ዓንቀጽ መጽናዕቲ 30
መዝሙር 97 ሰብ ብቓል ኣምላኽ እዩ ዚነብር
ብሕጂ እውን ካብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃርዶ ትኽእል ኢኻ፧
“ነዚ ትፈልጥዎ እኳ እንተ ዀንኩም፡ ኣብታ ኣባኻትኩም ዘላ ሓቂ እውን ብጽኑዕ ሰሪትኩም እኳ እንተ ኣለኹም፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዅሉ ሳዕ ከዘክረኩም ሓሲበ ኣለኹ።”—2 ጴጥ. 1:12።
ኣትኵሮ
ዋላ እውን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ካብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ጠቓሚ ትምህርትታት ክትረክብ ከም እትኽእል ንምሕባር።
1. ሓቂ ምስ ፈለጥካ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩልካ፧
መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትና ቐዪርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ምስ ፈለጥና፡ ንዕኡ ኽንቀርቦ ጀሚርና ኢና። (ኢሳ. 42:8) ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታት ምስ ፈለጥና ኸኣ፡ ካብቲ ሰብና ይሳቐዩ ኸይህልዉ ዚብል ሓሳብ ተናጊፍና ኢና። (መክ. 9:10) ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዘተስፈወና ገነታዊት ምድሪ ምስ ፈለጥና ድማ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበረና ጭንቀት ተቐንጢጡልና እዩ። ህይወትና ንሓጺር ግዜ ጥራይ፡ ማለት ን70 ወይ ን80 ዓመት ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ንዘለኣለም ክትቅጽል ከም እትኽእል እምነት ኣሕዲርና ኢና።—መዝ. 37:29፣ 90:10።
2. ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:12, 13 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ዋላ እውን ብሱላት ክርስትያናት ካብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ብኸመይ ንፈልጥ፧
2 ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቕሊልና ኽንርእዮ የብልናን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ናብቶም ‘ኣብ ሓቂ ብጽኑዕ ዝሰረቱ’ ክርስትያናት እዩ ጽሒፍዋ። (2 ጴጥሮስ 1:12, 13 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ካብ ውሽጢ ጉባኤ እተላዕለ መንፈሳዊ ሓደጋ ነይርዎም እዩ፣ ናይ ሓሶት መምህራንን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባትን ነይሮምዎም እዮም። (2 ጴጥ. 2:1-3) ጴጥሮስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ነዚ ሓደጋ እዚ ንምስጋር ዜኽእል ብርታዐ ኺህቦም ደለየ። ከምኡ ምእንቲ ኺገብር ኢሉ ድማ፡ ገለ ኻብቲ ድሮ ዚፈልጥዎ ትምህርትታት ጠቐሰ። እቲ ትምህርትታት እቲ ኸኣ ክሳዕ መወዳእታ ንጽህናኦም ሓልዮም ኪመላለሱ ዚሕግዞም ነበረ።
3. ኵሎም ክርስትያናት ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ወትሩ ኼስተንትኑ ኸም ዘለዎም ብምሳሌ ግለጽ።
3 ክርስትያናዊ ብስለትና እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ካብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነዚ ዜብርህ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ሓደ ምኩር ከሻንን ሓደ ጀማሪ ኸሻንን ሕደ መሰረታዊ መቓምምቲ ይጥቀሙ ይዀኑ። እቲ ምኩር ከሻኒ ግና በቲ መቓምምቲ እቲ ገይሩ፡ ከመይ ገይሩ ፍልይ ዝበለ ጥዑም ምግቢ ኸም ዜዳሉ ብንውሓት ግዜ ተማሂሩ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ኣገልገልቲ የሆዋን ሓደስቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ንመሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተፈላለየ ኣንፈት ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ካብ እንጥመቕ ኣትሒዝና ዘሎና ዅነታትን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ፍሉይ መሰላትን ተለዊጡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ነዊሕ ይገብር እተምሃርናዮ ትምህርትታት ምስቲ ህሉው ኵነታትና ኣተሓሒዝና ኽንዓይየሉ ኸለና፡ ሓድሽን ግብራውን ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ብሱላት ክርስትያናት ካብ ሰለስተ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኪምሃሩ ኸም ዚኽእሉ እስከ ንርአ።
