20-26 ሓምለ 2026
መዝሙር 133 ብንእስነትና ንየሆዋ ነምልኮ
ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ጥበባዊ ውሳነ ግበር
“ጐራሕ . . . ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳ. 14:15።
ኣትኵሮ
ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ውሳነ ኽትገብር ዚሕግዘካ ረቛሒታትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን።
1-2. (ሀ) መንእሰያት እንታይ ውሳነ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ (ለ) “ተወሳኺ ትምህርቲ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (“መግለጺ ቓላት” ርአ።)
መብዛሕትኡ ግዜ ንኣሽቱ፡ “ምስ ዓበኻ እንታይ ኢኻ ኽትከውን እትደሊ፧” ተባሂሎም ይሕተቱ እዮም። ካብ ኵሉ እቲ ዝበለጸ ዕዮ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣታዊ እትረኽበሉ ስራሕ ኬድልየካ እዩ። (2 ተሰ. 3:10) ስለዚ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ዓለማዊ ስራሕ ከም እትሰርሕ ሓሲብካሉ ትኸውን ኢኻ።
2 ገሊኦም መንእሰያት፡ ናይቲ ዚነብሩሉ ዓዲ መሰረታዊ ትምህርቲ ምስ ወድኡ፡ ስራሕ ንምርካብ ተወሳኺ ትምህርቲ ኺምሃሩ ይውስኑ እዮም።a መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ውሳነ እዚ፡ ምስ ወለዶም ተማኺሮም እዮም ዚገብርዎ። ንስኻ እውን ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። እሞ ደኣ፡ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኢኻ ኽትመርጽ ዘሎካ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ፡ ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ዚሕግዘካ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመያየጥ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብቐዳምነት ንመንእሰያት እተዳለወት እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ ኣብዚ ዘሎ ስርዓታት ንዅሎም እቶም ተወሳኺ ትምህርቲ ኺምሃሩ ዚሓስቡ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ዚጠቅም እዩ። ወለዲ ድማ ደቆም ቅኑዕ ውሳነ ምእንቲ ኺገብሩ ንምሕጋዝ፡ ካብዚ ስርዓታት እዚ ጽቡቕ ምኽሪ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ኣሎካ ድዩ፧
3. ገሊኦም ክርስትያናት ተወሳኺ ትምህርቲ ኺምሃሩ ዚውስኑ ስለምንታይ እዮም፧
3 ኣብ ገሊኡ ዓድታት፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ኸይተመሃርካ እኹል ኣታዊ ዘለዎ ስራሕ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ገሊኡ ግና ዝሓሸ ኽፍሊት ወይ ዝሓሸ ሰዓታት ዘለዎ ስራሕ ንምርካብ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ሓጋዚ እዩ። እዚ ኸኣ ንሓደ ክርስትያን ኣብ ዕዮ ስብከት ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት፡ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኼሕልፍ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ተወሳኺ ትምህርቲ መስዋእቲ የኽፍል እዩ፣ ንሓደ ክርስትያን ከኣ ጸገማት ኬስዕበሉ ይኽእል እዩ።
4. ሓደ ክርስትያን ተወሳኺ ትምህርቲ ኺምሃር እንተ ኣልይዎ ወይ እንተ ዘይብሉ ኺውስን ዘለዎ መን እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)
