ዓንቀጽ መጽናዕቲ 35
መዝሙር 121 ርእስና ኽንገትእ ኣሎና
ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታት እንገብሮ ቓልሲ ብኸመይ ክንዕወት ንኽእል፧
“ንትምኒት ሰብነትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፡ ሓጢኣት ኣብቲ መዋቲ ሰብነትኩም ኣይንገስ።”—ሮሜ 6:12።
ኣትኵሮ
(1) ምስ ምቝራጽ ተስፋ ኽንቃለስ፡ (2) ብፈተና ኸይንሕለል ንምሕጋዝ።
1. ኵላትና ዘይፍጹማት ሰባት እንታይ ሓባራዊ ነገር እዩ ዘሎና፧
የሆዋ ዚዅንኖ ነገር ንምግባር፡ ሓያል ድሌት ሓዲሩካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብ ናይ ካልእ ሰብ ዝዓበየ ፈተና ኸም ዘጋጠመካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሰብ ዘይበጽሖ ፈተና ኣይበጽሓኩምን” ይብል እዩ። (1 ቈረ. 10:13) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ እቲ ንዓኻ ቓልሲ ዚዀነካ ዘሎ ግጉይ ትምኒት፡ ንኻልኦት እውን ቃልሲ ዀይንዎም ነይሩ ማለት እዩ። ስለዚ፡ በይንኻ ኣይኰንካን፣ ብሓገዝ የሆዋ ድማ ኣብዚ ቓልሲ እዚ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ።
2. ገሊኦም ክርስትያናትን ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ምስ እንታይ ፈተናታት እዮም ዚቃለሱ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
2 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ . . . ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን” እውን ይብል እዩ። (ያእ. 1:14) ንሓደ ሰብ ዚሓብሎ ፈተና፡ ንኻልእ ከይሓብሎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ክርስትያናት ምስ ኣንጻር ጾታ ንምምንዛር ይፍተኑ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ምስ ሕደ ጾታ ንምምንዛር ይፍተኑ ይዀኑ። ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ዝሓደግዎ እውን ናብቲ ልማዶም እቲ ንምምላስ ሓያል ባህጊ ይሓድሮም ይኸውን። ሓሽሽ ምውሳድ ወይ ስኽራን ዝሓደግዎ ብዙሓት ሰባት እውን ተመሳሳሊ ፈተና የጋጥሞም እዩ። እዚ ትምኒታት እዚ ገለ ኻብቲ ንገሊኦም ክርስትያናትን ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ቃልሲ ዚዀኖም ነገራት እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኵላትና ኸምቲ፡ “ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ከም ዘሎ፡ እዚ ሕጊ ዀይኑኒ ረኸብክዎ” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ተሰሚዑና እዩ።—ሮሜ 7:21።
ፈተና ኣብ ዝዀነ ግዜን ኣብ ዝዀነ ቦታን ከይተጸበኻዮ ኺልዓል ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)c
3. ሓደ ሰብ ብቐጻሊ ምስ ግጉይ ትምኒቱ ይቃለስ እንተ ኣልዩ፡ እዚ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረሉ ይኽእል፧
3 ብቐጻሊ ምስ ግጉይ ትምኒት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ዓቕሚ ዘይብልካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ፣ ማለት ፈተና ኽትጻረር ከም ዘይትኽእል ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ተስፋ ዘይብልካ ዀይኑ ኺስምዓካ እውን ይኽእል እዩ፣ ማለት የሆዋ ብሰሪ እቲ ግጉይ ትምኒትካ ጥራይ ከም ዚዅንነካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ኽልቲኡ ኣተሓሳስባ እዚ ልክዕ ኣይኰነን። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ንምግላጽ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንኽልተ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ (1) ዓቕሚ ወይ ተስፋ ኸም ዘይብልካ ዀይኑ ዚስምዓካ ስምዒት ካበይ እዩ ዚመጽእ፧ (2) ኣብቲ ምስ ግጉይ ስምዒታትካ እትገብሮ ቓልሲ ብኸመይ ክትዕወት ትኽእል፧
