ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ነሓሰ ገጽ 26-30
  • ካብ ሕንኪ ናብ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ዝገበርክዎ ጕዕዞ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ሕንኪ ናብ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ዝገበርክዎ ጕዕዞ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ
  • ሚስዮናዊት ንምዃን ሸቶ ገበርኩ
  • ብውግእ ኣብ እተሓመሰት ሃገር ኣገልገልና
  • ሓድሽ ብድሆታት
  • ብሕታዊ ፈተናታት
  • ደገፍ የሆዋ ብምርካበይ አመስግን እየ
  • ኣብ ቡልጋርያ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ተዓዊቱ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • የሆዋ ‘ንመገድታተይ ኣቕኒዕዎ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ንየሆዋ ኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሕልመይ፡ ኣብ ተሽከርካሪ ምንባር እዩ ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ነሓሰ ገጽ 26-30
ማሪኣን ቨርትሆልዝ።

ታሪኽ ህይወት

ካብ ሕንኪ ናብ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ዝገበርክዎ ጕዕዞ

ማሪኣን ቨርትሆልዝ ዘዘንተወቶ

ብቝልዕነተይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ሓናኽን ፈራህን እየ ነይረ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ብሰባት ዝግደስ ሚስዮናዊት ምእንቲ ክኸውን የሆዋ ሓጊዙኒ እዩ። ብኸመይ፧ ኣብ መጀመርታ፡ ብኣቦይ ኣቢሉ መምርሒ ብምሃብ እዩ ኸምኡ ገይሩለይ። ድሕሪኡ፡ ሓንቲ ጐርዞ ሓብቲ ሰናይ ኣብነት ከም እትዀነኒ ብምግባር እዩ ኸምኡ ገይሩለይ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ በቲ ሰብኣየይ ብለውሃትን ብትዕግስትን እተዛረቦ ቓላት ኣቢሉ እዩ ኸምኡ ገይሩለይ። ሕጂ እምበኣር፡ ጕዕዞ ህይወተይ ከዘንትወልኩም።

ብ1951 ኣብ ቭየና፡ ኦስትርያ፡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ካብ ዝዀኑ ስድራ ቤት እየ ተወሊደ። ሓናኽ እየ ነይረ። እንተዀነ ግና፡ ብኣምላኽ እኣምን፡ ብዙሕ ሳዕ እውን እጽሊ ነይረ። ጓል ትሽዓተ ምስ ኰንኩ፡ ኣቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ጀመረ። ኣደይ እውን ቍሩብ ጸኒሓ ተጸምበረቶ።

ምስ ሓብተይ ኤሊዛቤት (ብጸጋም)

ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ክፍሊ እታ ኣብ ቭየና እትርከብ ጉባኤ ዱብሊንግ ኰንና። ብስድራ ቤት ብዙሕ ነገር ብሓባር ኢና እንገብር ኔርና። መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብን ነጽንዕን፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንእከብ፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ወለንተኛታት ኴንና ነገልግል ነበርና። ኣቦይ ገና ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዙ፡ ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ ተኸለለይ። ጸሎቱ ድማ ኣነን ሓብተይን ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ናተይ ሸቶ ኸምኡ ኣይነበረን።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ

ብ1965 ጓል 14 ዓመት ከለኹ ተጠመቕኩ። ኣብ ኣገልግሎት ንዘይፈልጦም ሰባት ቀሪብካ ምዝርራብ ግና ይኸብደኒ ነበረ። ምስ ናይ ትሑትነት ስምዒት እቃለስ ብምንባረይ ከኣ፡ ብኻልኦት መንእሰያት ተቐባልነት ምእንቲ ኽረክብ ሒዅ እብል ነበርኩ። ስለዚ፡ ድሕሪ ጥምቀተይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ንየሆዋ ምስ ዘየገልግሉ ሰባት ክቀራረብ ጀመርኩ። ነቲ ምሳታቶም ዝነበረኒ ቕርርብ እኳ እንተ ፈቶኽዎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዘይኰኑ ሰባት ብዙሕ ግዜ አሕልፍ ብምንባረይ ግና ሕልናይ ረበሸኒ። ለውጢ ንምግባር ዜኽእል ብርታዐ ግና ኣይነበረንን። እሞ ደኣ እንታይ እዩ ሓጊዙኒ፧