4 ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ “ሓላፍነቱ ዜሰክሞ ጾር” ኪጸውር ከም ዚግባእ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና። (ገላ. 6:5፣ እ.ጽ.) ስለዚ፡ ሓደ በጽሒ ክርስትያን ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ባዕሉ ኺውስን ይግባእ።b ወለዲ ድማ ንዘይባጽሐ ውላዶም ኪውስኑሉ ሓላፍነት ኣለዎም። (ኤፌ. 6:1) እቲ ምኽሮም ከኣ ውላዶም ምስ ዓበየ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ምእንቲ ኺገብር ኬዳልዎ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 22:6።
5. ሓደ ሰብ ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ መዓስ እዩ ኺሓስብ ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
5 መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት መሰረታዊ ትምህርቲ ቕድሚ ምውዳኦም እዮም ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ዚውስኑ። ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሞም ግና ነዚ ምስ ወለዶም እንተ ተዛራረቡሉ ይሓይሽ። እዚ ኸኣ፡ ምርምር ንምግባርን ዘለዎም ኣማራጺታት ንምርኣይን ግዜ ይህቦም እዩ። ምናልባት እውን ኣብ መጻኢ ንዚምሃርዎ ትምህርቲ ወይ ንዚመርጽዎ ስራሕ ዚሕግዞም ዓይነታት ትምህርቲ ኻብ ሕጂ ኺመርጹ ይኽእሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ መሰረታዊ ትምህርቲ ቕድሚ ምውዳኦም፡ ናይ ግድን ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ኺውስኑ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። (ምሳ. 21:5) ገሊኦም መንእሰያት፡ ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ገና እናሓሰቡ ኸለዉ፡ ትምህርቲ ወዲኦም፡ ስራሕ ረኺቦም፡ ኣገልግሎት ፈላምነት እውን ጀሚሮም እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ጸኒሑ ኺውስን ይኽእል እዩ።
ክርስትያን ወለዲ፡ ጓሎም ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ጥበባዊ ውሳነ ምእንቲ ኽትገብር ይሕግዝዋ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)
6. ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
6 ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ብዛዕባኡ ጸሊ። (ያእ. 1:5) ኣብ ርእሲኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ሕሰበሉ። ቀዳማይ፡ ውሽጣዊ ድራኸታትካ ብቕንዕና መርምር። (መዝ. 26:2) ካልኣይ፡ ነቲ ኽትምሃሮ ሓሲብካዮ ዘለኻ ትምህርቲ ተጠንቂቕካ መርምሮ። (ምሳ. 14:15) እምበኣር፡ ነዚ ነጥብታት እዚ በብሓደ እስከ ንርኣዮ።
ውሽጣዊ ድራኸታትካ መርምር
7. ክርስትያናት ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ኺሓስቡ ኸለዉ እንታይ ጥንቃቐታት እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧
7 ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘እዚ ዓይነት ትምህርቲ ኽምሃር ዝሓስብ ዘለኹ ስለምንታይ እየ፧’ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ዚፈትውዎ ዓይነት ስራሕ ወይ ከኣ ጽቡቕ ኣታዊ ንምርካብ ዚሕግዞም ዓይነት ትምህርቲ እዮም ዚመርጹ። እዚ ድራኸ እዚ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። (1 ጢሞ. 5:8) እንተዀነ ግና፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ውሕስነት ክትረክብ ኢልካ ምጽዓርን ፍቕረ ንዋይን ብዛዕባ ዜስዕቦ ሓደጋታት መጽሓፍ ቅዱስ የጠንቅቐና እዩ። (ምሳ. 23:4, 5፣ 1 ጢሞ. 6:8-10፣ 1 ዮሃ. 2:17) ውሽጣዊ ድራኸኻ ሃብቲ ወይ ክብረት ንምርካብ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ናይ ባዶነት ስምዒት ኬስዕበልካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ የሆዋ እውን ኬርሕቐካ እዩ።
