ሓዳስ ንዋት ምርምር
ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቚጸሩ ኣስፋሕቲ፡ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንዴክስ ንእትብሃል መሐበሪት፡ ምርምር ንምግባር ብዚግባእ እዮም ዚጥቀሙላ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ዝርዝር ነጥብታት ዝሓቘፈት ብምዃና ብሒደት ቋንቋታት ጥራይ እያ እትርከብ። ስለዚ ድማ፡ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእስታ ሕታም ብኣስታት 170 ቋንቋ ተዳልያ ኣላ። እቲ ኣብኣ ተጠቒሱ ዘሎ መወከሲታት ካብ ዓመተ 2000 ኣትሒዙ ንዝወጸ ሕታማት ዚሕብር እዩ። እዛ መሐበር ምርምር ነቶም ብቛንቋኦም ኢንዴክስ ዘለዎም ኣይተሓትመትሎምን፣ ይኹን እምበር፡ ብኤሌክትሮኒካዊ ፎርማት ኣብ ዎች ታወር ላይብረሪ ከምኡ እውን ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ትርከብ እያ። እዛ መሐበሪ ምርምር መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስን ዜገድሰካ ሓበሬታን ንምርካብ ከምኡ እውን ንኣኼባታት ጉባኤን ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ንምድላው ክትሕግዘካ እያ።