ማሪኣንን ዶሮቲን።

ካብ ዶሮቲ ብዙሕ እየ ተማሂረ (ብጸጋም)

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ 16 ዓመት ዝዕድሚኣ ዶሮቲ ዝስማ ጓል ናብ ጉባኤና መጸት። እቲ ንሳ ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ዝነበራ ቕንኣት ከኣ መሰጠኒ። ኣነ ኻብኣ ቝሩብ ዝዓቢ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ግና ክሳዕ ክንድቲ ንጥፍቲ ኣይነበርኩን። ስለዚ፡ ‘ንዓይ ወለደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም፣ ንዶሮቲ ግና ካብ ስድራ ቤታ ዋላ ሓደ ኣብ ሓቂ የሎን። ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዘለዋ ኣዲኣ እያ እትነብር፣ ኵሉ ሳዕ ግና ናብ ኣገልግሎት ትወጽእ እያ’ ኢለ ሓሰብኩ። እቲ ሰናይ ኣብነታ ድማ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸገልግሎ ኣለዓዓለኒ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ኣነን ዶሮቲን ኣብ ፈላምነት መገላግልቲ ዀንና። ፈለማ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና ኣገልገልና። ጸኒሕና ድማ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጀመርና። እቲ ዶሮቲ ዝነበራ ውዕዉዕ ስምዒት ተመሓላላፊ እዩ ነይሩ። ንፈለማ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከጀምር ዝኸኣልኩ፡ ብናታ ሓገዝ እዩ ነይሩ። እናሓደረ ድማ ንሰባት ኣብ ቤቶምን ኣብ ጐደናን ኣብ ካልእ ኵነታትን ቀሪበ ንምዝርራብ እናፈዀሰኒ ኸደ።

ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ ናይ መጀመርታ ዓመት፡ ሃይንዝ ዝስሙ ኦስትርያዊ ሓው ናብ ጉባኤና መጸ። ንሱ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ሓዉ ንምብጻሕ ናብ ካናዳ ምስ ከደ እዩ ሓቂ ፈሊጡ። ሃይንዝ ኣብ ቭየና ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ናብ ጉባኤና ተመደበ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዘ እየ ፈትየዮ። ኰይኑ ግና፡ ንሱ ሚስዮናዊ ኪኸውን ይደሊ ነበረ፣ ኣነ ግና ሚስዮናዊት ክኸውን ሓሳብ ኣይነበረንን። ስለዚ፡ ኣብ መጀመርታ ንዕኡ ዝነበረኒ ስምዒት ዓበጥክዎ። ደሓር ግና ተቓራረብና፡ ተመራዓውና፡ ኣብ ኦስትርያ ብሓባር ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል እውን ጀመርና።

ሚስዮናዊት ንምዃን ሸቶ ገበርኩ

ሃይንዝ ብዛዕባ እቲ ሚስዮናዊ ዀይኑ ንምግልጋል ዝነበሮ ድሌት ብዙሕ ሳዕ ይዛረብ ነበረ። ጸቕጢ እኳ እንተ ዘይገበረለይ፡ ዜለዓዕል ሕቶታት ግና ይሓትተኒ ነበረ። ንኣብነት፡ “ውሉዳት ስለ ዘይብልና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋዶ ብዝያዳ ኽንገብር ኣይንኽእልን፧” ኢሉ ይሓትተኒ ነበረ። ብባህርየይ ሓናኽ ስለ ዝነበርኩ፡ ሚስዮናውነት የፍርሃኒ ነበረ። ፈላሚት ኰይነ እኳ አገልግል እንተ ነበርኩ፡ ሚስዮናዊ ዄንካ ምግልጋል ዚብልዎ ሓሳብ ግና ልዕሊ ዓቕመይ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ሃይንዝ ወትሩ ነቲ ሸቶ እቲ ይቝስቍሶ ነበረ። ብዛዕባ ርእሰይ ኣብ ክንዲ ዝጭነቕ፡ ብዛዕባ ሰባት ኣብ ምሕላይ ከተኵር እውን የተባብዓኒ ነበረ። ምኽሩ ድማ ብሓቂ እዩ ጠቒሙኒ።

