ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ለካቲት ገጽ 2-7
  • ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብርሕራሐ ተደሪኽካ ሓግዞም
  • ስግር ኣሉታዊ ቓላትን ተግባራትን ጠምት
  • ዕጉስን ትስፉውን ኩን
  • ፍቕርኻ ኣርእዮም
  • ብቤተ ሰብካ ተስፋ ኣይትቝረጽ
  • ሓቂ፡ “ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ” ተምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ብሕጂ እውን ካብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃርዶ ትኽእል ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ለካቲት ገጽ 2-7

6-12 ሚያዝያ 2026

መዝሙር 82 ‘ብርሃንኩም ይብራህ’

ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

“ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።”—ገላ. 6:9።

ኣትኵሮ

ምስ ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብ ብኸመይ ጽቡቕ ርክብ ከም እንዕቅብ፡ እንተ ተኻኢሉ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ብኸመይ ከም እንሕግዞም።

1-2. ንፈለማ ግዜ ሓቂ ምስ ፈለጥና፡ እቲ ምስ ቤተ ሰብና ዝነበረና ርክብ ብኸመይ እዩ ተጸልዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

የሱስ ንሓደ ሰዓቢኡ ኪኸውን ዝደለየ ሰብ፡ “ናብ ቤትካ፡ ናብ ሰብካ ኺድ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካን ዝመሓረካን ንገሮም” ከም ዝበሎ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ማር. 5:19) በዚ ቓላት እዚ ኣቢሉ፡ ሰባት ብተፈጥሮና ንቤተ ሰብና ኸነበስር ከም እንደሊ እዩ ሓቢሩ።

2 ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ፈለጥካ እንታይ ከም እተሰምዓካ ትዝክሮዶ፧ መሸም ነቲ ዝሰማዕካዮ ነገር ንሰብካ ኽትነግር ደሊኻ ኽትከውን ኣሎካ! ቤተ ሰብካ ግና ብጽቡቕ ኣይተቐበሉኻን ይዀኑ። ወይ ከኣ ክትነግሮም ከለኻ ሜላ ስለ ዘይተጠቐምካ፡ ኣብ መንጎኹም ምስሕሓብ ተፈጢሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ክርስትያናዊ መለክዒታት ከይተለማለምካ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ምስ ቤተ ሰብካ ጽቡቕ ርክብ ክትዕቅብ ወይ ነቲ ተበላሽዩ ዝነበረ ርክብ ከተዐሪ እትኽእል፧

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እዚ ዚስዕብ ነጥብታት ክንርኢ ኢና፦ (1) ዋላ እውን ነቶም ንመልእኽትና ዘይተቐበልዎ ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብናa ብርሕራሐ ተደሪኽና ብኸመይ ብብሕቲ ኸም እንግደሰሎም፣ (2) ስግር እቲ ኣሉታዊ ቓላትን ተግባራትን ብኸመይ ከም እንጥምት፣ (3) ዕጉሳትን ትስፉዋትን ብምዃን ብኸመይ ንቤተ ሰብና ሓቂ ኼለልዩ ኸም እንሕግዞም፣ (4) ፍቕርና ብኸመይ ከም እነርእዮም።

ብርሕራሐ ተደሪኽካ ሓግዞም

4. የሱስ ነቶም ንመልእኽቱ ግዲ ዘይብሎም ሰባት እንታይ እዩ ገይሩሎም፧

4 የሱስ በቶም ንመልእኽቱ ግዲ ዘይብሎም ሰባት ቀልጢፉ ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ ሓንቲ ምሳሌ፡ ገዛእ ርእሱ ምስ ሓደ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኣመሳሲሉ ኣሎ። እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኻብ ሓንቲ ኦም በለስ ፍረ ንምርካብ ኣጸቢቑ ኸም ዚጽዕር እውን ኣዘንትዩ ኣሎ። (ሉቃ. 13:6-9) የሱስ ነዛ ምሳሌ እዚኣ ኣብ ዝመሰለሉ እዋን፡ ደቂ ዓዱ እምነት ከም ዜማዕብሉ ንምግባር ልዕሊ ሰለስተ ዓመት እዩ ጽዒሩ ነይሩ። ስለምንታይ እዩ ንምሕጋዞም ቀጻሊ ጻዕሪ ዝገበረ፧ ምኽንያቱ፡ ንሰባት ይርሕርሓሎም እዩ፣ እዚ ኸኣ ኪዕገሶም ሓጊዝዎ እዩ።

