“ኣብ ቤቱ ኽረኽቦ ኣይከኣልኩን!”
ተገዳስነት ዘለዎ በዓል ቤት ድሕሪ ምርካብካ ኸምዚ ኢልካዶ ትፈልጥ፧ ናብ ቤቱ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ኸድካ፡ ነቲ ዝተኸልካዮ ዘርኢ ሓቂ ኸተስትዮ ኣይከኣልካን። (1 ቈረ. 3:6) ሓድሓደ ግዜ፡ ምኩራት ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ቤቱ ኺረኽብዎ ዘይከኣሉ ሰብ፡ ደብዳበ ይጽሕፍሉ ወይ እውን ብትሕቲ ማዕጾኡ ሕጽር ዝበለ መልእኽቲ ይገድፉሉ እዮም። ገለ ኣስፋሕቲ ኸኣ ነቲ ሰብ ኣብ ቤቱ ኺረኽብዎ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ኣቐዲሞም ቍጽሪ ተሌፎኑ ይሓትትዎ። ነቲ ሰብ ተመሊስና ኣብ ቤቱ ኽንበጽሖ ኸለና ወይ ከኣ ብደብዳበ፡ ብኢ-መይል፡ ብትሕቲ ማዕጾ መልእኽቲ ብምግዳፍ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ክንምስክረሉ ኸለና፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንቈጽር ንኽእል ኢና። ኣብ ቤቱ ዘይርከብ እውን እንተ ዀነ፡ ተገዳስነቱ ኸነለዓዕለሉ ንኽእል ኢና።