መደብ 18 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
18 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 35ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 10 ¶20-27 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 10-13 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 10:1-16 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ጠንቂ ሞት—td 18ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ግብሪ ሃዋርያት—ዜደንቕ ጅማረን ዕቤትን ክርስትያናዊ ውድብ—bsi08-1 ገጽ 14 ¶1-4 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ፦ “ሚእቲ ዓመት ዝጸንሐ ኣዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ”—1ይ ክፋል። (ሕጡብ ጽሑፋት 1-3) ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ሕጡብ ጽሑፋት ከምኡ እውን ኣብ መጽሓፍ ፕሮክለመይርስ ኣብ ገጽ 259-260 ኣብ ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ዚቐርብ ምይይጥ። ንሕቶ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ድሕሪ ምሕታትካ፡ ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ንዝገበሩ ኽልተ ኣስፋሕቲ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም። ኣብቲ ንሳቶም መጀመርታ ኣስፋሕቲ ዝዀኑሉ እዋናት፡ ዕዮ ስብከት ከመይ ከም ዝነበረ ዚገልጽ እተወሰነ ተመክሮታት ከም ዜዘንትዉ ግበር።
15 ደቒቕ፦ “ሚእቲ ዓመት ዝጸንሐ ኣዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ”—2ይ ክፋል። (ሕጡብ ጽሑፋት 4-6) ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፋት 5ን 6ን ክትመያየጡለን ከለኹም፡ ንኽልተ ፈለምቲ ብኸመይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ዝኣተዉ ንኼዘንትዉ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም።
መዝሙር 45ን ጸሎትን