5. የሱስ ነቶም ህዝቢ ዝራሕርሓሎም ስለምንታይ እዩ፧

5 እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ህዝቢ፡ ኣብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ኬማዕብሉ ይሕግዝዎም ስለ ዘይነበሩ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ራሕርሓሎም። “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ” ገይሩ ድማ ረኣዮም። (ማር. 6:34) ቀቅድሚ ሞቱ ኸኣ፡ መብዛሕትኦም ነበርቲ የሩሳሌም ብሰንኪ ዘይምእማኖም ህይወቶም ከም ዚስእኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ በኸየሎም። (ሉቃ. 19:41-44) ንሕና እውን ንቤተ ሰብና ኸምዚ ዓይነት ስምዒት እንተ ኣሕዲርና፡ ንምሕጋዞም ክንለዓዓል ኢና።

6. ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ኽንዕገሶም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ገላትያ 6:9)

6 ገላትያ 6:9 ኣንብብ። ቤተ ሰብና ብእምነትና ዘይግደሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ክንዕገሶም ኣሎና፡ ‘ሰናይ ንምግባር እውን ክንስልኪ የብልናን።’ ሓደ ሰብ ነቲ ሱር ዝሰደደ ግጉይ ርድኢቱ ምሕዩ እምነት ንምምዕባል ግዜ ኸም ዜድልዮ ንፈልጥ ኢና። ምናልባት እውን ንስኻ ኸምቶም “ተስፋ ኣይነበረኩምን፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ ኢኹም ኔርኩም” እተባህለሎም ሰባት ኔርካ ትኸውን። (ኤፌ. 2:12) ከምኡ እንተ ኔርካ፡ ናይ ካልእ ሰብ ሓገዝ ኣድልዩካ ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ እንተ ተኻኢሉ ንቤተ ሰብካ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ከተማልኣሎም ኣይትለዓዓልንዶ፧

ስግር ኣሉታዊ ቓላትን ተግባራትን ጠምት

7. ኣሕዋት የሱስ ብእኡ ኻብ ምእማን ዝዓገቶም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

7 ኣሕዋት የሱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ተኣምራት ሰሚዖም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ሉቃ. 4:14, 22-24) ኣብ መጀመርታ ግና፡ ብእኡ ኣይኣመኑን። (ዮሃ. 7:5) ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጸልናን እዩ። ገሊኦም ኣይሁድ ንየሱስ ዘይሰዓቡሉ እንተ ወሓደ ኽልተ ነገራት ግና ይገልጸልና እዩ። ገሊኦም በቲ ማሕበረ ሰብ ከይግለሉ ይፈርሁ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 9:18-22) ገሊኦም ከኣ ንየሱስ ካብ ንእስነቱ ስለ ዚፈልጥዎ፡ ከም መሲሕ ገይሮም ኪርእይዎ ኣይከኣሉን። (ማር. 6:1-4) ስለዚ፡ ኣሕዋት የሱስ በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ተጸልዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንቤተ ሰብናኸ ተመሳሳሊ ረቛሒታት ኪጸልዎም ይኽእልዶ፧

8. ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ኻብ ምንታይ ተላዒሎም እዮም ሕማቕ ዘረባ ኺዛረቡና ወይ ሕማቕ ነገር ኪገብሩና ዚኽእሉ፧

8 ዘረባኦምን ተግባራቶምን ካብ ምንታይ ከም እተላዕለ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣሕዋት የሱስ ምስቶም “ተጸሊሉ” ኢሎም ዝሓሰቡ ኣዝማዱ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ማር. 3:21) ስለምንታይ እዮም ከምኡ ኢሎም ሓሲቦም፧ ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ምብላዕ ክሳዕ ዚስእን ብዕዮ ትሑዝ ምንባሩ ተሓቢሩ ኣሎ። (ማር. 3:20) እሞ ደኣ እቶም ኣዝማዱስ ንሱ ኣኽራሪ ኸም ዝዀነ ገይሮም ሓሲቦምዶ ይዀኑ፧ ምናልባት ከምኡ ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ቤተ ሰብና እውን ንሕና ኣኽረርቲ ኸም ዝዀንና ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ። ከምኡ ዚሓስቡ እንተ ዀይኖም፡ ሚዛናውያን ምዃንና ብተግባርና ኸነርእዮም ኣሎና።

