ሃይማኖታት እንታይ እዩ ኼጋጥመን፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ብሃይማኖት ጕሂኻ ወይ ሃይማኖት ጸሊእካ ዲኻ፧ ሃይማኖት ኣብ ገሊኡ ማሕበረ ሰብ ወይ ኣብ ገሊኦም ውልቀ ሰባት ጽቡቕ ጽልዋ ዜሕድር እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ጕድኣት ግና ኣውሪዱ እዩ። ነዚ ብዚምልከት ኢንሳይክሎፔድያ ኦፍ ረሊጅን ኤንድ ዎር ከምዚ ይብል፦ “ገለ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ እተፈጸመ ዜስካሕክሕ ውግኣት፡ መበገሲኡ ሃይማኖታዊ ፍልልያት እዩ።” መራሕቲ ሃይማኖት መብዛሕትኡ እዋን ንሃይማኖት ንኣምልኾ ዘይኰነስ፡ ፖለቲካዊ ዛዕባ ንምስፍሕፋሕ እዮም ዚጥቀሙሉ። ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ኣብ ሃይማኖቶም ንእተፈጸመ ጾታዊ ህስያ ወይ ገንዘባዊ ምጥፍፋእ ኪሽፍኑ ይፍትኑ እዮም።
ብሃይማኖት ትጕሂ እንተ ዄንካ፡ ‘ኣምላኽ ብዛዕባ ሃይማኖት እንታይ እዩ ዚስምዖ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንመብዛሕትአን ሃይማኖታት ብሰንኪ እቲ ዝፈጸማኦ ነገራት ከም ዚዅንነን ይገልጽ እዩ። ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚገብረን ዚገልጽ ትንቢታት እውን ሒዙ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዓለምለኸ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ይገልጽ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ሃይማኖት እንታይ ይብል፧
ትንቢት፦ መጽሓፍ ራእይ፡ ዓባይ ባቢሎን ብዛዕባ እተባህለት ሓንቲ ኣመንዝራ ይገልጽ። እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቐይሕ ኣራዊት ተቐሚጣ ኣላ። ደሓር ግና፡ እቲ ኣራዊት ኣንጻራ ኺልዓልን ኪቐትላን እዩ።—ራእይ 17:3, 5, 16።
ትርጉም፦ እዛ ኣመንዝራ እተባህለት ዓባይ ባቢሎን፡ ንዅለን እተን ኣምላኽ ዘይቅበለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እያ እተመልክት።a እቲ ቐይሕ ኣራዊት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።b እታ ኣመንዝራ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐይሕ ኣራዊት ምቕማጣ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ጽልዋ ኽትገብረሉን ካብኡ ሓሊፋ ድማ ክትቈጻጸሮ ኸም እትፍትንን የርኢ። እቲ ኣራዊት ነታ ኣመንዝራ ምቕታሉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንዕኡ ዚድግፋ ሃገራትን ኣንጻር ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ከም ዚልዓሉን ከም ዜጥፍእወንን እዩ ዜመልክት። ብሓቂ ዓብዪ ጥፍኣት እዩ ኪኸውን።
ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ እያ ኽትጠፍእ፧
ትንቢት፦ “እቶም ዝረኣኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬጥፍእዋን . . . ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም። ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩ፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ብምሃብ፡ ሓደ ሓሳብ ኪዀኑ፡ ኣብ ልቦም [ኣብ ልቢ መራሕቲ ዓለም] ኣእትዩ እዩ። . . . እቲ ዝፈረዳ የሆዋc ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ መዓታ፡ ማለት ሞትን ሓዘንን ጥሜትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ፣ ብሓዊ እውን ክትህመዅ እያ።”—ራእይ 17:16, 17፣ 18:8።
ትርጉም፦ ኣምላኽ ኣብ ልቢ መራሕቲ ዓለም፡ “ሓሳቡ” ኼእቱ እዩ። “መንግስቶም” ወይ ፖለቲካዊ ስልጣኖም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪህቡ ኼለዓዕሎም እዩ። እቲ ሓድሽ ስልጣን ዝረኸበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከባ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኬጥፍአን እዩ። እዚ ዜገርም ፍጻመ እዚ፡ “ብሓንቲ መዓልቲ” ማለት ብናህርን ብሃንደበትን እዩ ኪኸውን። ብዙሓት ሰባት እዚ ዘይተጸበይዎ ነገር ስለ ዚኸውን ኪድንጽዎም እዩ።—ራእይ 18:21።
ናይ ሓሶት ሃይማኖት ስለምንታይ እያ ኽትጠፍእ፧
ትንቢት፦ “ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ።”—ራእይ 18:5።
ትርጉም፦ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሓያሎ ዘመናት ብዙሕ ክፍኣት ክትፍጽም ጸኒሓ እያ። ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ከም ዚፈርዳ ዝገበረ “ሓጢኣታ” እስከ ንርአ፦