እቲ “እኩይ” ከመይ ኪስምዓና እዩ ዚደሊ፧
4. (ሀ) ሰይጣን፡ ዓቕሚ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ ምስ ፈተና እንገብሮ ቓልሲ ዓቕሚ ኣልቦ ዘይኰንና ስለምንታይ ኢና፧
4 ሰይጣን ኣብ እዋን ፈተና፡ ዓቕሚ ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና እዩ ዚደሊ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብቲ እኩይ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና” ኢሎም ኪጽልዩ ኺምህሮም ከሎ፡ ነዚ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ማቴ. 6:13) ሰይጣን፡ ሰብ ኣብ እዋን ፈተና ንየሆዋ ኺእዘዞ ኸም ዘይደሊ እዩ ዚማጐት። (እዮ. 2:4, 5) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢሉ ዚሓስብ፧ ምኽንያቱ፡ ንሱ ባዕሉ ብትምኒቱ ተሓቢሉ እዩ፣ ንየሆዋ ድማ እሙን ኪኸውን ኣይደለየን። ስለዚ፡ ንሕና ኸምኡ ኸም ዝዀንና፡ ኣብ እዋን ፈተና ኸኣ ንየሆዋ ኽንሓድጎ ከም እንደሊ እዩ ዚኣምን። ዋላ እውን ነቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ብፈተና ኸም ዜውድቖ ይኣምን ነይሩ እዩ! (ማቴ. 4:8, 9) እንተዀነ ግና፡ ንግጉይ ትምኒታትና ንምጽራር ብሓቂዶ ዓቕሚ ኣልቦ ኢና፧ ኣይፋልን! ኣብዚ መዳይ እዚ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰማማዕ ኢና፣ ንሱ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ፊል. 4:13።
5. የሆዋ ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታትና እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት ከም እንኽእል ዚኣምን ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧
5 የሆዋ ግና ዘይከም ሰይጣን፡ ንሕና ንግጉይ ትምኒታትና ኽንጻረር ከም እንኽእል ይተኣማመነልና እዩ። እዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ምኽንያቱ፡ ንጽህናኦም ዚሕልዉ ብዙሓት ህዝቢ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዚድሕኑ የሆዋ ተነብዩ ኣሎ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ። እቲ ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ሒደት ዘይኰኑስ፡ ብዙሓት ሰባት ንጽህናኦም ሓልዮም ናብ ሓዳስ ዓለም ከም ዚኣትዉ፡ እወ ‘ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ከም ዜጻዕድዉ’ ገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 7:9, 13, 14) እምበኣር፡ የሆዋ ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታትና እንገብሮ ቓልሲ፡ ዓቕሚ ኸም ዘይብልና ገይሩ ኣይርእየናን እዩ።
6-7. ሰይጣን ኣብቲ ምስ ፈተና እንገብሮ ቓልሲ ተስፋ ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧
6 ሰይጣን፡ ዓቕሚ ኸም ዘይብልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተስፋ እውን ከም ዘይብልና፡ ማለት የሆዋ በቲ ግጉይ ትምኒታትና ጥራይ ከም ዚዅንነና ዀይኑ ኺስምዓና ይደሊ እዩ። ኣብዚ እውን ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢሉ ዚሓስብ፧ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ከም ዘይበቅዕ ብየሆዋ እተፈርዶ ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ባዕሉ እዩ ተስፋ ዘይብሉ። (ዘፍ. 3:15፣ ራእ. 20:10) ነቲ ንሱ እተኸልከሎ በረኸት ክንረክብ ተስፋ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ተስፋ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ይደሊ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ተስፋ ኣልቦ ኣይኰንናን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ኪዅንነና ዘይኰነስ፡ ኪሕግዘና ኸም ዚደሊ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። እወ፡ ንሱ፡ ‘ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ።’—2 ጴጥ. 3:9።