9. እንታይ ነገር እዩ ነቲ ቤተ ሰብና ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ኬቐይሮም ዚኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 3:1, 2) (ስእልታት እውን ርአ።)

9 ብኣካይዳኻ መስክር። ልኡም ዘረባናን ሰናይ ተግባራትናን ነቲ ቤተ ሰብና ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ኣንብብ።) ሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትከይድ ወይ ናብ ኣገልግሎት ክትወፍር ከላ፡ በይኑ ኸም እተሓድገ ዀይኑ ኺስምዖ ወይ ኪበሳጮ ይኽእል እዩ። ሰበይቱ ግና ከምኡ ምእንቲ ኸይስምዖ ኢላ መንፈሳዊ ንጥፈታታ ብምትዕርራይ ምስኡ ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእል ትኸውን። ንኣብነት፡ ሰብኣያ ብኻልእ ንጥፈታት ትሑዝ ኣብ ዚዀነሉ ወይ ኣብ ቤት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ናብ ኣገልግሎት ክትወፍር ትኽእል እያ። እምበኣር፡ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ተዓጻጻፊትን ሚዛናዊትን ብምዃን፡ ነቲ ሰብኣያ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎ ኣረኣእያ ኸተቐይሮ ትኽእል እያ።

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ሓብቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ ሰብኣያ ምሳሕን ቡንን ተዳልወሉ። 2. ድሕርዚ፡ ምስ ካልእ ሓብቲ ናብ ኣገልግሎት ትወፍር፣ ንሓንቲ ሰበይቲ ድማ ካብ ተሌፎና መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተርእያ።

ጽቡቕ ቃላትናን ተግባራትናን ነቲ ሓደ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎ ኣረኣእያ ኬቐይሮ ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)g


10. ነቐፌታ ኺመጸና ኸሎ፡ ብኸመይ ኢና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል፧

10 ንዅሉ ነቐፌታ ኽትምልስ ከም ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። የሱስ በላዕን ሰታይን ከም ዝዀነ ጌርካ ምስ ተኸስሰ፡ እዚ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ ዜረጋግጽ መርትዖ ንምርካብ ብዙሕ ኣይደኸመን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሰባት ነቲ ጭቡጥ ሓቅታት ርእዮም ኪውስኑ ሓደጎም። (ማቴ. 11:19) ብዛዕባ ህይወት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ እውን ብኣብነት ኣርኣየ። (ምስ ዮሃንስ 2:2, 6-10 ኣረኣኢ።) ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንዅሉ ነቐፌታ ኽትምልስ ከም ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሚዛናውን ሕጉስን ምዃንካ ንቤተ ሰብካ ብተግባርካ ኣርእዮም፣ ባዕሎም ኣብ መደምደምታ ኺበጽሑ እውን ሕደጎም። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ብዛዕባና ዝሰምዕዎ ኣሉታዊ ወረ ይነጽግዎ ይዀኑ።

ዕጉስን ትስፉውን ኩን

11. የሱስ ነቶም ዘይኣመንቲ ኣሕዋቱ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም ዝነበረ፧

11 የሱስ ንኣሕዋቱ ኸም እተዓገሶም ኣብ ወንጌላት ተሓቢሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ንሱ ናይ መጀመርታ ተኣምር ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ንሳቶም እውን ኣብ ቃና ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ዮሃ. 2:11, 12) ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ ግና፡ ብእኡ ኣይኣመኑን። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቲ ምሳታቶም ዝነበሮ ርክብ ኣይበተኸን። ካብቲ ኣብ ቃና ተኣምር ዝገበረሉ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ብለውሃት ከም እተዛረቦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ኣሎ።—ዮሃ. 7:5-8።

12. ገሊኦም ቤተ ሰብና ኣተሓሳስባኦም ከም ዚቕይሩ ተስፋ ኽንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

