ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ግንቦት ገጽ 8-13
  • ሕልናኻ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰልጥን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕልናኻ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰልጥን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕልና እንታይ እዩ፧
  • ንሕልናና ብኸመይ ከነሰልጥኖ ንኽእል፧
  • ንዅነታትና ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ንረክብ፧
  • ሕልናኻ ብግቡእ ከም ዝሰልጠነ ኣረጋግጽ
  • ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ሰናይ ሕልና ኽትዕቅብ እትኽእል፧
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ጽቡቕ ውሳነታት ብኸመይ ትገብር፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንሕልናኻ ብሕግታትን ብስርዓታትን ኣምላኽ ኣሰልጥኖ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ግንቦት ገጽ 8-13

13-19 ሓምለ 2026

መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

ሕልናኻ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰልጥን

“ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።”—ገላ. 6:5።

ኣትኵሮ

ሕልናና ቕኑዕ መራሒ ምእንቲ ኪዀነና ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እነሰልጥኖ።

1-2. (ሀ) የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን እንታይ ውህበት እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ንሳቶምከ ሞሳኦም ብኸመይ ኬርእዩ ነይርዎም፧

እንስሳታት ብባህረት እዮም ዚምርሑ። ሮቦት ከኣ በቲ እተሰርሓሉ መምርሒ እዩ ዚዓዪ። ደቂ ሰብ ግና ካብዚኣቶም እተፈልዩ እዮም። እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ናይ ምምራጽ ናጽነት ተዋሂብዎም እዩ። እዚ ኸኣ ዝደለይዎ ውሳነታትን ምርጫታትን ኪገብሩ የኽእሎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ማለት ኣዳም ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥረ ይነግረና እዩ። (ዘፍ. 1:26, 27) ስለዚ ድማ ኣዳምን ሄዋንን ከም ኣስተውዓልቲ ፍጡራት መጠን ባዕሎም ኪውስኑ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎም እዩ።

2 የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ዝርዝር ሕግታት ኣይሃቦምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንምድሪ ኺከናኸንዋ፡ ብዘርኦም ኪመልእዋ፡ ኣብቲ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ነገራት ድማ ደረት ኪገብረሎም ንዘለዎ ስልጣን ኬኽብሩ ጥራይ እዩ ነጊርዎም። (ዘፍ. 1:28፣ 2:16, 17) እሞ ደኣ ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዝሃቦም ኣምላኽ፡ ብኸመይ ሞሳኦም ኬርእይዎ ነይርዎም፧ ነቲ እዚ ዅሉ ነገር ዝሃቦም ኣምላኽ ካብ ዘለዎም ፍቕርን ንዕኡ ንምሕጓስ ካብ ዘለዎም ድሌትን ተለዓዒሎም ትእዛዛቱ ኬኽብሩ ነይርዎም።—ምሳ. 23:15።

3. ኣዳምን ሄዋንን ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብኸመይ እዮም ተጠቒሞምሉ፧

3 ኣዳምን ሄዋንን ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብጥበብ ከም ዘይተጠቕሙሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። ንየሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። ነቲ ውሳነኦም ብፍትወት ርእሶም እምበር ብፍቕሪ የሆዋ ተደሪኾም ኣይኰኑን ገይሮምዎ። (ዘፍ. 3:1-7) ሳዕቤናት ውሳነኦም ከኣ ክሳዕ ሕጂ የሳቕየና ኣሎ።—ሮሜ 5:12።

4. (ሀ) ብመሰረት ገላትያ 6:5፡ ኵላትና እንታይ ክንገብር እዩ ዜድልየና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ካልእ ውህበት ኢና ኽንመያየጥ፧