7 እምበኣር፡ ምስ ግጉይ ትምኒታትና ንምቅላስ ዓቕሚ ወይ ተስፋ ኸም ዘይብልና ጌርና ንሓስብ እንተ ኣሊና፡ ሰይጣን ዚደልዮ ኣተሓሳስባ ኢና ነሕድር ዘለና። ነዚ እንተ ኣስተውዒልና፡ ጸኒዕና ኽንቃወሞ ቘራጽነት ንገብር ኢና።—1 ጴጥ. 5:8, 9።
ዝወረስናዮ ሓጢኣት እንታይ ስምዒት ኪፈጥረልና ይኽእል፧
8. ሓጢኣት ንግጉይ ተግባራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምንታይ እውን እዩ ዜመልክት፧ (መዝሙር 51:5) (“መግለጺ ቓላት” እውን ርአ።)
8 ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታትና እንገብሮ ቓልሲ፡ ሰይጣን፡ ዓቕሚ ወይ ተስፋ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ኸም ዚደሊ ርኢና ኢና። ከምኡ ኸም ዚስምዓና ዚገብር ግና፡ ብዘይካኡ ኻልእ ረቛሒ እውን ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ እቲ ኻብ ቀዳሞት ወለድና ዝወረስናዮ ሓጢኣት እዩ።a—እዮ. 14:4፣ መዝሙር 51:5 ኣንብብ።
9-10. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ብሓጢኣት እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ሓጢኣት ንዓና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧
9 ሓጢኣት ንኣዳምን ንሄዋንን ብኸመይ ከም ዝጸለዎም እስከ ንርአ። ንሳቶም ትእዛዝ የሆዋ ምስ ኣፍረሱ ተሓብኡ፡ ሰብነቶም እውን ሸፈኑ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ስለዚ፡ ሓጢኣት ናይ በደለኛነትን ናይ ጭንቀትን ናይ ስግኣትን ናይ ሕፍረትን ስምዒት እዩ ኣስዒቡሎም” ይብል። ኣዳምን ሄዋንን ኣርባዕተ ኽፍልታት ጥራይ ኣብ ዘለዋ ቤት ከም እተዓጽዉ እዮም ኰይኖም። ካብ ሓንቲ ኽፍሊ ናብታ ሓንቲ ኽፍሊ ኺንቀሳቐሱ ይኽእሉ እዮም። ካብታ ቤት ግና፡ ኪወጹ ኣይከኣሉን። ካብ ሓጢኣቶም ኬምልጡ ኣይከኣሉን።
10 ልክዕ እዩ፡ ኵነታትና ምስ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ልክዕ ሕደ ኣይኰነን። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብቲ በጃ ኺጥቀሙ ኣይክእሉን እዮም። ንዓና ግና እቲ በጃ ኻብ ሓጢኣትና ኼንጽሃናን ንጹህ ሕልና ኺህበናን ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 6:11) ይኹን እምበር፡ ሓጢኣት ወሪስና ኢና። ስለዚ፡ በደለኛነትን ጭንቀትን ስግኣትን ሕፍረትን እንተ ተሰምዓና፡ ኬገርመና የብሉን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ሓጢኣት ንደቂ ሰብ ኣጸቢቑ ኸም ዚጸልዎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። “ኣብቶም ከም ኣበሳ ኣዳም ዘይሓጥኡ” እኳ፡ ጽልዋ የሕድር እዩ። (ሮሜ 5:14) እዚ ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ፡ ዓቕሚ ወይ ተስፋ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ግና ኪስምዓና የብሉን። ነዚ ኣሉታዊ ስምዒታት ክንነጽጎ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧
ሓጢኣት ንኣዳምን ንሄዋንን ናይ በደለኛነትን ናይ ጭንቀትን ናይ ስክፍታን ናይ ሕፍረትን ስምዒት ኣስዒቡሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)
11. ዓቕሚ ኸም ዘይብልና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ሮሜ 6:12)
