ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሚያዝያ ገጽ 20-25
  • ካብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ተምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ተምሃር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምጽንናዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧
  • ንኻልኦት ብኸመይ ከም እተጸናንዕ
  • ምጽንናዕ ምስ ዜድልየካ
  • ነቶም ኣብ ቤት-ኤል ዘለዉ ንምጽንናዕ እተገብረ መሰናድዎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ከቶ በይንና ኣይኰንናን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ‘ንዅሎም ሕዙናት ኣጸናንዓዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንግዳያት ህስያ ነጸናንዓዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሚያዝያ ገጽ 20-25

22-28 ሰነ 2026

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

ካብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ተምሃር

“በቲ ኻብ ኣምላኽ እንረኽቦ ምጽንናዕ፡ ኣብ ጸበባ ዘበለ ንዘለዉ [ነጸናንዕ]።”—2 ቈረ. 1:4።

ኣትኵሮ

ኣብነት የሆዋን ኣብነት እቶም ንዕኡ ዚመስልዎን ብምስዓብ፡ ብኸመይ ንኻልኦት ከም እነጸናንዕ።

1. ስለምንታይ ኢና ንኻልኦት ከነጸናንዕ ዘሎና፧

ኵላትና ‘ብእተፈላለየ ፈተናታት ንጕሂ’ ኢና፣ ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ምጽንናዕን ምትብባዕን የድልየና እዩ። (1 ጴጥ. 1:6) ከምቲ ንሕና ኻብ ካልኦት ምጽንናዕ ክንረክብ ከለና ደስ ዚብለና፡ ንሕና እውን ነቶም መከራ ዜሕልፉ ዘለዉ ብቕልጡፍ ከነጸናንዖም ኣሎና። (ማቴ. 7:12) እቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ “ኣብ ጸበባ ዘበለ ንዘለዉ ምእንቲ ኸነጸናንዕ” ኣብነት ይዀነና እዩ። (2 ቈረ. 1:3, 4፣ 1 ተሰ. 4:18) ግዴታ ስለ ዝዀነና ዘይኰነስ፡ ካብቲ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘሎና ፍቕሪ ተላዒልና ኢና እነጸናንዕ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) ምጽንናዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ (2) ብኸመይ ንኻልኦት ከም እነጸናንዕ፡ (3) ምጽንናዕ ኬድልየና ኸሎ እንታይ ከም እንገብር ክንምርምር ኢና።

ምጽንናዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

2. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ምጽንናዕ” ተባሂላ እትትርጐም ቃል እንታይ በበይኑ ትርጉም እዩ ኺህልዋ ዚኽእል፧

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ምጽንናዕ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ከከም ኣሰዃዅዓኣ በበይኑ ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። “ምትብባዕ፡” “ምምዓድ፡” ወይ “ምምሕጻን” ዚብል ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:8፣ እ.ጽ.) ቃል ብቓሉ ድማ፡ “ናብ ጐድንኻ ምጽዋዕ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ስለዚ፡ ሓደ ፈታዊ ኣብ መከራ ንዘሎ ብጻዩ ንምድጋፍን ዜድልዮ ዘበለ ሓገዝ ንምሃብን ብቕልጡፍ ኣብ ጐድኑ ኸም ዚቐውም ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ሓደ ፈታዊ ብበበይኑ መገዲ ደገፉ ኺህብ ይኽእል እዩ። እንተ በዚ እንተ በቲ ግና፡ ነቲ ኣብ መከራ ዘሎ ብጻዩ ይሃንጾን የበርትዖን እዩ።

3. ንኻልኦት ብዛዕባ ምጽንናዕ፡ ካብ በርናባስ እንታይ ንምሃር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

