ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሚያዝያ ገጽ 2-7
  • የሆዋ ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዙ ኣሰልጢኑኒ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዙ ኣሰልጢኑኒ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀጻሊ ስልጠና ረኸብኩ
  • ፈላምነት ሓጐስ ኣምጽኣለይ
  • ናብ ሰነጋል ከድኩ
  • ኣብ ኒው ብራንስዊክን ኣብ ኲበክን ፈለምቲ ዄንና ኣገልገልና
  • ብትግሃት ንዝዓየዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣይንርስዖምን ኢና
  • ካብ እሙናት ኣሕዋት ዝረኸብክዎ ትምህርቲ
  • ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ገዓዝና
  • ካብ ሰናይ ኣብነታት ስለ እተምሃርኩ፡ ብዙሕ በረኸት ረኺበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ብሕታዊ ተገዳስነት ኣብ ምሉእ ህይወት ዚቕጽል በረኸት የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስልጣን
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ዝገበርክዎ ቕኑዕ ምርጫ ኣብ ምሉእ ህይወተይ በረኸት ኣምጸኣለይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሚያዝያ ገጽ 2-7
ሓውና ዴቪድ ስፕለይን ኣብ ሰደቓኡ ዀይኑ ይሰርሕ።

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዙ ኣሰልጢኑኒ

ዴቪድ ስፕለይን ዘዘንተዎ

ነቲ ኻብቲ ሓው እተዋህበኒ ወረቐት ጠመትክዎ። ኣብቲ ወረቐት፡ “ዴቪድ ስፕለይን፡ 8 ሚያዝያ 1953፦ ‘ጥፍኣት ዓለም ምእዋጅ’” ዚብል ቃላት ተጻሒፉ ነበረ። ሽዑ፡ ነቲ ሓው፡ “እዚ እንታይ እዩ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እተቕርቦ ኽፍሊ እዩ” ኢሉ መለሰለይ።a ኣነ ኸኣ፡ “እዋእ፡ ዘይተመዝገብኩ!” በልክዎ።

ታሪኸይ ካብ መጀመርታ ኸዘንትወልኩም። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ካልጋሪ፡ ካናዳ እየ ተወሊደ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1940ታት፡ ዶናልድ ፍሬዘር ዝስሙ መንእሰይ ፈላሚ ንስድራ ቤትና መስከረልና፡ ኣደይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ፍቓደኛ ዀነት። ነቲ እተማህረቶ ሓቂ ፈተወቶ፣ ከቢድ ጸገማት ጥዕና ስለ ዝነበራ ግና ኣብ ጉባኤ ኽሳዕ ክንድቲ ንጥፍቲ ኣይነበረትን። ይኹን እምበር፡ ዕቤት ብምግባር ብ1950 ተጠምቀት። ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ግና ሞተት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቦይ ዘይኣማኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና መደረ ቐብሪ ኬቕርቡ ፈቐደሎም።

ድሕሪ እቲ ቐብሪ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ኣሊስ ዝስማ ብዕድመ ዝደፍአት ቅብእቲ ሓብቲ ናብ ኣኼባ ጉባኤ ዓደመትኒ። ኣደይ ጥዕናኣ ደሓን ኣብ ዚዀነሉ እዋን ምስኣ ናብ ኣኼባታት መወዳእታ ሰሙን እኸይድ ስለ ዝነበርኩ እያ ኣሊስ ክትፈልጠኒ ኽኢላ። ሽዑ፡ ንኣቦይ፡ ክኸይድ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተትክዎ። ንሱ ኸኣ ፈቐደለይ፣ ነቲ ናይ ኣደይ መደረ ቐብሪ ዘቕረበ ሓው ምእንቲ ኼመስግኖ ኢሉ ድማ “ሓንሳእ ጥራይ” ምሳይ ኪኸይድ ወሰነ። በታ ምሸት እቲኣ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን እዩ ነይሩ። እቲ ኣብኡ ዝቐረበ ትምህርቲ ድማ ንኣቦይ ኣጸቢቑ ማረኾ። ብዛዕባ ኣቀራርባ መደረ ዚገልጽ ትምህርቲ ተማሂሩ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝሰምዖ ነገራት ተመሰጠ። ድሕርዚ፡ ኣቦይ ኣብ ሰሰሙን ኣብቲ ኣኼባ እቲ ኺእከብ ወሰነ። በብቝሩብ ከኣ ኣብ ካልእ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ኣኼባ፡ እቲ ኣገልጋሊ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ስማት እቶም ምዝጉባት ኣሕዋት ይጽውዕ እሞ፡ ነፍሲ ወከፎም “ኣቤት” እናበሉ ይምልሱ ነበሩ። ሓደ ምሸት ከኣ፡ ኣነ እውን ስመይ ኣብ ዚቕጽል ኣኼባ ኺጽዋዕ ከም ዝደሊ ሕቶ ኣቕረብኩ። ሽዑ እቲ ሓው፡ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኸይገለጸ፡ ጽቡቕ ገይሩ ነኣደኒ።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መደረ ንምቕራብ ከም እተመዝገብኩ ኣይተረድኣንን ነይሩ። ስመይ ኪጽዋዕ ጥራይ እየ ደልየ ነይረ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን፡ ስመይ ምስ ተጸውዐ፡ ብሓበን “ኣቤት” ኢለ መለስኩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ብዙሕ ናእዳ ተዋህበኒ። ድሕሪ እተወሰነ ሰሙናት ከኣ፡ እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዝጠቐስክዎ ኽፍሊ ተዋህበኒ።