11 ዓቕሚ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ማለት ምስ ግጉይ ትምኒታትና ኽንቃለስ ከም ዘይንኽእል ኰይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ሓጢኣትና “ይዛረበና” ኸም ዘሎ ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና፣ ክንሰምዖ እውን የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓጢኣት [ኣባኻትኩም] ኣይንገስ” ይብለና እዩ። (ሮሜ 6:12 ኣንብብ።) እዚ ድማ ንግጉይ ትምኒታትና ንዘይምግባሩ ኽንውስን ንኽእል ኢና ማለት እዩ። (ገላ. 5:16) የሆዋ ንዜጋጥመና ፈተና ኽንጻረር ከም እንኽእል ይኣምነና እዩ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይምተጸበየናን። (ዘዳ. 30:11-14፣ ሮሜ 6:6፣ 1 ተሰ. 4:3) እምበኣር፡ ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታትና እንገብሮ ቓልሲ፡ ዓቕሚ ኣልቦ ኣይኰንናን።
12. ተስፋ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
12 ብተመሳሳሊ፡ ተስፋ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ማለት የሆዋ ብሰንኪ ግጉይ ትምኒታትና ጥራይ ከም ዚዅንነና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ሓጢኣትና “ይዛረበና” ኸም ዘሎ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና፣ ነዚ እውን ክንሰምዖ የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኸምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይርድኣልና እዩ። (መዝ. 103:13, 14) ብዛዕባና “ዅሉ ይፈልጥ” እዩ፣ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ንግጉይ ዝንባለታትና ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ እውን ይፈልጥ እዩ። (1 ዮሃ. 3:19, 20) ንግጉይ ትምኒታትና ብምፍጻም ብሓጢኣት ክሳዕ ዘይተሰነፍና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
13-14. ግጉይ ትምኒታት ስለ ዘሎና ጥራይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት የብልናን ማለት ድዩ፧ ግለጽ።
13 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ግጉይ ነገር ምግባርን (ክንቈጻጸሮ እንኽእል) ግጉይ ነገር ምምናይን (ከይደለናዮ ኺልዓለና ዚኽእል) ፍልልይ ከም ዘሎ ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ገሊኦም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣቐዲሞም ኣብ ግብረ ሶዶም ይሳተፉ ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ንዓታቶም፡ “ገሌኻትኩም . . . ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ድሕሪኡ ኣብ ግብረ ሶዶም ንምስታፍ ዋላ ሓንቲ ትምኒት ኣይነበሮምን ማለት ድዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ትምኒት እዚ ኣብ ውሽጢ ሱር ስለ ዚሰድድ፡ ምናልባት ትምኒት ተላዒልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ርእሶም ዝገትኡን ከምቲ ትምኒቶም ዘይገበሩን ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ረኺቦም እዮም። ንሱ ድማ ከም ‘እተሓጸቡ’ ገይሩ ርእይዎም እዩ። (1 ቈረ. 6:9-11) ብዛዕባኻ እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ።
14 ቃልሲ ዚዀነካ ዘሎ ግጉይ ትምኒት እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። ዋላ እኳ ነቲ ትምኒታትካ ኸተወግዶ እንተ ዘይከኣልካ፡ ርእስኻ ኽትገትእ ትኽእል ኢኻ፡ ‘ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትካን ፍቓድ ካብ ምፍጻም’ እውን ክትቍጠብ ትኽእል ኢኻ። (ኤፌ. 2:3) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር፡ ማለት ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታትካ ዚግበር ቃልሲ ኽትዕወት እትኽእል፧
