ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሚያዝያ ገጽ 8-13
  • “ኣምላኽ ሓቂ” ወትሩ ዕላማኡ ይፍጽም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣምላኽ ሓቂ” ወትሩ ዕላማኡ ይፍጽም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምላኽ ሓቂ እንኣምኖ ስለምንታይ ኢና፧
  • ኣምላኽ ሓቂ ዕላማኡ ይፍጽም
  • ኣምላኽ ሓቂ ንዅሎም ኣፍቀርቲ ሓቂ ይእክቦም
  • ብዛዕባ መጻኢ ተኣማመን
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
  • ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት እመኖ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሚያዝያ ገጽ 8-13

8-14 ሰነ 2026

መዝሙር 8 የሆዋ እዩ መዕቈቢና

“ኣምላኽ ሓቂ” ወትሩ ዕላማኡ ይፍጽም

“ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ፡ ተበጂኻኒ ኢኻ።”—መዝ. 31:5።

ኣትኵሮ

የሆዋ ንዅሉ እቲ ዘተስፈወና ተስፋታት ከም ዚፍጽሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ሓሶትን ምትላልን መወዳእታ ኸም እትገብረሉ እምንቶና ንምድልዳል።

1. ንየሆዋ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (መዝሙር 31:2-5)

ሰይጣን ኣብ ዚገዝኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ሓሶትን ምትላልን ክሕደትን ከኣ ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ስለዚ፡ ንመን ከም እንኣምን ኪጠፍኣና ይኽእል እዩ። ነጋዶ ብዙሕ የጠፋፍኡ ኣለዉ። መዋዓዋዕቲ ብዛዕባ ገሊኡ ፍርያት ንዓማዊል ዜታልል ነገር የወዓውዑ ኣለዉ። ገሊኦም ሰባት ከኣ ንናይ ቀረባ ፈተውቶም እኳ ቓሎም ከም ዚሕልዉ ኺኣምንዎም ኣይከኣሉን። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ወትሩ ኽንኣምኖ ኸም እንኽእል ምፍላጥና፡ ብዙሕ የተባብዓና እዩ። ንሱ “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ። (መዝሙር 31:2-5 ኣንብብ።) ሓቂ ኽፍሊ መንነቱ እዩ። ንዅሉ እቲ ዚብሎን ዚገብሮን ክንኣምኖ ንኽእል ኢና።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብምሉእ ልብና ንየሆዋ እንኣምነሉ ምኽንያታት ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ እቲ ኣምላኽ ሓቂ ነዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ብኸመይ ከም ዜጥፍኣ፡ ነዚ ዕላማኡ እዚ ንምፍጻም ከኣ ሕጂ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ኽንምርምር ኢና። እዚ ምይይጥ እዚ ድማ፡ ተባዓትን ዘይንፈርህን መሰኻኽር የሆዋ ኸም እንኸውን ኪገብረና እዩ።

ንኣምላኽ ሓቂ እንኣምኖ ስለምንታይ ኢና፧

3. ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ንሱ ገባር ሰማያትን ምድርን እዩ፣ ምንጪ ህይወት እውን ንሱ እዩ። (ዘፍ. 1:1፣ መዝ. 36:9፣ ራእ. 4:11) ብህይወት ንምንባር ዜድልየና ዘበለ ዚህበና ንሱ እዩ። ኣብ ምድሪ ብህይወት ንምንባር ዜኽእል ስርዓታት ዝፈጠረ ንሱ እዩ። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ነገራት ይቈጻጸር እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓያልን ዝዀነ ፈጣሪና፡ ሕጂ ንህይወትና ብሉጽ መምርሒ ኸም ዚህበና፡ ኣብ መጻኢ እውን ዜደንቕ ነገር ኣንቢሩልና ኸም ዘሎ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና።

4. የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧

4 የሆዋ ስለ ዜፍቅረና፡ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንደቂ ሰብ ህይወት ኪህቦም ስለ ዝደለየ እዩ ፈጢርዎም። “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ኣብ ዚብል ቃላቱ ዕላማኡ ተሓቢሩ ኣሎ። (ዘፍ. 1:26) ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። ንዓና ምእንቲ ኽትከውን ኢሉ እውን ውቅብቲ መንበሪት ኣዳልዩልና እዩ። (መዝ. 115:16) ነቶም ቀዳሞት ወለዲ ኸኣ ንብምልእታ እታ መንበሪት ናብ ገነት ናይ ምቕያር ባህ ዜብል ዕዮ ሂብዎም እዩ። (ዘፍ. 1:28፣ 2:15) ንምድሪ ምስ ኵሉ ሃብታን ጸጋታታን እዩ ሂብዎም። እዚ ዅሉ ተግባሩ፡ “እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ . . . ንዘለኣለመ ኣለም” ከም ዝዀነ እዩ ዜርእየና።—መዝ. 103:17።

5. (ሀ) ድያብሎስ ንደቂ ሰብ ኬጥፍኦም እኳ እንተ ጸዓረ፡ የሆዋ ቓሉ ዝሓለወ ግና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ቃሉ ዝሓለወሉ ኣጋጣሚታት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧ (“ኣምላኽ ዚዛረቦ ዘበለ ቓል ወትሩ ሓቂ እዩ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

5 የሆዋ ወትሩ ቓሉ ስለ ዚፍጽም፡ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ንምድሪ “ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ” ኣይፈጠራን። (ኢሳ. 45:18, 19) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ዓለዉ፡ ኣብ ትሕቲ ዅነኔ ሞት እዮም ኣትዮም። ሽዑ፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣንፈቱ ዝሰሓተ መሲሉ ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና ንዅሉ ቓሉ ይፍጽሞ እዩ። (ኢሳ. 46:10, 11) ንምድሪ ብጻድቃን ሰባት ናይ ምምላእ ዕላማኡ ኣይተቐየረን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንኣዳምን ንሄዋንን ውሉዳት ኪወልዱ ዝፈቐደሎም። ብተወሳኺ፡ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼድሕኖም፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዜደንቕ ተስፋ እውን ምእንቲ ኺህቦም ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ኪኸውን ልኢኽዎ እዩ።—ዮሃ. 3:16።

ኣምላኽ ዚዛረቦ ዘበለ ቓል ወትሩ ሓቂ እዩ

ገለ ኻብቲ የሆዋ ቓሉ ዝፈጸመሉ ኣጋጣሚታት ንርአ፦

  • ንእስራኤላውያን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸም ዜውርሶም፡ ንሙሴ ቓል ኣትዩሉ ነይሩ።—ዘጸ. 3:6-8፣ ዘዳ. 27:3።

  • መሲሕ መጺኡ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኸም ዜውጽኦም ቃል ኣትዩ ነይሩ።—ኢሳ. 53:11, 12።

  • መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ደቂ ሰብ ንዕኡ ናይ ምፍላጥ ዕድል ኪረኽቡሉ ዚኽእሉ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ከም ዚካየድ ቃል ኣትዩ ነይሩ።—ማቴ. 24:14።

የሆዋ ቓሉ ዝፈጸመሉ ኻልእ ኣጋጣሚታት ክትዝክር ትኽእልዶ፧

ኣምላኽ ሓቂ ዕላማኡ ይፍጽም

6. የሆዋ ድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን ዘጋጠመ ዕልወት እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ተነብዩ፧

6 እቲ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” ንኣዳምን ንሄዋንን ካብ ኣምላኽ ኪዓልዉ ደፋፍኦም።a (ራእ. 12:9፣ ዘፍ. 3:4, 5፣ ዮሃ. 8:44) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንዕኡ ንጥፍኣት ፈረዶ። (ዘፍ. 3:15) እዚ ቕድሚ ምዃኑ፡ ብዙሓት ንሰይጣን ኪስዕብዎ፡ ከምኡ እውን ክፉእ ኪገብሩ እዮም። ገሊኦም ግና ብተኣማንነት ናብ የሆዋ ኺለግቡ እዮም።

7. መን እዮም ንድያብሎስ ዚስዕብዎ ዘለዉ፧ መወዳእታኦምከ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