8-9. (ሀ) ክርስትያናት ንትምህርቲ ብኸመይ ኪርእይዎ ይግባእ፧ (ማቴዎስ 6:33) (ለ) ካብቲ ሆሰፊናን ሞሪንን ኣይሪስን ዝሃባኦ ሓሳብ እንታይ ትምሃር፧
8 እሞ ደኣ ንትምህርቲ ብኸመይ ክትርእዮ እዩ ዚግባእ፧ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዜገድሰና፡ ንየሆዋ ምግልጋል እዩ። (ማቴ. 22:37, 38፣ ፊል. 3:8) ስለዚ፡ ትምህርቲ እትምሃረሉ ቐንዲ ሸቶ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ንምግልጋል ዜድልየካ ነገር ምእንቲ ኽትረክብ እዩ ኪኸውን ዘለዎ።—ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ።
9 ገሊኦም ክርስትያናት ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ግቡእ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺሕዙ እንታይ ከም ዝሓገዞም ንርአ። ኣብ ቺለ እትነብር ሆሰፊና ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ተወሳኺ ትምህርቲ እተምሃርኩ ንየሆዋ ብዝያዳ ንምግልጋል ዜኽእለኒ ስራሕ ንምርካብ ኢለ እየ። ኣብ ህይወተይ ዝለዓለ ቦታ ዝህቦ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ደኣ እምበር ተወሳኺ ትምህርቲ ኣይኰነን።” ሓንቲ ሞሪን ዝስማ ሓብቲ ኸኣ ንሓደ ዓመት ዚወስድ ሞያ ስነ ጽባቐ ጸጕሪ ርእሲ ተማህረት። ስለምንታይ፧ ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ሸቶይ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይደ ንምግልጋል እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ዜኽእለኒ ስልጠና ኣናድየ። ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ኸኣ፡ በቲ እተምሃርክዎ ኽሰርሕ ጀሚረ፣ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ንምግዓዝ ዜድልየኒ ገንዘብ እውን ኣዋህሊለ። ናብቲ ቦታ ምስ ገዓዝኩ ድማ፡ እቲ እተምሃርክዎ ትምህርቲ፡ ስራሕ ክረክብ ሓጊዙኒ እዩ።” ሓንቲ ኣይሪስ ዝስማ ኣብ ሞያ ሕክምና ስኒ ነዊሕ ስልጠና ዝወሰደት ሓብቲ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ተወሳኺ ትምህርቲ ገለ ጥቕምታት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፡ ግናኸ ናይ ሓቂ ዓወትን ዕግበትን ኣይህበካን እዩ። እቲ ቐመር ቀሊል እዩ፣ ህይወትካ ኣብ የሆዋ ዘተኰረ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ዕግበትን ኣሳልጦን ከም እትረክብ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።” እወ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንተ ሂብናዮ፡ ነባሪ ሓጐስ ዜምጽኣልና ውሳነታት ክንገብር ኢና።
እትመርጾ ትምህርቲ ተጠንቂቕካ መርምር
10. ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትውስን ከለኻ፡ ነቲ ኣብ ዘዳግም 32:29 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ብኸመይ ክትትግብሮ ትኽእል፧
10 ምናልባት ብኣእምሮኻ ዝሓዝካዮ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ስልጠና ይህሉ ይኸውን። ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ወይ ኣብ ካልእ ዓውዲ፡ ካልእ ኣማራጺታት እንተ ኣልዩ ምርኣይ ግና ጠቓሚ እዩ። (ምስ ምሳሌ 18:17 ኣረኣኢ።) ሎሚ፡ ከም ብኦንላይን ዚውሃብ ትምህርቲ ዝኣመሰለ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ኣማራጺታት ትምህርቲ ኣሎ። ተወሳኺ ትምህርቲ ኸይተምሃርካ፡ ዜድልየካ ኸተማልእ ትኽእል እንተ ዄንካ እውን ሕሰበሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ፊንላንድ እትነብር ዮሃና እትብሃል ሓብቲ ተወሳኺ ትምህርቲ ኣይተማህረትን። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “መሰረታዊ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ እናሰራሕኩ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀሚረ። እተፈላለየ ዓይነት ስራሕ ሰሪሐ እየ፣ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ዝኣተዎ ቓል ወትሩ ኸም ዚፍጽም ከኣ ርእየ እየ።” ሓደ ኽትዝክሮ ዘሎካ ነገር፡ ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት እትገብሮ ውሳነን እቲ እትመርጾ ዓይነት ትምህርትን ጥቕምን ጕድኣትን ኣለዎ። ስለዚ፡ ‘ካብቲ ጕድኣቱስ እቲ ጥቕምታቱዶ ይበዝሕ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። (ዘዳግም 32:29 ኣንብብ፣ 1 ቈረ. 10:23) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ ዚሕግዘካ ገለ ረቛሒታት እስከ ንርአ።
11. ናይቲ ትምህርቲ መደብ ክትምርምር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
11 እትምሃረሉ መደብ። መዓልታዊ ኣብ ክፍሊ፡ ኣብ ስልጠና፡ ዕዮ ገዛ ኣብ ምስራሕ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸተሕልፍ ከም እትኽእል መርምር። ንመንፈሳዊ ልማዳትካን ንስድራ ቤትካ ንምሕጋዝን ግዜ ኺህልወካ ድዩ፧ (ፊል. 1:10) እቲ ትምህርቲ፡ ንኣኼባታት ከይትዳሎን ብሕታዊ መጽናዕቲ ኸይትገብርን ሓይልኻ ዚጽንቅቕ ድዩ፧ ኣብ ህንዲ ዚነብር ጀሮዝ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምስታፍ ቃልሲ እዩ ዀይኑኒ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ኣኼባታት እበኵር ነይረ። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ኣብቲ ትምህርቲ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ኣባኺነ እየ።” ገሊኡ ዓይነት ትምህርትታት ግና ብዙሕ ግዜ ዘይበልዕ እዩ፣ ገሊኡ ናይ ክፍለ ግዜ ትምህርቲ እዩ፡ ገሊኡ ኸኣ ውሑድ ዕዮ ገዛ ዘለዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሞዛምቢክ እትነብር ረበካ በቲ ዝመረጸቶ ትምህርቲ ሕጕስቲ እያ። ንሳ፡ “እቲ ስልጠና፡ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሰዓት ጥራይ እዩ ዚወስድ ነይሩ። ስለዚ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ክቕጽል ኣኽኢሉኒ እዩ” ትብል።
ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ንዅሉ ኣገዳሲ ሓላፍነታትካ ዚኸውን እኹል ግዜ ኸም ዚህልወካ ኣረጋግጽ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)
12. ሓደ ሰብ ንትምህርቲ ብዚምልከት ንግዜኡ ብዝበለጸ ኺጥቀመሉ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (መክብብ 12:1)
12 እትምሃረሉ ንውሓት ግዜ። እቲ ትምህርቲ ኽንደይ ኣዋርሕ ወይ ክንደይ ዓመታት ከም ዚወስድ ሕሰበሉ። እቲ እትመርጾ ትምህርቲ ንግዜኻ ብዝበለጸ ኽትጥቀመሉ ዚሕግዘካ ድዩ፧ (ኤፌ. 5:15-17) መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንውሓት እቲ ትምህርቲ ብንእስነትካ ንየሆዋ ብሉጽካ ኽትህብ፡ ምናልባት እውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ዜኽእለካ ድዩ፧ (መክብብ 12:1 ኣንብብ።) ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ፡ ሓጺር ኮርስ ክትወስደሉ እትኽእል ኣማራጺ ኣሎ ድዩ፧ ንኣብነት፡ ናይ ሞያ ስልጠና ዚህብ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ብዝሓጸረ ግዜን ብዝሓሰረ ዋጋን ግብራዊ ኽእለት ከተጥሪ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ቺለ ዚነብር ማርዮ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዝሓሰረ ናይ ክልተ ዓመት ተክኒካዊ ስልጠና ወሲደ። ኣብ ሰሙን ንኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ እየ ዝምሃር ነይረ፡ እዚ ኸኣ እናተምሃርኩ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ሓጊዙኒ እዩ።”