ብኸመይ ከም እትዕወት
15. ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታትና ዚግበር ቃልሲ ኽንዕወት እንተ ዄንና፡ ንገዛእ ርእስና ኸነታልል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
15 ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታት ዚግበር ቃልሲ ምእንቲ ኽትዕወት፡ ድኽመታትካ ኽትእመን ኣሎካ። “ብናይ ሓሶት ሓሳብ” ርእስኻ ኸይተታልል ተጠንቀቕ። (ያእ. 1:22) ነቲ ጸገምካ ተቃልሎ እንተ ዄንካ፡—ንኣብነት፡ ‘ካልኦት ካባይ ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ እዮም’ ኢልካ ተመኻኒ እንተ ዄንካ፡ ወይ ‘ሰበይተይ ብዝያዳ ፍቕራ እንተ ትገልጸለይ፡ ስእለ ጽዩፍ ንምርኣይ ኣይምተፈተንኩን’ ኢልካ ጌጋኻ ናብ ካልኦት ክትልጥፍ ትጽዕር እንተ ዄንካ፡—በቲ ፈተና እቲ ብቐሊሉ ኽትወድቕ ኢኻ። ስለዚ፡ ዋላ እውን ብሓሳብካ መመኽነይታ ኸተቕርብ ኣይትፈትን። ስለቲ ተግባራትካ፡ ሓላፍነት ተሰከም።—ገላ. 6:7።
16. ቅኑዕ ንምግባር ዘሎካ ቘራጽነት ብኸመይ ከተደልድል ትኽእል፧
16 ድኽመታትካ ኽትእመን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብድኽመታትካ ኸይትስነፍ እውን ቈራጽነትካ ኸተደልድል ኣሎካ። (1 ቈረ. 9:26, 27፣ 1 ተሰ. 4:4፣ 1 ጴጥ. 1:15, 16) ኣብ ምንታይ ኵነታትን መዓስን ብዝያዳ ተኣፋፊ ኸም እትኸውን ኣስተብህል። ምናልባት ብገሊኡ ዓይነት ፈተና ወይ ኣብ ገሊኡ ሰዓታት ብዝያዳ ትፍተን ትኸውን። ንኣብነት፡ ምስ ደኸምካ ወይ ምስ መሰየ ዲኻ ብዝያዳ እትፍተን፧ ነቲ ፈተና ተጸበዮ፣ እንታይ ምላሽ ከም እትህብ ድማ ንኣእምሮኻ ኣዳልዎ። ከምኡ ኽትገብረሉ እትኽእል ብሉጽ ግዜ፡ እቲ ፈተና ቕድሚ ምምጻኡ እዩ።—ምሳ. 22:3።
17. ካብ ዮሴፍ እንታይ ንምሃር፧ (ዘፍጥረት 39:7-9) (ስእልታት እውን ርአ።)
17 ዮሴፍ ብሰበይቲ ጶጢፋር ምስ ተፈተነ፡ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰ እሞ ንሕሰብ። ብኡብኡ ተሪር ምላሽ እዩ ሂብዋ። (ዘፍጥረት 39:7-9 ኣንብብ።) እዚ እንታይ ይሕብረና፧ ዮሴፍ፡ ሰበይቲ እንዳ እማትካ ምውሳድ ጌጋ ምዃኑ፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ክትሓብሎ ቕድሚ ምፍታና እዩ ብልክዕ ዚፈልጥ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ፈታኒ ዅነታት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ቅኑዕ ንምግባር ዘሎካ ድሌት ከተደልድል ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ፈተና ምስ ኣጋጠመካ፡ ነቲ ድሮ ዝገበርካዮ ውሳነ ንምሕላው ኪቐልለካ እዩ።
ከም ዮሴፍ፡ ንፈተና ብኡብኡ ንጸጎ! (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)
“ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ”
18. ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታት ዚግበር ቃልሲ ብኸመይ ኢኻ ኽትዕወት እትኽእል፧ (2 ቈረንቶስ 13:5)
18 ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታት ዚግበር ቃልሲ ምእንቲ ኽትዕወት፡ ‘ብቐጻሊ ርእስኻ ፈትን፡’ ማለት ከመይ ከም ዘለኻ ንምፍላጥ ብቐጻሊ ርእስኻ መርምር። (2 ቈረንቶስ 13:5 ኣንብብ።) በብእዋኑ፡ ሓሳባትካን ተግባራትካን መርምር፣ ዜድሊ ምትዕርራይ እውን ግበር። ንኣብነት፡ ዋላ እውን ንሓደ ፈተና ድሕሪ ምንጻግካ፡ ‘ነዚ ፈተና እዚ ንምንጻግ፡ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ወሲዱለይ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ከም ዝደንጐኻ እንተ ኣስተውዒልካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣይትዀንን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መከላኸሊኻ ንምድልዳል ስጕምትታት ውሰድ። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ዘይግቡእ ሓሳባት ካብ ኣእምሮይ ንምብራር ዚወስደለይ ግዜ ኽንክዮዶ እኽእል፧ ዝመርጾ ዓይነት መዘናግዒ፡ ፈተና ንምጽራር ብዝያዳ ኸም ዜጸግመኒ ይገብር ድዩ፧ ርኹስ ትርኢት እንተ ርእየ፡ ብኡብኡ ኣዒንተይ እመልስ ድየ፧ ዋላ እውን ርእሰይ ገቲአ ኽመላለስ እንተ ኣሎኒ፡ መለክዒታት የሆዋ ወትሩ ንጥቕመይ ምዃኑ ይርድኣኒ ድዩ፧’—መዝ. 101:3።
19. እቲ ንኣሽቱ ዚመስል ናይ ዕሽነት ውሳነታት ነቲ ምስ ግጉይ ትምኒታት እንገብሮ ቓልሲ ኣጸጋሚ ዚገብሮ ብኸመይ እዩ፧
19 መመኽነይታ እውን ኣይተቕርብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን ቀባጽን እዩ” ይብለና። (ኤር. 17:9) የሱስ ድማ ካብ ልቢ፡ “ክፉእ ሓሳብ” ከም ዚወጽእ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 15:19) ንኣብነት፡ ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ ዝነበረ እሞ ነዚ ዝሓደጎ ሰብ፡ ድሕሪ ግዜ ገሊኡ ብጾታዊ ዜለዓዕል ስእልታት ጥራይ ነብሶም ስለ ዘየርኢ፡ ንሓደጋ ኸም ዘየቃልዕ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ፡ ‘ክሳዕ ዘይገበርክዎ፡ ብዛዕባ ግጉይ ትምኒታት ምሕላም ጌጋ የብሉን’ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ጠላም ልቡ፡ ‘ትምኒት ስጋ ኼርዊ እዩ ዚህቅን ዘሎ።’ (ሮሜ 13:14) ከምኡ ኻብ ምግባር ምእንቲ ኽትቍጠብ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ናብ ዓበይቲ ናይ ዕሽነት ውሳነታት ኪመርሓካ ዚኽእል፡ ንኣብነት ነቲ ናብ ግጉይ ተግባር ኪመርሓካ ዚኽእል ንኣሽቱ ናይ ዕሽነት ውሳነታት ኣለልዮ፣ ካብኡ እውን ርሓቕ።b ንዅሉ እቲ ንግጉይ ኣካይዳ ኸም መመኽነይታ ዀይኑ ዚቐርብ “ክፉእ ሓሳብ” እውን ንጸጎ።
20. ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ተስፋ እዩ ዘሎና፧ ሕጂኸ እንታይ ሓገዝ እዩ ዘሎና፧
20 ክሳዕ ሕጂ ኸም እተምሃርናዮ፡ ብሓገዝ የሆዋ ንፈተና ንምጽራር ዓቕሚ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ሳላ ምሕረቱ ድማ፡ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ተስፋ ኣሎና። ንጹህ ኣእምሮን ልብን ሒዝና ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸለናስ፡ ከመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዩ ኺስምዓና! እቲ እዋን እቲ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታት እንገብሮ ቓልሲ፡ ዓቕምን ተስፋን ከም ዘሎና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እወ፡ ብበረኸት የሆዋ ኽንዕወት ንኽእል ኢና!
መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!
a መግለጺ ቓላት፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ንኸም ስርቂ፡ ዝሙት፡ ወይ ቅትለት ዝኣመሰለ ተግባራት እያ እተመልክት። (ዘጸ. 20:13-15፣ 1 ቈረ. 6:18) ኣብ ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ነቲ ኽንውለድ ከለና ዝወረስናዮ ዅነት ተመልክት እያ፣ ዋላ እውን ግጉይ ተግባር ከይገበርና፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ንወርስ ኢና።
b እቲ ኣብ ምሳሌ 7:7-23 ተጠቒሱ ዘሎ መንእሰይ ዓብዪ ናይ ዕሽነት ውሳነ ብምውሳን ኣብ ምንዝርና ቕድሚ ምውዳቑ፡ ንኣሽቱ ናይ ዕሽነት ውሳነታት ገይሩ እዩ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ጸጋም፦ ሓደ መንእሰይ ሓው ኣብ ካፈ ኾፍ ኢሉ ኸሎ፡ ክልተ ሰብኡት ፍቕሮም ኪገላለጹ ይርኢ። የማን፦ ሓንቲ ሓብቲ፡ ክልተ ሰባት ሽጋራ ኼትክኹ ትርኢ።