15-21 ሰነ 2026
መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!
ብዛዕባ መከራ ቕኑዕ ኣረኣእያ ሓዝ
“ጭንቅን ሽግርን እኳ እንተ ረኸበኒ፡ ንትእዛዛትካ እፈትዎ እየ።”—መዝ. 119:143።
ኣትኵሮ
ብዛዕባ መከራ ቕኑዕ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ መከራ ኽንጻወር ንኽእል ኢና።
1-2. መከራ ምእንቲ ኽንጻወር፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
ብምኽንያት እምነትካ፡ ኣደዳ ግፍዒ፡ ተቓውሞ ስድራ ቤት፡ ወይ መስጐጕቲ ትኸውን ኣለኻ ዲኻ፧ ጸገም ጥዕና ዘሎካ፡ ወይ እርጋን ዘርከበካ ዲኻ፧ ወይ ከኣ ዜሕዝን ነገር ዘጓነፈካ፡ ምናልባት እውን ሰብካ ዝሞተካ ዲኻ፧ ህይወትካ ኸም ህይወት እቶም ሓያሎ ኽቡራት ኣባጊዕ የሆዋ፡ “ሽግርን ጓህን ዝመልኦ” ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መዝ. 90:10።
2 መከራ ምእንቲ ኽንጻወር፡ ብዛዕባኡ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ኣሎና። እዚ እንታይ የጠቓልል፧ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ ኸነብርሆ ንኽእል ኢና፦ ኣብ ህይወት ዜጋጥመካ ጸገማት፡ ምስቲ ማኪና ኽትዝውር ከለኻ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ሓደጋ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ከከምቲ ዘጓነፈካ ነገር፡ ናብ ጸጋም ወይ ናብ የማን ከተብል፡ ፍጥነትካ ኽትንኪ፡ ወይ ንግዜኡ ደው ክትብል የድልየካ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ግቡእ ስጕምቲ ምእንቲ ኽትወስድ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ሓደጋ ብንጹር ክትርእዮ ኣሎካ። እቲ ናይ ማኪናኻ ቬትሮ ብውርጪ ወይ ብጭቃ እንተ ተሸፊኑ ግና፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኽትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ መከራ ምእንቲ ኽንጻወር፡ ንመከራ ኸምቲ የሆዋ ዚርእዮ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) ብዛዕባ መከራ እንታይ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ኸም ዘለዎ፡ (2) ብዛዕባ ዅነታትና ግጉይ ኣረኣእያ ምሓዝ ብኸመይ ከም ዚጐድኣና፡ (3) መከራ ኼጓንፈና ኸሎ ቕኑዕ ኣረኣእያ ሒዝና ንምቕጻል ክንወስዶ ዘሎና ስጕምትታት ክንምርምር ኢና።
መከራ ምእንቲ ኽንጻወር፡ ብዛዕባኡ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)
ብዛዕባ መከራ ኺህልወካ ዚግባእ ቅኑዕ ኣረኣእያ
3. ኣብዚ እኩይ ስርዓት እዚ ብዛዕባ ዘሎ ህይወት እንታይ ኢና ኣሚንና ኽንቅበል ዘሎና፧
3 ኣብዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ መከራ ዘይተርፍ ነገር እዩ። ንሕና ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንና፡ ሰይጣን ከኣ ነዛ ዓለም እዚኣ ይገዝኣ ኽሳዕ ዘሎ፡ መከራ የጓንፈና እዩ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ካብ ባህርያዊ ሓደጋታት ኰነ ሰብ ካብ ዘምጽኦ ሓደጋታት ወይ ድማ ካብ እኩያት ሰባት ዝያዳ ጸገማት የጋጥመና እዩ። (ማቴ. 24:8፣ 2 ጢሞ. 3:13) የሆዋ ንዅሉ ጸገማት ሕጂ እንተ ዚፈትሖ ነይሩ፡ ነቲ ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ሰይጣን ይሕግዞ ኸም ዘሎ ምመሰለ። ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ካብ “መዓት” ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና።—መክ. 9:12።
4. ንክርስትያናት እንታይ ተወሳኺ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧
4 ንክርስትያናት ተወሳኺ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለ እምነቶም ከም ዚስጐጉ ብዙሕ ሳዕ ነጊርዎም እዩ። (ማቴ. 24:9፣ ዮሃ. 16:2) እዚ ምፍላጥና፡ እምነትና ብጸበባ ኸይናወጽ ይሕግዘና እዩ። (1 ተሰ. 3:3, 4) ብምኽንያት እታ ድልድልቲ እምነትና ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ እትመርሕ መገዲ ኸም ዘለና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ሰይጣንን እተላዕለ ዓብዪ ጕዳይ ኣብ ጐድኒ መን ከም ዝቘምና ነርኢ ኢና። ሓደ ኽፋል እቲ ሰይጣን ኣብ ስም ኣምላኽ ዚፍንዎ መጥቃዕቲ፡ ሰባት ምእንቲ ጥቕሞም ጥራይ ኢሎም ንኣምላኽ ከም ዜገልግልዎ ዘቕረቦ ኽሲ እዩ። ነዚ ኽሱ እዚ መርትዖ ምእንቲ ኬቕርብ ኢሉ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ይፍኑ እዩ። (እዮ. 1:9-11) ስለዚ፡ ካብቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ተላዒልና ኽንጻወር ከለና፡ ንልቡ ነሐጕሶ ኢና።—ምሳ. 27:11።
5. ካብ መክብብ 7:13, 14 እንታይ ንምሃር፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
5 የሆዋ መከራ ይፈቅድ እዩ። የሆዋ ኸቶ እከይ ኣይገብርን ወይ ብእከይ ኣይፍትንን እዩ። (ያእ. 1:13) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝጸሓፎ፡ “መዓልቲ መከራ” “ግብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” እዩ። (መክብብ 7:13, 14 ኣንብብ።) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸምቲ ኣብ ሓያሎ ኻልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ የሆዋ ሓደ ነገር ኪፈቅድ ከሎ፡ ንሱ ኸም ዝገበሮ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ሰሎሞን ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ብዛዕባ መከራና ቕኑዕ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዚሕግዝ ጽቡቕ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ብቐዳምነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎና ዘይፍጹም ህይወት ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፣ ሰናይ መዓልቲ ዀነ ኽፉእ መዓልቲ ኼጓንፈና ይኽእል እዩ። ሰናይ መዓልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ንሕያውነት ኣምላኽ ሞሳና ኽንገልጽ፡ ነታ መዓልቲ እውን ካብኡ ኸም እተዋህበትና ውህበት ጌርና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ነገር ርግጸኛታት ክንከውን ከም ዘይንኽእል፡’ ማለት መዓልቲ ሒዝዎ ዚመጽእ ነገር ሰናይ ይኹን ወይስ መከራ ኽንፈልጥ ከም ዘይንኽእል ሰሎሞን ኣዘኻኺሩና ኣሎ። ድንገተኛ ጸገም ንጻድቃን ኰነ ንሓጥኣን የጋጥሞም እዩ።
ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ሰናይ መዓልቲ ዀነ ኽፉእ መዓልቲ ኼጓንፈና ኸም ዚኽእል ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት ኪህልወና ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)
6. የሆዋ መከራ ዚፈቅድ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (እብራውያን 12:7, 11)