ብ1974 ሃይንዝ ኣብ ዛልትስቡርግ፡ ኦስትርያ ኣብ እትርከብ ቋንቋ ዩጎስላቭያኛ እትጥቀም ንእሽቶ ጉባኤ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እናመርሐ

በብቝሩብ ኣብ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ንምእታው ድሌት ኣማዕበልኩ። ስለዚ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንኣቱ ኣመልከትና። ይኹን እምበር፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኣገልጋሊ ጨንፈር፡ ኣነ እንግሊዝኛይ ከመሓይሽ ሓሳብ ኣቕረበልና። እንግሊዝኛይ ንምምሕያሽ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምጽዓረይ፡ ብሃንደበት ኣብ ዛልትስቡርግ፡ ኦስትርያ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ዩጎስላቭያኛ ኸነገልግል ተመደብና። ኣብቲ ዚቕጽል ሸውዓተ ዓመት ኣብኡ ኣገልገልና፣ ካብቲ ሸውዓተ ዓመት እውን ሓደ ዓመት ኣብ ዕዮ ወረዳ ኢና ኣገልጊልና። ቋንቋ ሰርብዮ-ክሮአሽያ ኣጸጋሚ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ነበሩና።

ድሕርዚ ብ1979 “ንዕረፍቲ” ናብ ቡልጋርያ ኽንከይድ ሕቶ ቐረበልና። ኣብኡ ዕዮ ስብከትና ተኣጊዱ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ እዋን “ዕረፍትና” ዋላ ሓንቲ ኣይሰበኽናን። እንተዀነ ግና፡ ኣብታ ርእሰ ኸተማ ዝዀነት ሶፍያ ንዚነብራ ሓሙሽተ ኣሓት ዚኸውን ብደቂቕ ፊደላት እተጻሕፈ ጽሑፋት ሓቢእና ናብታ ሃገር ኣእቶና። ኣመና ፈሪሀ እኳ እንተ ነበርኩ፡ የሆዋ ግና ሓገዘኒ። እተን ኣሓት እቲአን፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኺዳጐና ዚኽእላ እኳ እንተ ነበራ፡ ተባዓትን ሕጉሳትን እየን ነይረን። እዚ ሰናይ ኣብነተን ድማ፡ ውድብ የሆዋ እትሓትተኒ ዘበለ ኽገብር ትብዓት ኰነኒ።

ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ናብ ጊልዓድ ንምእታው ዳግም ኣመልከትና፣ ሽዑ ድማ ተቐባልነት ረኸብና። ነቲ ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እንምሃሮ እዩ መሲሉና ነይሩ። ኣብ ሕዳር 1981 ግና፡ ኣብቲ ኣብ ቪስባደን፡ ጀርመን ዚርከብ ጨንፈር፡ ትምህርቲ ጊልዓድ ኪውሃብ ተጀመረ። ስለዚ፡ ነቲ ትምህርቲ ብጀርመንኛ ኽንምሃሮ ኸኣልና፣ እዚ ኸኣ ንዓይ ዝቐለለ እዩ ነይሩ። ድሕርዚ ግና፡ ኣበይ ኢና ተመዲብና፧

ብውግእ ኣብ እተሓመሰት ሃገር ኣገልገልና

ሽዑ ናብ ኬንያ ተመደብና! ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኬንያ ግና፡ ኣብታ ኣብ ጐረቤቶም እትርከብ ሃገረ ኡጋንዳ ኸነገልግል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ሓተተና። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ብጀነራል ኢዲ ኣሚን ብዚምራሕ ወተሃደራዊ ዕልዋ ተገልቢጡ ነበረ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ብሰንኪ እቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣሽሓት ተቐቲሎም፡ ሚልዮናት እውን መከራ ኣሕሊፎም እዮም። ድሕርዚ ብ1979 መንግስቲ ኡጋንዳ ዳግም ተገልበጠ። ስለዚ፡ ናብታ ብውግእ እተሓመሰት ሃገር ንምግዓዝ ስግኣት ሓዲሩኒ ነበረ። ጊልዓድ ግና ብየሆዋ ኽንኣምን ኣዳልዩና ነበረ። ስለዚ፡ “ሕራይ” ኢልና መለስና።

