መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ፖለቲካዊ ነውጺ
ሎሚ ዘለዉ ሰባት ብፖለቲካዊ ጕዳያት ኣመና ተኸፋፊሎም ኣለዉ። በቲ ንመዓልታዊ ህይወቶም ዚጸሉ ሕግታት ይጋጨዉ፡ ፖለቲካዊ ርእይቶኦም ኪገልጹ ኸለዉ እውን ይማጐቱ እዮም። ኣብ መንግስትታት ከኣ፡ ሓገግቲ ሕግን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ንሓድሕዶም ይጻረሩ፡ ካብቲ ዝሓዝዎ መትከል እውን ኣይዕጸፉን እዮም። እዚ ፍልልያት እዚ ናብ ፖለቲካዊ ነውጺ ኺመርሕ፡ ንመንግስቲ እውን ዕዮኡ ኸም ዘይዓዪ ገይሩ ኼልምሶ ይኽእል እዩ።
ምናዳ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ብሪጣንያን (ወይ ብኻልእ ኣጸዋውዓ ዩናይትድ ኪንግደም) ዘሎ ፖለቲካዊ ነውጺ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዚህሉ ነውጺ፡ ከምኡ ድማ ኣብቲ እዋን እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጕዳይ ደቂ ሰብ ጣልቃ ኸም እትኣቱ ተነብዩ ነይሩ እዩ።
ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚህሉ ፖለቲካዊ ነውጺ
ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዳንኤል ዜደንቕ ትንቢት ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብቲ ትንቢት እቲ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም ዚኸውን” ኣምላኽ ገሊጹልና ኣሎ፣ እዚ ብዛዕባ ወሳኒ ታሪኽ ወዲ ሰብ እተጻሕፈ ነገር፡ ብዛዕባ መጻኢ እተዘርበ እዩ ነይሩ።—ዳንኤል 2:28።
እዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ንንጉስ ባቢሎን ዘርኣዮ ሕልሚ ተሓቢሩ ይርከብ። እቲ ንጉስ ኣብ ሕልሙ ብበበይኑ ዓይነት ብረት ብዛዕባ እተገብረ ገዚፍ ምስሊ ሓለመ። ድሕርዚ፡ እቲ ምስሊ ኻብ ርእሱ ኽሳብ እግሩ ነቶም ኣብ ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዚትንስኡን ዚወድቁን ሓይልታት ዓለም ከም ዜመልክት ነብዪ ዳንኤል ገለጸ።a ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ምስሊ በታ ብእምኒ እተመሰለት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተወቕዐ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚጠፍእ ተሓበረ።—ዳንኤል 2:36-45።
ብመሰረት እቲ ትንቢት እቲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን እያ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ እዩ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ ዝመሃሮም።—ማቴዎስ 6:10።
እንተዀነ ግና፡ ኣበይ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ነውጺ ዚንበ፧ ኣእጋር እቲ ምስሊ “ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ” ምንባሩ ተሓቢሩ ኣሎ። (ዳንኤል 2:33) እዚ ሕውስዋስ እዚ፡ ካብቲ ዝተረፈ ኽፋላት እቲ ምስሊ እተፈልየ እዩ። እቲ ዝተረፈ ኽፋላት እቲ ምስሊ ግና ነፍሲ ወከፉ ብሓደ ዓይነት ብረት እዩ ቘይሙ። እምበኣር፡ እቲ ብኣእጋር እተመሰለ ሓይሊ ዓለም ሕውስዋስ ሓጺንን ካይላን ምዃኑ፡ ካብቲ ዝተረፈ ኽፋላት እተፈልየ ኸም ዚኸውን እዩ ዚሕብር። ብኸመይ፧ ትንቢት ዳንኤል ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦
ኣብቲ ትንቢት፡ እቲ ብኣእጋር እቲ ምስሊ እተመሰለ ሓይሊ ዓለም ፖለቲካዊ ነውጺ ኸም ዜጋጥሞ ተሓቢሩ ኣሎ። ገዛእ ህዝቡ ንብርታዐኡ ኸም ዜዳኽምዎ ድማ ተገሊጹ ኣሎ።
ትንቢት ዳንኤል ሎሚ ይፍጸም ኣሎ
ኣእጋር እቲ ምስሊ ነቲ ሎሚ ዘሎ ሓይሊ ዓለም፡ ማለት ነቲ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘሎ ኺዳን እዩ ዜመልክት። ኣብዚ ግዜና ዘሎ እንታይ ምዕባለታት እዩ ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ዚሕግዘና፧
