ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሚያዝያ ገጽ 26-31
  • ኣቱም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዕርክነት ብቐጻሊ ኣደልድሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቱም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዕርክነት ብቐጻሊ ኣደልድሉ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንምሉእ ህይወትካ ዚዀነካ ዓርኪ ብኸመይ ከም እትሓሪ
  • ዕርክነትኩም ንምህናጽ፡ ብሓባር ግዜ ኣሕልፉ
  • ጸገማት ኪፍጠር ከሎ፡ ብሓደ ሰሚርኩም ስገርዎ
  • ብኸመይ መጻምድቲ ኽትረክብ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ድሕሪ መዓልቲ መርዓ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • መውስቦ—ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሚያዝያ ገጽ 26-31

29 ሰነ–5 ሓምለ 2026

መዝሙር 131 “ኣምላኽ ዝጸመዶ”

ኣቱም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዕርክነት ብቐጻሊ ኣደልድሉ

“ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”—ምሳ. 18:24።

ኣትኵሮ

ሓጐስ ዝሰፈኖ ሓዳር ንምምስራት፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ጽቡቕ ቅርርብ ኪህሉ፡ ክልቲኦም እውን ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኪዀኑ ይግባእ።

1. ጥዑያት ኣዕሩኽና ኻብ የሆዋ እተዋህቡና ውህበት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

ጥዑያት ኣዕሩኽና ኻብ የሆዋ እተዋህቡና ውህበት እዮም። (ያእ. 1:17) ከምዚ ዝበሉ ኣዕሩኽ ንኣምላኽ የፍቅርዎ፡ ንዓና እውን ይፈትዉና እዮም። መኻፍልቲ ሓጐስናን ሓዘንናን እዮም። ምኽሪ ኣብ ዜድልየና እዋን ከኣ፡ ብግልጺ ይመኽሩና እዮም። እሙናት ስለ ዝዀኑ፡ ክንኣምኖም ንኽእል ኢና። ከምዚ ዓይነት ኣዕሩኽ ብሓቂ ‘ንልቢ የሐጕስዎ’ እዮም።—ምሳ. 27:9።

2. ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህሉ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 19:6)

2 ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህሉ ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ዕርክነት ብወዝቢ ኣይኰነን ዚመጽእ፣ የግዳስ፡ ሰብ ሓዳር ንዕርክነቶም ንምድልዳል ወትሩ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። ከምኡ እንተ ዘይገይሮም፡ ብዘይ ብጻይ ከም ዝተረፉ ዀይኑ ኺስምዖም፡ ሓጐስ ኪስእኑ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ጓሂ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። ዕርክነቶም ዜደልድሉ እንተ ዀይኖም ግና፡ ኣብ መንጎኦም ስጡም ቅርርብ ኪፍጠር ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 19:6 ኣንብብ።) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዕርክነት ብኸመይ ኬደልድሉ ኸም ዚኽእሉ ኽንምርምር ኢና። ፈለማ ግና ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ኣብ ምሉእ ህይወቶም ብሉጽ ዓርኪ ዚዀኖም ሰብ ብኸመይ ኪሓርዩ ኸም ዚኽእሉ ኽንርኢ ኢና።

ንምሉእ ህይወትካ ዚዀነካ ዓርኪ ብኸመይ ከም እትሓሪ

3-4. ሓደ ክርስትያን፡ ንዕኡ ዚዀኖ መጻምድቲ ብኸመይ ኪረክብ ይኽእል፧ (ምሳሌ 18:22)

3 ዝዀነ ይኹን ዓብዪ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ውሳነና ብዛዕባ ዜምጽኦ ጥቕምን ጕድኣትን ክንሓስብ ኣሎና። ዓብዪ ውሳነ ንምሉእ ህይወትና ኺጸልዎ ስለ ዚኽእል፡ ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ ኣሎና።

4 ንምሉእ ህይወትና ዚዀነና ዓርኪ፡ ማለት መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ውሳነታት ኢና እንገብር ዘለና። መስራቲ መውስቦ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና ኻብኡ መምርሒ ኸነናዲ ይግባእ። ንሱ ንሰብኣይ፡ ሕያወይቲ ሰበይቲ ኺረክብ እዩ ዚደልዮ፣ ንሰበይቲ ኸኣ፡ ሕያዋይ ሰብኣይ ክትረክብ እዩ ዚደልያ። ንጥቕምና ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ እውን ይፈልጥ እዩ። (ምሳሌ 18:22 ኣንብብ፣ ኢሳ. 48:17, 18) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ንሓደ ክርስትያን፡ ንዕኡ ዚዀኖ መጻምድቲ ኺረክብ ይሕግዞ እዩ።