ሽዑ፡ ኣብ ኡጋንዳ ዕግርግር እዩ ነይሩ። ሃይንዝ ኣብ ዓመት መጽሓፍ 2010 ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ከም ቀረብ ማይን መራኸብን ዝኣመሰለ ሓያሎ ኣገልግሎታት ኣቋሪጹ እዩ ነይሩ። . . . ምናዳ ለይቲ፡ ተዅስን ዝምታን ልሙድ እዩ ነይሩ። . . . ኵሉ ሰብ ብለይቲ ዘረፍቲ ኸይመጽዎ እናተመነየን እናጸለየን እዩ ኣብ ቤቱ ተዓጽዩ ዚሓድር ነይሩ።” እዚ ጸገማት እዚ እናሃለወ ኽነሱ ግና፡ እቶም ኣብታ ዓዲ ዝነበሩ ኣሕዋትና ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ እዮም ነይሮም!

ኣብ እንዳ ዋኢስዋ ምግቢ እናኣዳሎና

ብ1982 ኣነን ሃይንዝን ናብታ ርእሲ ኸተማ ኡጋንዳ ዝዀነት ካምፓላ ኸድና። ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ እንዳ ሳም ዋኢስዋን ክሪስቲና ዋኢስዋን ምስ ሓሙሽተ ደቆምን ኣርባዕተ ኻልኦት ቤተ ሰቦምን ተቐመጥና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓውና ዋኢስዋን ብዓልቲ ቤቱን ቤተ ሰቡን ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ጥራይ እዮም ዚበልዑ ነይሮም። ስለዚ፡ ንዓና ኸም ኣጋይሽ ምቕባሎም ብሓቂ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ምስ እንዳ ዋኢስዋ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ኣነን ሃይንዝን ንናይ ሚስዮናውነት ህይወትና ዝጠቐመና ብዙሕ ግብራዊ ትምህርትታት ረኺብና ኢና። ንኣብነት፡ ከመይ ጌርና ብሒደት ማይ ሰብነትና ኸም እንሕጸብ፡ ነቲ ሕጻብ እውን ንሽቓቕ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ተማሂርና ኢና። ብ1983 ብዝሓሸ ውሑስ ኣብ ዝዀነ ኽፋል ካምፓላ ቤት ረኸብና።

ነቲ ኣገልግሎት ኣዚና ኢና ፈቲናዮ። ትዝ ይብለኒ ኣብ ሓንቲ ወርሒ ልዕሊ 4,000 መጽሔት ኢና ኣበርኪትና! ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቶም ሰባት ኢና እንፈትዎም ኔርና። ንኣምላኽ ኣኽብሮት ነይርዎም፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኪዛራረቡ ይደልዩ ነይሮም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣነን ሃይንዝን ነፍሲ ወከፍና ኻብ 10 ኽሳዕ 15 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ነይሮምና። ካብቶም ተምሃሮና እውን ብዙሕ ተማሂርና ኢና። ንኣብነት፡ ወትሩ ፍሽኽ ኢሎም ከየማረሩ ኣብ ሰሰሙን ብእግሮም ናብ ኣኼባታት ኪመላለሱ ብምርኣይና፡ ነቲ ኣወንታዊ መንፈሶም ነድንቖ ኔርና ኢና።

ብ1985ን ብ1986ን፡ ኣብ ኡጋንዳ ኽልተ ወተሃደራዊ ግጭታት ተኻይዱ እዩ። ብዙሕ ግዜ፡ ቈልዑ ብረት ዓጢቖም መፈተሺ ነቝጣ ኺሕልዉ ርኢና ኢና። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ግዱሳት ከነናዲ ኸለና፡ ምስትውዓልን ህዱእ ልብን ኪህልወና ንጽሊ ኔርና ኢና። የሆዋ እውን ንጸሎትና መሊሱልና እዩ። ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበል ሰብ ምስ ረኸብና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንፍርህና ንርስዖ ኔርና ኢና።

ኣነን ሃይንዝን ምስ ተትያና (ኣብ ማእከል)