12 ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ዘሎና ንጹር ርድኢት፡ ትስፉዋት ክንከውን ይሕግዘና እዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ እትጠፍኣሉ እዋን፡ ቤተ ሰብና ነቲ ነጊርናዮም ዝነበርና ነገር ይዝክርዎ ይዀኑ።b (ራእ. 17:16) ምናልባት እውን ድሕሪ ምጅማር ብርቱዕ ጸባብ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ይጽምበሩና ይዀኑ። ብዘይካዚ፡ ቤተ ሰብና ኸቢድ ጸገማት የሕልፉ እንተ ኣልዮም፡ ንምሕጋዞም ዚከኣለና ኽንገብር ይግባእ። ፍቕርናን ለውሃትናን ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምቕባል ልቦም ይኸፍቱ ይዀኑ።

ፍቕርኻ ኣርእዮም

13. ብኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

13 ብኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት እኳ እንተ ዀንና፡ ቤተ ሰብና ንዓታቶም ግዜ ኸም ዘይብልና ወይ ከም ዘይንፈትዎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ክንገብር ኣይንደልን ኢና። (ማቴ. 7:12) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኸም እንሓልየሎም ከነርኢ እንኽእል፧ ሒደት መገድታት እስከ ንርአ።

14-15. ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ፍቕርና ኸነርእየሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

14 ደሃይ ግበር፡ ፍቕርኻ እውን ግለጸሎም። ኣዘውቲርና ሃለዋት ብምግባር፡ ንቤተ ሰብና ኸም እንፈትዎም ከነርእዮም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ደሃዮም ንምግባርን ሃለዋትና ንምሕባርን፡ ተሌፎን ክንድውለሎም ወይ ተክስት ክንጽሕፈሎም ንኽእል ኢና። ርክብና ንምምሕያሽ ከኣ፡ ንእሽቶ ህያብ ወይ ጥዕምቲ ደብዳበ ኽንልእከሎም ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ ከም እንፈትዎም ነርእዮም ኢና።

15 ኣና ዝስማ ኣብ ኣርመንያ እትነብር ሓብቲ ዝገበረቶ እስከ ንርአ። ቤተ ሰባ ምናዳ ኣብ ዕለተ ልደቶምን ኣብ በዓላትን ብሓባር ግዜ ናይ ምሕላፍ ልማድ ኣለዎም። ኣና ሓቂ ምስ ተቐበለት ግና፡ እቲ ሓድሽ እምነታ ንርክቦም ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኣተሓሳሰቦም። ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ዝገበረቶ ውሳነ ንመጻኢኣ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ እውን ኣተሓሳሰቦም። እሞ ደኣ ኣና ነዚ ሻቕሎቶም እዚ ንምፍኳስ እንታይ እያ ዝገበረት፧ ከምዚ ብምባል ትምልስ፦ “ንቤተ ሰበይ ክበጽሖም ከለኹ፡ ብዛዕባ ህይወተይን ብዛዕባ ንጥፈታተይን እሕብሮም እየ። ናብ ገዛይ እዕድሞም፡ ምስ ፈተውተይ እውን አፋልጦም እየ። ስለዚ፡ መብዛሕትኦም ቤተ ሰበይ ንናይ ቀረባ ፈተውተይ ይፈልጥዎም እዮም፡ ከይተሰከፉ እውን ምሳታቶም ይዛራረቡ እዮም።” ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ብዙሓት ካብ ቤተ ሰበይ ኣነ ኽሳዕ ክንደይ ሕጕስቲ ኸም ዝዀንኩ ስለ ዝረኣዩ፡ ብዛዕባይ ከም ዘይሻቐሉ ገሊጾም እዮም” ትብል።

16. የሱስ ንሓዉ ያእቆብ ብብሕቲ ተገዳስነት ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

16 ተገደሰሎም። የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ንሓዉ ያእቆብ ተራእዮ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብብሕቲ ኸም ዚግደሰሉ ኣርኣዮ። (1 ቈረ. 15:7) ያእቆብ ድማ የሱስ ብእኡ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ምስ ረኣየ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ፡ የሱስ ብሓቂ መሲሕ ከም ዝዀነ ኣሚኑ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ፡ ያእቆብ ንኻልኦት ኣባላት ቤተ ሰቡ፡ ብዛዕባ መንነት የሱስ ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሑ ሓጊዝዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።c—ግብ. 1:14።

17. ነቲ ኣብ ሮሜ 12:15 ዚርከብ ስርዓት ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