የሆዋ ፈጣሪ እዩ
4. የሆዋ ፈጣሪና ምዃኑ ምፍላጥና፡ ብኸመይ እዩ ጸልዩና፧
4 “እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ . . . ኣምላኽ እዩ።” (እብ. 3:4) ፕላነትናን እቲ ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ህይወትን በቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛን ሓያልን ዝዀነ ፈጣሪና ኸም እተገብረ ንፈልጥ ኢና። ንዓና እውን ስለ ዝገበረና፡ ኣጸቢቑ ይፈልጠና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ይሓልየልና እዩ። ንዓና ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ነዚ ቐሊል ሓቂ ምፍላጥና፡ ማለት የሆዋ ፈጣሪና ምዃኑ ምፍላጥና፡ ዓብዪ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩልና። ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጉምን ዕላማን ኪህልዋ ኽኢሉ እዩ።
5. እንታይ ፍልጠት እዩ ትሕትና ኸነማዕብል ዚሕግዘና፧ (ኢሳይያስ 45:9-12)
5 የሆዋ ፈጣሪና ምዃኑ ምፍላጥና፡ ትሕትና ኺምህረና ይኽእል እዩ። እዮብ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ደቂ ሰብን እምብዛ ምስ ኣተኰረ፡ የሆዋ ንዕኡ፡ ንሱ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ምዃኑ ኣዘኻኸሮ። (እዮ. 38:1-4) በዚ ኸምዚ ድማ እዮብ፡ መገድታት ኣምላኽ ካብ መገድታት ሰብ ከም ዚበልጽ ኪግንዘብ ከኣለ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ካይላዶ ንሰራሕ ካይላ፡ ‘እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧’ ኪብሎ ይግባእ እዩ” ብምባል ምስዚ ዚሰማማዕ ሓሳብ ጽሒፉ ኣሎ።—ኢሳይያስ 45:9-12 ኣንብብ።
6. ምናዳ መዓስ ኢና የሆዋ ኸም ፈጣሪና መጠን ልዕል ዝበለ ምዃኑ ኸነስተንትን ዘሎና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
6 ሓደ ክርስትያን ተመክሮ እናኣጥረየ ምስ ከደ፡ መምርሒ ንምርካብ ናብ የሆዋን ናብ ቃሉን ኣብ ክንዲ ዚጽጋዕ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ርእይቶታት ዝያዳ እምንቶ ኼሕድር ይጅምር ይኸውን። (እዮ. 37:23, 24) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበብን ዕቤትን ፈጣሪኡ ብዕምቈት እንተ ሓሲቡ፡ እዚ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድረሉ፧ (ኢሳ. 40:22፣ 55:8, 9) እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ፡ ወትሩ ብትሕትና ኺመላለስን ሓሳባት የሆዋ ኻብ ሓሳባቱ ኸም ዚበልጽ ኬስተውዕልን ይሕግዞ እዩ።
ብዛዕባ ሓሳባትካ ግቡእ ኣረኣእያ ምእንቲ ኽትሕዝ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)d
7. ራሄላ ነቲ ኣብ መምርሒ እተገብረ ለውጢ ንምቕባል እንታይ እያ ገይራ፧
7 ኣብ ስሎቨንያ እትነብር ራሄላ ዝስማ ሓብቲ ብዛዕባ ፈጣሪኣ ምሕሳባ፡ ነቲ ኣብ ውድባዊ መምርሒ እተገብረ ለውጢ ኽትቅበሎ ሓጊዝዋ እዩ። ንሳ ኸምዚ ብምባል ትእመን፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ እቶም ዚመርሑና ዝገበርዎ ውሳነታት ምቕባሉ ኸቢዱኒ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣካል 2023—ቍ. 8 ድሕሪ ምርኣየይ እኳ፡ ንፈለማ ግዜ ጭሕሚ ዘለዎ ሓው መደረ ኺህብ ምስ ረኣኹ ሰምቢደ እየ። ስለዚ ድማ፡ ነዚ ለውጢ ምእንቲ ኽለምዶ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸልየ።” ድሕርዚ፡ የሆዋ ፈጣሪ ምድርን ሰማይን ስለ ዝዀነ፡ ንውድቡ ብቕኑዕ ዝዀነ ኣንፈት ናይ ምምራሕ ክእለት ከም ዘለዎ ራሄላ ተገንዘበት። ንስኻ እውን ሓድሽ ርድኢት ወይ ሓድሽ መምርሒ ምቕባል እንተ ኸቢዱካ፡ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪና ዘለዎ ብሉጽ ጥበብን ሓይልን ስለምንታይ ብትሕትና ዘይተስተንትን፧—ሮሜ 11:33-36።
ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
8. ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኸም ዚፈቅድ ምፍላጥና ብኸመይ ጠቒሙና፧