6 ብዛዕባ መከራና ቕኑዕ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ የሆዋ ኣብኡ ደኣ እምበር፡ ኣብ ርእስና ኽንምርኰስ ከም ዘይብልና ይምህረና ኸም ዘሎ ኽንግንዘብ ኢና። የሆዋ ንፈተናታትና ይርእዮ እዩ፣ ብመከራና እውን ዘይዓጅቦ ኣይኰነን። “ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ” ኽንከይድ እኳ እንተ ፈቐደ፡ ይመርሓና፡ ፍቕሩ የረጋግጸልና፡ ንምጽዋር ዜድልየና ብርታዐ እውን ይህበና እዩ። (መዝ. 23:4) ብዘይካዚ፡ መከራ ንድኽመትና ኸም እነለሊ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ድማ ንስብእናና ኸም እነመሓይሽ ኪገብረና ይኽእል እዩ። (እብራውያን 12:7, 11 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ እዮብ ብዝያዳ ትሕትና ኼማዕብል ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። ነቲ መከራኡ የሆዋ ኣይኰነን ኣምጺኡሉ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ልዕሊኡ መከራ ኺወርድ ፈቒዱ፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሂርዎ እዩ። (እዮ. 42:1-6) እንተዀነ ግና፡ ዝወረደ እኳ እንተ ወረደና፡ ነባሪ ጕድኣት ዜምጽኣልና ነገር የሆዋ ኸም ዘይፈቅድ ንፈልጥ ኢና። ንዜጓንፈና መከራ ብተኣማንነት እንተ ተጻዊርና፡ “ምሉእ ብምሉእ ንስዕር ኢና።”—ሮሜ 8:35-39።
7. ብምኽንያት እምነትካ መስጐጕቲ ኣብ ዜጋጥመካ እዋን እኳ ሕጉስ ክትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
7 ኣብ እዋን መስጐጕቲ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብምኽንያት እምነትካ መስጐጕቲ ይወርደካ እንተ ኣልዩ፡ በረኸት የሆዋ ኸም ዝሰኣንካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሞገሱ ኸም ዘሎካ እዩ ዜመልክት። (ማቴ. 5:10-12) ቅኑዕ ኣረኣእያ እንተ ሒዝካ፡ ክርስትያን ብምዃንካ መስጐጕቲ ኣብ ዜጋጥመካ እዋን፡ ከም ሃዋርያት ሓጐስ ኪስምዓካን ንርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ኪህልወካን ይኽእል እዩ። (ግብ. 5:40-42) ብተወሳኺ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት ሓቂ ኺፈልጡን ‘ንኣምላኽ ኬመጕስዎን’ ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥ. 2:12) መከራ ምስ ኣብቅዐ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ዮሴፍ ኣብ እዋን መከራ እኳ ኪቐንዓካ ይኽእል እዩ።—ዘፍ. 39:3, 23።
8. መከራና ምእንቲ ኽንጻወር እንታይ ተወሳኺ ዜለዓዕል ነገር እዩ ዘሎና፧
8 መከራና የብቅዕ እዩ። ጸገማትና ኸም ዜብቅዕ ካብ ህይወት እዮብ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ “የሆዋ . . . ነቲ ዳሕራይ ክፋል ህይወት እዮብ ካብቲ ቐዳማዩ ኣብሊጹ ባረኾ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (እዮ. 42:12) ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ነቲ “ዳሕራይ ክፋል” ህይወትካ፡ ማለት ነቲ ንዘለኣለም ዚቕጽል ክፋል ህይወትካ፡ ካብቲ ብሽግር ዝመልአን ሓጺርን ቀዳማይ ክፋል ህይወትካ ኸም ዚባርኾ ቓል ኣትዩ ኣሎ። እዝስ ንነፍሲ ወከፍና ኽሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር ዜለዓዕል ደይኰነን፧—ማቴ. 24:13።
ግጉይ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪጐድኣና ይኽእል፧
9. ብዛዕባ መከራና ግጉይ ኣረኣእያ እንተ ኣሕዲርና፡ እዚ ብኸመይ ኪጐድኣና ይኽእል፧
