ምልክታታት
◼ ግንቦትን ሰነን፦ ትራክትታት። ሓምለ፦ ብስራት ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ከኣ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ። (እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እትብሃል ብሮሹር፡ ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብሎም ወይ ከኣ ፈጺሞም ንዘይተማህሩ ኽትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም።) ነሓሰ፦ ትራክትታት ወይ ሓደ ኻብዚ ዚስዕብ ብሮሹራት፦ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፡ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፡ ወይ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!። ኣብ መኽዘንኩም ዚርከብ ንኣገልግሎት ዚኸውን፡ ቅድሚ 2011 እተሓትመ ኻልእ ብሮሹራት እውን ኪብርከት ይከኣል እዩ።