ንወጻእተኛታት እውን ንምስክረሎም ኔርና ኢና። ንኣብነት፡ ካብ ታታርስታን (ማእከላይ ሩስያ) ንዝመጹ ሙራት ኢበቱሊንን ዲልባር ኢበቱሊንን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕናሎም ኢና። ሙራት ብዓል ሞያ ሕክምና እዩ ነይሩ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ናብ ሓቂ መጺኦም እዮም፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ንጡፋት እዮም። ድሕርዚ፡ ምስ ሓንቲ ርእሳ ኽትቀትል ትሓስብ ዝነበረት ተትያና ቪለይስካ ዝስማ ዩክረይናዊት ሰበይቲ ተራኸብኩ። ተትያና ምስ ተጠምቀት ናብ ዩክረይን ተመልሰት። ደሓር ድማ፡ ተርጓሚት ጽሑፋትና ዀይና ኣገልገለት።a

ሓድሽ ብድሆታት

ብ1991 ኣነን ሃይንዝን ንዕረፍቲ ናብ ኦስትርያ ምስ ከድና፡ ኣብታ ዓዲ ዚርከብ ጨንፈር፡ ሓድሽ ምድብ ከም እተዋህበና ሓበረና። እቲ ሓድሽ ምድብና ድማ፡ ቡልጋርያ ነበረ። ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ስርዓት ኮምዩኒዝም ድሕሪ ምፍራሱ፡ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቡልጋርያ ሕጋዊ ዀይኑ ተመዝገበ። ኣቐዲመ ኸም ዝጠቐስክዎ፡ ዕዮና ኣብታ ዓዲ ተኣጊዱ ኸሎ፡ ኣነን ሃይንዝን ጽሑፋት ብሕቡእ ናብታ ዓዲ ኣእቲና ኔርና ኢና። ኣብዚ ዳሕረዋይ ኣጋጣሚ ግና፡ ክንሰብኽ ኢና ናብታ ዓዲ ተላኢኽና።

ናብ ኡጋንዳ ኽንምለስ ከም ዘየድልየና፡ መምርሒ ተዋህበና። ስለዚ፡ ኣቕሑና ንምጥርናፍ ወይ ንፈተውትና ንምስንባት ናብ ሚስዮናዊ ቤትና ኸይተመለስና፡ ናብቲ ኣብ ጀርመን ዚርከብ ጨንፈር ድሕሪ ምኻድ ማኪና ሒዝና ናብ ቡልጋርያ ተጕዓዝና። ኣብ ሶፍያ ኣብ እትርከብ ኣስታት 20 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ጕጅለ ድማ ተመደብና።

ኣብ ቡልጋርያ ሓድሽ ብድሆታት ኣጋጠመና። ብቐዳምነት፡ ነቲ ቛንቋ ኣይንፈልጦን ኢና ኔርና። ብተወሳኺ ድማ፡ ብቡልጋርያኛ ዚርከብ ዝነበረ ጽሑፋት፡ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ እትብሃልን መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትብሃልን ጥራይ እየን ነይረን። መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር እውን ከቢድ እዩ ነይሩ። እዚ ብድሆታት እዚ እናሃለወ ኽነሱ፡ እቶም ብቕንኣት ዜገልግሉ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቐጻሊ ዕቤት ይገብሩ ነበሩ። እንተዀነ ግና፡ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ነዚ ኣስተብሃለትሉ፣ ድሕርዚ ድማ ብርቱዕ ጸገማት ኣጋጠመና።

