ሰብ ዜርኢ ስእሊ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “የሆዋc . . . ንጓና . . . የፍቅር።”—ዘዳግም 10:17, 18።

እዚ ድማ በይንኻ ኣይኰንካን ማለት እዩ። እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንዅነታትካ ይርድኦን የፍቅረካን እዩ፣ ብዛዕባ ድሕንነትካ እውን ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡ . . . ቀረባኦም እዩ።”—መዝሙር 145:18።

እዚ ድማ ክትጽሊ ኸለኻ የሆዋ ይሰምዓካ እዩ ማለት እዩ። ሰላም ክትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንዅነታትካ ኽትጻወር ዜኽእለካ ጥበብ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳልዩልካ ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ . . . ዘይሕሰብ እዩ! . . . እቲ ዅሉ ዚኽእል እውን ፍትሒ ኣየቕንንን እዩ።”—እዮብ 34:10, 12።

እዚ ድማ ጠንቂ እቲ ዚወርደካ ዘሎ መከራ ኣምላኽ ኣይኰነን ማለት እዩ። ኣምላኽ ንህይወትካ ኣጸጋሚ ብምግባር ኣይቀጽዓካን ወይ ኣይፍትነካን እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋ

ናይ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቡ ዜስተንትን ዘሎ ሰብ ዜርኢ ስእሊ።

ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚገብረልና መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እዚ ተስፋ፡ ካብ ዓዶም ንእተሰድዱ ብኸመይ ይሕግዞም ከም ዘሎ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4።

እዚ ድማ ካብ መከራ ኽንገላገል ኢና ማለት እዩ። ኣምላኽ፡ ነቲ ሎሚ ንህይወትና ተስፋ ዘይብላ ኸም እትመስል ገይርዋ ዘሎ ዅሉ ጸገማት ከም ዚፈትሖ ቓል ኣትዩ ኣሎ።

“ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘይፍትሓውነትን እከይን ደው ኬብሎ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ፡ ኣትኵሮይ ናብቲ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ እዋን ክገብር ይሕግዘኒ እዩ።”—ካርላ፡ ኤል ሳልቫዶር።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።”—ኢሳይያስ 65:17።

እዚ ድማ ካብ ዜሳቒ ተዘክሮታት ናጻ ኽትከውን ኢኻ ማለት እዩ። እቲ ዘሕለፍካዮ ሕማቕ ነገራት ዘስዓበልካ ዜጨንቕ ተዘክሮታት የሸግረካ ይህሉ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ በዚ ንዘለኣለም ከም ዘይትሳቐ ኣምላኽ ቃል ኣትዩልካ ኣሎ።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ዘጋጠመና ስቓይን ጉድኣትን ደጊም ከም ዘይንዝክሮ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። እዚ ተስፋ እዚ፡ ነቲ ዜጋጥመና ዘሎ ኸቢድ ኵነታት ክጻወር ይሕግዘኒ እዩ፡ ከመይሲ ኣብ ቀረባ እዋን ኵሉ ነገር ከም ዚቕየር እፈልጥ እየ።”—ናታልያ፡ ዩክረይን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ሰማይ . . . መንግስቲ ኬቕውም እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ።”—ዳንኤል 2:44።

እዚ ድማ ፍጽምቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትገዝእ እያ ማለት እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ብሰማያዊት መንግስቱ ኺትክአን እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ፍትሕን ብልጽግናን ዘለዎ ናይ ሓቂ ሰላምን ድሕንነትን ከተምጽኣሉ እያ።—ሚክያስ 4:3, 4።

“ከም ጭቆና፡ ኣድልዎ፡ ጥርጣረ፡ ዓሌትነት ዝኣመሰለ ጸገማት ግዝያዊ ምዃኑ ምዝካረይ የተባብዓኒ እዩ፣ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ የሆዋ ነዚ ዅሉ ጸገማት መወዳእታ ኽትገብረሉ እያ።”—ሙስጣፋ፡ ማእከላይ ምብራቕ።

ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ድንኳኖም ኮፍ ኢሎም መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ።

ካብቲ ተስፋ ዚህብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንናዕ ርኸብ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥበብ

ናይ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ እናንበበ ብዛዕባ ሓደ ሓሳብ ዚሓስብ ዘሎ ሰብ ዜርኢ ስእሊ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ፡ ነቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነቲ ኸም ምጥፋእ ንብረትካ ዝኣመሰለ ዘጋጠመካ ሓድሽ ለውጢ እውን ክትጻወሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንስደተኛታት ብኸመይ ይጠቕሞም ከም ዘሎ ኣስተብህል፦

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ።”—ሉቃስ 12:15።

እዚ ጥበባዊ ቓል ምእንቲ ኽትጻወር ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ከቢድ ስምባድ ኣጋጢሙካን በቲ ዝሰኣንካዮ ጕሂኻን ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ደው ኢልካ ህይወትካ ኽሳዕ ክንደይ ዋጋ ኸም ዘለዋ እንተ ሓሲብካ፡ በቲ ዝሰኣንካዮ ነገራት ብዙሕ ከይትጕሂ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

“ህይወት ካብ ስጋዊ ነገራት ኣጸቢቓ ትበልጽ እያ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ገንዘብ ወይ ጥሪት ዋላ ሓንቲ ኺጠቕመካ ኣይክእልን እዩ።”—ናታልያ፡ ዩክረይን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “‘ስለምንታይ እየን ካብዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሕሻ፧’ ኣይትበል።”—መክብብ 7:10።

እዚ ጥበባዊ ቓል ምእንቲ ኽትጻወር ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ህሉው ኵነታትካ ኣዝዩ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ምስቲ ሕሉፍ ኵነታትካ እንተ ዘየወዳዲርካዮ ኻብ መረረት ክትስተር ኢኻ።

“ንህሉው ኵነታተይ ከም ዘለዎ ምቕባለይ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺሕዝ ኣኽኢሉኒ እዩ።”—ኢላይ፡ ሩዋንዳ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ምግብን ክዳንን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።”—1 ጢሞቴዎስ 6:8።

እዚ ጥበባዊ ቓል ምእንቲ ኽትጻወር ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ በቲ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ክትዓግብ ጽዓር። ዕጉብ እንተ ዄንካ ብዙሕ ስለ ዘይትጭነቕ፡ ክትሃድእ ኢኻ።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ ዝሰኣንናዮ ኸየተኵር፡ የግዳስ፡ ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ ኽርእዮ ይሕግዘኒ እዩ። ኣነን ሰበይተይን ብህይወት ኣብ ውሑስ ቦታ ብምህላውና ሕጉሳት ኢና።”—ኢቫን፡ ዩክረይን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12።

እዚ ጥበባዊ ቓል ምእንቲ ኽትጻወር ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ዓቃልን ለዋህን ንምዃን ዚከኣለካ እንተ ጌርካ፡ ምስ ካልኦት ጽቡቅ ርክብ ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምግባርካ ድማ ኣደዳ ኣድልዎ ኸይትኸውንን ኣብቲ ማሕበረ ሰብ ተቐባልነት ክትረክብን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

“ብዙሓት ሰባት ብኣኽብሮት፡ ብለውሃት፡ ብፍቕሪ ምስ እትሕዞም ባህ ይብሎም እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባትን ጽቡቕ ርክብ ኪፈጥር ይኽእል እዩ።”—ኣንጀሎ፡ ስሪ ላንካ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ልማኖኹም . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፡ . . . ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን . . . ኪሕልዎ እዩ።”—ፊልጲ 4:6, 7።

እዚ ጥበባዊ ቓል ምእንቲ ኽትጻወር ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዚስምዓካን ዜድልየካን ዜፍርሃካን ዜጨንቐካን ነገራት ንኣምላኽ ብጸሎት ንገሮ። ከምዚ ዓይነት ጸሎት፡ ካብ ጭንቀት ዕረፍቲ ብምሃብ ነቲ ሓድሽ ኵነታትካ ኽትለምዶ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

“ጸገማት ከጋጥመኒ ኸሎ ናብ ኣምላኽ እጽሊ እየ፡ ንሱ እውን ይምልሰለይ እዩ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርክዎ ትምህርትታት ድማ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ይህበኒ እዩ።”—ዮል፡ ደቡብ ሱዳን።

“እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ምኽርታት፡ ነዚ ኣጸጋሚ ዅነታት ክዋጽኣሉ ዜኽእለኒ ውሽጣዊ ሰላም ሂቡኒ እዩ።”—ቫለንቲና፡ ዩክረይን።

“የሆዋ ኣምላኽ ዝሓሸ ህይወት ከም ዚህበና ቓል ኣትዩ እዩ። እዚ ምፍላጠይ ድማ ኣበርቲዑኒ እዩ።”—ኢማንወል፡ ሀይቲ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጸናንዕን ተስፋን ከምኡ እውን ስለምንታይ ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊ ዲኻ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጻ ኺበጽሑኻ ሕተት። ተሓጒሶም ድማ ኪሕግዙኻ እዮም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጹ ስደተኛታት

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኻብ ዓዶም እተሰድዱ ሰባት የዘንቱ እዩ። እዚ ዛንታታት እዚ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ሓልዮት ከም ዘርኣዮም ይገልጸልና።

  • ብግዜ ጥንቲ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ግብጺ ጓኖት ኰይኖም ዝነበሩሉ እዋን ነይሩ እዩ፣ ብዙሕ ግፍዒ ድማ ወሪድዎም እዩ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ መከራኦም ኣስተብሂሉ ኻብኡ ኺወጹ ሓገዞም። (ዘጸኣት 1:13, 14፣ 2:23-25) ናብቲ ሓድሽ መንበሪኦም ክሳብ ዝበጽሑ እውን ዜድልዮም ዘበለ መሰረታዊ ነገራት ኣማልኣሎም። (መዝሙር 105:40, 41) ድሕሪ ግዜ ድማ ንሱ ብኸመይ ከም ዝሓዞም ብምዝኽኻር፡ ንሳቶም እውን ነቶም ኣብ መንጎኦም ዘለዉ ጓኖት ብኸመይ ኪሕዝዎም ከም ዚደልዮም ነገሮም።—ዘጸኣት 23:9።

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሓፍ ሩት ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ናእሚ ምስ ስድራ ቤታ ብሰንኪ ጥሜት ካብ ዓዳ ተሰድደት። ኣብኡ ድማ ሰብኣያን ክልተ ደቃን ሞቱ። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ብርሕራሐ ተደሪኹ በታ ሰበይቲ ወዳ ዝዀነት ሩት ኣቢሉ ግብራውን ስምዒታውን ሓገዝ ከም እትረክብ ገበረ።—ሩት 1:1-5, 15, 16, 20, 21፣ 2:11።

  • የሱስ ሕጻን ከሎ ወለዱ ኻብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ዓመጻ ንምህዳም ናብ ግብጺ ኺስደዱ ኸለዉ፡ ኣቐዲሞም ኪሃድሙ ኣምላኽ ሓጊዝዎም እዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ኣጸጋምን ከቢድን እዋን ኣብ ጐድኖም ከም ዚኸውን ኣረጋጊጹሎም እዩ።—ማቴዎስ 2:13-16።

ሎሚ፡ ዋላ እውን እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎን ዜኽብርዎን ሰባት፡ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ጣልቃ ኣትዩ ኺሕግዞም ኪጽበዩ የብሎምን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንህሉው ኵነታቶም ኪጻወሩ ዚሕግዞም መጸናንዕን ጥበብን ብሩህ ተስፋን ይህቦም እዩ።

ብወረቐት ብኽልቲኡ ገጽ ኪሕተምን ኪዕጸፍን ኪዕደልን ከም ዚኽእል ጌርካ እተዳለወ ቕዳሕ ኣራግፍ።

ኣራግፍ

a ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ከም ሕጋውያን ስደተኛታት ኣፍልጦ ዘይረኸቡ ግናኸ ኣብ ውሽጢ ዓዶም ኰነ ኻብ ዓዶም ዶብ ሰጊሮም እተሰድዱ ሰባት፡ ምስ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ይምድቦም እዩ።

b ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ሰብኣዊ ረድኤትን ምሕደራ ቕልውላውን።

c የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