5. ሓደ ሰብ ኪምርዖ እንተ ደልዩ፡ ካብ ጥሙቓት ፈተውቲ የሆዋ ኺሓሪ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

5 ክንጥመቕ ከለና፡ ምስ ኣምላኽ ኢና ዕርክነት እንምስርት። (መዝ. 25:14) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ኪምርዖ እንተ ደልዩ፡ ካብ ፈተውቲ የሆዋ ኺሓሪ ኣለዎ። (1 ቈረ. 7:39) በዚ ኸምዚ፡ ንመለክዒታት የሆዋ ኣኽብሮት ከም ዘለዎ የርኢ፡ ንመጻምድቱ እውን ካብ የሆዋ ኸም እተዋህቦ በረኸት ገይሩ ኺርኢ ይኽእል። (ምሳ. 19:14) ካብቲ ምስ ዘይኣማኒ ‘ኣብ ሓደ ኣርዑት እንተ ተጸሚዱ’ ዜስዕበሉ ጸገማት እውን ይስተር። (2 ቈረ. 6:14) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ፡ ‘ካብ መንጎ ክርስትያናት፡ ዚዀነኒ ሰብ ክረክብ ኣይከኣልኩን’ ብዚብል መመኽነይታ፡ ምስ ዘይኣማኒ ፍቕራዊ ቕርርብ እንተ ጀሚሩ፡ ስራሕ ዕሽነት እዩ ዚገብር ዘሎ። ‘እቲ ዘይኣማኒ ደሓር ናብ ሓቂ ኺመጽእ ይኽእል እዩ’ ዚብል መመኽነይታ እውን ትኽክል ኣይኰነን።

6-7. ኣብ እዋን ውረዛ፡ እንታይ ሕቶታት እዩ መልሲ ኺውሃበሉ ዘለዎ፧

6 ልክዕ እዩ፡ ኵሉ ጥሙቕ ክርስትያን ንሓዳር ይኸውን እዩ ማለት ኣይኰነን። ስለዚ፡ መርዓ ዝሓሰበ ሰብ በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ገይሩ ንመጻምድቱ ኣጸቢቑ ኺግምግም ኣለዎ፦a ‘ንስድራ ቤቱ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧ ሓላይን ሰብ ዜኽብርን ድዩ፧ መን እዮም ኣዕሩኹ፧ ዘይምርድዳእ ኪፍጠር ከሎ፡ ብኸመይ እዩ ዚፈትሖ፧ ንሱ ዝበሎ ግድን ኪግበር ይማጐት ድዩ፡ ወይስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ዘይጥሕስ መዳያት ተዓጻፊ ይኸውን እዩ፧ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧’

7 ብተወሳኺ፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን ኪብገስ ይከኣል እዩ፦ ‘ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ኣለዎዶ፧ “ሓድሽ ስብእና” ይለብስዶ ኣሎ፧ ንየሆዋ ብዝያዳ ንምግልጋል ኪሕግዘኒ ድዩ፧ ሕደ መንፈሳዊ ሸቶታት ድዩ ዘሎና፧ ኣብ መንጎና ዕርክነት ካብ ምምስራት ሓሊፍና፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ክንከውን ንኽእል ዲና፧’ (ቈሎ. 3:9, 10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ኽትምርዓዎ ዝሓሰበት ሓው፡ ናይ ቀረባ ዓርካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ዚገብር ርእሲ ስድራ ቤት ኪኸውን ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኽትሓስብ ኣለዋ። (1 ቈረ. 11:3) ሓደ ሓው ከኣ፡ ብዛዕባ እታ ኺምርዓዋ ዝሓሰበ ሓብቲ፡ ንርእስነቱ ምስ ጕድለታቱ ኽትቅበሎ ፍቓደኛ እንተ ዀይና ኺሓስብ ኣለዎ። መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ ግዜ ይሓትት እዩ። ስለዚ፡ ንእዋን ውረዛ ንሓድሕድኩም ንምፍላጥ ጽቡቕ ጌርኩም ተጠቐሙሉ።

