ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 29 ታሕሳስ 2014 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
1. ነቲ ኣብ ዘዳግም 14:1 ዚርከብ፡ ኣብ እዋን ሓዘን ምእንቲ ዝሞተ ሰብ ኢልካ ነብስኻ ምብጣሕ ንዚኽልክል ትእዛዝ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧ [3 ሕዳ.፡ w04 15/9 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 5]
2. ነገስታት እስራኤል ነቲ ዚቐድሕዎ ሕጊ ኣምላኽ ‘ኵሉ መዓልቲ ህይወቶም ኬንብብዎ’ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧ (ዘዳ. 17:18-20) [3 ሕዳ.፡ w02 15/6 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 4]
3. “ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ብዛዕባ ዘይመጣጠን ጽምዲ ዚገልጽ ትእዛዝ ኣብ ክርስትያናት ዚውዕልከ ብኸመይ እዩ፧ (ዘዳ. 22:10) [10 ሕዳ.፡ w03 15/10 ገጽ 32]
4. ‘መጥሓንን መዲድን ንታሕዚ ምውሳድ’ እተኸልከለ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘዳ. 24:6) [17 ሕዳ.፡ w04 15/9 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 3]
5. እስራኤላውያን ብምንታይ ተደሪኾም እዮም ኪእዘዙ ነይርዎም፧ ንየሆዋ ንኸነገልግሎ ኺድርኸና ዘለዎ እንታይ እዩ፧ (ዘዳ. 28:47) [24 ሕዳ.፡ w10 15/9 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 4]
6. ኣብ ዘዳግም 30:19, 20 ዚርከብ ህይወት ኬውህብ ዚኽእል ሰለስተ መሰረታዊ ብቕዓታት እንታይ እዩ፧ [24 ሕዳ.፡ w10 15/2 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 17]
7. ንመጽሓፍ ቅዱስ ህድእ ኢልና ኸነንብብ ድዩ ዘሎና፧ ግለጽ። (እያ. 1:8) [8 ታሕ.፡ w13 15/4 ገጽ 7 ሕ.ጽ. 4]
8. እቲ ኣብ እያሱ 5:14, 15 ተጠቒሱ ዘሎ “ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር” መን እዩ፧ እዚ ጸብጻብ እዚ ኼተባብዓና ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ [8 ታሕ.፡ w04 1/12 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 2]
9. ንኣካን ናብ ሓጢኣት ከም ዚወድቕ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ንዓና መለበሚ ኪዀነና ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ (እያ. 7:20, 21) [15 ታሕ.፡ w10 15/4 ገጽ 20-21 ሕ.ጽ. 2, 5]
10. ኣብነት ካሌብ ሎሚ ኼተባብዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (እያ. 14:10-13) [29 ታሕ.፡ w04 1/12 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 2]