ከይተረድኣኒ ኣብ ሽግር እየ ኣትየ! ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ተምሃሮ ኻብ ሽዱሽተ ኽሳዕ ሸሞንተ ደቒቕ ዚወስድ መደረ ኬቕርቡ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም ነይሩ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሃል ክፍሊ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ኣቦይ ነቲ መደረ ኽዳለወሉ ሓገዘኒ፣ ነቲ መደረ ኸኣ 20 ሳዕ ተለማመድኩሉ። ድሕሪኡ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ተዋህበኒ። ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ዘሕለፍክዎ ዓመታት፡ የሆዋ ብኣቦይን ብኽኢላታት ኣሕዋትን ኣሓትን ብውድቡን ኣቢሉ ኣሰልጢኑኒ እዩ።

ቀጻሊ ስልጠና ረኸብኩ

ኣገልግሎት ምስ ጀመርኩ፡ እታ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዋ ኣሊስ ኣሰልጠነትኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰለስተ ጥቕሲ ድሕሪ ምንባብ መጽሓፍ ከነበርክት ኢና እንተባባዕ ኔርና። ተራይ ምስ በጽሐ፡ ኣሊስ ገዛእ ርእሳ ምስ ኣፋለጠትን ዝርርብ ምስ ጀመረትን፡ ቀዳመይቲ ጥቕሲ ኸንብብ ትሓትተኒ ነበረት። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዝርርብ ብምቕጻል ካልኣይን ሳልሳይን ጥቕሲ ድሕሪ ምንባብ፡ መጽሓፍ አበርክት ነበርኩ። ድሕርዚ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ብኸመይ ገዛእ ርእሰይ ከም ዘፋልጥ ተምሃርኩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1954 ኣቦይ ምስ ተጠምቀ፡ ንሱ እውን ብኸመይ ከም ዝሰብኽ ኣሰልጠነኒ። በይኑ ንዓይ ኣብ ሓቂ ንምዕባይ፡ ዚከኣሎ እዩ ገይሩ። ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ከኣ፡ ኣመና ቝም ነገረኛ እዩ ነይሩ። ኣኼባ ኣብ ዘሎና ምሸትን ቀዳም ንግሆን ሰንበት ንግሆን እንታይ ከም እንገብር ኵሉ ሳዕ እፈልጥ ነይረ እየ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ማእከላይ ተምሃራይ እየ ነይረ። ገለ ኻብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘሕለፍክዎ 12 ዓመት ዝረኸብክዎ ስልጠና ግና፡ ኣብ ብምሉኡ ህይወተይ ጠቒሙኒ እዩ። ንኣብነት፡ ሓያሎ ኣሃዛት ብኸመይ ከም ዚድመር ተማሂረ እየ። ብዛዕባ ሰዋስው እንግሊዝኛ እውን ጽቡቕ መሰረት እየ ኣንጺፈ። ብዛዕባ እንግሊዝኛን ብዛዕባ ኣጸሓሕፋን እተምሃርክዎ ትምህርቲ፡ ኣብቲ ሕጂ ምስ ክፍሊ ጽሕፈት ዝዓይዮ ዕዮ ይጠቕመኒ ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ሙዚቃ ዘሎኒ ተገዳስነት ብዙሕ ሕቶ ይቐርበለይ እዩ። ክልቲኦም ወለደይ፡ ሙዚቃ ይፈትዉ ነይሮም እዮም። ገና ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ ንእተወሰነ ግዜ ፒያኖ ተማሂረ ነይረ እየ፣ መምህረይ ግና ክሳዕ ክንድቲ ኽእለት ዘሎኒ ዀይኑ ኣይተሰምዓን። ስለዚ ንኣቦይ፡ ነቲ ትምህርቲ ኽሓድጎ ሓሳብ ሃበቶ። ሓቃ እያ ነይራ፣ ሽዑ ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበረንን።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣቦይ ካልእ መምህር ረኸበለይ። ሽዑ ድማ ፒያኖ ብኸመይ ከም ዝጻወትን ድምጸይ ብኸመይ ከም ዝስሕልን ተምሃርኩ፣ ኣብ ክልቲኡ እውን ጽቡቕ ክግስግስ ጀመርኩ። ቈልዓ ኸለኹ፡ ጽቡቕ ድምጺ እዩ ነይሩኒ፣ ኣብ ገሊኡ ውድድራት እውን ተዓዊተ ነይረ እየ። ብሙዚቃ ዲግሪ ኽረክብ እሞ ነዚ እናመሃርኩ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንርእሰይ ዜድልየኒ ኣታዊ ኽረክብ እየ ሓሲበ ነይረ። ነዚ ሸቶይ ንምውቃዕ ግና ብዛዕባ ሙዚቃ እናኣጽናዕኩን ፈተናታት እናተፈተንኩን ነዊሕ ግዜ ኸሕልፍ ከም ዘሎኒ ተረድኣኒ። ስለዚ፡ ነዚ መጽናዕቲ እዚ ሓዲገ ስሩዕ ፈላሚ ክኸውን ተመዝገብኩ። እዚ ብ1963 እዩ ነይሩ።