9 መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ ርእስና ተወሳኺ ጸገማት ምእንቲ ኸይነምጽእ፡ ብዛዕባኡ ግቡእ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ንኣብነት፡ መከራና ኻብ የሆዋ ኸም ዝዀነ ይስምዓና ይኸውን። እዮብ እኳ ኻብ የሆዋ መከራ ይወርዶ ኸም ዝነበረ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ብሰንኪ እዚ ግጉይ ኣረኣእያ ኸኣ፡ ‘ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ፡ ንርእሱ ኼጽድቕ’ ፈቲኑ ነይሩ እዩ። (እዮ. 32:2) ናእሚ እውን፡ እቲ ዝወረዳ መዓት ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይራ እያ ሓሲባ ነይራ። (ሩት 1:13, 20, 21) እዮብን ናእሚን ነዚ ግጉይ ኣረኣእያ ሒዞም እንተ ዚቕጽሉ ነይሮም፡ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ መበላሸዉ። (ምሳ. 19:3) የሆዋ ግና ብዛዕባ ጸገማቶም ዘለዎም ኣረኣእያ ኺእርሙ ሓገዞም፡ ስለቲ ተኣማንነቶም እውን ባረኾም።
10. ኣብ ትሕቲ ፈተና ኽንከውን ከለና፡ እንታይ ኢልና ኢና ምሕሳብ ክንጅምር እንኽእል፧
10 መከራና ኻብ የሆዋ ኸም ዘይመጸ ርግጸኛታት እኳ እንተ ዀንና፡ ንሱ ብሓቂ ዚሓልየልና እንተ ዀይኑ ግና ክንጠራጠር ንጅምር ንኸውን። ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንሓይልና ኺጽንቅቖ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 24:10) ንጉስ ዳዊትን ነብዪ ኣንባቆምን መከራ ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ፣ ክልቲኦም ድማ የሆዋ ንኣውያቶም ዚሰምዖ እንተ ዀይኑ ሕቶ ተላዒልዎም እዩ። (መዝ. 10:1፣ ኣን. 1:2) ጸሎቶም ግና ኣይቋረጹን። የሆዋ ነቶም እሙናት ሰባት እቲኦም ከም ዚድግፎም ኣረጋጊጹሎም እዩ። ንዓኻ እውን ከምኡ ኺገብረልካ እዩ።—መዝ. 10:17።
11. ብዛዕባ መከራ ቕኑዕ ኣረኣእያ ዘይብልና እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና ኽንከውን እንኽእል፧
11 ብዛዕባ መከራ ቕኑዕ ኣረኣእያ ዘይብልና እንተ ዄንና፡ መከራ ምስ መጸ ኽንስንብድ፡ ከምዚ ዝበለ ኺበጽሓና ኸም ዘይብሉ ጌርና እውን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 4:12) ንኣብነት፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ ጐይታኦም ብርቱዕ መስጐጕቲ ስለምንታይ ከም ዚወርድ ኪርድኦም ኣይከኣለን። (ሉቃ. 18:33, 34) የሱስ እንታይ ይጽበዮ ኸም ዘሎ ብንጹር ገሊጹሎም ክነሱ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ግና ነዚ ኣይተቐበሎን። እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዚ፡ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ዕንቅፋት ኪኸውን ከም ዚኽእል የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ንጴጥሮስ ገንሖ። (ማር. 8:31-33) የሱስ ድሕሪ ሙማቱ እኳ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገር እዚ ብቕልጡፍ ኣይተረድእዎን። ይኹን እምበር፡ የሱስ ብኣታቶም ተስፋ ኣይቈረጸን። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኺዛረቦም ከሎ፡ ‘ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ገለጸሎም፡’ በዚ ኸምዚ እውን ብዛዕባ መከራኡ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺሕዙ ሓገዞም። (ሉቃ. 24:25-27, 32, 44-48) ንሳቶም ድማ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝመሃሮም ብምስትንታን፡ ነቲ ኸም ሰዓብቱ መጠን ድሕሪኡ ዜጋጥሞም ተቓውሞ ኺዳለዉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንሕና እውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ብምምርማር ንመከራ ኽንዳሎ ንኽእል ኢና።
12. ብዛዕባ ዅነታትና ግጉይ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ እንታይ ስምዒት ኢና ኸነሕድር እንኽእል፧