ብ1994 ሕጋውነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሰረዘ፡ ከም ክልኩል ኑፋቐ ገይሮም እውን ኪሕዙና ጀመሩ። ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ። መራኸቢ ብዙሓን ድማ፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቆም ይቐትሉ፡ ንደቂ እምነቶም እውን ርእሶም ኪቐትሉ የእምንዎም’ ብምባል ዜስካሕክሕ ሓሶት ነዝሑ። ብሰንኪ እዚ ኣነን ሃይንዝን ምስባኽ ተጸገምና። ዓው ኢሎም ዚጭድሩልና፡ ፖሊስ ዚጽውዑልና፡ ዝረኸብዎ ነገር ዚድርብዩልና ቝጡዓት ሰባት ብዙሕ ሳዕ የጋጥሙና ነይሮም። ናብታ ሃገር ጽሑፋት ከነእቱ ኣይከኣልናን። ንኣኼባታት ዚኸውን ኣዳራሽ ምክራይ እውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዀነ። ሕሉፍ ሓሊፎም ፖሊስ ንሓደ ዓብዪ ኣኼባና በተንዎ። ኣነን ሃይንዝን ከምዚ ዓይነት ጽልኢ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ምስቲ ብዙሕ ፍረ ዚርከበሉን ጥዑማት ሰባት ዘለውዎን ኡጋንዳ ኸተነጻጽሮ ኸለኻ፡ ዓብዪ ፍልልይ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ነዚ ለውጢ እዚ ብኸመይ ኢና ኽኢልናዮ፧

ካብቲ ምስቶም ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝነበረና ቕርርብ ሓጐስ ንረክብ ነበርና። ንሳቶም ሓቂ ብምርካቦም ሕጉሳት እዮም ነይሮም፣ ነቲ ንሕና እንህቦም ሓገዝ እውን የማስዉሉ ነይሮም እዮም። ኵላትና ንሓድሕድና ንደጋገፍን ነበርና። ኣብ ሰባት እንተ ኣተኲርና፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ምድብ ሕጉሳት ክንከውን ከም እንኽእል ካብዚ ተመክሮ እዚ ተማሂርና ኢና።

ማሪኣን ቨርትሆልዝን ሃይንዝ ቨርትሆልዝን።

ብ2007 ኣብ ጨንፈር ቡልጋርያ

ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኵነታት ተመሓየሸ። ብ1998፡ ውድብና ዳግም ሕጋዊት ኰይና ተመዝገበት። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ብዙሕ ጽሑፋት ብቡልጋርያኛ ተዳለወ። ድሕርዚ ብ2004 ሓድሽ ህንጻ ጨንፈር ተወፈየ። ሎሚ ኣብ ቡልጋርያ 2,953 ኣስፋሕቲ ዘለውወን 57 ጉባኤታት ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ድማ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ብድምር 6,475 ተኣከብቲ ነበሩ። ኣብታ ሓደ እዋን ሓሙሽተ ኣሓት ጥራይ ዝነበራኣ ኸተማ ሶፍያ፡ ሕጂ ትሽዓተ ጉባኤታት ኣለዋ! እወ፡ “እቲ ሒደትሲ ሽሕ” ኪኸውን ርኢና ኢና።—ኢሳ. 60:22።

ብሕታዊ ፈተናታት

ኣብ ህይወተይ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣጓኒፉኒ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ሰብነተይ ጥረ ገይረ ነይረ እየ፣ ሓዲኡ እውን ኣብ ርእሰይ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ናብ ህንዲ ብምኻድ፡ ናይ ጸርጊ ሕክምና ተዋሂቡኒ፡ ንመብዛሕትኡ እቲ ጥረ ንምውጋድ እውን 12 ሰዓት ዚወስድ መጥባሕቲ ተገይሩለይ እዩ። ክሳዕ ዚሕሸኒ ኣብ ጨንፈር ህንዲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ምድብና ናብ ቡልጋርያ ተመለስና።

ሃይንዝ እውን ሕማም ሃንቲንግተን ብዚብሃል ብዘርኢ ዚውረስ ሕማም ተጠቕዐ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ንኣካይዳኡን ንዘረባኡን ንምንቅስቓሳቱን ኪቈጻጸር ኣይከኣለን። እቲ ሕማም እናገደዶ ምስ ከደ፡ ብዝያዳ ደገፈይ ኬድልዮ ጀመረ። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ዓቕለይ ይጸብበኒ ነበረ፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ክጭነቕ ጀመርኩ። ቦቢ ዝስሙ መንእሰይ ሓው ግና ኣዘውቲሩ ንሃይንዝ ናብ ስብከት ይወስዶ ነበረ። ሃይንዝ ንዘረባኡ ዀነ ንምንቅስቓሳቱ ኺቈጻጸር ዘይምኽኣሉ፡ ንቦቢ ኣየሕፈሮን። ኣነ ንሃይንዝ ክድግፎ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን፡ ቦቢ ወትሩ ይሕግዘኒ ነበረ። ኣነን ሃይንዝን ኣብዚ ስርዓት እዚ ውሉዳት ንዘይምውላድ እኳ እንተ ወሰንና፡ የሆዋ ንቦቢ ኸም ወድና ገይሩ ኸም ዝሃበና እዩ ዚስምዓና።—ማር. 10:29, 30።