ፈላምነት ሓጐስ ኣምጽኣለይ

ንሓደ ዓመት ዚኣክል ፈላሚ ዀይነ ምስ ኣገልገልኩ፡ ኣብ ኦንታርዮ ናብ እትርከብ ካፑስካሲንግ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ዳንየል ስኪነር ዚብሃል መገላግልተይ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ ዕጽፊ ዕድመይ እዩ ነይሩ። ንሱ ብዛዕባ ኣወዳድባ ጉባኤ ብዙሕ እዩ ምሂሩኒ። ወዲ 20 ዓመት ከለኹ፡ ኣብ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ኸገልግል ስለ እተሸምኩ፡ ብዙሕ ክምሃር ነይሩኒ። ሕጂ ውድብና ንመንእሰያት ኣሕዋት ከነሰልጥን ዳግም ተተባብዕ ምህላዋ የሐጕሰኒ እዩ። መንእሰያት ብትግሃት እንተ ዓይዮም፡ ገና ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንየሆዋ ጠቐምቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም!

ካፑስካሲንግ ናታ ብድሆታት ነይርዋ እዩ። ኣብ ክረምቲ፡ ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 44 ዲግሪ ሰልስየስ (-47°ፋ) ይወርድ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ሒሹ ዚብሃለሉ እዋን እኳ ትሕቲ ዜሮ 33 ዲግሪ ሰልስየስ (-27°ፋ) እዩ ዚኸውን ነይሩ። ኣነን ዳንን መብዛሕትኡ ግዜ ብእግርና ኢና እንጐዓዝ ኔርና። ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ምድበይ ዝረኸብክዎ ዜሐጕስ ነገራት ግና፡ ሊንዳ ኮል ምስ ዝስማ ሓብቲ ምርኻበይ እዩ። ደሓር ምስኣ ምስ ተመራዓውና፡ ሊንዳ ስፕለይን ተባሂላ እያ።