3 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ዮሴፍ ዚብሃል ክርስትያን ንኻልኦት ናይ ምትብባዕን ናይ ምጽንናዕን ሓለፍ ዝበለ ኽእለት ስለ ዝነበሮ፡ ሃዋርያት ንዕኡ በርናባስ፡ ማለት “ወዲ ምጽንናዕ” ዚብል ስም ኣውጽኡሉ። (ግብ. 4:36) እቲ ስም እቲ ንዕኡ ኣጸቢቑ ስለ ዝዀኖ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪኡ በቲ ናይ መጀመርታ ስሙ ተጸዊዑ ኣይፈልጥን እዩ። በርናባስ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንክርስትያናት ብጾቱ ብምሕጋዝ፡ ከም ስሙ እዩ ዚመላለስ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ሓድሽ ክርስትያን ዝዀነ ሳውል ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ደለየ። ኰይኑ ግና፡ ንሱ ሰጓጒ ብምንባሩ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈርህዎ። በርናባስ ግና ንሳውል ኣመኖ፡ ምስ ሃዋርያት እውን ኣፋለጦ።—ግብ. 9:26-28።

በርናባስ ንሳውል ምስ ገለ ኻብቶም ሃዋርያት ኬላልዮ ኢሉ ናብ ቤት ሓደ ኻባታቶም ሒዝዎ ይመጽእ። ሳውል ናብኦም እናቐረበ ኸሎ እቶም ሃዋርያት ግና ብጥርጣረ ይጥምትዎ።

በርናባስ ምስ ትርጉም ስሙ ተሰማሚዑ ይመላለስ ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)


ንኻልኦት ብኸመይ ከም እተጸናንዕ

4. ሓደ ኻብቲ ምጽንናዕ ክትህበሉ እትኽእል ብሉጽ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ሮሜ 1:11, 12)

4 እንተ ኽኢልካ ብጽሓዮም። የሆዋ ብኣገልገልቱ ገይሩ ንሰባት የጸናንዕ እዩ። ንኣብነት፡ ነብዪ ኤልያስ ምስ ተጨነቐ፡ የሆዋ ብመልኣኹ ገይሩ ኣተባቢዕዎ እዩ። (1 ነገ. 19:4-7) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንኣሕዋቱ ንምትብባዕ ብኣካል ኪበጽሖም ደልዩ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 1:11, 12 ኣንብብ።) ከተጸናንዕ ኢልካ ኽትበጽሕ ከለኻ፡ እኹል ግዜ ሃቦም። (1 ቈረ. 16:7) እንተዀነ ግና፡ ንሓደ እተሸገረ ሰብ ክትበጽሖ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ብተሌፎን፡ ብደብዳበ፡ ብካርድ፡ ወይ ብተክስት ጌርካ ኸተበርትዖ ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ ንኻልኦት ንምጽንናዕሲ፡ መሳርሒ የሆዋ ንምዃን ፍቓደኛ ኽትከውን ዲኻ፧

5. እንታይ እዩ እናኸበደ ኪኸይድ ዚኽእል፧

5 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ህይወት እናጸንከረ ኪኸይድ ከሎ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብኣካል ንምጽንናዕ እንገብሮ ጻዕሪ እናኸበደ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ኻብ ኤፌሶን ዝኸደ ኦኔሲፎሮስ ማእሰርቲ ዀነ ሞት ኬጋጥሞ ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ሃለው ኢሉ ደልዩ ረኺብዎ እዩ። (2 ጢሞ. 1:16-18) ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን መስጐጕቲ ኣብ ዜጋጥሞም እዋን ንሓድሕዶም ይተባብዑ ኣለዉ። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዚቐርቡሉ እዋን፡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ናብቲ ቤት ፍርዲ ኸይዶም የተባብዕዎም እዮም፣ ንሳቶም ንባዕሎም ኣደዳ ማእሰርቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምኡ ኻብ ምግባር ግና ድሕር ኣይበሉን። እሞ ደኣ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ንምትብባዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ጥንቲ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ እዋን መስጐጕቲ ብኸመይ ንሓድሕዶም ከም እተደጋገፉን ብኸመይ ሓጐስ ከም ዝረኸቡን ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ።