12 ብዛዕባ ዅነታትና ግጉይ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ እቲ ጸገም ኣመና ኸቢድ መሲሉ ኺርኣየና ይኽእል እዩ። የሱስ ኣብታ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዚዓይዩ ዓየይቲ ዝመሰላ ምሳሌ፡ እዚ ብኸመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓቢሩ ኣሎ። ገሊኦም ካብቶም ዓየይቲ ግቡእ ውዕለቶም ከም ዘይተዋህቦም ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዖም፡ እቲ ብዓል ቤት ግና ንሓደ ኻባታቶም፡ “ዓርከይ፡ ኣይዓመጽኩኻን” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 20:10-13) እቶም ዓየይቲ ስለ እተዓመጹ ኣይኰኑን ኣጕረምሪሞም፣ የግዳስ፡ ግጉይ ትጽቢት ስለ ዝነበሮም እዮም ኣጕረምሪሞም። ሎሚ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተመሳሳሊ ስምዒታት ተቓሊሶም እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ክርስትያናት ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ከይተዋህቦም ምስ ተረፈ፡ ወይ ዝነበሮም ፍሉይ መሰል ምስ ሰኣኑ ተመሳሳሊ ስምዒት ኣንጸባሪቖም እዮም። እሞ ደኣ ብዛዕባ ኣጸጋሚ ዅነታት ቅኑዕ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
መከራ ምስ ኣጋጠመና ኽንወስዶ እንኽእል ስጕምትታት
13. መከራ ምስ ኣጋጠመና፡ እንታይ ኣረኣእያ ኢና ኸነሕድር እንኽእል፧
13 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መከራ እንታይ ከም ዚብል ትፈልጥ ትኸውን። ንኻልኦት መከራ ኺወርዶም ከሎ እውን፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣካፊልካዮም ትኸውን። መከራ ኣባኻ ምስ ወረደ ግና፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንምሓዝ ክትሽገር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ የሆዋ ይቐጽዓካ ኸም ዘሎ ወይ ጸሎትካ ይሰምዕ ከም ዘየሎ ጌርካ ትሓስብ ትኸውን። እሞ ደኣ ቕኑዕ ኣረኣእያ ንምሓዝ እንታይ ስጕምትታት ኢኻ ኽትወስድ እትኽእል፧
14. መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትጽሊ እትኽእል፧ (ፊልጲ 4:13)
14 ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። ብዛዕባ መከራኻን እዚ ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ ኸም ዘሎን ንየሆዋ ንገሮ። እንታይ ኪገብረልካ ኸም እትደሊ ብንጹር ጠቒስካ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። ሓይልን ጥበብን ምእንቲ ኽትረክብ፡ መንፈስ ቅዱሱ እውን ምእንቲ ኺህበካ ኽትልምኖ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ንጸሎትካ ብዘይተጸበኻዮ መገዲ ኺምልሰልካ ኸም ዚኽእል ግና ኣይትረስዕ። (ኤፌ. 3:20) ብመላእኽቱ ኣቢሉ ወይ ብኣሕዋትካን ብኣሓትካን ኣቢሉ ደገፉ ኺህበካ ይኽእል እዩ። (መዝ. 34:7) ስለዚ፡ ነቲ ብበበይኑ መገዲ ዚመጽእ ሓገዙ ተቐበል። ንሱ መንፈሱ ብልግሲ ይህብ እዩ። ንዝዀነ ይኹን ጸገም ንምጻር ዜኽእል ሓይሊ እውን ኪህበካ ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።
15. መከራ ንምጽዋር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
15 መንፈሳዊ ልማድካ ሓሉ። በቲ ኣቐዲሙ ዝነበረካ ልማድ ምምልላስ እኳ እንተ ኸበደካ፡ ዚከኣለካ ግበር። ብሕልፊ ኣብ ግዜ “ጭንቅን ሽግርን፡” ንኣእምሮኻ ብሓሳባት ኣምላኽ ክትመልኦ ኣሎካ። (መዝ. 119:143) ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ኣጽንዕ፡ ብዛዕባኡ እውን ኣስተንትን። ብዓቕምኻ ኣብ ኣገልግሎት ተሳተፍ፣ ኣብ ኣኼባታት ካብ ምእካብን ካብ ምስታፍን እውን ኣይትብኰር። ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ግዜ ኣሕልፍ። ርእስኻ ኽትፈሊ ኣይትሕሰብ።—ምሳ. 18:1።