ብዘይካዚ፡ ሃይንዝ ሕማም መንሽሮ ገበረ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ እዚ ፍቑር ሰብኣየይ ብ2015 ሞተ። ሃይንዝ ምስ ሞተ፡ ዝገብሮ እዩ ሓርቢቱኒ፣ ሞቱ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ተዘክሮይ ህያው እዩ ዘሎ! (ሉቃ. 20:38) ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ነቲ ጥዑም ቃላቱን ጽቡቕ ምኽሩን ብዙሕ ሳዕ ብንጹር እዝክሮ እየ። ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ከነገልግል ብምኽኣልና፡ ኣዝየ እየ ዘመስግን።

ደገፍ የሆዋ ብምርካበይ አመስግን እየ

የሆዋ ኣብ ኵሉ መከራይ ብርግጽ ደጊፉኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሕንከይ ከሰንፍ፡ ብሰባት ዝግደስ ሚስዮናዊት እውን ክኸውን ሓጊዙኒ እዩ። (2 ጢሞ. 1:7) ሳላ የሆዋ፡ ኣነን ምንኣሰይ ሓብተይን ንየሆዋ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነገልግሎ ኣለና። ሎሚ ንሳን ብዓል ቤታን ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዚርከብ ወረዳ ሰርብያ የገልግሉ ኣለዉ። እቲ ኣቦይ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝጸለዮ ጸሎት ተመሊሱ እዩ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሮ መጽናዕቲ፡ ውሽጣዊ ሰላም ይህበኒ እዩ። ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ድማ፡ ከም የሱስ፡ ‘ብዝያዳ ኣጽኒዐ’ ምጽላይ ተማሂረ እየ። (ሉቃ. 22:44) ሓደ ኻብቲ መልሲ ጸሎተይ ከኣ፡ እቲ ኣብ ጉባኤ ናድየዥዳ፡ ሶፍያ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ዜርእዩኒ ፍቕርን ለውሃትን እዩ። ንሳቶም ምሳይ ግዜ ንምሕላፍ ይዕድሙኒ፡ ብዙሕ ሳዕ እውን ሞሳኦም ይገልጹለይ እዮም፣ እዚ ድማ ኣመና የሐጕሰኒ እዩ።

ብዛዕባ ትንሳኤ ብዙሕ ሳዕ አስተንትን እየ። ወለደይ ከምታ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ዝነበርዋ ውቁባት ኰይኖም ኣብ ቅድሚ ቤትና ደው ኢሎም ብኣእምሮይ እስእሎ እየ። ሓብተይ እውን ምግቢ ኸተዳልወልና ኸላ ትርኣየኒ እያ። ንሃይንዝ ኸኣ ኣብ ጥቓ ፈረሱ ደው ኢሉ እየ ዝስእሎ። ከምዚ ዓይነት ስእልታት ንኣሉታዊ ስምዒታተይ ይስርዞ፡ ንልበይ እውን በቲ ንየሆዋ ዘሎኒ ምስጋና ይመልኦ እዩ።

ብዛዕባ ህይወተይ ክሓስብ፡ ናብ መጻኢ እውን ክጥምት ከለኹ ነቲ ኣብ መዝሙር 27:13, 14 ዚርከብ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ዳዊት ብምሉእ ልበይ እሰማምዓሉ እየ፦ “ሕያውነት የሆዋ ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ እንተ ዘይኣምንሲ እንታይ ምዀንኩ፧ ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣ ትባዕ፡ ልብኻ እውን ኣበርትዕ። እወ፡ ብየሆዋ ተስፋ ግበር።”

a ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ተትያና ቪለይስካ፡ ኣብ ናይ 22 ታሕሳስ 2000 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 20-24 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