ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም
“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ካበይ እዩ መጺኡ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ፣ ኣብኡ የሆዋ፡ መሰኻኽር ከም ዘለውዎ ገሊጹልና ኣሎ። [ኢሳይያስ 43:10 ኣንብብ።] ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና፡ ብዛዕባ የሆዋ ብስራት ነበስርን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ንእውጅን ኢና። እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባና ዚብሃል ሓያሎ ግጉይ ምርዳእ ተቃልዕ።”
ንቕሑ! መስከረም
“ንኽንነብር ገንዘብ ከም ዜድልየና፡ መብዛሕትኦም ሰባት ይሰማምዕሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ብዛዕባ ገንዘብ ምጭናቕ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ይስምዓካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኸም ዜጠንቅቕ ኣስተብህል። [1 ጢሞቴዎስ 6:9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ብኸመይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ከም እንኽእል ትገልጽ።”