6. ንኻልኦት ከነጸናንዕ ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ስምዓዮም። ነብዪ ኤልያስ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ዀይኑ ኣብ እተሰምዖ እዋን፡ ልቡ ንየሆዋ ኣፍሰሰሉ። እቲ ፈቃር ኣምላኽና ኸኣ ንኤልያስ እንታይ ከም ዘተሓሳሰቦ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ጭንቀቱ ኺገልጽ ከሎ ሰምዖ። ኤልያስ ብዛዕባ ሕደ ነገር ደጋጊሙ ኺዛረብ ከሎ እኳ፡ የሆዋ ብትዕግስቲ ሰምዖ። (1 ነገ. 19:9, 10, 14) ብዘይካዚ፡ ኣንባቆም ሻቕሎቱን ጥርጣረታቱን ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ የሆዋ ሰምዖ። ንስልጣን ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ዜእቱ ዚመስል ነገር ምስ ተዛረበ እኳ፡ ብትዕግስቲ ሰምዖ። (ኣን. 1:2, 3) ሎሚ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዜድልየና እናፈለጠ ኽነሱ፡ ጸሎትና ይሰምዕ እዩ። ስለዚ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ብኣቓልቦን ብኣኽብሮትን ብምስማዕ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። እወ፡ ዋላ እኳ ብታህዋኽ ዚዛረቡ ዘለዉ ወይ ዘረባ ዚደጋግሙ ዘለዉ ዀይኑ እንተ ተሰምዓና፡ ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት’ ንኹን፡ ዘረባኦም ኣይንዅለፎም፡ ብኣታቶም እውን ኣይንዀሪ።—ያእ. 1:19፣ መክ. 7:9።

ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ እተጨነቐት ሓብቲ፡ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚመሲ ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ ብትዕግስቲ ትሰምዓ።

ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኪዛረቡኻ ኸለዉ ብኣቓልቦ ብምስማዕ፡ ንየሆዋ ምሰሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7. ንሓደ ኣብ ጭንቂ ዘሎ ሰብ ከመይ ጌርና ኢና እንታይ ከም ዜድልዮ ኸነስተውዕል እንኽእል፧

7 እንታይ ከም ዜድልዮም ኣስተውዕል። የሆዋ ልቢ የንብብ እዩ፣ ንሕና ግና ልቢ ኸነንብብ ኣይንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ኪዛረበና ኸሎ ብኣቓልቦ እንተ ሰሚዕናዮ ጥራይ ኢና ንምጽንናዑ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኸነስተውዕል እንኽእል። ኣብቲ ዅነታት እቲ ንዓኻ እንታይ ከም ዜድልየካ ስለ እትፈልጥ፡ ነቲ ሰብ እቲ ዜድልዮ እንታይ ምዃኑ ኸም እትፈልጥ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ንዅላትና ዜድልየና ነገራት ይፈላለ እዩ። ስለዚ፡ ግዜ ወሲድካ ብኣቓልቦ ስምዓዮ፡ ስምዒታቱ ኺገልጽ ዜኽእሎ ሕቶታት እውን ብሜላ ሕተቶ።—ምሳ. 20:5።

8. ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ ንማርታን ንማርያምን ብኸመይ እዩ ዘጸናንዐን፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

8 ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ ንማርታን ንማርያምን ብኸመይ ከም ዘጸናንዐን እስከ ንርአ። ክልቲአን ሓወን እየን ስኢነን። እንተዀነ ግና፡ የሱስ ንኽልቲአን ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ኣጸናኒዕወን። ማርታ ንየሱስ ምስ ኣዛረበቶ፡ ንሱ ብዛዕባ ትንሳኤ ነገራ፡ ኣብቲ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዘለዋ እምነት እውን ኣደልደለላ። ማርያም እናበኸየት ምስ መጸቶ ግና፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣይተዛረባን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስኣ ሓቢሩ ነብዐ፡ ንኣልኣዛር ኣበይ ከም ዘንበርዎ ድማ ሓተተ። (ዮሃ. 11:20-35) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኣብ መከራ ንዘለዉ ኸነጸናንዕ ከለና፡ ንዅሎም ብሕደ መገዲ ኣብ ክንዲ እነጸናንዕ፡ እንታይ ከም ዜድልዮም ከነስተውዕል ኣሎና።