8-9. ሓዳር ዚሓስብ ዘሎ ሰብ ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ኣብ እዋን ውረዛ፡ ወድን ጓልን ሓዲኦም ናይቲ ሓደ ናይ ሓቂ መንነት ኬስተውዕሉ እንተ ጽዒሮም፡ ጥበባዊ ውሳነ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ንሓዳር ዝሓሰብዎ ሰብ፡ ካልኦት ሰባት እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም እውን ኣብ ግምት ኬእትዉ ይኽእሉ እዮም። እንታይ ዓይነት ስምን ባህርያትን ከም ዘለዎ ኺሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብትሕትናኡን ብለውሃቱን ብሚዛናውነቱን ድዩ ዚፍለጥ፧ ዳንኤል ንዚብሃል ሓው እተመርዓወት ኣብ ፈረንሳይ ጊያና እትነብር ሳራ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ ዳንኤል ካብቲ መናብርቱን መገላግልቱን ዝነበረ ሓው፡ ኣብ ጉባኤኡ ኻብ ዚርከብ ሽማግለ፡ ካብ ናይ ክልቴና ፈተውቲ፡ ከምኡ እውን ኣብ ጉባኤኡ ኻብ ዘለዋ ኣሓት ርእይቶታት ሰሚዐ እየ።” ገሊኡ ረቛሒታት ወይ ልምድታት ደሓር ኣብ ሓዳር ከቢድ ጸገማት ኪፈጥር ስለ ዚኽእል፡ ሓዳር ኪምስርቱ ዚሓስቡ ወድን ጓልን ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኾም ኪተሓታተቱ ይኽእሉ እዮም።

9 ሓዳር ዚሓስብ ዘሎ ሰብ ንጥርጣረታቱ ወይ ነቲ ኻብ ብሱላት ፈተውቱ ብቕንዕና ዚውሃቦ ትዕዝብትታት ዕሽሽ ኪብሎ የብሉን። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ውረዛ ንምቕጻል ወይ ንዘይምቕጻል ኪውስን ይኽእል እዩ።b ሕጂ፡ ካብዚ ንደሓር ኣብ ዘሎ ኽፋል እዛ ዓንቀጽ፡ ኣብ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ከነተኵር ኢና።

ምስ ፈተውቲ ኣብ እተገብረ ምትእኽኻብ፡ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡ ኣብ እዋን ውረዛ ዘለዉ መጻምድቲ።

ኣብ እዋን ውረዛ፡ ናይቲ ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ መንነት ከተስተውዕል ጽዓር (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)


ዕርክነትኩም ንምህናጽ፡ ብሓባር ግዜ ኣሕልፉ

10. ሰብኣይን ሰበይትን ክልቲኦም ብሓባር ዜሕልፍዎ ግዜ ኺህልዎም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሰብኣይን ሰበይትን ዋላ እኳ ብእተፈላለየ ንጥፈታት ኣመና ትሑዛት እንተ ዀኑ፡ ክልቲኦም ብሓባር ዜሕልፍዎ ግዜ ምስ ዚህልዎም፡ ዕርክነቶምን ሓዳሮምን ይድልድል እዩ። እዚ ነገር እዚ ብዛዕባ መዓልታዊ ጕዳያቶም ንምዝርራብ፡ ውሽጣዊ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ንምንግጋር፡ ፍቕሮም ንምግልላጽ፡ ብሓባር እውን ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።

11. እንታይ ነገር እዩ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ዕርክነት ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ዚኽእል፧

11 ኣብ መንጎኦም ጽቡቕ ዕርክነት ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ኵሉ ሳዕ ብሓደ ኪዀኑ ደኣ እዮም ዚደልዩ እምበር፡ ኪፋላለዩ ኣይደልዩን እዮም። ልክዕ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ንግዜኡ ኺፋላለዩ ይግደዱ ይዀኑ። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ተፋላሊኻ ምጽናሕ ግና ሓደገኛ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ናብ ካልእ ዓዲ ኸይዶም ኪሰርሑ ወሲኖም እዮም፣ ስለዚ ድማ፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኻብ ስድራ ቤቶም ይፍለዩ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ዝያዳ ገንዘብ ዚረኽቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ሓዳሮም ግና ዓብዪ ጸገም ኪፍጠር ይኽእል እዩ።