8 ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኦም ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ዘይረኸቡላ ሰባት፡ ንኣምላኽ ተቘጢዖምዎ ወይ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ደምዲሞም እዮም። (ምሳ. 19:3) ንስኻ ግና ጠንቂ መከራና የሆዋ ዘይኰነስ፡ ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ምዃኑ ተማሂርካ ኢኻ። ሳላ ትዕግስቲ የሆዋ ድማ ሚልዮናት ሰባት ንዕኡ ኺፈልጥዎ፡ ንመከራ ንሓዋሩ ብኸመይ ከም ዜወግዶ እውን ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም። (2 ጴጥ. 3:9, 15) እዚ ሓቅታት እዚ ምጽንናዕ ሂቡካ፡ ናብ የሆዋ እውን ብዝያዳ ኣቕሪቡካ እዩ።
9. ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ብዛዕባ እቲ የሆዋ መከራ ዚፈቕደሉ ምኽንያታት ክንሓስብ ዜድልየና፧
9 የሆዋ ንመከራ መወዳእታ ኺገብረሉ እናተጸበና፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ከም ዘሎና ተረዲኡና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጭንቂ፡ ግፍዒ፡ ወይ ሞት ኣባና ወይ ኣብ ቤተ ሰብና ኺበጽሕ ከሎ የሆዋ ስለምንታይ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ኸም ዘይወስድ ንሓስብ ንኸውን። (ኣን. 1:2, 3) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንጻድቕ ኪሽገር ዚፈቕደሉ ምኽንያታት እንተ ሓሰብና ጽቡቕ እዩ።a (መዝ. 34:19) ብዛዕባ እቲ ንመከራ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዜብቅዕ ንምግባር ዘለዎ ዕላማ እውን ከነስተንትን ንኽእል ኢና።
10. ኣን ነቲ ሞት ኣዲኣ ዘስዓበላ ሓዘን ብኸመይ ክትጻወሮ ኽኢላ፧
10 እቲ ብዛዕባ መከራ እንፈልጦ ሓቂ፡ ክንጻወር ይሕግዘና እዩ። ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ እትርከብ ደሴት ማዮት እትነብር ኣን ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ “ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ኣደይ ምስ ሞተትኒ፡ ኣመና እየ ሓዚነ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብመከራ ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ብተደጋጋሚ ገዛእ ርእሰይ ኣዘኻኺረ። ንዅሉ መከራ ኼወግዶ፡ ሞይቶም ንዘለዉ ሰብና እውን ኬተንስኦም ይደሊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓቅታት እዚ ምስትንታነይ፡ ዋላ እውን ንዓይ ዜገርመኒ ናይ ኣእምሮ ሰላም እዩ ዚህበኒ።”
11. የሆዋ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ምፍላጥና፡ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
11 ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ምፍላጥና፡ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ የለዓዕለና እዩ። ጴጥሮስ፡ ዚንስሑ ሰባት ሳላ ትዕግስቲ የሆዋ ኸም ዚድሕኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ብቕዱስ ኣነባብራን በቲ ንኣምላኽ ብዘሎኩም ተወፋይነት ዚርአ ግብርታትን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ ኸም ዚግብኣኩም ሕሰቡ!” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥ. 3:11) ሓደ ኻብቲ “ንኣምላኽ ብዘሎኩም ተወፋይነት ዚርአ ግብርታት” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣገልግሎት ወፍሪ እዩ። ንሕና እውን ከም ኣቦና ንሰባት ነፍቅር ኢና። ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ኪነብሩ ንደሊ ኢና። የሆዋ ነቶም ኣብ ከባቢና ዚነብሩ ሰባት፡ ንዕኡ ምእንቲ ኼምልኽዎ ብትዕግስቲ ኣጋጣሚ ይህቦም ኣሎ። እሞ ደኣ መዓይይቲ ኣምላኽ ክንከውንን መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ክንሕግዝንሲ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!—1 ቈረ. 3:9።
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና
12. “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ከም እንነብር ምፍላጥና፡ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧
12 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት ከመይ ዝበሉ ኸም ዚዀኑ ብልክዕ ገሊጹልና ኣሎ። (2 ጢሞ. 3:1-5) እዚ ትንቢት ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣብ ከባቢና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ባህርያት ሰባት እናበኣሰ ኪኸይድ ክንርኢ ኸለና፡ ቃል ኣምላኽ እሙን ምዃኑ ብዝያዳ ኢና ርግጸኛታት እንኸውን።—2 ጢሞ. 3:13-15።