4 ሎሚ፡ ህይወት ኣዝዩ እተሓላለኸ እዩ። መዓልቲ መዓልቲ፡ ብዙሕ ውሳነታት ክንገብር ንግደድ ኢና። (ገላትያ 6:5 ኣንብብ።) ገሊኡ ብተዛማዲ ቐሊል ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ግና ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። እሞ ደኣ ንየሆዋ ዜሐጕስ ውሳነታት ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብቐዳምነት ሓገዝ የሆዋ ኸም ዜድልየና ኽንእመን ኣሎና። (ምሳ. 16:3፣ ኤር. 10:23) እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ እኳ ሓገዝ ኣምላኽ ኣድልይዎ እዩ። (እብ. 5:7) ንሕና ድማ ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ካብ የሱስ ንላዕሊ መምርሒ የድልየና እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ቅኑዕ ውሳነ ንምግባር ዚሕግዘና ኻልእ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ንርአ፣ እዚ ኸኣ ሕልናና እዩ።

ሕልና እንታይ እዩ፧

5. (ሀ) ሕልና እንታይ እዩ፧ (ለ) ሕልና ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧ (ሮሜ 2:14, 15)

5 ሕልና፡ ቅኑዕን ጌጋን ዚነግረና ውሽጣዊ ስምዒት እዩ። ሓደ ንሕግታት ኣምላኽ ዘይፈልጥ ሰብ እውን እንተ ዀነ ሕልና ኣለዎ። (2 ቈረ. 4:2) ሕልና፡ ብዛዕባ እቲ እንሓስቦን እንገብሮን ነገራት ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ዚኸስሰና ወይ ዜመኻንየልና ዳኛ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ሮሜ 2:14, 15 ኣንብብ።) ነቲ ጌጋ ምዃኑ እንፈልጦ ነገራት ከይንገብሮ የጠንቅቐና እዩ። (1 ሳሙ. 26:8-11) ነቲ ቕኑዕ ምዃኑ እንፈልጦ ድማ ክንገብሮ የለዓዕለና እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘሎና ጥራይ፡ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነ ንገብር ኢና ማለት ኣይኰነን። እቲ እንገብሮ ውሳነ፡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ምዃኑ ኸነስተውዕል ዚሕግዘና ሕልናና እዩ።

6. ሓድሓደ ግዜ፡ ሕልናና እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

6 ግናኸ ሕልናና ዅሉ ግዜ ቕኑዕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ከምቲ ንሕና ዘይፍጹማት ዝዀንና፡ ሕልናና እውን ዘይፍጹም እዩ። ብኣተዓባብያና፡ ብባህልና፡ ወይ ብሓጥእ ትምኒትና ኺበላሾ ይኽእል እዩ። ሕልና፡ “ድኹም፡” “ርኹስ፡” ከም “ብመዓለም ዝሓረረ፡” ወይ እውን “ክፉእ” ኪኸውን ከም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረ. 8:12፣ ቲቶ. 1:15፣ 1 ጢሞ. 4:2፣ እብ. 10:22) ከምዚ ዓይነት ሕልና ፈጺሙ ቕኑዕ መራሒ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ከምቲ ምዕራይ ዜድልዮ ዘይቅኑዕ ሚዛን ማለት እዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ሕልና ምእንቲ ኺህልወና፡ ግቡእ ምትዕርራይ ክንገብረሉ ይግባእ። (1 ጴጥ. 3:16) እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

ንሕልናና ብኸመይ ከነሰልጥኖ ንኽእል፧

7-8. (ሀ) ሕልናና ንምስልጣን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይመርሓና፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ንሕልናና ብኸመይ ከነሰልጥኖ ንኽእል፧ ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ፡ ከምኡ እውን የሆዋ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኽንምሃር ይግባእ። ሕግታት ኣምላኽ ምምርማር ንኣተሓሳስባ የሆዋ ኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ ግና ዝርዝር ሕግታት ኣብ ኣፈጻጽማኡ ድሩት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና መሰረታዊ ስርዓታት ከነናዲ ዚግባእ። ከመይሲ፡ ስርዓታት ንኣተሓሳስባን ንስምዒታትን የሆዋ ብሰፊሑ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።—ኢሳ. 55:9።