12-13. (ሀ) ገሊኦም ምርዑዋት ክርስትያናት ምስ መጻምድቶም ግዜ ንምሕላፍ እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) መጻምድትና ኣብ ህይወትና እንታይ ቦታ እዩ ኺህልዎ ዚግባእ፧ (“መጻምድትና ኣብ ህይወትና ኺህልዎ ዚግባእ ቦታ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

12 ገሊኦም ሰብ ሓዳር ኣዘውቲሮም ብሓባር ግዜ ንምሕላፍ እንታይ ከም ዝገበሩ እስከ ንርአ። ኣብ ጓም እትነብር ልያ፡ “ኣነን ሰብኣየይን ብሓባር በበይኑ ነገራት ንገብር ኢና። ሓዴና ጥራይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ እተሳተፍናሉ ወይ ተዓዲምና ዝኸድናሉ ኣጋጣሚ ዳርጋ የሎን” ትብል። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሮክሳን ከኣ፡ “ግዜና ዚጠልብ ነገራት እናበዝሐ ምስ ከደ፡ ከምቲ ንኻልእ ኣገዳሲ ንጥፈታት እንገብሮ፡ ክልቴና ብሓባር እነሕልፎ ግዜ ኽንምድብ ከም ዘሎና ተራእዩና” ትብል። (ምስ ኣሞጽ 3:3 ኣረኣኢ።) ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ዴሚየን ድማ፡ “ሓዴና ብዛዕባ እቲ ሓደ ዚፈትዎ ነገራት ክንግደስ፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ክንፈትዎ ኸም ዚግባእ ተማሂርና ኢና” ይብል። (ማቴ. 7:12) ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ኬቲ ኸኣ፡ “ምሉእ ቈላሕታና ኣብ ንሓድሕድና ምእንቲ ኪኸውን፡ ሓድሓደ ግዜ ንተሌፎናትና ነርሕቐን ኢና” ትብል።

13 ኣቱም ሰብ ሓዳር፡ ልዕሊ ዅሉ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብሓባር ግዜ ኣሕልፉ። ኣብ ፈረንሳ እትነብር መሪየም፡ “ንግሆ ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና መዓልትና እንጅምር፣ ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብኡ ዝፈቶናዮን ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ ዝደለናን ነገራት ንዛራረብ። ነዚ ህሞት እዚ እፈትዎ እየ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ብሓባር ክንጽሊ ኸለና እሞ ሰብኣየይ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮ ኪገልጽ ከሎ ምስማዕ እውን እፈቱ እየ” ትብል። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኬቲ እውን፡ “ልዕሊ ዅሉ እንፈትዎ ናይ ሓባር ግዜና፡ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜ እዩ። ሓዴና እቲ ሓደ እምነቱ ኺገልጽ ከሎ ምስማዕ ባህ ይብለና እዩ፣ ካብ ሓድሕድና እውን ወትሩ ሓድሽ ነገር ንምሃር ኢና” ትብል።—ምሳ. 27:17።

እቶም ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ስእሊ ዘለዉ መጻምድቲ፡ ሰብ ሓዳር ኰይኖም ኣብ ግዳም ድንኳን ተኺሎም ብሓባር ግዜ የሕልፉ።

ከም ኣዕሩኽ ኣዘውቲርኩም ብሓባር ግዜ ብምሕላፍ፡ ሓዳርኩም ኣደልድሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)


መጻምድትና ኣብ ህይወትና ኺህልዎ ዚግባእ ቦታ

ኣብ ህይወትና ብዙሕ ኣገዳሲ ዕርክነት ኣሎ። እሞ ደኣ መጻምድትና ኣብ ህይወትና እንታይ ቦታ እዩ ኺህልዎ ዚግባእ፧—ፊል. 1:10።

  1. 1. የሆዋ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኢና እንህቦ። (ማቴ. 6:33፣ ማር. 12:30) ንመጻምድትና ኸነሐጕስ ኢልና፡ ንየሆዋ ዜጕህዮ ነገር ከቶ ኣይንገብርን ኢና።—ግብ. 5:29፣ ምስ ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:6 ኣረኣኢ።