ሊንዳ ብቕንኣት እተገልግል ኣስፋሒት እያ ነይራ። ጽቡቕ ተገዳስነት ዘለወን ብዙሓት ተመላሊስካ ምብጻሓት እውን ነበራኣ። ንሳ ድማ ለጋስን ፈቃርን ተጻዋቲትን እያ ነይራ። ኣዲኣ ጎልዲ እምንቲ ሓብቲ እያ ነይራ። ኣቦኣ ኣለን ግና ኣብ ፈለማ ንሓቂ ይጻረር ነይሩ እዩ። ኣለን ንሓቂ እናተጻረረ ኽነሱ ግና፡ ጎልዲ ንሊንዳን ጆንን ጎርዶንን ንዚብሃሉ ኣሕዋታን ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲራ ተምጽኦም፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ተሰልጥኖም ነበረት። ኣብ እተፈላለየ እዋናት፡ ጎልዲን ሊንዳን ጆንን ጎርደንን ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ከኣ፡ ኣለን ሓቂ ተቐበለ፡ ኣብ ጉባኤ እውን ብትግሃት ኣገልገለ።

ብ1965 ኣብ ቤት-ኤል ካናዳ ኣብ ዚግበር ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንሓደ ወርሒ ዚኣክል ክምሃር ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኸኣ፡ ናብ ጊልዓድ ንምእታው ከመልክት ጻውዒት ቀረበለይ። ሚስዮናዊ ንምዃን ዝበቅዕ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ስለ ዘይፈልጥ፡ ነዚ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ መመልከቲ መላእኩ። ናብ መበል 42 ክፍሊ ጊልዓድ ድማ ተጸዋዕኩ። ኣብ ጊልዓድ፡ መምህራንና ንዕቤትና ይግምግምዎ ነበሩ። ኣብቲ ብዛዕባይ ዚገልጽ ናይ መጀመርታ ገምጋም፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኸለኹ ብዛዕባ ውድብና ዚከኣለኒ ኽምሃር ምትብባዕ ተዋህበኒ። እዚ ድማ ንወዲ 21 ዓመት መንእሰይ፡ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ ነይሩ።

ሓደ ኻብቲ ኣብ ጊልዓድ እተምሃርናዮ ነገር ብዛዕባ እቲ ምስ መራኸቢ ብዙሓን፡ ማለት ምስ መደበራት ረድዮን ምስ መደበራት ተለቪዥንን ምስ ጋዜጣታትን ዘሎና ርክብ እዩ ነይሩ። እዚ መሳጢ እዩ ነይሩ። እቲ ትምህርቲ ኣብ መጻኢ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጠቕመኒ ኣይፈለጥኩን ነይረ። ብዛዕባኡ ጸኒሐ ኽገልጸልኩም እየ።

ናብ ሰነጋል ከድኩ

ካብቲ እተመረቕናሉ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ኣነን ማይክል ሆይለ ዚብሃል መገላግልተይን ናብታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሰነጋል ነቐልና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 100 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም።

ኣብቲ ምድበይ እተወሰነ ኣዋርሕ ምስ ገበርኩ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። እታ “ቤት ጽሕፈት ጨንፈር” እትብሃል ዝነበረት፡ ኣብ ቤት ሚስዮናውያን እትርከብ ሓንቲ ኽፍሊ ጥራይ እያ ነይራ። እቲ ዕዮ ንእሽቶ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ሽዑ ኣገልጋሊ ጨንፈር ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ኢማኑወል ፓተራኪስ፡ እቲ ጨንፈር ኣብታ ሃገር ንውድብ የሆዋ ዚውክል ምዃኑ የዘኻኽረኒ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓውና ፓተራኪስ ንሚስዮናውያን እተተባብዕ ደብዳበ ኽንጽሕፈሎም ወሰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንደብዳበታት ንምብዛሕ ዜኽእል ቀሊል ወይ ሕሱር መገዲ ኣይነበረን። በብሓደ ብማኪና ጽሕፈት ኪጽሓፍ ነይርዎ። እንተ ተጋጊኻ ኽትድምስሶ ስለ ዘይትኽእል ከኣ፡ እዚ ኸቢድ ስራሕ እዩ ነይሩ።

ሓደ ምሸት ናብቲ ዝነብረሉ ቤት ሚስዮናውያን ክምለስ ከለኹ፡ ሓውና ፓተራኪስ፡ “ዴቪድ፡ ካብ ማሕበር እተላእከትልካ ደብዳበ እንሀት” ኢሉ ጶስጣ ሃበኒ። ነታ ጶስጣ ምስ ከፈትክዋ፡ ሓንቲ ኻብተን ብማኪና ጽሕፈት ዝጸሓፍክወን ደብዳበታት ኣብኡ ጸንሓትኒ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸኣ፡ እቲ ዘገልግለሉ ጨንፈር ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ብዘየገድስ፡ ንውድብና ኣኽብሮት ኪህልወኒ ኸም ዚግባእ ምሂሩኒ እዩ።