ኣእጋር እቲ ምስሊ “ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ” እዩ፣ እዚ ኸኣ ንብርታዐኡ የዳኽሞ እዩ። (ዳንኤል 2:42) ሎሚ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘለወን ሓይሊ ብሰንኪ ሕብረተ ሰበን ተዳኺሙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መንጎ ዜጋታተን ውሽጣዊ ግጭታት ኣለወን። ህዝብታተን ከኣ ምእንቲ መሰላቶም ኢሎም ጐነጽ እተሓወሶ ተቓውሞታት ይገብሩ እዮም። ብምርጫ ኣብ ስልጣን ዝደየቡ ሰበ ስልጣን እውን ብዙሕ ግዜ ንሓድሕዶም ኣይሰማምዑን እዮም። ህዝብታተን እተኸፋፈሉ ስለ ዝዀኑ፡ እተን ሃገራት ፖሊሲታተን ኪትግብራ ኣይከኣላን።
ኣብ ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ 2 ብዛዕባ መንግስትታት ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ
ቀጺልና፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታትን ሎሚ ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎን ንርአ፦
ትንቢት፦ “እታ መንግስቲ ኽትመቓቐል እያ፣ ግናኸ፡ . . . ገለ ኻብቲ ትሪ ሓጺን ኪህልዋ እዩ።”—ዳንኤል 2:41።
ትርጉም፦ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኽፍፍል እናሃለወን ክነሱ፡ ሓያል ሰራዊት ኣለወን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ከም ሓጺን ብዝበለ ብርታዐ ስጕምቲ ኺወስዳ፡ ማለት ኣብ ካልኦት ሓያል ጽልዋ ኼሕድራ ይኽእላ እየን።
ፍጻመ
ብ2023፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዩናይትድ ኪንግደምን ብድምር ዝገበራኦ ወተሃደራዊ ወጻኢ፡ ካብተን ዓበይቲ ወጻኢታት ዝገበራ ዚቕጽላ 12 ሃገራት ብድምር ዝገበራኦ ወጻኢ ይበዝሕ።—ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም።
“ኣብ መንጎ ዩናይትድ ኪንግደምን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዘሎ ምትሕብባር፡ . . . ብድልዳለኡን ብዕምቈቱን ብምዕባለኡን ብሉጽ ሽርክና እዩ። . . . ብሓባር ንዓዪ፡ ብሓባር ንቐውም፡ ብሓባር እውን ንቃለስ ኢና።”—ስትራተጅያዊ እዚ፡ ዩናይትድ ኪንግደም፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሚያዝያ 2024።
ትንቢት፦ “ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ድማ ተሰባሪት ክትከውን እያ።”—ዳንኤል 2:42።
ትርጉም፦ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ወተሃደራዊ ብርታዐ እናሃለወን ክነሱ፡ ብሰንኪ እቲ ዲሞክራስያዊ ስርዓተን ይቕየዳ እየን። ሓድሓደ ግዜ፡ ንጹር ናይ ብዙሓን ድምጺ ስለ ዚስእና፡ መደባተን ኪትግብራ ኣይክእላን እየን።
ፍጻመ
“ብሰንኪ እቲ ኣብ ናይ ኣመሪካ ፖለቲካ ዘሎ ኽፍፍል፡ እታ ሃገር ኣብ ጸጥታ ዀነ ኣብ ንግዲ ብደረጃ ዓለምለኸ ስጕምቲ ኸይትወስድ ትቕየድ ኣላ።”—“ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል።”
‘ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፖለቲካዊ ነውጺ ንፖለቲከኛታት ኣንፈቶም የስሕቶም ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ እቲ ሲቭላዊ ኣገልግሎትb ነቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ኺገብሮ ዚደሊ ለውጢ ኸይገብር ይዓግቶ ኣሎ።’—ኢንስቲትዩት ፎር ጋቨርንመንት።
ትንቢት፦ “ንሳቶም [መንግስቲ] ምስ ተራ ሰባት ኪተሓዋወሱ እዮም፣ [ግናኸ] ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።”—ዳንኤል 2:43፡ እግረ ጽሑፍ።
ትርጉም፦ ተራ ሰባት ኣብ መንግስትታቶም ድምጺ ይህልዎም ይኸውን። ውጽኢቱ ግና፡ ንሰበ ስልጣን ኰነ ንመረጽቲ ምሉእ ብምሉእ ዜዕግብ ኣይኰነን።
ፍጻመ