ስእልታት፦ ሓደ ሽማግለ ሓው ንኽልተ ኣንስቶም ዝሞታኦም ኣሕዋት ኣብ ገገዛኦም ይበጽሖም። 1. እቲ ሽማግለ ኢዱ ኣብ መንኵብ እቲ ዚበኪ ዘሎ ሓው የንብር። 2. እቲ ሽማግለ ምስቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ኰይኖም ስእሊ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ነቲ ሓው ጥቕሲ የንብበሉ።

ንኻልኦት ከተጸናንዕ ከለኻ፡ እንታይ ከም ዜድልዮም ከተስተውዕል ጽዓር (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)a


9. ንኻልኦት ንምጽንናዕ ከመይ ጌርና ኢና ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ (ሮሜ 15:4, 5)

9 ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ኣጸናንዕ። ንሓደ ሰብ “ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዒ” ጌርካ ኸተጸናንዖ ከለኻ፡ ተስፋ ኺገብር ኢኻ እትሕግዞ ዘለኻ። (ሮሜ 15:4, 5 ኣንብብ።) እቲ ተስፋ እቲ ድማ ተወሳኺ ምጽንናዕን ምትብባዕን እዩ ዚህብ። (ኢሳ. 40:31) እሞ ደኣ ንሰብ ንምትብባዕ ዚሕግዝ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኬድልዮም ከሎ ዚውከስዎ ዝርዝር ጥቕስታት ይምዝግቡ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥቕስታት፡ ኣብታ ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እትብሃል መጽሓፍ፡ “መጸናንዒ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ርእሰ ነገር ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቓል ኣምላኽ ጌርካ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኸተተባብዕ ድማ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። ኣብ ዜድልየካ እዋን ጽቡቕ ጥቕስታት ምእንቲ ኽትዝክር፡ መንፈሱ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ዮሃ. 14:26።

10. ከነተባብዕ ክንፍትን ከለና፡ ስለምንታይ ኢና ብለውሃት ክንዛረብ ዘሎና፧

10 ብለውሃት ተዛረብ። እታ “ምጽንናዕ” ተባሂላ እትትርጐም በዅሪ ቓል፡ “ምምዓድ” ወይ “ምምሕጻን” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ነቲ እተጸናንዖ ሰብ ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ ኽትምዕዶ ወይ ክትምሕጸኖ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ኽትገብር እንተ ኣድልዩካ፡ ቃላትካ ዜሕዊ ደኣ እምበር፡ ዚጐድእ ምእንቲ ኸይከውን ኣጸቢቕካ ሕሰብ። (ምሳ. 12:18) የሆዋ ምስ ኤልያስ ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤልያስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕዮኡን ብዛዕባ እቲ ኽሕደት እስራኤል ዝነበሮ ስፍሓትን ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ስለዚ፡ የሆዋ ንኤልያስ ብቐጥታ ኣብቲ ጌጋታቱ ኸየተኰረ፡ ኣተሓሳስባኡ ኺእርም ብለውሃት ሓገዞ። (1 ነገ. 19:15-18) ንስኻ እውን ከምኡ ንምግባር፡ ብለውሃት ተዛረብ፡ ብዛዕባ ቓላትካ እውን ኣጸቢቕካ ሕሰብ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት መደረ ኸተቕርብ ወይ ሓሳብ ክትህብ ከለኻ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ንምትብባዕን ንምብርታዕን ወትሩ ብለውሃት ኣወንታዊ ዘረባ ተዛረብ።

11. ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ እዩ ዜድልዮም፧ (1 ዮሃንስ 3:18)