8 ጕዕዞ ህይወት ምስቲ ኣብ በረኻ ዚግበር ጕዕዞ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ንጹር መገድታት፡ ጐደናታት፡ ወይ መሐበሪታት ዘይብሉ በረኻ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ኣንፈት ጸሓይን ከዋኽብትን ናብ መዓልቦና ብኸመይ ክንበጽሕ ከም እንኽእል፡ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኺህበና ይኽእል እዩ። ኣብቲ መገዲ ዚርከብ ብቐሊሉ እነለልዮ ምልክታት ዝሓዘ ካርታ እንተ ረኺብና ግና ብዝያዳ ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ካርታ፡ ቅኑዕ መገዲ ሒዝና እንተ ኣሊና፡ ወይ ከኣ መገዲ እንተ ተጋጊና ኸነለሊ ይሕግዘና። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጕዕዞ ህይወት፡ መዓልቦና ንየሆዋ ምሕጓስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ንጹር ሓበሬታ ዝሓዘ ካርታ እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከምቲ ኣብ መገዲ ዘሎ ምልክታት እዩ። ምስቲ ስርዓታት ተሰማሚዕና እንተ ተመላሊስና ድማ፡ ኣብ መዓልቦና ኸም እንበጽሕ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ሓደ ኣብ በረኻ ዚጕዓዝ ሰብ፡ ናብ መዓልቦኡ ዜብጽሖ ቕኑዕ መገዲ ሒዙ እንተ ኣሎ ንምርግጋጽ ነቲ ኣብ ካርታኡ ዘሎ ምልክታት ይርኢ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ብቕኑዕ ኣንፈት ንጓዓዝ ከም ዘለና ዜረጋግጸልና ምልክታት እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


9. ኣብ ሮሜ 9:1 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ሕልናና ንምስልጣን ኪሕግዘና ዚኽእል ነገር እንታይ እዩ፧

9 ንሕልናና ብግቡእ ንምስልጣን፡ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ። (ሮሜ 9:1 ኣንብብ።) መንፈስ ቅዱስ ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ክንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንዓዪ እውን የለዓዕለናን የበርትዓናን እዩ። (ፊል. 2:13) ግናኸ፡ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10. ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሉቃስ 11:10, 13)

10 መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ። (ሉቃስ 11:10, 13 ኣንብብ።) የሆዋ፡ መንፈስ ቅዱሱ ቘጢቡ ኸም ዘይህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 3:34) ከመይሲ፡ ነቶም መምርሒኡ ዚስዕቡ ብልግሲ እዩ መንፈሱ ዚህቦም። (ምሳ. 1:23፣ ያእ. 1:5) ካልእከ ሕልናና ንምስልጣን ዚሕግዘና እንታይ ተወሳኺ ነገር ኣሎ፧

11. (ሀ) ቀንዲ ሸቶና እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧ (ለ) ሕልናና ኸም ዝሰልጠነን ብግቡእ ይዓዪ ኸም ዘሎን ከነረጋግጽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

11 ወትሩ ስምረት የሆዋ ድለ። (ምሳ. 8:34, 35) እዚ ቐንዲ ሸቶና ኪኸውን ይግባእ። ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ነዚ ሸቶና ንዝክሮ እንተ ዄንና፡ ሕልናና ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና፡ ውህደት ናይ ብኣተሓሳስባ የሆዋ እተቓነየ ኣእምሮን ብስምዒት የሆዋ ዚግደስ ልብን እዩ። ኣብዚ ህይወት ኣዝዩ እተሓላለኸሉ ግዜ፡ ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና ኣገዳሲ ምዃኑ ንርዳእ ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠቕሰ ዓይነት ኵነታት እዩ ዜጋጥመና። እዚ ኸኣ ንመዘናግዒ፡ ንስራሕ፡ ንትምህርቲ፡ ወይ ከኣ ምስ ሰባት ንዘሎና ርክብ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ፡ ነቲ እንገብሮ ውሳነታት፡ የሆዋ ኸም ዚሰምሮ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧—2 ቈረ. 1:12።