7 እቶም ዓለወኛታት መላእኽትን ደቂ ሰብን ንሰይጣን ድያብሎስ ይስዕብዎ ኣለዉ። እዚኣቶም ምስ ዕላማ ኣምላኽ ስለ ዚጻረሩ ድማ፡ ዘርኢ ሰይጣን እዮም። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ግና፡ ሰይጣንን ሰዓብቱን ኪጠፍኡ እዮም።—ዳን. 2:44፣ ሮሜ 16:20።

8. ብ1914 የሱስ እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

8 ኣምላኽ ንሰይጣንን ነቶም እኩያት ሰዓብቱን ከም ዜጥፍኦም እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ ብ1914 የሱስ ምስ ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ምስ ተዋግአ፡ ናብ ምድሪ ደርብይዎም እዩ። (ራእ. 12:7-9) እቲ ውግእ እቲ ኣብ ሰማይ እኳ እንተ ተገብረ፡ ጽልዋኡ ግና ኣብ ምድሪ ተራእዩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣቱም ምድርን ባሕርን፡ . . . ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም” ይብል እዩ። (ራእ. 12:12) ካብ 1914 ንደሓር፡ ሰይጣን ምሉእ ኣትኵሮኡ ኣብ ምድሪ ገይሩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኵነታት ዓለም እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ፡ ‘ንምድሪ ወይለኺ’ እንተ ተባህለላ፡ ጌጋ ኣይኰነን። ኣብ ቀረባ ግዜ ግና፡ የሱስ “ኪስዕር” እዩ፣ ሰይጣንን ደገፍቱን እውን ኪውገዱ እዮም። (ራእ. 6:2) የሱስ ንሓቅነት ስም የሆዋ ሓንሳእ ንሓዋሩ ኼረጋግጽ እዩ። (መዝ. 45:4-6) ኵሉ ድማ፡ የሆዋ ብርግጽ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ኺፈልጥ እዩ።—ህዝ. 38:23።

ስእልታት፦ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ነገራት። 1. እቲ ንሰይጣን ዜመልክት ሸውዓተ ዝርእሱ ገበል ናብ ምድሪ ይድርበ። 2. ኣብ እዋን ኲናት፡ ኣብ ድፋዕ ኣድብዮም ዘለዉ ዕጡቓት ወተሃደራት። 3. ደበና ዚመስል ነትጒ ቦምብ። 4. ሓንቲ ግዳም ሓደር ኣደ፡ ኣብ ጐደና ኾፍ ኢላ ዚበኪ ዘሎ ወዳ ትሓቍፍ። 5. ጠበንጃ ሒዙ ዕላማ ዜነጻጽር ዘሎ ወተሃደር። 6. ብማእከል ዝዓነወት ከተማ ዚኸይድ ዘሎ ሰብኣይ። 7. እተበከለ ኣየር ዚተፍእ ኢንዱስትርያዊ ፋብሪካ። 8. ኣብ ከተማ ማስክ ገይሮም ዚንቀሳቐሱ ሰባት። 9. ምስ ፖሊስ ዚበኣሱ ተቓወምቲ።

World War I: U.S. National Archives photo; bomb: USAF photo; pandemic: blvdone/stock.adobe.com; riot: inhauscreative/E+ via Getty Images

ካብ 1914 ንደሓር፡ ኵነታት ዓለም ይገድድ ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


ኣምላኽ ሓቂ ንዅሎም ኣፍቀርቲ ሓቂ ይእክቦም

9. ሎሚ የሆዋ ንመን ይእክቦም ኣሎ፧

9 ክሳዕ ሽዑ፡ የሆዋ ነቲ “ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኵሉ ኣብ ክርስቶስ” ይጥቕልል ወይ ይእክብ ኣሎ። (ኤፌ. 1:10) እቲ “ኣብ ሰማያት ዘሎ” እተባህለ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ገዛእቲ ኪዀኑ ብየሆዋ እተሓርዩ ቕቡኣት እዩ ዜመልክት። እቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ” እተባህለ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ሰባት እዩ ዜመልክት። ኵሎም እዞም ኣምለኽቲ የሆዋ እዚኦም፡ ንሓሶት ሰይጣን ኣብ ምቅላዕን ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጹ ኣብ ምሕጋዝን ተጸሚዶም ኣለዉ።

