6-12 ሓምለ 2026
መዝሙር 98 ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
‘ንሰብነትኩም ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ኣቕርብዎ።’—ሮሜ 12:1።
ኣትኵሮ
መሰረታዊ ስርዓታት እንታይ ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና ብኸመይ ከም እነለልዮን።
1-2. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ መጽሓፍ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ መጽሓፍ እዩ። ኪጽሓፍ ካብ ዚጅምር ኣስታት 3,500 ዓመት፡ ተጻሒፉ ኻብ ዚውዳእ ከኣ ዳርጋ 2,000 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብኡ ሰፊሩ ዘሎ “ቓል ኣምላኽ” ሎሚ እውን እንተ ዀነ ህያውን ሓያልን እዩ። (እብ. 4:12፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17) ሚልዮናት ሰባት ከኣ እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ጸገማት ንምጽዋሩ ኸም ዝሓገዞም ይምስክሩ እዮም።
2 እዚ ጥንታዊ መጽሓፍ እዚ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ጠቓሚ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ክልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ንርአ። ቀዳማይ፡ ምንጪ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛ ዝዀነ “ህያው ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞ. 4:10፣ ሮሜ 16:26, 27) ካልኣይ፡ ግዜ ዘይሓልፎ ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። እዚ ስርዓታት እዚ ኸኣ፡ ኣብ እተፈላለየ ዘመን ንዚነብሩ ዀነ እተፈላለየ ጸገማት ንዜጋጥሞም ሰባት ጠቓሚ እዩ።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምልስ፧
3 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለናኸ ነቲ ስርዓታት ከነለልዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽንረኽቦ ኢና። ብተወሳኺ፡ ትምህርትታት የሱስ ንጥቕሚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዜጕልሖ ኽንርኢ ኢና።
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
4. ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
4 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕግታት ኣምላኽ እተመስረተሉ መሰረታዊ ሓቅታት እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ስርዓት ኣብቲ ሕጊ ብንጹር ይጥቀስ እዩ። (ማቴ. 22:37) ይኹን እምበር፡ ስርዓት ልዕሊ ሕጊ እዩ። ሕጊ ኣብ ኣፈጻጽማኡ ድሩት እዩ። ምናልባት ንእተወሰነ ግዜ ወይ ኵነት እተዋህበ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ብሰፊሕ ዜንጸባርቕ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሕጊ እተዋህበሉ ምኽንያት ኪብሃል ይከኣል እዩ። ኵሉ ሕጊ የሆዋ፡ ብቑዕ መሰረት ኣለዎ። እቲ እተመስረተሉ መሰረታዊ ስርዓት ከኣ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ኪትግበር ዚኽእልን ግዜ ዘይሓልፎን እዩ። (መዝ. 119:111) ሕጊ ኪቕየር ይኽእል እዩ፡ መሰረታዊ ስርዓት ግና ነባሪ እዩ።—ኢሳ. 40:8።
5. ኣብ መንጎ ሕግን ስርዓትን ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ከተብርሆ ትኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