13. ሓደ ሰብ ተወሳኺ ትምህርቲ ኺምሃር ከሎ እቲ ዚነብረሉ ቦታ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
13 እትምሃረሉ ቦታ። እቲ ዝመረጽካዮ ትምህርቲ ኣብ ከባቢ መንበሪኻ ኽትረኽቦ ትኽእል ትኸውን። ምናልባት ኣብ ካልእ ከተማ ዘሎ እንተ ዀይኑኸ፧ ወይ ከኣ ምስ ካልኦት ኣብ ካምፓስ ክትነብር ዚሓትት እንተ ዀይኑኸ፧ ካብ ስድራ ቤትካ ርሒቕካ ምንባር፡ ብፍላይ ከኣ ከም ናትካ ዓይነት እምነት ምስ ዘይብሎም ሰባት ምንባር፡ ከቢድ መንፈሳዊ ሓደጋ ኸም ዜስዕብ ኣስተውዕል። (ምሳ. 22:3፣ 1 ቈረ. 15:33) ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብር ማትያስ፡ ክቡር ዘይኰነ ናይ ሓደ ዓመት ስልጠና እዩ ወሲዱ። ይኹን እምበር፡ በቲ ዝገበሮ ውሳነ ተጣዒሱ እዩ። ስለምንታይ፧ ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እየ ተማሂረ። መዓልታዊ ኸኣ ጌጋ ንምግባር እፍተን ነይረ። ስለዚ ድማ፡ ካብ ስድራ ቤትካ ኽትፍለ ዘየገድድ ስልጠና ምውሳድ ከም ዚሓይሽ እየ ዝመክር።” ኣብ ሩስያ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ኸኣ፡ “ኣብ ገዛ ምስ ወለደይ እነብር ስለ ዝነበርኩ፡ ካብ ሓደጋታትን ፈተናታትን ናይ ካምፓስ ተሰቲረ እየ” ትብል። ብኦንላይን ዚውሃብ ስልጠና እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
14. እቲ ኣብ ሉቃስ 14:28 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትሓስብ ከለኻ ብኸመይ ይሕግዘካ፧
14 እተውጽኦ ወጻኢታት። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ንተወሳኺ ትምህርቲ ዚኽፈል ዋጋ ኽቡር ኣይኰነን፡ ወይ ከኣ ብመንግስቲ ዚሽፈን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ስራሕ ክትረክብ ዜኽእለካ ፍልጠትን ክእለትን ምእንቲ ኸተጥሪ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ምክትታል ዓቕምኻ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ግና፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽቡር እዩ። ምስኡ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ተወሳኺ ወጻኢታት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ትምህርቲ ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ ሓገዝ ናይ ውልቂ መምህር ወይ ሓገዝ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ የድልየካ ይኸውን። ገሊኡ ስልጠናታት ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ዚቕጽል ዕዳ እዩ ዜሰክመካ። ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብር ኣዲልሶን፡ በቲ ናይ ትምህርቲ ምርጫኡ ተጣዒሱ እዩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ስድራ ቤተይ ነቲ ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደለይ ስልጠና ምእንቲ ኪኸፍሉለይ፡ ከም ምግቢ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት መስዋእቲ ገይሮም እዮም።” ብዛዕባ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ስልጠና ኽትሓስብ ከለኻ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እዚ ትምህርቲ ኽንደይ ወጻኢታት እዩ ኺሓትተኒ፧ ንዓይ ይኹን ንስድራ ቤተይ ዓቕምና ድዩ፧ ዝሓሰረ ኣማራጺ ኣሎ ድዩ፧’ (ሉቃስ 14:28 ኣንብብ።) ‘ኣብ ዕዳ እንተ ኣትየ፡ ዕዳይ ክኸፍል ክንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ኺወስደለይ፧ እቲ ኣብ መጻኢ ዝረኽቦ ስራሕከ፡ ዜናብረንን ዕዳይ ክኸፍል ዚሕግዘንን ድዩ፧’—ምሳ. 22:7።