17 ሮሜ 12:15 ኣንብብ። ንቤተ ሰብና ኣብቲ ብዝያዳ ቘላሕታ ዜድልዮም እዋን፡ ማለት ኣብ ሓጐሶም ኰነ ኣብ ሓዘኖም ተገዳስነት ነርእዮም እንተ ዄንና፡ ብዛዕባና ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸም ዚቕይሩ ኽንገብር ንኽእል ኢና።d ንኣብነት፡ ውሉድ ኪወልዱ ኸለዉ እንቋዕ ሓጐሰኩም ክንብሎም፡ ተኻፈልቲ ሓጐሶም ከም ዝዀንና ንምግላጽ እውን ህያብ ክንህቦም ንኽእል ኢና። ሓዘን ኬጋጥሞም ከሎ ድማ፡ ብዘረባና ኸነጸናንዖም፡ ግብራዊ ሓገዝ ክንህቦም፡ ወይ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ዝሓዘ ካርድ ክንሰድደሎም ንኽእል ኢና። ምናዳ ኸቢድ እዋን ኬሕልፉ ኸለዉ ኸኣ፡ በብእዋኑ ደሃዮም ክንገብር ንኽእል ኢና።

እታ ኣብ ዝቐደመ ስእልታት ዝነበረት ሓብቲ ምስ ዘይኣማኒ ሰብኣያን ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ምስ እተቐመጠት ሓማታን ስእሊ ትሰኣል።

ንቤተ ሰብና ኣብቲ ብዝያዳ ቘላሕታ ዜድልዮም እዋን ንግደሰሎም እንተ ዄንና፡ ንሳቶም እውን ብዛዕባናን ብዛዕባ እምነትናን ዘለዎም ኣረኣእያ ይቕይሩ ይዀኑ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)h


ናብ መርዓ ወይ ናብ ቀብሪ ኽትከይድ ዲኻ፧

ኣብ መርዓን ኣብ ቀብርን፡ ቤተ ሰብ ይተኣኻኸቡ እዮም። ናብ ሓዲኡ ቕድሚ ምኻድካ፡ ነዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብኡ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኪህሉ ድዩ ኣይኪህሉን፧ (2 ቈረ. 6:14, 15)

  • ናብኡ እንተ ኼድካ፡ ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ስርዓት ወይ ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልማድ ክትሳተፍ ዚግበረልካ ጸቕጢ ኽትጻወሮ ትኽእል ዲኻ፧ (ምሳ. 22:3)

  • ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብካ ኣብቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልማዳት ከም ዘይትሳተፍ ይፈልጡ ድዮም፧

  • ናብ ሃይማኖታዊ ህንጻ ኽትኣቱ እንተ ተራኢኻ፡ እዚ ንክርስትያናት ብጾትካ ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧ (ፊል. 1:10)

ውሳነኻ እዚ ይኹን እቲ፡ ወትሩ ንቤተ ሰብካ ብንጹርን ብሜላን ብዛዕባ መትከልካ ግለጸሎም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ምእንቲ ኺህልወካ ዚከኣለካ ግበር።f

18. ከመይ ጌርና ኢና ንእንድርያስ እቲ ወደ መዝሙር ክንመስሎ እንኽእል፧

18 ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ኣላልዮም። እንድርያስ እቲ ወደ መዝሙር፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ንሓዉ ጴጥሮስ ምስ የሱስ ኣላለዮ። (ዮሃ. 1:40-42) ንሕናኸ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ሓሓሊፍና ንኣባል ቤተ ሰብና ናብ ኣኼባ ወይ ምስ ፈተውትና ናብ እተዳለወ እንግዶት ክንዕድሞ ንኽእልዶ፧ ምስ ክርስትያናት ብጾትና እንተ ኣላሊናዮ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥዑያትን ሕያዎትን ምዃኖም ኪርኢ እዩ።

19. ቤተ ሰብና ንገሊኡ እምነታትና ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድእዎ፡ ብኸመይ ኢና ኽንሕዞም ዚግባእ፧ (1 ጴጥሮስ 3:15)