10. የሆዋ ንሰባት ካብቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እትምህሮ ሓሶት ብኸመይ እዩ ሓራ ዚገብሮም ዘሎ፧ (ራእይ 14:6, 7)

10 የሆዋ፡ ኣፍቀርቲ ሓቂ ንምእካብ፡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓብዪ ዕዮ ምስክርነት ይጥቀም ኣሎ። (ራእይ 14:6, 7 ኣንብብ።) ኣብቲ ብስራት ናይ ምንጋር ዕዮ ብሰባት ዚጥቀም እኳ እንተ ዀነ፡ መላእኽቲ እውን ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ምእካብ ይሳተፉ ኣለዉ። እዚ ዕዮ ምስክርነት እዚ፡ ነቲ ድያብሎስ ንሓያሎ ዘመናት በታ ዓባይ ባቢሎን እትብሃል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣቢሉ ዝነዝሖ ሓሶት የቃልዕ እዩ። (ራእ. 18:2, 4) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኣ እየን፣ ኵሎም እቶም ነቲ ኣምላኽ ሓቂ ዜፍቅሩ ዘበሉ ኸኣ ንዕኡ ዚግብኦ ኽብሪ ኺህብዎ እዮም።—ራእ. 17:16።

11. ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ብኸመይ ኢና ኸነለልዮም እንኽእል፧

11 ኣፍቀርቲ ሓቂ ኻብ ኵሉ ማሕበራውን ቍጠባውን ባህላውን ድሕረ ባይታ፡ ከምኡ እውን ካብ ኵሎም ኣህዛብ እዮም ዚመጹ። (ራእ. 7:9, 10) “ብስራት” ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ንሓቂ ኣለልዮም ብታሕጓስ ምስ ህዝቢ የሆዋ ይጽምበሩ እዮም። (ማር. 13:10) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ንኣምላኽ ዜምልኽ ዘሎ መን ምዃኑ እናነጸረ እዩ ዚኸይድ። ነብዪ ሚልክያስ፡ “ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሚል. 3:18) ኣገልገልቲ የሆዋ ብኣካይዳኦምን ብዕዮ ስብከቶምን ኣቢሎም፡ ንኣምላኽ ሓቂ ኸም ዜምልኹ የርእዩ እዮም።

12. ዕዮ ስብከት ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ እንታይ ግደ ኣለዎ፧

12 “ብስራት መንግስቲ” ኽንሰብኽ ከለና፡ ነቲ የሱስ ዝሃበና ትእዛዝ ንእዘዝ፡ ትንቢት እውን ንፍጽም ኢና ዘለና። (ማቴ. 24:14፣ 28:18-20) ሳላ እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ይዀኑ ኣለዉ። ንኣምላኽ ሓቂ ንዘለኣለም ናይ ምምላኽ ኣጋጣሚ እውን ይኽፈተሎም ኣሎ። ዕላማ የሆዋ ኣብ ምፍጻም እጃም ዘሎና ምዃኑ፡ ብሓቂ ዓብዪ ኽብሪ እዩ!

ብዛዕባ መጻኢ ተኣማመን

13. ሰይጣን ምናዳ ንመን እዩ ዕላማ መጥቃዕቱ ገይርዎም ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

13 ሰይጣን ድያብሎስ “ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡” ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱ ኣሎ። (ራእ. 12:12, 13) ምናዳ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተወከልቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ማለት ነቶም “ትእዛዛት ኣምላኽ ዚሕልዉን ብዛዕባ የሱስ ዚምስክሩን” ዕላማ መጥቃዕቱ ገይርዎም ኣሎ። (ራእ. 12:17፣ 14:12) እቲ ንዓታቶምን ንዕዮኦምን ዚድግፎም ዘበለ ኸኣ ዕላማ መጥቃዕቲ ሰይጣን እዩ ዚኸውን።