11 ብግብሪ ሓግዝ። ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ሓገዝ የድልዮም እዩ። (1 ዮሃንስ 3:18 ኣንብብ።) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ በርናባስ ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ። ንሱ ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምድጋፍ፡ መሬቱ ሸይጡ ነቲ ገንዘብ ወፈዮ። (ግብ. 4:36, 37) ሎሚ እውን ብዙሓት ክርስትያናት ብጾትና ንእተሸገሩ ብግብሪ ብምሕጋዝ፡ ነቲ ሰናይ ኣብነቱ ይስዕቡ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብ ፖላንድ እትነብር ጋብሪኤላ ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ንብረታ ጕድኣት ምስ ወረደ፡ በዚ ጕህያ ነበረት። ብዛዕባኡ ኸምዚ ትብል፦ “ኣዝየ እየ ፈሪሀን ተጨኒቐን ነይረ፣ እቶም ምሳይ ዚነብሩ ወለደይ እውን ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎም ነይሩ። ነዚ ብኸመይ ከም ዝኽእሎ ኣተሓሳሲቡኒ ነይሩ። ኣብ ጥቓና ኻብ ዚርከባ ጉባኤታት ዝመጹ ኣሕዋት ግና፡ ብሓንቲ መዓልቲ ብዙሕ ነገራት ዓይዮም። እዚ ኸኣ የሆዋ ንህዝቡ፡ ኣብ መከራ ንዘለዉ ንምጽንናዕ ይመርሖም ከም ዘሎ እምነተይ ኣደልዲሉለይ።”

12. መከራ ብተኣማንነት ክትጻወር ከለኻ፡ ብኸመይ ኢኻ ንክርስትያናት ብጾትካ ኽትሕግዞም እትኽእል፧

12 ንመከራኻ ተጻወሮ። ጳውሎስ ብዛዕባ ሰብ ተሰሎንቄ ብተኣማንነት ከም እተጻወሩ ምስ ፈለጠ፡ እዚ ኸም ዘጸናነዖን ሓይሉ ኸም እተሓደሰን ገሊጹ ኣሎ። እወ፡ ጻዕሩ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ኺፈልጥ ክኢሉ እዩ። (1 ተሰ. 3:5-8) ንሱ እውን ብግዲኡ ዋላ ነቶም ብኣካል ዘይረኸቦም ኣሕዋቱ፡ በቲ ምእንታኦም ዚገብሮ ገድሊ ኼጸናንዖም ይደሊ ነይሩ እዩ። (ቈሎ. 2:1, 2) ሎሚ ድማ ብተመሳሳሊ፡ መከራና ተጻዊርና ንምስጋር የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘና ኸም ዘሎ ክርስትያናት ብጾትና ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ይተባብዑ እዮም።

13. ንኻልኦት ከነተባብዕ ከለና፡ እንታይ ባህርይ እዩ ዜድልየና፧

13 ትዕግስቲ ግበር። ጕህዩ ዘሎ ሓው ወይ ሓብቲ ነቲ ንምጽንናዑ እንገብሮ ጻዕሪ ብኡብኡ ምላሽ ኣይህበሉን ይኸውን። ቅዱሳት ጽሑፋት ግና “ንሓድሕድኩም ተተባብዑ” ኢሉ ይምዕደና እዩ። እታ “ተተባብዑ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል፡ ነዚ ብቐጻሊ ኽንገብሮ እያ እትምሕጸን። (1 ተሰ. 5:11) ስለዚ፡ ነቶም ደገፍ ዜድልዮም ከተተባብዕን ከተጸናንዕን ከለኻ፡ ተዓገሶም። (1 ተሰ. 5:14) እንተዀነ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ንነፍሲ ወከፍና ምጽንናዕ የድልየና እዩ። እሞ ደኣ ሽዑ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