19 ቀዳማይ ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ። ኣባላት ቤተ ሰብና ኣብ ገሊኡ ነገራት ስለምንታይ ከም ዘይንሳተፍ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን ይዀኑ። ለውሃትናን ኣኽብሮትናን ግና ኵሉ ሳዕ ይዝክርዎ እዮም። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ዘይንሳተፍ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ምሳታቶም ግዜ ንምሕላፍ እንገብሮ ጻዕሪ ግና ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ በዓላትን ልምድታትን ምሳታቶም ኣይንሕወስን ኢና። ኣብ ካልእ ግዜ ግና፡ ክንበጽሖም፡ ምሳታቶም ሓቢርና እኽለ ማይ ክንጥዕም፡ ህያባት እውን ክንህቦም ንኽእል ኢና።

ብቤተ ሰብካ ተስፋ ኣይትቝረጽ

20. ካብ ተመክሮ ያእቆብ መተባብዒ እንረክብ ስለምንታይ ኢና፧

20 ያእቆብ ንየሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ እኳ እንተ ዘይሰዓቦ፡ ደሓር ግና ወደ መዝሙሩ ዀይኑ እዩ። (ገላ. 1:18, 19፣ 2:9) ካብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንትምህርትታት የሱስ ግና ኣብ ልቡ ኣሕዲርዎ እዩ። ንኣብነት፡ እታ ንሱ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ካብቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እተወስደ ሓሳባት ኣለዋ።e

21. ብዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

21 ብዙሕ እናጸዓርና ኽነስና፡ ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ከየሕድሩ ወይ ሓልዮት እናኣርኣናዮም እኳ ውሬታ ዘይመልሱ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ብኣታቶም ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና፧ ምኽንያቱ፡ ንቤተ ሰብና ሰናይ ብዝገበርናሎም መጠን፡ ነቲ መሓሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽናን ንወዱ የሱስን ኢና እንመስሎም። (ሉቃ. 6:33, 36) ውዒሉ ሓዲሩ፡ ፍቕርና ነቲ ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ኪቕይሩ ይድርኾም ይኸውን። ነቲ ኣብ ሕሉፍ ብዛዕባ እምነትና ዝነገርናዮም እውን ይዝክሩ ይዀኑ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ብቤተ ሰብና ተስፋ እንተ ዘይቈሪጽና፡ ገሊኣቶም ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺሓብሩና ይኽእሉ እዮም፣ እዚ እውን ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልና!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ብርሕራሐ ተደሪኽና እንሕግዞም ብኸመይ ኢና፧

  • ምስ ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ብዚተሓሓዝ ዕጉሳትን ትስፉዋትን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ፍቕርና እነርእዮም ብኸመይ ኢና፧

መዝሙር 60 ህይወት ነድሕን

a መግለጺ ቓላት፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ዘይኣማኒ” እትብል ቃልን ረባሕታኣን፡ ሃይማኖት ንዘይብሉ ሰብ ወይ ብኣምላኽ ንዘይኣምን ሰብ ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። (1 ቈረ. 7:12) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እዛ ቓል እዚኣን ረባሕታኣን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ንዘየምልኽ ሰብ፡ ማለት ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ ሰብ ንምምልካት ተዓይዩላ ኣሎ።

b ኣብ ናይ ግንቦት 2024 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ፍርድታት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ገጽ 11፡ ሕ.ጽ. 11-13 ርአ።

c እንተ ወሓደ ኽልተ ኻብቶም ብስጋ ኣሕዋት የሱስ፡ ማለት ያእቆብን ይሁዳን፡ ንሱ ድሕሪ ሙማቱን ምትንሳኡን ሓቂ ተቐቢሎም እዮም።

d “ናብ መርዓ ወይ ናብ ቀብሪ ኽትከይድ ዲኻ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

e ያእቆብ 1:2 ምስ ማቴዎስ 5:11, 12፣ ያእቆብ 1:19 ምስ ማቴዎስ 5:22፣ ያእቆብ 1:22፣ 2:24 ምስ ማቴዎስ 7:21፣ ያእቆብ 2:13 ምስ ማቴዎስ 5:7፣ 6:14, 15 ኣረኣኢ።

f ብዛዕባ ኣተሓሕዛ እዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2002ን ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2007ን ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

g መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምውፋራ፡ ንሰብኣያ ዚብላዕን ዚስተን ተዳልወሉ።

h መግለጺ ስእሊ፦ እታ ሓብቲ እቲኣ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነት ሓማታ ትበጽሓ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