ሓውና ዴቪድን ካልኦት ሕጉሳት ኣሕዋትን ኣሓትን ፍሽኽ ኢሎም ስእሊ ይስኣሉ።

ብ1967 ኣብ ሰነጋል ምስ ብጾተይ ሚስዮናውያን

ብዘይካዚ፡ ኣብ ጉባኤና ምስ ዚርከቡ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ተዓራረኽኩ፣ መብዛሕትኡ ቐዳም ምሸት ከኣ ምስቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ስድራ ቤታት እየ ዘሕልፎ ነይረ። ብሓቂ ዜሐጕስ ግዜ እየ ኣሕሊፈ! ክሳዕ ሕጂ ደሃይ ንጋባበር ኢና። ብተወሳኺ፡ ፈረንሳይኛ ኽለምድ ስለ ዝኸኣልኩ፡ ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ናብ ዚርከባ ጨናፍር ክበጽሕ ከለኹ፡ ነዚ እጥቀመሉ ኣለኹ።

ብ1968 ንሊንዳ ተሓጸኽዋ። ድሕሪኡ ኽልቴና ኣብ ሰነጋል ፈለምቲ ዄንና ምእንቲ ኸነገልግል፡ ብኸፊል ግዜይ ዝሰርሖ ንምርካብ ንኣዋርሕ ዚኣክል ስራሕ ደለኹ። ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ሰባት ግና፡ ደቂ እቲ ዓዲ ደኣ እምበር፡ ወጻእተኛታት ኪቘጽሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ናብ ካናዳ ምስ ተመለስኩ ኸኣ ምስ ሊንዳ ተመራዓውና፣ ኣብ ዶብ ኲበክ ኣብ ኒው ብራንስዊክ ኣብ እትርከብ ኤድመንድስተን እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ድማ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ተመደብና።

ዴቪድ ስፕለይንን ሊንዳ ስፕለይንን ዕምባባታት ኣብ ዝመልኦ ቦታ ፍሽኽ ኢሎም ደው ይብሉ።

ብ1969 ኣብ መዓልቲ መርዓና

ኣብ ኒው ብራንስዊክን ኣብ ኲበክን ፈለምቲ ዄንና ኣገልገልና

ኣብታ ኸተማ ኣስፋሕቲ ዚብሃሉ ኣይነበሩን፣ ብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣይነበሩን። ካቶሊክ ድማ ኣብ ህይወት ሰባት ዓብዪ ጽልዋ እዩ ነይርዋ። ዳርጋ ዅሉ ኣባይቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይመጽዎም ዚሕብር ጽሑፍ ተለጢፉሉ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከምዚ ዝበለ ጽሑፍ ክንርኢ ኸለና ንድሌቶም ከነኽብረሎም ከም ዚግባእ ክሳዕ ክንድቲ ንሓስበሉ ስለ ዘይነበርና፡ ንዅሉ ኣባይቲ ኢና ንዅሕኵሕ ኔርና። ካቶሊክ ከኣ ኣብ ሰሰሙን ኣብታ ዓዲ ኣብ እትሕተም ጋዜጣ፡ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መንጎና ምሒና ነውጽኣዮም” ዚብል መልእኽቲ ተሕትም ነበረት። ኣብታ ኸተማ ኣርባዕተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ማለት ቪክቶር ኖርበርግን ቨልዳ ኖርበርግን ኣነን ሊንዳን ጥራይ ስለ ዝነበርና፡ ብዛዕባ መንና ይዛረቡ ኸም ዘለዉ ኣይሰሓትናዮን።

ሓላው ወረዳና ዝገበረልና ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ኣይርስዖን እየ። ምሳና ሰሙን ምስ ገበረ፡ “ኣብዚ ኣብ እትጸንሑሉ እዋን ክትገብርዎ እትኽእሉ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባና ዘለዎም ጽልኢ ኸም ዚቕየር ምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለና። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ኣብቲ ሸቶ እቲ ኣተኰርና፣ እዚ እውን ፍረ ኣፍረየ! ሰባት ኣብ መንጎ ትሑታት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣብ መንጎ እቶም ክብ ኣቢልካ ዚርኣዩ ኻህናት ካቶሊክን ዘሎ ፍልልይ በብቝሩብ ኪርእዩ ጀመሩ። ሎሚ፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ንእሽቶ ጉባኤ ኣላ።

