ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/15 ገጽ 2
  • ካብ ምኩራት ኣስፋሕቲ ተምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ምኩራት ኣስፋሕቲ ተምሃር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምሳኻ ንኼገልግሉ ኽትዕድሞም ትኽእልዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንሓደስቲ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ኣሰልጥኖም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንሓደስቲ ኣስፋሕቲ ኣሰልጥን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
km 6/15 ገጽ 2

ካብ ምኩራት ኣስፋሕቲ ተምሃር

ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ምኩራት ኣስፋሕቲ ነኽብሮም ኢና። ገለ ኻባታቶም ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ኼገልግልዎ ጸኒሖም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጽቡቕ ክእለት ዘጥረዩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ኣስፋሕቲ እዚኦም፡ የሱስ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ንዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ከም ዜስፋሕፍሕ ብምግባር ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ይመርሓ ኸም ዘሎ ርእዮም እዮም። (ማቴ. 28:19, 20) ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ስለ ዚካፈሉ ኸኣ፡ ብሕታዊ ጸገማትን ፈተናታትን ኬጋጥሞም ከሎ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይረኽቡ እዮም። (2 ቈረ. 4:7) ካብዞም ምኩራት ኣስፋሕቲ እዚኦም፡ ብዙሕ እንመሃሮ ነገራት ኣሎ። ኣጋጣሚ ኺረኽቡ ኸለዉ፡ ንእተማህርዎ ነገራት ንኻልኦት ኪምህሩ ባህ እዩ ዚብሎም። (መዝ. 71:18) ስለዚ፡ ካባታቶም እንመሃረሉ ኣጋጣሚታት ከነናዲ ኣሎና። ነዚ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧

ኣብ ኣገልግሎት፦ ሓደስቲ ወይ ተመክሮ ዘይብሎም ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታውያን ምእንቲ ኪዀኑ ስልጠና የድልዮም እዩ። ብሱላት ኣስፋሕቲ ኣገልግሎቶም ብኸመይ ከም ዜካይዱ ብምርኣይ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። (ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ዓቅብ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ “ተመክሮ ንዘይብሎም ሓግዞም” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ ሳልሳይ ሕጡብ ጽሑፍ ርአ።) ንስኻኸ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምስ ምኩራት ኣስፋሕቲ ብምግልጋልካ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

ንሓደ ምኩር ኣስፋሒ ምሳኻ ኼገልግል ክትዕድሞ ምኸኣልካዶ፧ እቲ ኣስፋሒ ጸገም ጥዕና ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ንሓደ ኻብቶም መጽናዕቲ እተመርሓሎም ሰባት፡ ሓሓሊፍካ ኣብ ቤት እቲ ኣስፋሒ ዄንካ ኽትመርሓሉ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ እቲ መጽናዕቲ፡ እተዓዘቦ ነገራት እንተ ኣልዩ ኺጠቕሰልካን ምኽሪ ኺህበካን ሕተቶ።

ምሳታቶም ግዜ ኣሕልፍ፦ ንምኩራት ኣስፋሕቲ፡ ምሳታቶም ግዜ ብምሕላፍ ተፋለጦም። ንሓዲኦም ናብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብረላ ምሸት ኪመጽእ ዓድሞ፡ ቃለ መጠይቕ ድማ ግበረሉ። እቲ ኣስፋሒ ጸገም ጥዕና ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ ቤቱ ኺግበር መሰናድዎ ኺግበር ይከኣል ድዩ፧ ብኸመይ ናብ ሓቂ ኸም ዝመጸ፡ እንታይ በረኸት ከም ዝረኸበ፡ ኣብ ከባቢኹም እንታይ ዕቤት ከም ዝረኣየ፡ ንየሆዋ ብምግልጋሉ እንታይ ሓጐስ ከም ዝረኸበ፡ ሕተቶ።

ካብቶም ምኩራት ኣስፋሕቲ ኣብ እትጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ኹን። ምኩራት ኣስፋሕቲ፡ ከም ኵላትና እተፈላለየ ውህበት ኣገልግሎት እዩ ዘለዎም። (ሮሜ 12:6-8) ገሊኣቶም ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወይ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዜሕልፍዎ ግዜ ውሱን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ስለ ዜገልግልዎ፡ ካባታቶም ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