ፖለቲካዊ ተሳትፎ። የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ኣብ ፖለቲካ ኸይኣትዉ የግዳስ፡ ተስፋኦም ኣብታ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ዓለም እትትክእ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኪገብሩ እዩ ምሂርዎም።d (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዮሃንስ 6:15፣ 18:36) ብኣንጻሩ ግና ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ሰባት ትውክልቶም ኣብ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪገብሩ እያ እተተባብዕ። ዓባይ ባቢሎን ንኣምላኽ እምንቲ ኣብ ክንዲ እትኸውን፡ ኢዳ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ስለ እተእቱ፡ ኣብ ራእይ ተጠቒሱ ዚርከብ ትንቢት፡ ‘ምንዝርና ኸም ዝፈጸመት’ ገሊጹ ኣሎ። እምበኣር ኣብቲ ትንቢት፡ “ዓባይ ኣመንዝራ” ተባሂላ ምጽዋዓ ግቡእ እዩ።—ራእይ 17:1, 2፣ ያእቆብ 4:4።
ዓመጻ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብሞት ኵሎም “እቶም ኣብ ምድሪ እተሓርዱ” ተሓታቲት ከም ዝዀነት ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 18:24) ብዙሓት ሃይማኖታት ንሰዓብተን ሰላም ኪስዕቡ ኣይምህራኦምን እየን፣ እኳ ደኣስ ውግእን ግብረ ሽበራን ይድግፋን የተባብዓን እየን።
ስስዐ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ‘ሓንቂቓ’ እያ እትነብር። (ራእይ 17:4፣ 18:7) ብዙሓት ሃይማኖታት ንዘለወን ጽልዋን ርክባትን ተጠቒመን ብዙሕ ሃብቲ ይድልባ እየን። ከምዚ ዓይነት ስስዐ ድማ ንኣምላኽ የጕህዮ እዩ።—ቲቶስ 1:7።
ሓሶት። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረር ትምህርትታትን ልምድታትን ተስፋሕፍሕ እያ።e ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምንጪ ብዙሕ ንሰባት ዜታልልን ንኣምላኽ ዜሕስርን ትምህርትታትን ልምድታትን ስለ ዝዀነት፡ ኣብ ራእይ ዚርከብ ትንቢት፡ ‘ኣደ ጽያፍ ምድሪ’ ኢሉ እዩ ዚጽውዓ።—ራእይ 17:5፣ 18:23።
ኵለን ሃይማኖታት ኪጠፍኣ ድየን፧
ኣይፋልን። መጽሓፍ ራእይ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ብዛዕባ እተኣከቡ “ብዙሓት ህዝቢ” ይዛረብ እዩ። (ራእይ 7:9) እዞም ብዙሓት ህዝቢ ‘ጻዕዳ ኽዳውንቲ ምኽዳኖም’፡ ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዝሰርዖ መለክዒታት ብተኣማንነት ከም ዜምልኽዎ የመልክት። እዚኣቶም፡ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ብርቱዕ ጸበባ” ኢሉ ዚጽውዖ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ኵሎም ጸላእቲ ኣምላኽን ዚጠፍኡሉ እዋን ኪድሕኑ እዮም። (ራእይ 7:13, 14፣ 19:11, 19-21) እቶም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ብዙሓት ህዝቢ፡ ሰዓብቲ እታ ንዘለኣለም እትነብር ናይ ሓቂ ሃይማኖት እዮም።f
ብዙሓት ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣምላኽ ካብ ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ይድሕኑ
ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
ነቲ ሃይማኖታት ዝገበራኦ ዜስካሕክሕ ነገራት፡ ኣምላኽ ከም ዘይቅበሎ ምፍላጥካ ዜጸናንዕ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ደቂ ሰባት ካብተን ንኣምላኽ ዘየኽብራን ምንጪ መከራ ሰባት ዝዀናን ሃይማኖታት ኪገላገሉ ምዃኖም ምፍላጥካ፡ ንመጻኢ ብተስፋ ኸም እትጽበ ይገብረካ።
ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኸተምልኾ ይከኣል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ግናኸ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ . . . ኣቦስ ከምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ ዘሎ” ይብል። (ዮሃንስ 4:23) ኣምላኽ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ “ኣቱም ህዝበይ፡ ኣብቲ ሓጢኣታ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታ እውን ከይትካፈሉስ፡ ካብኣ [ካብ ዓባይ ባቢሎን] ውጹ” ኢልዎም። (ራእይ 18:4, 5) እወ፡ ኣምላኽ ንሰባት ብሓቂ ኼምልኽዎ ይዕድሞም ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ነቶም ጻውዒቱ ዚቕበሉ ድማ ንዘለኣለም ኪነብሩ ምዃኖም ኣተስፍይዎም እዩ።—1 ዮሃንስ 2:17።
a ኣርባዕተ ቐንዲ መለለዪ ዓባይ ባቢሎን ንምፍላጥ፡ “ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
b ሽዱሽተ ቐንዲ መለለዪ እቲ ኣራዊት ንምፍላጥ፡ “እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ተጠቒሱ ዘሎ ቐይሕ ኣራዊት እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
c የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
d ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
e ገለ ኣብነታት ንምርኣይ፡ “ዓባይ ባቢሎን ንህዝበ ክርስትያን ተጠቓልል ድያ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
f መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከተለሊ ኸም ዚሕግዘካ ንምፍላጥ፡ “ከመይ ገይረ እየ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ዝኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።