ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እዚ ሕጂ ዚዕየ ዘሎ ዕዮ ስብከት መዓስ እዩ ዚውዳእ፧
የሱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 24:14) እታ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣን ኣብ ፍቕዲ 6ን 13ን “መወዳእታ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ተሎስ እያ እትብል። እታ ቓል ድማ ነቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣብ ኣርማጌዶን ዜብቅዓሉ ናይ መወዳእታ መጨረሽታ ተመልክት። (ራእ. 16:14, 16) ስለዚ፡ ክሳዕ እቲ ቕድሚ ናይ መወዳእታ መጨረሽታ ዘሎ ግዜ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ኢና። እዚ ኣብ ርድኢትና እተገብረ ምትዕርራይ እዩ።
ኣቐዲምና፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ኣቢሉ ምስ ጀመረ፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ከም እነብል ኢና እንኣምን ኔርና። (ራእ. 17:3, 5, 15, 16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ምሳልያዊ “ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋ” ኸም ዜብቅዕ ኢና እንኣምን ኔርና። (ኢሳ. 61:2) እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ ዘበሉ፡ ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ንየሆዋ ዘለዎም ተወፋይነት ኬርእዩ ኸም ዚግብኦም ድማ ይመስለና ነይሩ። ምስቶም ብ607 ቅ.ክ. ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝደሓኑ ኣይሁድ እውን ነነጻጽሮም ኔርና። እቶም ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝደሓኑ ውልቀ ሰባት እቲኦም፡ ንየሆዋ ዜምልኹን እከይ ዚጸልኡን ብምንባሮም፡ ኣቐዲምካ ምልክት ተገይሩሎም ነይሩ እዩ። (ህዝ. 5:11፣ 9:4) እዚ ንጽጽር እዚ ግና፡ ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከብ ቃላት የሱስ ኣይሳነን እዩ፣ ኣብታ ፍቕዲ እቲኣ፡ ክሳዕ ቀቅድሚ እቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዜብቅዕ ናይ መወዳእታ መጨረሽታ ዘሎ ግዜ፡ ሰባት ነቲ ብስራት ንምስማዕ ኣጋጣሚ ኸም ዚህልዎም ተሓቢሩ ኣሎ።
ሕጂ ብዛዕባ ማቴዎስ 24:14 ዘሎና ዝነጸረ ርድኢት፡ ነቲ ኣብ ራእይ 16:21 ዚርከብ ብዛዕባ እቲ ኸም በረድ ዝበለ መልእኽቲ ዝነበረና ርድኢት ኣዐርይዎ እዩ። ተወሳኺ ምርምር ምስ ተገብረ፡ እዘን ክልተ ጥቕስታት እዚአን ሓዲአን ነታ ሓንቲ ኸም መመላእታ ኸም ዝዀነት ክንርዳእ ክኢልና ኣለና። ብኸመይ፧ እቲ ቐንዲ ነጥቢ፡ ኣብቲ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህብዎ ምላሽ እዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነቶም ዚድሕኑ፡” መልእኽቲ እቲ ብስራት “መዓዛ ህይወት” ከም ዝዀነ ጽሒፉ ኣሎ። ንጸላእቲ ኣምላኽ ግና፡ “ሽታ ሞት” ወይ ክፉእ ወረ እዩ። (2 ቈረ. 2:15, 16) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነታ ናታቶም ዓለም እክይትን ሰይጣን ዝገዛኢኣን ናብ ጥፍኣት እተምርሕን ምዃና ስለ ዜቃልዓ፡ ነቲ መልእኽቲ እቲ ይጸልእዎ እዮም።—ዮሃ. 7:7፣ 1 ዮሃ. 2:17፣ 5:19።
ብዘይካዚ፡ እቲ ምሳልያዊ በረድ “ኣዝዩ ዓብዪ” ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ተሪር ከም ዚኸውን፡ ማለት ስም የሆዋ ኻብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኸም ዚፍለጥ ይሕብር። (ህዝ. 39:7) እሞ ደኣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ማለት ድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን፡ ገሊኦም ናብቲ መልእኽቲ ኸም ናብ ምዑዝ ሽታ ኺስሓቡ ድዮም፧ እዚ ተኽእሎ እዚ ኣሎ። ምናልባት እቶም ሰባት እቲኦም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓያሎ ዓመታት ብዛዕባ መወዳእታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣዊጆም ምንባሮም ይዝክሩ ወይ ይፈልጡ ይዀኑ።
እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ድሕሪ እቲ ዓሰርተ መዓት ዝዀነ ነገር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። የሆዋ “ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ . . . ፍርዲ [ምስ ፈጸመ፡]” ካብ እስራኤል ዘይኰነ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ” ምስ ህዝቢ የሆዋ ተጸምበረ። (ዘጸ. 12:12, 37, 38) እቶም ጓኖት እቲኦም ምስ የሆዋ ዝወገኑ፡ እቲ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ዓሰርተ መዓት ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኺፍጸም ምስ ረኣዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ምስ የሆዋ ዚውግኑ ዘበሉ ሰባት፡ ነቶም ክሳዕ ሽዑ ኣብ ምድሪ ዝጸንሑ ኣሕዋት ክርስቶስ ሰናይ ናይ ምግባር ኣጋጣሚ ኺህልዎም እዩ። (ማቴ. 25:34-36, 40) ኰይኑ ግና፡ እቲ ኸም ኣባጊዕ ኪፍረዱ ዚኽእሉሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብቲ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ቀቅድሚ ኣርማጌዶን ሰማያዊ ዓስቦም ዚረኽቡሉ እዋን ኬብቅዕ እዩ።
እዚ ዝነጸረ ርድኢት እዚ፡ ንዕቤት ፍቕርን ምሕረትን የሆዋ ኣጸቢቑ ዜጕልሕ እዩ። እወ፡ ንሱስ ‘ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ።’—2 ጴጥ. 3:9።