13. ምስቲ ኣብ ሉቃስ 12:15-21 ዚርከብ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ብምስምማዕ፡ እንታይ ኢልና ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧
13 “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ምፍላጥና፡ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንመላለስ ይድርኸና እዩ። ካብቲ ኣብ ሉቃስ 12:15-21 ዚርከብ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ፡ ብዛዕባ ህጹጽነት እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ። (ኣንብብ።) እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ “ዓሻ” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ ብሃብቱ ኣይኰነን ከምኡ ተባሂሉ፣ የግዳስ ቀዳምነት ዚህቦ ነገራት ግጉይ ስለ ዝነበረ እዩ ኸምኡ እተባህለ። “ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኰነ” ሰብኣይ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ነቲ ነገር ህጹጽ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነቲ ሰብኣይ፡ “በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ንህይወትካ ኻባኻ ኺወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ” ኢልዎ እዩ። ሎሚ እዚ ስርዓት እዚ ናብ መወዳእታ ገጹ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ሸቶታተይ ብዛዕባ ናይ ህጹጽነት መንፈሰይ እንታይ ይሕብር፧ ንደቀይ ዘውጽኣሎም ሸቶታትከ እንታይ ይሕብር፧ ጕልበተይን ግዜይን ገንዘበይን ብቐዳምነት ንርእሰይ መዝገብ ኣብ ምእካብ ድየ ዘውዕሎ፡ ወይስ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኣብ ምእካብ፧’
14. ኣብ ተመክሮ ሚኪ ኸም እተራእየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ምስትንታን ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
14 ብዛዕባ እቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር መርትዖ እንተ ሓሲብና፡ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣመለኻኽታ ምሉእ ብምሉእ ይቕየር እዩ። ሚኪ ንዝስማ ሓብቲ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ንሳ ኸምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ፡ ብዛዕባ እንስሳታት ኣብ ዚጽንዓሉ ዓውዲ ኽኣቱ ድሌት ኣሕዲረ ነይረ። ስርዕቲ ፈላሚት ክኸውንን ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኸገልግልን እውን ሸቶ ነይሩኒ። ብሱላት ፈተውተይ ግና፡ ነቲ ዝምነዮ ዘለኹ ዓለማዊ ሞያ እናሰዓብኩ፡ መንፈሳዊ ሸቶታተይ ብሓቂ ኽወቅዕ ዝኽእል እንተ ዀይነ ተጠንቂቐ ኽሓስበሉ መኺሮምኒ። እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ቀረባ ኸም ዜብቅዕ ድማ ኣዘኻኺሮምኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ ዚኣኽለኒ ኣብ እንስሳታት መጽናዕቲ ንምግባር መወዳእታ ዘይብሉ ግዜ ኺህልወኒ እዩ። ስለዚ፡ ሓጺርን ግብራውን ትምህርቲ መሪጸ። እዚ ድማ ስርዕቲ ፈላሚት ክኸውን፡ ደሓር ድማ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኤኳዶር ክግዕዝ ዜኽእለኒ ስራሕ ክረክብ ሓጊዙኒ።” ሕጂ ሚኪን ሰብኣያን ኣብታ ሃገር እቲኣ ኣብ ዕዮ ወረዳ የገልግሉ ኣለዉ።
15. ሰባት ነቲ ብስራት እንታይ ምላሽ እዮም ኪህቡ ዚኽእሉ፧ ኣብነት ሃብ። (ስእልታት እውን ርአ።)
15 ሰባት ኣብ መጀመርታ ነቲ ብስራት እንተ ዘይተቐበልዎ፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ኣተሓሳስባኦም ኪቕይሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ያእቆብ ሓው የሱስ እስከ ንርአ። ንሱ ንየሱስ፡ ኪዓቢ ከሎ፡ መሲሕ ኪኸውን ኸሎ፡ ብሉጽ ብዝዀነ መገዲ እውን ኪምህር ከሎ ርእይዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዓመታት ኣይሰዓቦን። የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ግና፡ ወደ መዝሙሩ ዀነ፣ እኳ ደኣስ ብቕንኣት ዜገልግል ወደ መዝሙሩ ዀነ!b (ዮሃ. 7:5፣ ገላ. 2:9) ስለዚ፡ ነቶም ተገዳስነት ዘይነበሮም ኣዝማድካ ወይ ነቶም ኣቐዲሞም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይተቐበሉ ሰባት ዳግም ብጽሓዮም። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ኣይትረስዕ፣ ስለዚ፡ ስብከትና ብህጹጽ ኪዕየ ኣለዎ። እቲ ሕጂ እንብሎም ነገር፡ ደሓር ጽልዋ ኼሕድረሎም ይኽእል እዩ። ምናልባት እቲ ብርቱዕ ጸበባ ድሕሪ ምጅማሩ ጽልዋ የሕድረሎም ይኸውን።c
ብዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ተስፋ ምእንቲ ኸይንቘርጽ፡ እንታይ ኬለዓዕለና ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)e
ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ወትሩ ኣመስግነሉ
16. ካብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ብኸመይ ኢኻ ተጠቒምካ፧ (“ንሰባት ንምሕጋዝ ተጠቐመሉ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
16 ገለ ኻብቲ ዚቐርበልና መንፈሳዊ ምግቢ፡ ነቶም መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ሰሚዖም ዘይፈልጡ ሰባት እዩ ዚዳሎ። ንኣብነት፡ ሰሙናዊ ዚቐርበልና ህዝባዊ መደረ፡ ኣብ jw.org ዚወጽእ ገሊኡ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን፡ ከምኡ ድማ ንህዝቢ ዚዳሎ መጽሔታትና ብቐዳምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት እዩ ዚዳሎ። ይኹን እምበር፡ ካብዚ መዘኻኸሪታት እዚ ንጥቀም ኢና። ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ነዕምቝ፡ ኣብ ቃሉ ዘሎና እምነት ነደልድል፡ መሰረታዊ ሓቅታት ንኻልኦት ክንምህር ከለና እውን ብዝያዳ ውጽኢታውያን ንኸውን ኢና።—መዝ. 19:7።
17. ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢኻ ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተስተንትን እትኽእል፧
17 ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዘሎና ርድኢት ኪንጽር ከሎ ንሕጐስ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብ ፈለማ ናብ ሓቂ ዝሰሓበና መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣዚና ነማስወሉ ኢና። ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሒ ሓዲግና ብናትና ርእይቶ ኽንመላለስ እንተ ተፈቲንና፡ እቲ ዅሉ ዚኽእልን ካብ ኵሉ ዝበለጸ ጥበብ ዘለዎን ፈጣሪና ነዛ ውድብ እዚኣ ኸም ዚመርሓ ብትሕትና ንዘክር። ንሕና መከራ ኸነሕልፍ ከለና ወይ እንፈትዎ ሰብና መከራ ኼሕልፍ ከሎ፡ ትዕግስቲ ኽንገብርን የሆዋ መከራ ኺህሉ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደን ከነስተንትን ንኽእል ኢና። ግዜናን ጥሪትናን ኣበይ ከም እነውዕሎ ኽንውስን ከለና ኸኣ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንመላለስ ከም ዘሎና ኽንዝክር ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ካብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ብርታዐን ድራኸን ጥበብን ንርከብ።
መዝሙር 95 እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ
a ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2007 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 21-25 ዝወጸት፡ “ኵሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!—ስለምንታይ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
c ኣብ ናይ ግንቦት 2024 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 8-13 ዝወጸት፡ “ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ፍርድታት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
d መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ዘቕረቦ ሓሳብ ብኣካል ሽማግለታት ተቐባልነት ኣይረክብን። ደሓር፡ ከዋኽብቲ ናብ ዝመልኦ ሰማይ ይጥምት፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሓሳባቱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኼሕድር ይድርኾ።
e መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትገብር ከላ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም እንነብር ዚሕብር መርትዖ ትምርምር። እዚ ድማ ንሓብታ ኽትድውለላን ክትምስክረላን የለዓዕላ።