ምጽንናዕ ምስ ዜድልየካ

14-15. ኣብ ግዜ ጭንቂ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

14 ናብ የሆዋ ጸሊ። ኣብ ግዜ ጭንቂ፡ ካብኡ ምጽንናዕ ለምን። (መዝ. 94:19) ኣብ ጸሎትካ ኸኣ ስምዒታትካ ብልክዕ ግለጸሉ፣ ልብኻ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስስ። (መዝ. 62:8) ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ገና ናብኡ ኸይጸለኻ ንስምዒታትካ ይፈልጦ እዩ። ውሽጣዊ ሓሳባትካ ብልባዊ ጸሎት ኣቢልካ እንተ ገሊጽካሉ ግና፡ እምነት ከም ዘሎካ ኢኻ እተርኢ። የሆዋ ኸኣ ብእምነት ንዝቐረበሉ ጸሎት ብናቱ መገዲ ብርግጽ ይምልሶ እዩ። (ማር. 11:24) ፊልጲ 4:6, 7 ከምዚ ብምባል ትምሕጸነና፦ “ልማኖኹም . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፣ . . . እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን . . . ኪሕልዎ እዩ።”

15 ካብ ካልኦት ሓገዝ ሕተት። ስምዒታትካ ንብሱል ፈታዊኻ ወይ ንእትኣምኖ ሽማግለ ግለጸሉ። ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀኑኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ልብኻ ዘሎ እንተ ዘይነጊርካዮም ግና፡ ከመይ ከም ዚስምዓካ ወይ እንታይ ከም ዜድልየካ ኺፈልጡ ኣይክእሉን እዮም። (ምሳ. 14:10) ስለዚ፡ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ኽትገልጸሎም ከለኻ፡ ካብ ልቢ ኺሰምዑኻ፡ ወይ ድማ ንዓታቶም ዘጸናንዖም ጥቕሲ ወይ ዓንቀጽ ኪነግሩኻ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ።

16. ካልኦት ኬተባብዑኻ ኸለዉ እንታይ እዩ ኼጓንፈካ ዚኽእል፧ ግናኸ እንታይ ኢኻ ኽትርስዕ ዘይብልካ፧

16 ተዓገሶም፡ ይቕረ እውን በለሎም። ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኬተባብዑኻ ኺብሉ ጌጋታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብቓሎም ወይ ብተግባሮም ዝገደደ ኸም ዚስምዓካ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ተዓገሶም። (1 ቈረ. 13:4, 7) ኣብ ያእቆብ 3:2፡ “ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ . . . ፍጹም ሰብ እዩ” ተባሂሉ ኸም ዘሎ ኣይትረስዕ። ኣብቲ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ዘለዓዓሎም ሰናይ ሓሳብ ኣተኵር። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” ብምባል ዝሃቦ ሓሳብ እውን ኣይትረስዓዮ።—ማቴ. 26:41።

17. እንታይ ንምግባር ኢና ዚከኣለና ኽንጽዕር ዘሎና፧

17 ኵላትና ምጽንናዕን ምትብባዕን የድልየና እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኵነታት እናጸንከረ ምስ ከደ፡ ካብ ጸላእቲ ኣምላኽ ዚወርደና ተቓውሞ እውን እናሓየለ ምስ ከደ ኸኣ፡ ዝያዳ ምጽንናዕ ኬድልየና እዩ። እምበኣር፡ ንሓድሕድና ንምጽንናዕ ዚከኣለና ንግበር።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምጽንናዕ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት እነጸናንዕ፧

  • ምጽንናዕ ኬድልየና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

a መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ኣብ ቀረባ ግዜ ሰበይቱ ንዝሞተቶ ሓው ብድንጋጽ ይሰምዖ። ኣብ ካልእ ግዜ፡ ንሓደ ቕድሚ ገለ ዓመታት ሰበይቱ ዝሞተቶ ሓው ይበጽሖ፣ ክልቲኦም ከኣ በቲ ብዛዕባኣ ዘለዎም ጽቡቕ ተዘክሮ የዕልሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