12. ሕልናና ብቕኑዕ መገዲ ይመርሓና ምህላዉ ኽንፈልጥ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ኤፌሶን 5:10)

12 በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘንበብካዮ ኣስተንትን። (መዝ. 49:3) መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ሓሳብ የሆዋ ኽትርዳእ ዚሕግዘካ መሰረታዊ ስርዓታት ኣናዲ። (ኤፌሶን 5:10 ኣንብብ።) እተሓላለኸ ሽግራት ከነሕልፍ ከለና፡ ሕልናና ቕኑዕ ውሳነ ንምግባር ይድግፈና እንተ ኣልዩ ንምፍላጥ ዚሕግዘና መሰረታዊ ስርዓታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሃሰው ክንብል ኣሎና። (ምሳ. 2:4-9, 11-13) እዚ ስርዓታት እዚ፡ ንሕልናና ኸከም ኣድላይነቱ ኸነቕንዖን ክንእርሞን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ቕኑዕ መገዲ ኸም ዘለና ነረጋግጽ።—እብ. 5:14።

13. እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧ ኣብነት ሃብ።

13 የሆዋ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸይፈለጥካ ኣይትወስን። ነቶም ብ607 ቅ.ክ. የሩሳሌም ምስ ጠፍአት ኣብ ይሁዳ ዝተረፉ እስራኤላውያን ክንመስሎም ኣይንደልን ኢና። ንሳቶም ንኤርምያስ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ክንከደላ ዚግብኣና መገድን እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣናን ይንገረና” በልዎ። (ኤር. 42:3-6) ይኹን እምበር፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ኣቐዲሞም ወሲኖም ነይሮም እዮም። እቲ የሆዋ ዝበሎም ከምቲ ንሳቶም ዝሓሰብዎ ኸም ዘይኰነ ምስ ፈለጡ እውን እንተ ዀነ ውሳነኦም ኣይቀየሩን። ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሕ ሽግር ኣጋጠሞም። (ኤር. 42:19-22፣ 43:1, 2, 4) ስለዚ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኽንርዳእ ዚሕግዘና መሰረታዊ ስርዓት ነናዲ፣ ምስኡ ተሰማሚዕና እውን ንመላለስ።

14. ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንትግብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ወስን። (ማቴ. 7:24-29፣ ያእ. 1:23-25) ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስና ኽንውስን ከለና፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ ተሰማሚዕና ኢና እንዓዪ። የሆዋ ኸኣ መንፈስ ቅዱሱ ብቐጻሊ ይህበና እዩ። (ግብ. 5:32) ብኣንጻሩ ግና፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመርሓና ኸሎ ዘይንስዕቦ እንተ ዄንና፡ ‘ነጕህዮ’ ወይ ድማ ንጻረሮ ኣለና ማለት እዩ። (ኤፌ. 4:30፣ ኢሳ. 63:10፣ ግብ. 7:51) የሆዋ እውን መንፈስ ቅዱሱ ኼግድፈና ይኽእል እዩ። (መዝ. 51:11፣ 1 ተሰ. 5:19) እዚ ሓደገኛ እዩ፣ ምኽንያቱ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዚርከብ ሓይልን ብርታዐን የድልየና እዩ።—ኤፌ. 3:16።

ንዅነታትና ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ንረክብ፧

15-16. (ሀ) ንዅነታትና ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሽጋራ ምእንቲ ኺሓድግ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞ ይኽእል፧

15 ናውቲ መጽናዕቲ ተጠቐም። ናውቲ መጽናዕቲ ንዅነታትካ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ፡ ሽጋራ ኺሓድግ እንተ ዘይደልዩ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ምናልባት፡ ‘ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጠቕሰን። ስለዚ፡ ጌጋ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። እሞ ደኣ ነዚ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺረክብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ሓደ ኣገዳሲ ንዋት፡ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ። ንተምሃራይካ ናብቲ፡ “ትምባኾን ምትካኽ ሽጋራን” ዚብል ኣርእስቲ ኽትመርሖ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ትሕቲኡ፡ “ኣምላኽ ንምትካኽ ሽጋራ ብኸመይ ይርእዮ፧” ናብ ዚብል ዓንቀጽ ዚመርሕ መወከሲ ኺረክብ እዩ። (ናይ 1 ሰነ 2014 ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።) ነታ ዓንቀጽ ኬንብባ ኸሎ፡ እንታይ ጥቕስታትን ስርዓታትን ኪረክብ ይኽእል፧

16 ሓሙሽተ ኻብቲ ኣብታ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት እስከ ንርአ። (1) ናብ ሞት ኪመርሓና ንዚኽእል ነገር ባሮት ኣይንኹን። (ሮሜ 6:16) (2) ንኣካላትና ዚጐድእ ዝዀነ ይኹን ነገር ነወግድ። (2 ቈረ. 7:1) (3) የሆዋ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ እዩ ዚደሊ። (ማቴ. 22:37) (4) ንኻልኦት ዚጐድእ ነገር ክንገብር የብልናን። (ማቴ. 22:39፣ 1 ቈረ. 10:24) (5) የሆዋ ነቲ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ዜድልየና ብርታዐ ይህበና እዩ። (ፊል. 4:13) ስለዚ፡ ዋላ እኳ ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይተጠቕሰ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ስርዓታት ግና እቲ ተምሃራይካ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ምእንቲ ኼስተውዕል ኪሕግዞ እዩ።

17. ክርስትያን ተመራዓውቲ ንመዓልቲ መርዓኦም መደብ ኬውጽኡ ኸለዉ ዚሕግዞም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

17 ክርስትያን ተመራዓውቲ ንመዓልቲ መርዓኦም መደብ ኬውጽኡ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኺገብሩ ዚሕግዞም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧ ኣብዚ እውን መሐበሪ ምርምር ሓጋዚ እዩ። ኣብ ትሕቲ፡ “መርዓን ውራይ መርዓን” ዚብል ኣርእስቲ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ዝርዝር ዓንቀጻት ኣሎ። ሽዱሽተ ኻብዚ ስርዓታት እስከ ንርአ። (1) ኣብቲ መርዓ ዚግበር ነገራት ንየሆዋ ዜኽብር ኪኸውን ይግባእ። (1 ቈረ. 10:31, 32) (2) ኣከዳድናና ግቡእን ትሕትና ዜርእን እምበር፡ ኣደብ ዘይብሉ ኪኸውን ኣይግባእን። (1 ጢሞ. 2:9፣ 1 ጴጥ. 3:3, 4) (3) ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ መነባብሮኻ ርኣዩለይ ናይ ምባል መንፈስ ከነወግድ ይግባእ። (ዮሃ. 17:14፣ ያእ. 1:27፣ 1 ዮሃ. 2:15, 16) (4) ኵሉ ነገር ስርዓት ዝሓለወ ኪኸውን ይግባእ። (1 ቈረ. 14:40) (5) እቲ ውራይ፡ ዕዱማት ዚሰኽሩሉ ቐይዲ በተኽ ድግስ ኪኸውን ኣይግባእን። (ገላ. 5:21) (6) ኣብቲ ውራይ ንዚግበር ነገር ንምቍጽጻር፡ ንሓደ ሰብ ሓላፍነት ኪውሃቦ ይግባእ።—ዮሃ. 2:8, 9።

18-19. (ሀ) እንታይ ኪሕግዘና ዚኽእል ተወሳኺ ንዋት ኣሎ፧ (ለ) በዚ ንዋት እዚ ጌርካ ንበዓላት ዚምልከት ውሳነ ኽትገብር ዚሕግዘካ እንታይ ስርዓታት ክትረክብ ትኽእል፧ (“ነቲ ስርዓታት ተለልዮዶ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