“ሎሚ፡ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ፖለቲካ ዀነ ብዛዕባ እተመርጹ ሰበ ስልጣን ዘለዎም ኣረኣእያ፡ ኣመና ኣሉታዊ እዩ።”—ማእከል ምርምር ፒው።
“ሰባት ኣብ መንግስትታትን ኣብ ፖለቲከኛታትን ኣብ ስርዓት መንግስቶምን ዘለዎም እምነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ኣሎ።”—“ናሽናል ሰንተር ፎር ሶሻል ሪሰርች።”
ትንቢት ዳንኤል ኣብ መጻኢ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧
ብመሰረት ትንቢት ዳንኤል፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ክሳዕ እትትክአን፡ ኪዳን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዓብላሊ ዀይኑ ኺጸንሕ እዩ።—ዳንኤል 2:44።
ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ እተነግረ ትንቢት፡ “ነገስታት ብዘላ ዓለም” ኣንጻር የሆዋc ኣምላኽ ምእንቲ ኺስለፉ ኢሎም ናብ ውግእ ኣርማጌዶን፡ ማለት “ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ከም ዚእከቡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ኣሎ። (ራእይ 16:14, 16፣ 19:19-21) ኣብቲ ውግእ እቲ ኸኣ፡ የሆዋ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን፡ በዚ ኸምዚ እውን ኣሰር ኵለን እተን ኣብ ትንቢት ዳንኤል በቲ ምስሊ እተመሰላ ሓይልታት ዓለም ኪድምስስ እዩ።
ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
ካብቲ ዳንኤል ብዛዕባ ፖለቲካዊ ነውጺ እተነበዮ ትንቢት ተጠቐም
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘሎ ፖለቲካዊ ነውጺ ብልክዕ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምፍላጥካ፡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሓድሽ ጠመተ ኽትሕዝ ይሕግዘካ እዩ።
የሱስ ንሰዓብቱ ኻብ ፖለቲካ ዓለም ስለምንታይ ገለልተኛታት ኪዀኑ ኸም ዝደለዮም ክትርዳእ ኢኻ። (ዮሃንስ 17:16) ብዘይካዚ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ብኣምላኽ እተሓርየ ኸም ምዃኑ መጠን፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ ስለምንታይ ከም እተዛረበ ኽትርዳእ ትኽእል ኢኻ።—ዮሃንስ 18:36።
መንግስቲ ኣምላኽ ስጕምቲ እትወስደሉ፡ ኣምላኽ ከኣ ኵሉ እቲ ንደቂ ሰብ ዘተስፈዎ በረኸት ዚፍጽመሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ብሩህ ተስፋ ኽትሕዝ ኢኻ።—ራእይ 21:3, 4።
ኣብ መንጎ ሃገራት ዚፍጠር ጸገማት ንዓለምና ኸየዕንዋ ኻብ ዚብል ጭንቀት ናጻ ስለ እትኸውን፡ ብዛዕባ መጻኢ ኣይክትሰግእን ኢኻ።—መዝሙር 37:11, 29።
እቲ ብኣእጋር እቲ ምስሊ እተመሰለ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘሎ ኺዳን ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ከም ዚኸውን ኣብ ትንቢት ዳንኤል ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ፡ በታ ኻብ ሰማይ እትገዝእ ፍጽምቲ መንግስቲ፡ ማለት ብመንግስቲ ኣምላኽ ኪትካእ እዩ።
ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እተገብረሎም ነገር ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
a “ኣየኖት ሓይልታት ዓለም እዮም ኣብ ትንቢት ዳንኤል ተጠቒሶም ዘለዉ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
b ሲቭላዊ ኣገልግሎት “ንናይ መንግስቲ ምምሕዳራዊ ተግባራት ዚምልከት ጨንፈር ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት [እዩ።]”—ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ።
c የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።