15. ብዛዕባ እትምሃሮ ትምህርቲ ቕድሚ ምውሳንካ፡ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት እንታይ ምዃኑ ኣቐዲምካ ኽትሓስበሉ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧
15 እትረኽቦ ናይ ስራሕ ዕድል። ኣብቲ እትነብረሉ ወይ ክትነብረሉ እትደሊ ዓዲ ዘሎ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት እንታይ ምዃኑ ርአ። እቲ ኽትምሃሮ ደሊኻ ዘለኻ ትምህርቲ፡ ስራሕ ክትረክብ ዚሕግዘካ ድዩ፧ ገሊኡ ስልጠናታት ንስራሕ ዜድሊ ኽእለታት ዚምህር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ክልሰ ሓሳብን ፍልስፍናን ጥራይ ዘተኰረ እዩ። (ቈሎ. 2:8) ኣብ ህንዲ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ዝወሰድክዎ ስልጠና፡ ኣስራሕቲ ዚደልይዎ ግብራዊ ኽእለት ከማዕብል ኣይሓገዘንን። ስለዚ ድማ፡ በቲ እተምሃርክዎ ዓውዲ፡ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን።” ገሊኡ ትምህርትታት ከኣ ውሑድ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዚነብር ሳብላይም ኣብ ሃሩር እተገልግል መዝሓሊት ኣየር ናይ ምጽጋን ስልጠና እዩ ወሲዱ። ይኹን እምበር፡ ንሱ፡ “ኣብቲ ዝነብረሉ ዓዲ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንብረቶም ባዕሎም እዮም ዜዐርዩ፣ ስለዚ ድማ ስራሕ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ” ይብል።
16. እቲ እትምሃሮ ትምህርቲ ዚፈጥረልካ ናይ ስራሕ ዕድል፡ ኣቐዲምካ ኽትሓስበሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
16 ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ስራሕ ሕሰብ፧ ክትሕጐሰሉ ዲኻ፧ (መክ. 3:12, 13) እቲ ናይ ስራሕ ሃዋህው እንታይ ይመስል ይኸውን፧ ድሕንነትካ ዘይሕሉ፡ ውድድር ዝበዝሖ፡ ወይ ዜጨንቕ ብምዃኑ ዚፍለጥ ኢንዱስትሪ ድዩ፧ ነቲ ኸምኡ ዓይነት ስራሕ ብሓፈሻ ኽንደይ እዩ ኪኽፈለካ፧ ንዅሉ ወጻኢታትካ ዚሽፍነልካ ድዩ፧ ስራሕካ ንምዕቃብ ብቐጻሊ ኽትምሃር ኬድልየካ ድዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከተቐድም ዚፈቕደልካ ድዩ፧ (መክ. 12:13) ሓቂ እዩ፡ ስራሕ ኣብ ዘይብሉ ቦታ፡ ብዙሕ ኣማራጺታት ኣይህልወካን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እቲ ንትምህርቲ ዚምልከት እትገብሮ ምርጫ፡ ኣብ መጻኢ ንዚህልወካ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ይጸልዎ እዩ። ኣብ ህንዲ እትነብር ታቢታ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ዚወስድ ናይ ስፌት ስልጠና መረጸት። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ሰፋዪት ክዳን ኰይነ እንተ ሰሪሐ፡ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል እኽእል እየ ኢለ ሓሲበ። እቲ ስራሕ ኵሉ ግዜ ተደላዪ፡ ተዓጻጻፊ ዝዀነ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዘለዎ፡ ከምኡ እውን ብዙሕ ወፍሪ ዘየድልዮ እዩ።” እቲ ታቢታ ዝወሰደቶ ስልጠና፡ ናይ ፈላምነት ዕዮኣ ዚድግፍ ስራሕ ክትረክብ ሓጊዝዋ እዩ።
17. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ንትምህርቲ ብዚምልከት ጥበባዊ ውሳነ ምእንቲ ኺገብር ዜድልዮ ሓበሬታ ብኸመይ ኪረክብ ይኽእል፧ (ለ) ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ዚሕግዝ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧ (“ክትሓስበሉ ዘሎካ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