ኣብታ ግልልቲ ኸተማ ንሓደ ዓመት ኣቢልና ምስ ኣገልገልና፡ ኣብ ከተማ ኲበክ ንእትርከብ ዓባይ ጉባኤ ኽንድግፍ ጻውዒት ቀረበልና። ተቐበልቲ ጋሻ ምስ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ባህ ዜብል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ኣሕለፍና ኸኣ፡ ዕዮ መገሻ ኽንጅምር ዕድመ ቐረበልና።

ኣብቲ ዚቕጽል 14 ዓመት፡ ኣብ ኣውራጃ ኲበክ ኣብ ዚርከብ ወረዳታት ኣገልገልና። ብሓቂ ዜሐጕስ ግዜ እዩ ነይሩ! ኣብ ኲበክ ዚካየድ ዝነበረ ስብከት ብዙሕ ፍረ እዩ ዜፍሪ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ ጥምቀት ዕቤት ዚገብራ ስድራ ቤታት ኣብ ገጉባኤ ምርካብ ዘይልሙድ ነገር ኣይነበረን።

ብትግሃት ንዝዓየዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣይንርስዖምን ኢና

ተዛረብቲ ፈረንሳይኛ ዝዀኑ ካናዳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተፈተውቲ እዮም። ቀጥተኛታትን ሕጉሳትን ውዕዉዓትን እዮም። ናብ ሓቂ ንምምጻእ ግና ቀሊል ኣይነበረን፣ ብርቱዕ ናይ ስድራ ቤት ተቓውሞ ዜጋጥሞም ነይሮም እዮም። ገሊኦም ዘይኣመንቲ ወለዲ ኸኣ ንደቆም፡ “ወይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትገብሮ መጽናዕቲ ሕደጎ፡ ወይ ካብ ገዛ ውጻእ!” ክሳዕ ምባል በጺሖም እዮም። ግናኸ፡ በዚ ጸቕጢ እዚ እተምበርከኹ ዳርጋ የለዉን። የሆዋ መሸም ብኣታቶም ኣዝዩ እዩ ዚሕበን!

ነቶም ኣብተን ዓመታት እቲአን ኣብ ኲበክ ዘገልገሉ ስሩዓትን ፍሉያትን ፈለምቲ እውን ከይጠቕስክዎም ክሓልፍ ኣይደልን እዩ። መብዛሕትኦም ካብ ካልእ ክፋላት ካናዳ ዝመጹ እዮም ነይሮም። ንፈረንሳይኛ ኣብ ርእሲ ምምላኾም ከኣ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ብካቶሊክ እተቐርጸ ባህልን ኣተሓሳስባን ኪለምድዎ ነይርዎም።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ዘይብሉ ግሉል ክልታት ኬገልግሉ እዮም ዚምደቡ ነይሮም። ደቂ እቲ ዓዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘይፈትውዎም ከኣ፡ መንበሪ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን፣ ብኸፊል ግዜኦም ዚሰርሕዎ ስራሕ ምርካብ እሞ ኸኣ ከቢድ እዩ ነይሩ። ሓደስቲ ምርዑዋት እኳ፡ ወጻኢታቶም ንምትሕግጋዝ ኢሎም፡ ኣርባዕተ፡ ሽዱሽተ፡ ወይ ሸሞንተ ብሓባር ኰይኖም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። በይኖም ገዛ ሒዞም ንምንባር ዜኽእል ዓቕሚ ኣይነበሮምን። እቶም ውፉያት ፈለምቲ እቲኦም፡ ትጉሃት እዮም ነይሮም። መጽናዕቲ ኼጀምሩ ኸለዉ፡ ምሉእ ቈላሕታኦም እዮም ዚህብዎ ነይሮም። ሕጂ ኲበክ ካብ ካልእ ሓገዝ ስለ ዘየድልያ፡ መብዛሕትኦም እቶም ፈለምቲ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ግዒዞም እዮም።