5 ኣብ መንጎ ሕግን ስርዓትን ዘሎ ፍልልይ ብዝያዳ ንምብራህ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓንቲ ኣደ ንንእሽቶ ወዳ፡ ‘ምድጃ ኣይትሓዝ’ ትብሎ ትኸውን። እዚ ትእዛዝ ወይ ሕጊ እዩ። እቲ መሰረታዊ ስርዓት ከኣ፡ ‘ውዑይ ዘበለ ነገራት ኣይትሓዝ፡ እንተ ሒዝካ ኽትጕዳእ ኢኻ’ ዚብል እዩ። እቲ ስርዓት እቲ፡ ንምድጃ ጥራይ ዚምልከት ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ ንኸም መስታረሪ ኽዳን፡ መውዓዪ ማይ፡ ካልእ ከምኡ ንዝኣመሰለ ኺጐድእ ዚኽእል ነገራት ዜጠቓልል እዩ። ብተወሳኺ፡ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ገዛኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ እውን ዚዓዪ እዩ። ልክዕ እዩ፡ እቲ ቘልዓ ምስ ዓበየ ምድጃ ይጥቀም ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኪጐድኦ ብዘይክእል መገዲ ብጥንቃቐ እዩ ዚጥቀመሉ። ስለዚ፡ ሕጊ ኪቕየር ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና ኣይቅየርን እዩ።
ሕጊ ኪቕየር ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መሰረታዊ ስርዓት ግና ኣይቅየርን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
6. (ሀ) የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ እንታይ እዩ ሂቡና ዘሎ፧ (ለ) የሆዋ ዜኽብረና ብኸመይ እዩ፧
6 የሆዋ ስለ ዜፍቅረና ኻብ ሓደጋ ዜዕቍበና ንጹር ሕግታት ሂቡና ኣሎ። (ያእ. 2:11) ብተወሳኺ፡ ስለምንታይ እቲ ሕጊ ኸም እተዋህበ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ንጹር ሕጊ ዘይብሉ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ኸኣ ብቓሉ ኣቢሉ መምርሒ ይህበና እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅኑዕ ነገር ክንገብርን ጽቡቕ ውሳነ ኽንውስንን ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ብምሃብ የኽብረና እዩ፡ ንዕኡን ንመለክዒታቱን ዘሎና ፍቕሪ ዜርኢ ውሳነታት ክንገብር ከኣ ናጽነት ይህበና እዩ።—ገላ. 5:13።
7. ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ብምሳሌ ኣረድእ። (ስእሊ እውን ርአ።)
7 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ዜብርህ ሓደ ኣብነት ንርአ። ገሊአን ሃገራት ንመራሕቲ ማኪና ዚሕግዝ ምልክታት ትራፊክ ኣብ ጐደናታት ይገብራ እየን። መብዛሕትኡ ኻብዚ ምልክታት እዚ ነቶም ዚጥሕስዎ መቕጻዕቲ ዜስዕብ ንጹር ሕጊ እዩ። እዚ ምልክታት እዚ፡ ዝለዓለ ደረት ፍጥነት ዚሕብር ወይ ነቲ መራሕ ማኪና ደው ዜብል ምልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንመራሕቲ ማኪና ኻብ ሓደጋ ዜጠንቅቕ ሓባሪ ምልክታት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ ምልክታት ጸድፊ ኸም ዘሎ ወይ እንስሳታት ዚሳገሩሉ ቦታ ምዃኑ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ምኩር መራሕ ማኪና ኸኣ ነቲ ምልክታት ኪርኢ ኸሎ ናይ ምምዝዛን ክእለቱ ተጠቒሙ ብጥንቃቐ እዩ ዚዝውር። ንኣብነት፡ ሓደ መራሕ ማኪና ኣብ እዋን ዝናም ኪዝውር ከሎ፡ ኣዘዋውራኡ ምስቲ ሓደገኛ ዅነታት የተዓራሪ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያናት ቃል ኣምላኽ ዚዅንኖ ዝዀነ ይኹን ባህርያት ዜወግዱ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ንሕጊ ኣምላኽ ከም ዚጥሕሱ ዚገብሮም ሓሳባት ይኹን ተግባራት እውን የርሕቑ እዮም። ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር፡ ናይ ምምዝዛን ክእለቶም ይጥቀሙ እዮም።
መብዛሕትኡ ምልክታት ትራፊክ፡ ንመራሕቲ ማኪና ዜንቅሕ መጠንቀቕታ ዝሓዘ እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኺሕግዘና ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)
8. ብመሰረት ሮሜ 12:1, 2፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንዳይና እንታይ ንምግባር ይሕግዘና፧
8 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንዳይን ምስኡ ተሰማሚዕካ ምንባርን ካልእ ኣገዳሲ ጥቕምታት እውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከለና፡ ግብራዊ ትምህርቲ ንምርካብ ንጽዕር ኢና። የሆዋ ስለምንታይ ነቲ ትምህርቲ ኣብ ቃሉ ኸም ዘስፈሮን እዚ ንዓና ብኸመይ ከም ዚጠቕመናን ንርእስና ንሓትት ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ብኸመይ ‘ብኣእምሮና ተጠቒምና’ ንየሆዋ ኸም እነገልግሎ ንምሃር። ከምኡ እውን፡ እቲ “ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ ነረጋግጽ።—ሮሜ 12:1, 2 ኣንብብ።a
9. ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባር እንታይ ተወሳኺ ጥቕሚ ኣለዎ፧ (እብራውያን 5:13, 14)
9 ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባር፡ ብሱላት ክርስትያናት ይገብረና እዩ። ከምዚ ምስ እንገብር፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይድልድል እዩ። (እብራውያን 5:13, 14 ኣንብብ።) ቈልዑ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎምን ከም ዘይብሎምን ዝርዝር ሕግታት ኪውሃቦም የድልዮም እዩ። ነዚ ሕግታት እዚ ኸኣ መቕጻዕቲ ፈሪሆም ይእዘዝዎ ይዀኑ። የሆዋ ግና ከም ቈልዑ ዘይኰነስ፡ ከም ብሱላት ሰባት ገይሩ እዩ ዚሕዘና። ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ውሳነታት ከም እንገብር ይኣምነና እዩ፣ ከምኡ ኽንገብር ኪርእየና ኸሎ ኸኣ ልቡ ብሓጐስ ይመልእ እዩ።—መዝ. 147:11፣ ምሳ. 23:15, 26፣ 27:11።
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከነለሊ ንኽእል፧
10. ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከነለሊ ንኽእል፧
10 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነለሊ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ሓሳባትን ስምዒትን የሆዋ ኽንርዳእ ዚሕግዘና ትምህርቲ ብምንዳይ እዩ። ካልእ መገዲ ኸኣ፡ ሓደ ሕጊ እተዋህበሉ ምኽንያት ክንፈልጥ ብምጽዓር እዩ። እቲ ምኽንያት እንተ ተረዲኡና፡ ንየሆዋ ብዝሓሸ ኽንፈልጦ ኢና። ኣተሓሳስባ የሆዋ ብዝያዳ ንምርዳእ ግና፡ ሓገዙ ንምርካብ ናብኡ ኽንጽልን ናይ ምምዝዛን ክእለትና ኸነማዕብልን ኣሎና። (ምሳ. 2:10-12) ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ኣምላኽ እዚ ሕጊ እዚ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ነዚ ኣካይዳ እዚ ዘይቅበሎ እንተ ደኣ ዀይኑ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ኣካይዳኸ ኸመይ እዩ ዚስምዖ፧ ካብዚ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ እንታይ ክምሃር እኽእል፧ ብኸመይከ ኣብ ተግባር ከውዕሎ እኽእል፧’ ሓደ ሕጊ እተዋህበሉ ምኽንያትን እቲ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ትምህርትን እንተ ተረዲኡና፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
11. የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነለሊ ዝመሃረ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
11 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ብኸመይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነለሊ ኸም እንኽእል ምሂሩ እዩ። ሰለስተ ኣብነታት እስከ ንርአ። የሱስ ኣብ ሰለስቲኡ፡ ቅድም ሕጊ ጠቒሱ ኣሎ። ድሕሪኡ ነቲ ሕጊ መሰረት ዝዀነ ስርዓት ኣብሪሁ ኣሎ። ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ስርዓታት ከነስተንትነሉ ኸለና፡ ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ክንትግብሮ ኸም እንኽእል ንርዳእ ኢና፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸኣ ግብራዊ ጥቕምታት ንረኽበሉ ኢና።
የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ብኸመይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነለሊ ኸም እንኽእል መሃረ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)
12. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:21, 22 ዘሎ ሕጊ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