  2. 2. መጻምድትና። ምስ መጻምድትና “ሓደ ስጋ” ኢና። ብዛዕባ መጻምድትና ኸኣ፡ ከም ርእስና ጌርና ንሓሊ ኢና።—ዘፍ. 2:24፣ ኤፌ. 5:28, 29, 33።

  3. 3. ካልኦት ሰባትን ሓላፍነታትናን። ንወለድናን ንቤተ ሰብናን ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሓልየሎም ንደሊ ኢና፣ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታትና እውን ብግቡእ ክንስከም ንደሊ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብዘይካ የሆዋ፡ ካብ ጥዕናን ሓጐስን መጻምድትና ንላዕሊ ቐዳምነት ኪውሃቦ ዚግባእ ሓደ እኳ የልቦን።—1 ጢሞ. 5:8።

ጸገማት ኪፍጠር ከሎ፡ ብሓደ ሰሚርኩም ስገርዎ

14-15. ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ ሓዳሮም ዚፍጠር ጸገማት ንምስጋር ዚከኣሎም ኪገብሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

14 ሰብ ሓዳር ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ሓዳሮም ጸገማት የጋጥሞም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርዑዋት ሰባት፡ “ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም” ይብል እዩ። (1 ቈረ. 7:28) እዚ ነገር እዚ፡ ነቲ ንምርዑዋት ሰብ ሓዳር ዜጋጥሞም ጸገማትን መከራን እዩ ዜመልክት። እሞ ደኣ እዚ ጸገማት እዚ ኺፍጠር ከሎ፡ ብሓደ ሰሚሮም ምእንቲ ኺሰግርዎ ዚከኣሎም ኪገብሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

15 ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓደ ስሙይ ህንጻ ወይ ሓደ ስነ ጥበባዊ ፍርያት እንተ ተበላሽዩ፡ ዋናታቱ ንምሕዳሱ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ንዕኡ ንምሕዳስ ብዙሕ ገንዘብን ግዜን ይውፍዩ ይዀኑ፣ ነዊሕ ግዜ እኳ እንተ ወሰደሎም፡ ኣይሕለሉን እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ህንጻ ወይ ነቲ ስነ ጥበባዊ ፍርያት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ብተመሳሳሊ፡ ኵሉ ሓዳር ክቡር እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ብሉጽ ሓዳር እኳ፡ ግጭት ይፍጠር እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ሓደ ህንጻ ወይ ስነ ጥበባዊ ፍርያት ምስ ተበላሸወ ኺሕደስ ዚከኣል፡ ጸገም ዘለዎ ሓዳር እውን ካብ ምፍራስ ኪድሕን ይኽእል እዩ። እቲ ንምሕዳሱ ዚግበር መስርሕ፡ ግዜን ጻዕርን ኪወስድ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ሰብ ሓዳር ንሓዳሮም ንምድልዳልን ብሓባር ንምቕጻልን እንተ ጽዒሮም፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ። (ሚል. 2:16) በዚ ኸምዚ፡ ንሓድሕዶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ መስራቲ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ እውን ፍቕርን ኣኽብሮትን የርእዩ እዮም።

16. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 13:4-8ሀ፡ ኣብ ሓዳሮም ከቢድ ጸገማት ንዜጋጥሞም ዘሎ ሰብ ሓዳር እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ስእልን “ዕርክነትና ንምድልዳል ዚኸውን ሓገዝ” ዘርእስታ ሳጹንን እውን ርአ።)

16 ኣብ ሓዳርካ ጸገማት እንተ ተፈጢሩ፡ ንምፍልላይ ኣይትተሃወኽ። (1 ቈረ. 7:10, 11) ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ንዕርክነትና ንምድልዳል፡ ኣነ ኽገብሮ ዝኽእል ነገር ኣሎዶ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ከም ዚብል ኣጽንዕ፡ ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 13:4-8ሀ ኸኣ ፍቕርኻ እትገልጸሉ መገዲ ኸተመሓይሽ ትኽእል እንተ ዄንካ ሕሰብ። (ኣንብብ።) ካብ ሓዳርካ እትወጸሉ መገዲ ኣብ ክንዲ እተናዲ፡ ልቢ ንልቢ እትቀራረቡሉ መገዲ ንምርካብ ዚከኣለካ ግበር። ንርክብኩም ንምህናጽ ኣብቲ ብወገንካ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ኣተኵር። መምርሒ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊ። ካብ ጽሑፋትናን ካብ ቪድዮታትናን፡ ከምኡ እውን ካብ ሽማግለታትን ካብ ብሱላት ክርስትያናትን ሓገዝ ርኸብ። ከም እንፈልጦ፡ የሆዋ ሳልሳይን ልዕሊ ዅሉ ዝደልደለን ክፋል እቲ “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብኡ እንተ ተወኪልካ፡ ሓዳርካ “ቀልጢፉ ኣይብተኽን” እዩ።—መክ. 4:12።