ኣብ ዕዮ ወረዳ ንጉባኤታት ኣብ እነገልግለሉ ዝነበርና እዋን፡ ቀዳም ንግሆ ምስ መንእሰያት ከነገልግል ኢና እንጽዕር ኔርና። በዚ ኸምዚ፡ እንታይ ጸገማት ከም ዜጓንፎም ክንፈልጥ ንኽእል ኔርና ኢና። ገሊኦም ምሳና ዜገልግሉ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሚስዮናውያን ኰይኖም ወይ ካልእ ሓላፍነት ተሰኪሞም የገልግሉ ኣለዉ።

ገሊአን ጉባኤታት ወጻኢታት ጕዕዞና ኺሽፍናልና ይኽእላ ስለ ዘይነበራ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ገንዘብ ይውድኣና ነይሩ እዩ። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ንዅነታትና ዚፈልጥ የሆዋ ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኽንውከል ነይሩና። ንሱ እውን ከቶ ኣየሕፈረናን። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ናብ ካልእ ጉባኤ ኽንጐዓዝ ንኽእል ኔርና ኢና።

ካብ እሙናት ኣሕዋት ዝረኸብክዎ ትምህርቲ

ኣቐዲመ ኻብቲ ኣብ ጊልዓድ ብዛዕባ ህዝባዊ ርክባት እተዋህበና ትምህርቲ ኸም እተጠቐምኩ ጠቒሰ ነይረ እየ። ኣብ ኲበክ፡ ኣብ ረድዮን ተለቪዥንን ጋዜጣታትን ኣወንታዊ ምስክርነት ክንህበሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተኸፊቱልና ነይሩ እዩ። ሊዮንስ ክሪፖ ምስ ዝስሙ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምዝርራብ ክኢላ ዝዀነ ገያሺ ሓላዊ ብሓባር ኴንና ኽንዓዪ ብዙሕ ሳዕ ተላኢኽና ኔርና ኢና። ንሱ ድማ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ኣኽቢርካ ምስ ዚርኣዩ ሰባት ክንዛራረብ ከለና፡ ከም ሓደ ሞያተኛ ዀይኑ ዘይኰነስ፡ “ኣነን ብጻየይን ኣገልገልቲ ኢና። ብዛዕባ ህዝባዊ ርክባት ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓብዪ ኣኼባ ኽንሕብረኩም ግና ተመዲብና ኣለና። ንእትገብሩልና ዘበለ ሓገዝ ኣዚና ነመስግነኩም” ብምባል ብትሕትና እዩ ዚቐርቦም ነይሩ። እዚ ኣቀራርባኡ ድማ፡ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከፊቱልና እዩ።

ድሕርዚ፡ ምስቲ ግለን ሃው ዚብሃል ሓደ ኻብቶም ጠበቓታትና ዝነበረ ሓው ሓቢረ ኣቓልቦ መራኸቢ ብዙሓን ኪስሕብ ኣብ ዚኽእል ተኣፋፊ ጕዳያት ክዓዪ ተመደብኩ። ሽዑ ድማ፡ ካብቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብክዎ ስልጠናን ካብቲ ኻብ ሓውና ሊዮንስ ዝረኸብክዎ ተመክሮን ተጠቒመ እየ። ምስ ሓውና ሃው ምዕያይ፡ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ነይሩ። ሕጋዊ ጕዳያት ኪሕዝ ከሎ፡ ፍርሂ ዚብሃል ኣይነበሮን። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ ነይሩ። ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ እዩ ነይርዎ።

ብ1985 ኣብቲ ንኣቦይ ቀረባኡ ዝዀነ ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ዚርከብ ወረዳ ኸነገልግል ተመደብና፡ እዚ ኸኣ ንኣቦይ ብዝያዳ ኽንድግፎ ኣኽኣለና። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ ንሱ ሞተ። ክሳዕ 1989 ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ኣብ ዚርከብ ወረዳታት ኣገልገልና። ድሕርዚ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ዘይተጸበናዮ ጻውዒት ቀረበልና። ስለዚ፡ ነቲ ን19 ዓመት ዘገልገልናሉ ዕዮ መገሻ ኽንሓድጎ ነበረና። ኣብቲ ኣብ ዕዮ መገሻ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብኣማእታት ኣብ ዚቝጸር ኣባይቲ ሓዲርና፡ ብኣሽሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ተዓዲምና ኢና። ኣባይቶም ከፊቶም ንዝዓደሙና ዘበሉ ዅሎም ኣዚና ነመስግኖም ኢና!

ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ገዓዝና

ናብ ብሩክሊን ምስ ከድና፡ ኣነ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ከገልግል ተመደብኩ። ነቲ ኣብኡ ዝረኸብክዎ ስልጠና ወትሩ አማስወሉ እየ። ሓደ ኻብቲ እተምሃርክዎ ትምህርትታት፡ ሓደ ሓበሬታ ጭቡጥ ሓቂ እንተ ዀይኑ ኸረጋግጽ ደኣ እምበር፡ ክግምት ከም ዘይብለይ እዩ። ብ1998 ከኣ ኣብ ክፍሊ ጽሕፈት ተመደብኩ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ብኸመይ ከም ዝጽሕፍ እመሃር ኣለኹ። ንእተወሰነ ዓመታት ነቲ ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጽሕፈት ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓውና ጆን ባር ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ እየ። ነቲ ሽዑ ዝረኸብክዎ ስልጠናን ምስኡ ዘሕለፍክዎ ግዜን ወትሩ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ጽቡቕ ክርስትያናዊ ባህርያት እዩ ነይርዎ።

ዴቪድ ስፕለይንን ሊንዳ ስፕለይንን ምስ ጆን ባርን ሚልድረድ ባርን ስእሊ ይስኣሉ።

ምስ ጆን ባርን ሚልድረድ ባርን

ኣብ ክፍሊ ጽሕፈት ምስ ዜገልግሉ ትሑታት ኣሕዋትን ኣሓትን ምግልጋል፡ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ። ዕዮኦም ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ሓገዝ ይልምኑ እዮም። ኵሉ እቲ ዝዓመምዎ ዕማም ሳላ ተፈጥሮኣዊ ኽእለቶም ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ የሆዋ ምዃኑ እውን ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም።

ሓውና ዴቪድ ን20 ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሓዘ መዘምራን ግምቢ ዘብዐኛ ይመርሕ፣ ሓንቲ ሓብቲ ኸኣ ፒያኖ ትጻወት።

ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ 2009 ንመዘምራን እናመራሕኩ

ሓውና ዴቪድ ንሓንቲ ሓብቲ ተሓጒሱ መጽሓፍ ቅዱስ ይህባ።

ኣብቲ ብ2014 ኣብ ሶል፡ ኮሪያ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ እናዓደልኩ

ኣነን ሊንዳን ኣብ 110 ሃገራት ንዚርከቡ እሙናት ክርስትያናት ብጾትና ኽንበጽሕ ብምኽኣልና ዓብዪ ኽብሪ እዩ ዚስምዓና። ሚስዮናውያንን ኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ካልኦት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ብዓይንና ርኢና ኢና። ውግእን ቍጠባዊ ጸገማትን መስጐጕትን እናሃለወ ኽነሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣቐዲሞም ብቕንኣትን ብጽንዓትን ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ ምርኣይና እውን ዓብዪ በረኸት እዩ። የሆዋ ንዓታቶም ኣዝዩ ኸም ዜፍቅሮም ኣየጠራጥርን እዩ!

ኣብዚ ዅሉ ዓመታት እዚ፡ ዕዮይ ክፍጽም ከለኹ፡ ሊንዳ ብዙሕ ሓጊዛትኒ እያ። ንሳ ፈታዊት ሰብ ስለ ዝዀነት፡ ወትሩ ኽትሕግዝ እያ እትደሊ። ዘይወግዓዊ ዝርርብ ናይ ምጅማር ጽቡቕ ክእለት ኣለዋ። ንብዙሓት ናብ ሓቂ ኺመጹ ሓጊዛ እያ፣ ዘይንጡፋት ንዝነበሩ እውን ሓጊዛ እያ። ብሓቂ ኻብ የሆዋ እተዋህበት ውህበት እያ ዀይናትለይ! ኣነን ሊንዳን ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና፡ ኣብ መገሻን ኣብ ካልእ ነገራትን ዚድግፉና ብዕድመ ኻባና ዝነኣሱ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምርካብና ኣዚና ኢና እነመስግን።—ማር. 10:29, 30።

ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት 80 ዓመት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ምስቲ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዝካ ምሂርካኒ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታትካ እነግር ኣለኹ” ኢሉ ዝጸሓፈ ዘማሪ እሰማማዕ እየ። (መዝ. 71:17) ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡ ከምኡ ኽገብር እየ ዝደሊ።

a ሎሚ፡ እዚ ስልጠና እዚ፡ ክፍሊ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