ንየሆዋ እንውድሰሉ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት
1. ‘ንየሆዋ ኣዚና ኸነመስግኖ’ ዚሕግዘና ኣየናይ ሓድሽ መሰናድዎ እዩ፧
1 ካብ ዝሓለፈ መጋቢት ጀሚሩ፡ ሓድሽ መሰናድዎ ተገይሩ ኣሎ፣ ኣስፋሕቲ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ከምኡውን ሓላው ወረዳ ስሩዕ ምብጻሕ ኣብ ዚገብረላ ወርሒ፡ 30 ሰዓት ብምግልጋል ሓገዝቲ ፈለምቲ ንኪዀኑ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ኣሎ። ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ንኽልተ ኣዋርሕ ዚሓቍፍ መዓልትታት ዝሓዘ እንተ ዀይኑ፡ እቶም 30 ሰዓት ኬገልግሉ ዘመልከቱ ኣስፋሕቲ፡ ካብ ክልቲአን ኣዋርሕ ንሓንቲአን ብምምራጽ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ኵሎም ሓገዝቲ ፈለምቲ፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ሓላው ወረዳ ምስ ስሩዓትን ፍሉያትን ፈለምቲ ዚገብሮ ኣኼባ ኺካፈሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ፡ 50 ሰዓት ከነገልግል ዘይንኽእል እንተ ደኣ ዄንና፡ 30 ሰዓት ብምግልጋል፡ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ሳዕ ዚኸውን ሓገዝቲ ፈለምቲ ብምዃን ‘ንየሆዋ ኣዚና ኸነመስግኖ’ ንኽእል ኢና ማለት እዩ።—መዝ. 109:29-31፣ 119:172።
2. እቶም ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ፡ እንታይ ኣጋጣሚ እዮም ዚረኽቡ፧
2 ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን፦ ብዙሓት ኣስፋሕቲ፡ ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ካብቲ ምስኡ ብምግልጋል ዚርከብ ናይ ሓድሕድ ምትብባዕ እውን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 1:11, 12) ሓያሎ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዘሎ መዓልትታት ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ብምውሳድ፡ ምስ ሓላው ወረዳ ንምግልጋል ምድላዋት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዘሎ መዓልታት፡ ዓለማዊ ስራሕ ዚሰርሑ ኸኣ፡ ቀዳም ወይ ሰንበት ምሳታቶም ንኼገልግል፡ ንሓላው ወረዳኦም ኪሓትትዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኣብቲ ምስ ስሩዓትን ፍሉያትን ፈለምቲ ዚግበር ኣኼባ ምክፋሎም፡ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ ኪኸውን!
3. በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ እዋን፡ ሓጋዚ ፈላሚ ንኽትከውን ኣዝዩ ዝበለጸ ግዜ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
3 ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን፦ እቶም ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ እተገብረ መሰናድዎ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ 30 ሰዓት ብምግልጋል ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ዘገልገሉ፡ ሕጂ ነቲ “መስዋእቲ ውዳሰ” ዕጽፊ ንምግባር ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ኣሎ። (እብ. 13:15) ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ሓገዝቲ ፈለምቲ ብምዃን ኣገልግሎትና እነስፍሓለን ዝበለጻ ኣዋርሕ እየን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ኣብተን ኣዋርሕ እቲአን፡ ንኻልኦት ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም፡ ኣብ ባህ ዜብል ወፈራ ንካፈል ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ሓያሎ ኣስፋሕቲ ኣገልግሎቶም ስለ ዜስፍሑ፡ ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ኸነገልግል ንኽእል ኢና። ድሕሪ በዓል ዝኽሪ፡ ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኻፈሉን ተገዳስነት ዘርኣዩን ሰባት፡ ነቲ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ ህንጥዮት ምእንቲ ኼሕድሩ፡ ክንከታተሎም ኣሎና። እዚ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት እዚ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ንኽትከውን ንልብኻ ኣየለዓዕሎንዶ፧—ሉቃ. 6:45።