ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብዚ ዓመት እዚ፡ እቲ ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሐ ፍሉይ ወፈራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ተዛዚሙ። ኣብዚ ወፈራ እዚ፡ ኣብ ክልና ሓድሽን ብዙሕ ዘይተዓይየን ቦታታት ንምሽፋን ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። ኣብዚ ወፈራ እዚ ብጠቕላላ 376 ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳቲፎም፡ 15 ካብዚኣቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣሕዋት እዮም ነይሮም። ብሓፈሻ 139 ክሊ ተሸፊኑ፡ 23 ካብዚ ድማ ንፈለማ እዋን እተዓይየ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ወፈራ እዚ ጽቡቕ ምስክርነት ተዋሂቡ፡ መንፈስ ወንጌላውነት ብዙሓት ኣስፋሕቲ ተነቓቒሑ፡ ሓያሎ ሓድሽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተጀሚሩ እዩ። እቶም ኣብቲ ወፈራ እተኻፈሉ፡ ኣብቲ ወፈራ ምስታፎም ዜደንቕ በረኸት ከም ዜምጽኣሎም ገሊጾም። ብሓቂ እምበኣር፡ ኣብዚ የሆዋ መንፈሳዊ ምህርቲ ‘ዜቀላጥፈሉ’ ዘሎ እዋን፡ ወለንተኛ ዄንካ ዚዕየ ብዙሕ ዕዮ እዩ ዘሎ ኺብሃል ይክኣል እዩ።—ኢሳ. 60:22።