14. ሰይጣን ኣብ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን፡ ወኪላት ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ብምሉእ ሓይሎም መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እዮም። እቲ መጥቃዕቲ እቲ ምስ ተፈነወ ድማ፡ ውግእ ኣርማጌዶን ኪጅመር እዩ። (ራእ. 16:13, 14, 16) የሱስን ሰማያዊ ሰራዊቱን ንኣምለኽቲ የሆዋ ኼድሕንዎም፡ ኣብ ናይ ድያብሎስ ዓለም ንዝተረፉ ዘበሉ እውን ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዎም እዮም። (ራእ. 19:19-21) ኵሎም ሓሰውትን እኩያትን መታለልትን ኪጠፍኡ እዮም። (ራእ. 21:8) እቲ ኣምላኽ ሓቅን ጽድቅን ድማ ሓቅነቱ ኺረጋገጽ እዩ።

የሱስን ሰማያዊ ሰራዊቱን ኣብ ኣምበሎት ኣፍራስ ተወጢሖም፡ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ዕጡቓት ሰራዊት የጥቅዑ። የሱስ ቀስቱ ይግትር፡ ካልኦት መላእኽቲ ኸኣ ሰይፊ ሒዞም ኣለዉ።

የሱስን ሰማያዊ ሰራዊቱን ንጸላእቲ ኣምላኽ ንምጥፋእ ናብ ውግእ ኣርማጌዶን ይጋልቡ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


15. ብዛዕባ መጻኢ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ኢሳይያስ 65:16, 17) (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ሎሚ ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ተኸፋፊላ ኣላ። ኣገልገልቲ የሆዋ ግና ብሓገዝ ኣምላኾም ሓድነት ረኺቦም ኣለዉ። ንሰባት ናይ ምእካብ ዕዮ ይካየድ ኣሎ። የሆዋ ንህዝቡን ነቲ ዚዓይይዎ ዕዮን ብርግጽ ይባርኾም ኣሎ፣ ነዚ ኺዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። (ኢሳይያስ 65:16, 17 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ብዛዕባ መጻኢ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ሮሜ 8:38, 39 ዚርከብ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ፦ “ሞት ኰነ፡ ህይወት ኰነ፡ መላእኽቲ ዀኑ፡ መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ ሓይልታት ኰነ፡ ልዕል ዝበለ ዀነ፡ ትሕት ዝበለ ዀነ፡ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ።”

ናብ ልሙዕ ከባቢ ኣብ ዜማዕዱ ገበላ ኾፍ ኢሎም፡ ምስ ደቆም ዚዘናግዑ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ጥቓኦም ሓደ ሓርሽ ሳዕሪ ይበልዕ።

ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ሎሚ ዘሎ ጸገማት ኣይኪዝከርን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


16. ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ እትኣምኖ ስለምንታይ ኢኻ፧

16 ነቲ ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ኽንኣምኖ ዜኽእለና ኣኺሉ ዚተርፍ ምኽንያታት ኣሎና። ንሱ ፈጣሪና እዩ። ኣጸቢቑ የፍቅረና እዩ። ብዘይካዚ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንየሆዋ ዜምልኹ ሰባት ይውሕዙ ስለ ዘለዉ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ብቕልጡፍ ቍጽሮም ይውስኽ ኣሎ። (ኢሳ. 60:22፣ ዘካ. 8:23) የሆዋ ዕላማኡ ወትሩ ኸም ዚፍጽም፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ ነቲ ሰይጣን ዝነዝሖ ምትላልን ሓሶትን መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ከም ዳዊት፡ “እቲ በይኑ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር የሆዋ ኣምላኽ . . . ይወደስ። እቲ ኽቡር ስሙ ንዘለኣለም ይወደስ፣ ክብሩ እውን ንብዘላ ምድሪ ይምልኣያ” ኢልና ንጽሊ ኢና።—መዝ. 72:18, 19።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ን“ኣምላኽ ሓቂ” እንኣምኖ ስለምንታይ ኢና፧

  • የሆዋ ንናይ ድያብሎስ ዓለም ዜጥፍኣ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ዕላማኡ እዚ ንምፍጻምከ ሕጂ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

  • ብዛዕባ መጻኢ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ

a እቲ ኣቐዲሙ መልኣኽ ዝነበረ ፍጡር፡ ብስሙ ኣይተጸውዐን። የግዳስ፡ “ድያብሎስ” [ሓማዪ ወይ መካፍኢ]፡ ከምኡ እውን “ሰይጣን” [ተጻራሪ] ዚብል ገላጺ ስም እዩ ተዋሂብዎ ዘሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