12 ማቴዎስ 5:21, 22 ኣንብብ። “ኣይትቕተል።” ነዚ ሕጊ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት እንታይ እዩ፧ የሆዋ ብግብርና ወይ ብቓልና ዋላ እውን ብሓሳብና ንሰብ ክንጸልእ ኣይደልየናን እዩ። ሓደ ሰብ ዋላ እኳ እንተ ዘይቀተለ፡ ንሓዉ ዚጸልኦ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እዚ ሕጊ እተመስረተሉ ስርዓት እዩ ዚጥሕስ ዘሎ። “ብሓዉ ተቘጢዑ ዚነብር” ወይ ዚጐድእ ቃላት ዚዛረብ ሰብ “ተሓታቲ” እዩ። ከመይሲ፡ እዚ ኣተሓሳስባን ተግባርን እዚ እዩ ናብ ቅትለት ዚመርሕ።—1 ዮሃ. 3:15።
13. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:21, 22 ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
13 ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:21, 22 ዘሎ ስርዓት ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧ ቂም ኣይንሓዝ። (ዘሌ. 19:18፣ እዮ. 36:13) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ስምዒት እዚ ናብ ጐዳኢ ዘረባን ተግባርን ዚመርሕ ጽልኢ ኣብ ልብና ኼሕድር ይኽእል እዩ። (ምሳ. 10:12) እዚ ኸኣ ንስም ካልኦት ዜጸልም ሕማቕ ወረን ሕሜትን የጠቓልል። (ምሳ. 20:19፣ 25:23) ኣብቲ የሱስ ነቲ ትምህርቲ እቲ ዝመሃረሉ ግዜ፡ ኢንተርነት፡ ሞባይል ወይ ኮምፒዩተር ዚብሃል ነገር ኣይነበረን። እቲ ዝሃቦ ምኽሪ ግና፡ ነዚ መሳርሒታት እዚ ብዛዕባ ኻልኦት ሕማቕ ነገር ንምዝራብ ከይንጥቀመሉ ይምህረና። እምበኣር፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንኻልኦት ዜጸልም ዘረባ ኸነወግድ ይግባእ።
(ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)
14. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:27, 28 ዘሎ ሕጊ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
14 ማቴዎስ 5:27, 28 ኣንብብ። “ኣይትዘሙ።” ነዚ ሕጊ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት እንታይ እዩ፧ የሆዋ ምንዝርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ናብኡ ዚመርሕ ሓሳባት እውን ይጸልኦ እዩ። የሱስ ሓደ ምርዑው ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ (ሰበይቱ ንዘይኰነት) ብፍትወት ምስ ዚጥምታ ኸም ዝሓጥአ ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ርኹስ ሓሳባት ምውጋድ ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትተና እኳ እንተ ዀነ፡ ግድን ከነወግዶ ይግባእ። (ማቴ. 5:29, 30) እዚ ስርዓት እዚ፡ ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት እውን ዚምልከት እዩ።
15. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:27, 28 ዘሎ ስርዓት ሎሚ ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
15 ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:27, 28 ዘሎ ስርዓት ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧ ርኹስ ሓሳባት ነወግድ። (2 ሳሙ. 11:2-4፣ እዮ. 31:1-3) ሓደ ብሱል ክርስትያን ኵሉ ዓይነት ስእለ ጽዩፍ ከም ዜወግድ ፍሉጥ እዩ። ርኹስ ነገር ክሳዕ ዘይፈጸመ፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ጥራይ ጸገም ከም ዘይብሉ ገይሩ ኣይሓስብን እዩ። ከምቶም ገሊኡ ዓይነት ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ኸም ዝዀነ ገይሮም ዚኣምኑ ሰባት ኣይኰንናን። ብግዜ የሱስ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዀነ ቪድዮታትን ስእልታትን ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ በዚ መሳርሒታት እዚ ዚዝርጋሕ ነገራት፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚስምዖ ኽንፈልጥ ዚሕግዘና ስርዓት ሂቡና እዩ። እዚ ኸኣ ብኢንተርነት ኣቢልካ ርኹስ ስእልታትን ቪድዮታትን ምልኣኽ ወይ ርኹስ ነገር ምዝራብ ኰነ ምጽሓፍ ንየሆዋ ኸም ዜጕህዮ ይምህረና። እዚ ትምህርቲ እዚ ንሓደ ምርዑው ሰብ፡ ንመጻምድቱ እሙን ኪኸውን ይሕግዞ እዩ። (ሚል. 2:15) ከምኡ እውን ንዅሎም ክርስትያናት፡ ማለት ንእተመርዓዉ ዀኑ ንዘይተመርዓዉ፡ ናብ ምንዝርና ዚመርሕ ዝዀነ ይኹን ነገር ኬወግዱ ይሕግዞም እዩ።—ምሳ. 5:3-14።
(ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)
16. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:43, 44 ዘሎ ሕጊ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
16 ማቴዎስ 5:43, 44 ኣንብብ። “ብጻይካ ኣፍቅር።” ነዚ ሕጊ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ከም ብጻይና ጌርና ኸነፍቅር እዩ ዚደልየና። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንጸላእቶም ብምጽላእን ንኣይሁድ ጥራይ ብምፍቃርን ነቲ ሕጊ ብጌጋ ተረዲኦምዎ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንዕላማ እቲ ሕጊ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት፡ ዓሌቶም ኰነ ዜግነቶም ብዘየገድስ፡ ከም ብጾትና ኽንርእዮም ከም ዚደልየና ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 5:45-48።
17. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:43, 44 ዘሎ ስርዓት ኣብ ተግባር ምውዓል እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:43, 44 ዘሎ ስርዓት ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧ እታ ንብጻይና ዘላትና ፍቕሪ፡ ካብቲ ኣብዛ ዓለም ዚካየድ ዘሎ ውግእን ግጭትን ገለልተኛታት ክንከውን ትድርኸና እያ። (ኢሳ. 2:4፣ ሚክ. 4:3) ነቶም ካብ ናትና እተፈልየ ዓሌት፡ ዜግነት፡ ወይ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ብለውሃት ክንሕዞም እውን ትሕግዘና እያ። (ግብ. 10:34, 35) ብተወሳኺ፡ ነቶም ንዓና ወይ ንፈተውትና ዝበደሉ ሰባት ይቕረ ኽንብለሎም ትድርኸና እያ።—ማቴ. 18:21, 22፣ ማር. 11:25፣ ሉቃ. 17:3, 4።
(ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)
ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባር ቈራጽነት ግበር
18. (ሀ) እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
18 የሆዋ ኸም ቈልዑ ዘይኰነስ ከም ብሱላት ሰባት ገይሩ ስለ ዚሕዘና ኣዚና ኢና እነመስግኖ! ንሱ ቕኑዕ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ተግባር ከነውዕል ይደልየና እዩ። (1 ቈረ. 14:20) እምበኣር፡ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ” ንምስትውዓል ቈራጽነት ንግበር። (ኤፌ. 5:17) መቕጻዕቲ ፈሪህና ዘይኰነስ፡ በታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ውሳነ ንግበር። ኣብዚ መዳይ እዚ ዚሕግዘና ኻልእ ውህበት እውን ኣሎና። እዚ ኸኣ ሕልናና እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጥ ኢና።
መዝሙር 95 እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ
a ክርስትያናት ተጠንቂቖም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምሩ ኸም ዘለዎም፡ ብዙሕ ግዜ መዘኻኸሪ ይውሃቦም እዩ። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ እተፈላለየ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምርን ኣብኡ ተመርኲስና ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብርን ኣሎና። በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣእምሮ ወይ ናይ ምምዝዛን ክእለት ተጠቒምና፡ ስምረትን በረኸትን የሆዋ ዜምጽእ ውሳነ ኽንውስን ንኽእል ኢና። እዚ ዓይነት ኣምልኾ እዚ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ክርስትያናት ዓብዪ ለውጢ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም መራሕቲ ሃይማኖት ዘውጽእዎ ብዙሕ ሕግታት እዮም ዚስዕቡ ነይሮም።