ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/13 ገጽ 3-6
  • ንኣምላኽ ዜኽብር ጽቡቕ ጠባይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ዜኽብር ጽቡቕ ጠባይ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ኣኼባ ኣውራጃና—ብዛዕባ ሓቂ ሓያል ምስክርነት ዚህብ መሰናድዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • መንፈሳዊ በረኸት ዚርከበለን ሰለስተ መዓልትታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 4/13 ገጽ 3-6

ንኣምላኽ ዜኽብር ጽቡቕ ጠባይ

1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ኣውራጃ ኣብ ዚገብሩሉ እዋን፡ ሰባት ዚዕዘብዎም ስለምንታይ እዮም፧

1 ኣኼባታት ኣውራጃ ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ሰባት ይዕዘቡና እዮም። ከመይሲ፡ ኣኼባ ኣብ ዚግበረሉ ሓያሎ ኸተማታት፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ማዕከናት ዜና፡ ኣኼባ ንገብር ከም ዘለና ብዛዕባና ኣብ ፈነወአን የቕርባ እየን። ሆቴላትን ኣብያተ ምግብን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣኼበኛታት ይመልእ እዩ፣ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ሰባት ድማ፡ ብዙሓት ተኣከብቲ ባጅ እቲ ኣኼባ ኸም ዝገበሩ የስተውዕሉ እዮም። እዚ ዚስዕብ እተወሰነ መዘኻኸሪታት፡ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ኸባቢ ንኣምላኽ ዜኽብር ጽቡቕ ጠባይ ምእንቲ ኼነርኢ ዚሕግዝ እዩ።—1 ጴጥ. 2:12።

2. ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ፡ ብግቡእ ኣከዳድናና ንኣምላኽ ክብሪ ኸነምጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ግቡእ ኣከዳድና፦ ኣብ ኣኼባ ኣብ እንካፈለሉ እዋን፡ እንኽደኖ ግቡእ ክዳን ንተዓዘብቲ ይስሕቦም እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ኣኼባ ወጻኢ እውን፡ ማለት ኣብ ሆቴል መሕደሪ ኣብ እንሓትተሉ እዋን፡ ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ እንዀነሉ እዋን፡ ናብ ዕዳጋ ኣብ እንኸደሉ እዋን፡ ከምኡውን ካልእ ንጥፈታት ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ኣከዳድናና ኣብ ተዓዘብቲ ዓብዪ ጦብላሕታ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እንኽደኖ ኽዳን ግድን ኣዝዩ እተመርጸ ኪኸውን ኣለዎ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሕንኪ ዘለዎን ምዕሩግን ኪኸውን ኣለዎ፣ ከምቲ ኣብ ምዝንጋዕ እንኽደኖ ዓይነት ኣከዳድና ግና ኪኸውን የብሉን። ተዓዘብቲ ነቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቶም ዘይኣመንትን ዘሎ ፍልልይ ኬስተብህሉሉ ኣለዎም። (ሮሜ 12:2) ብዘይካዚ፡ ባጅና ኽንገብር ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቲ ኣኼባ ኣውራጃ ነፋልጥ፡ ንኻልኦት ሰባት ምስክርነት ንኽንህብ ዜኽእል ኣጋጣሚ ንኸፍት፡ ከምኡውን ካልኦት ኣኼበኛታት ብቐሊሉ ኼለልዩና ይኽእሉ።

3. ትዕግስትን ጽቡቕ ጠባይን ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ትዕግስትን ጽቡቕ ጠባይን፦ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን፡ መብዛሕትኦም ሰባት ፈተውቲ ርእሶምን ዘየመስግኑን እዮም፣ ትዕግስትናን ጽቡቕ ጠባይናን ንኸም ሰራሕተኛታት ሆቴልን ቤት ምግብን ዝኣመሰሉ ሰባትሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! (2 ጢሞ. 3:1-5) ኮፍ መበሊ ኽንሕዝ ከለና ወይ ሓድሽ ዝወጸ ጽሑፋት ንምውሳድ ክንስራዕ ከለና እውን፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእስና ኣይንድለ። (1 ቈረ. 10:23, 24) ሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብኣይ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ምስ ተኻፈለ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ዝቐረበ መደረታት ዋላ ሓንቲ ኣይዝክርን እየ፣ ኣካይዳ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ነባሪ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ” በለ።