መንፈሳዊ ልማድካ ንምሕላው ዚከኣለካ ግበር (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)
16. መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ጥርጣረታት ኢኻ ኸተሕድር እትኽእል፧ ነዚኸ ብኸመይ ከተወግዶ ትኽእል፧ (2 ቈረንቶስ 10:4, 5)
16 ጥርጣረታትካ ኣወግድ። መከራ ምስ ኣጋጠመካ፡ ከም “ጽኑዕ ዕርድታት” ንዝነበረ ሓሳባት ከተፍርስ፡ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ ርእስኻ ወይ ብዛዕባ የሆዋ ዚሓድረካ ጥርጣረታት ከተወግድ የድልየካ ይኸውን። (2 ቈረንቶስ 10:4, 5 ኣንብብ።) ነዚ ጥርጣረታት እዚ፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጽሑፋት ውድብናን ዚርከብ “ፍልጠት ኣምላኽ” ጌርካ ኸተወግዶ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ሞገስ የሆዋ ኸም ዘሎካ ትጠራጠር ዲኻ፧ ተመክሮ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣጽንዕ። ንሱ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ከቢድ መከራ ኣሕሊፉ እዩ፣ እዚ ግና ብቑዕ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ጥራይ እዩ እምነቱ ኣደልዲሉሉ። (2 ቈረ. 11:23-27) የሆዋ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርካዮ ጌጋታት ይቕረ ኸም ዝበለልካ ትጠራጠር ዲኻ፧ ትጠራጠር እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ሓጢኣት ይቕረ ኸም ዚብል ዚሕብር ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ መዝግብ። (ኢሳ. 43:25) ድሕሪኡ፡ ነቲ ጥቕስታት ኣንብቦን ኣስተንትነሉን። (መዝ. 119:97) ኣባኻ ወይ ኣብ ሰብካ ዝወረደ ኸቢድ ነገር፡ ኣምላኽ ብሓቂ ንእሙናት ገላዉኡ ዜዕቍብ እንተ ዀይኑ ጥርጣረ ኣሕዲሩልካዶ፧ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኸም ዚፈቅድ፡ ኣባና ዝወረደ ይውረድ ከኣ ብኸመይ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዜዕቍበና ምርምር ግበር። (መዝ. 91:9-12) ኣብ ህይወቶም ከቢድ መከራ ብዛዕባ ዘጓነፎም ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣንብብ።a
17. መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧
17 ሕጂ ኻብ ከቢድ ሽግራት ሓራ ዝዀነ “ሰናይ መዓልቲ” ተሕልፍዶ ኣለኻ፧ ንየሆዋ ኣመስግኖ፡ ሕያውነቱ ንምንጽብራቕ ድማ ዚከኣለካ ግበር። (መክ. 7:14) መከራ ምስ መጸ ግና፡ ብዛዕባኡ ቕኑዕ ኣረኣእያ ሓዝ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ እውን ሓሉ። የሆዋ ድማ ነቲ መከራ ‘ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእል፡ መዋጽኦ ገይሩልካ ኣሎ።’ (1 ቈረ. 10:13) እንተዀነ ግና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን መከራ ኣብ ዜጋጥሞም እዋን፡ ከመይ ጌርና ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዚ ኽንምርምር ኢና።
መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ
a ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ “እምነተይ ካብ ሓዘነይ ንኽጸናናዕ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ” ዘርእስቱ ታሪኽ ህይወት ሓብትና ሶለዳድ ካስቲዮ፡ ንሳ ነቲ ሞት ኣባላት ስድራ ቤታ ዘስዓበላ ሓዘን ብኸመይ ከም ዝኸኣለቶ ተዘንትዩ ኣሎ።