18 እታ ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ መጽሓፍ ንብዙሓት ዝጠቐመት ካልእ ንዋት እያ። ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ዝርዝር ጥቕስታት ዝሓዘ እተፈላለየ ርእሰ ነገራት ኣሎ። ሓደ ርእሰ ነገር ምስ መረጽካ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርዳእ ዚሕግዘካ ጥቕስታት ዝሓዘ ሕቶታት ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ኣብ ገሊኡ በዓላት ኪሳተፍ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሕቶ ተላዒልዎ ንበል። ኣብቲ “በዓላት” ዚብል ርእሰ ነገር እንተ ተወኪሱ፡ “ክርስትያናት ዘየብዕልዎ በዓላት” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ኺረክብ እዩ።

19 ኣብ ትሕቲ እቲ፡ “ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ እተበከለ በዓላት ምስታፍ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ቈረ. 10:21፣ 2 ቈረ. 6:14-18፣ ኤፌ. 5:10, 11)” ዚብል ክፋል ዘሎ መርትዖታት ርአ። ኣብኡ ገለ ኻብቲ ክርስትያናት ዘየብዕልዎ በዓላት ተዘርዚሩ ኽትረክብ ኢኻ። ኣብቲ “ሃገራዊ በዓላት” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ ክርስትያናት ነቲ ንፖለቲካዊ ታሪኽ ሓደ ህዝቢ፡ ዝኽሪ ውግእ ኣህዛብ፡ ወይ ንሰባት ከም ኣምልኾ ዝዓይነቱ ኽብሪ ኣብ ዚህብ በዓላት ኪሳተፉ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ዜረድእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ተዘርዚሩ ኣሎ። ውድብ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕልናና ንምስልጣን ዚሕግዘና ናውቲ ስለ እተዳልወልና ኣዚና ኢና እነማስወሉ!

ነቲ ስርዓታት ተለልዮዶ፧

ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንእተፈላለየ ርእሰ ነገር ዚምልከት፡ ብዙሕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ ንገለ ኻብዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ርእሰ ነገራት ስለምንታይ ዘይትምርምሮ፧ በዚ ኸምዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተስተውዕል ትኽእል።

  • ሓሶት

  • መስተ

  • መዘናግዒ

  • ምትሕንፋጽ እምነት

  • ስእለ ጽዩፍ

  • ቅንዕና

  • ብሕታዊ ፍልልያት ምድቃስ

  • ኣምልኾ ጣኦት

  • ዕርክነት ምስ ዓለም

  • ይቕረታ

  • ገለልትነት

  • ገንዘብ

  • ግጉይ ተግባራት

ሕልናኻ ብግቡእ ከም ዝሰልጠነ ኣረጋግጽ

20. ሕልናና ብግቡእ ከም ዝሰልጠነ ብኸመይ ንፈልጥ፧

20 ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ብቕኑዕ መገዲ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ግና ንሕልናና ብግቡእ ከነሰልጥኖ ኸም ዚግባእ ንፈልጥ ኢና። ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና ኸኣ ንየሆዋ ዜኽብርን ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕን ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘና እዩ። ሕልናና ንምስልጣን፡ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ። ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ብቐጻሊ ንጸሊ፡ ምስኡ ተሰማሚዕና ኸኣ ንዕየ። ብተወሳኺ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሕልናና ንምስልጣን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ውህበታት እዚ ብግቡእ ንጠቐመሉ፡ ሓይሊ ቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኺዓዪ ኸሎ እውን ንርአ።—2 ጢሞ. 3:16, 17፣ እብ. 4:12።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ሕልና እንታይ እዩ፧

  • ንሕልናና ብኸመይ ከነሰልጥኖ ንኽእል፧

  • ውሳነታት ክንገብር ከለና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘና፧

መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