እቶም መጻምድቲ ኣብ ገዛኦም ኰይኖም ዘተሓሳሰቦም ጕዳይ ይዛራረቡ። እታ ሰበይቲ እናነብዐት ሓሳባ ኽትገልጽ ከላ፡ እቲ ሰብኣይ ኢዱ ኣብ መንኵባ ኣንቢሩ ጽን ኢሉ ይሰምዓ። እተገንጸለት መጽሓፍ ቅዱስን “ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ” ዘርእስታ ብሮሹርን ኣብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ጠረጴዛ ኣሎ።

ኣብ ሓዳርኩም ጸገማት ኪፍጠር ከሎ፡ ብሓደ ሰሚርኩም ስገርዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)


ዕርክነትና ንምድልዳል ዚኸውን ሓገዝ

ውድብ የሆዋ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ዕርክነት ንምድልዳል፡ ጸገማት እንተ ተፈጢሩ ድማ ንምፍታሕ ዚሕግዝ ነገራት ኣዳልያትልና ኣላ። እሞ ደኣ ኣብዚ ዚስዕብ መሰናድዎታት ዚርከብ ሓሳባት ፈቲንካዮዶ፧

  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ ዘርእስታ ብሮሹር

  • ሕጉስ ሓዳር ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት

  • “ንስድራ ቤት” ዘርእስቱ ዓምዲ

  • “ሓዳርን ስድራ ቤትን” ዚብሃል ኣብ jw.org ዚርከብ ክፋል

17. እቶም ሓዳር ኪገብሩ ዚሓስቡ ዘለዉ ዀኑ እቶም ሓዳር ዝገበሩ ብኸመይ እዮም ሓጐስ ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧

17 የሆዋ፡ ኵሎም ኣገልገልቱ ሕጉሳት ኪዀኑ ይደሊ እዩ። እንተላይ ነቶም ሓዳር ኪገብሩ ዚሓስቡ ዘለዉ ዀኑ ነቶም ሓዳር ዝገበሩ ኣገልገልቱ ሕጉሳት ኪዀኑ ይደልዮም እዩ። ስለዚ፡ ገና ዘይተመርዓኻ እንተ ዄንካ እሞ ሓዳር ክትገብር ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ንምሉእ ህይወትካ ዚዀነካ ዓርኪ ተጠንቂቕካ ምረጽ። ምርዑው እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ምስ መጻምድትኻ ዘሎካ ዕርክነት ብቐጻሊ ኣደልድል። ኣብ ሓገዝ የሆዋ ተወኪልካ ድማ፡ ኣብ ሓዳርካ ዚፍጠር ጸገማት ንምስጋር ዚከኣለካ ግበር። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ በቲ ምስ መጻምድትኻ ዘሎካ ‘ብህይወት ክትሕጐስ’ ኢኻ።—መክ. 9:9።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ሓደ ክርስትያን ንምሉእ ህይወቱ ዚዀኖ ዓርኪ፡ ማለት መጻምድቲ ብኸመይ ኪሓሪ ይኽእል፧

  • ሰብኣይን ሰበይትን ዕርክነቶም ንምድልዳል እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

  • ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳሮም ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ብሓደ ሰሚሮም ኪሰግርዎ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

መዝሙር 132 ሓደ ኢና

a እዚ ሕቶታት እዚ፡ ንወዲ ተባዕታይ ኰነ ንጓል ኣንስተይቲ ብማዕረ ይዓዪ እዩ።

b ወድን ጓልን ብኸመይ ኣጸቢቖም ከም ዚፋለጡ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ግንቦት 2024 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “እዋን ውረዛ ብኸመይ ዕዉት ኪኸውን ይኽእል፧” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ “ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋለጡ” ኣብ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