17 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ እተፈላለየ ረቛሒታት መርሚርና ኢና። እሞ ደኣ፡ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ዚሕግዘካ ሓበሬታ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ሓሲብካዮ ዘለኻ ትምህርቲ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኼድካ ሕተት፡ ወይ ከኣ ኣብ ወብሳይቶም ዘሎ ሓበሬታ ርአ። ኣብቲ ዓውዲ እቲ ኽንደይ ዚኣክል ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ንምርኣይ ምርምር ግበር። ነቶም ተመሳሳሊ ስልጠና ዝወሰዱ ወይ ከኣ ኣብቲ ዓውዲ እቲ ዚሰርሑ ሰባት እውን ምኽሪ ሕተቶም። (ምሳ. 13:10) “እቲ ትምህርቲ ወይ እቲ ስራሕ እንታይ ጥቕምን ጕድኣትን እዩ ዘለዎ፧” ኢልካ ሕተቶም። ነቶም ንየሆዋ ተሓጒሶም ዜገልግሉ ዘለዉ እውን ኣዛርቦም። (ምሳ. 15:22) እንታይ ዓይነት ትምህርትን እንታይ ዓይነት ስራሕን ይሓይሽ ይብሉ፧ ምናልባት ንስኻ ዘይሓሰብካሉ ዓይነት ስራሕ ኪጠቕሱልካ ይኽእሉ ይዀኑ።
18. እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧
18 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ጥቕምን ጕድኣትን ኣለዎ። ስለዚ፡ ነቲ ዘሎካ ኣማራጺታት ብጸሎት ሕሰበሉ። ተወሳኺ ትምህርቲ ብስጋዊ መዳይ እተወሰነ ውሕስነት ኬምጽኣልካ ይኽእል ይኸውን፣ እቲ ናይ ሓቂ ሓጐስ እትረኽበሉ እንኮ መገዲ ግና ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምምስራት ምዃኑ ኣይትረስዕ። (መዝ. 16:9, 11) የሆዋ ንህዝቡ፡ ደረጃ ትምህርቶም ብዘየገድስ ኵሉ ግዜ ይሓልየሎም እዩ። (እብ. 13:5) እሞ ደኣ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር እንተ ወሲንካ፡ ኣብ እዋን ትምህርትኻ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ክትዕቅብ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና።
መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ
a መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን “ተወሳኺ ትምህርቲ” ኽንብል ከለና፡ ነቲ ብመንግስቲ ዚዳሎ መሰረታዊ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ ብተወሳኺ እትምሃሮ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ዜመልክት እዩ። እዚ ትምህርቲ ወይ ስልጠና እዚ፡ ብዩኒቨርሲቲታትን ብኮለጃትን ብኣብያተ ትምህርቲ ተክኒክን ዚውሃብ ናይ ሓጺር ወይ ናይ ነዊሕ እዋን ስልጠና የጠቓልል።
b ኣብ ሕሉፍ፡ ክርስትያናት ዝለዓለ ትምህርቲ ኸይምሃሩ ጽሑፋትና ይመክር ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2005 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣብ መጻኢ እንታይ ኪዀኑ ኢኹም እትደልይዎም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ብዛዕባ ዜስዕቦ ሓደጋታት ትገልጽ። እቲ ሓደጋታት ሕጂ እውን ዘሎ እኳ እንተ ዀነ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ወይ ከይትምሃር ግና ብሕታዊ ውሳነ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ዘይባጽሐ እንተ ዀይኑ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ ነቲ ዝመረጾ ዓይነት ትምህርቲ ዚምልከት ፍሉይ ረቛሒታትን ምስኡ ዚተሓሓዝ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን ብጸሎት ኪሓስበሉ ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ዋላ እውን ሽማግለታት፡ ነቲ ሓደ ክርስትያን ዚገብሮ ብሕታዊ ውሳነ ኺፈርድ ኣይግብኦን እዩ።—ያእ. 4:12።