4. ኵነታትና ዚፈቕደልና እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ወለንተኛታት ኴንና ኸነገልግል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ወለንተኛታት፦ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእይዎ መንፈስ ወለንተኛ፡ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዩ። (መዝ. 110:3) ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንምሕጋዝ፡ ወለንተኛ ኽትከውን ምኸኣልካዶ፧ ኣብ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ፡ እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ኣስታት 600 ዚዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ብወለንታ ኣብ ጽሬት ተኻፈሉ። እቶም ኣብዚ ዕዮ እዚ እተኻፈሉ ኣባላት፡ “እዚ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ዜገርም ነገር እዩ። ኵሎም እዞም ሰባት እዚኦም፡ ወለንተኛታት እዮም ኢልካ ኽትግምት ኣዝዩ ኸቢድ እዩ” በሉ። ነቲ ኣብ 2013 ዚግበር ኣኼባታት ኣውራጃ ብህንጥዮት ኢና እንጽበዮ፣ እቲ ግዜ እቲ፡ ንኽንሰምዕን ካብ ኣምላኽ ንኽንመሃርን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ኽብሪ ብዜምጽእ መገዲ ንኽንመላለስ እውን ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ 2013

◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ፦ ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ፡ እቲ መእተዊ ሙዚቃ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኺጅምር እዩ። ሽዑ፡ እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅመር፡ ኵላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። ናይ መዛዘሚ ሙዚቃን ጸሎትን እቲ ኣኼባ፡ ዓርብን ቀዳምን 4:50 ድ.ቀ.፡ ሰንበት ድማ 3:35 ድ.ቀ. ኺንገር እዩ።

◼ መቘም ማካይን፦ ኣብ ኵሉ እቲ ማኪና ደው ከነብል እተፈቕደልና ቦታ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ መኣከቢ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ቐዲሙ ዝመጸ ብዘይ ክፍሊት ማኪና ደው ኬብል ይኽእል እዩ። መቘም ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ውሱን ብምዃኑ፡ ተኣከብቲ ኣብ ሓንቲ ማኪና፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚመጹ ብጕጅለ ኺመጹ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጉባኤኹም እተመደበትሉ ኣኼባ ኣውራጃ ንኽትእከቡ ጻዕሪ ግበሩ።

◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ፦ ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳና ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳና ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።—1 ቈረ. 13:5።

◼ ምሳሕ፦ ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ፡ በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራ ቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ ዀነ ጠራሙዝ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።

◼ ወፈያታት፦ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ውጽኢት ገንዘብ ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ብቸክ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ን“የይሖዋ ምስክሮች” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ።

◼ መድሃኒት፦ ብሓኪም እተኣዘዘልካ መድሃኒት ክትወስድ ዜድልየካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ስለ ዘይቀርብ፡ ዝኣኽለካ ሒዝካ ምጻእ።

◼ ጫማ፦ ኣብ ዓዓመት ምስ ጫማ እተተሓሓዘ ጕድኣት የጋጥም እዩ። ኣብ መደያይቦታትን መሰጋገሪታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ከይተሸገርና ንኽንረግጽ ዜኽእለና ሕንኪ ዘለዎ ምሹእ ጫማ ምውዳይ ዝሓሸ እዩ።

◼ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፦ ኣብ ገሊኡ ቦታታት እቲ ኣኼባ ብኤፍ.ኤም. ናይ ረድዮ ማዕበል ኪፍኖ እዩ። ነዚ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኽትጥቀሙሉ ሓንቲ ንእሽቶ ኤፍ.ኤም. እትቕበል መሳርሒትን መስምዕን ክትማልኡ ኼድልየኩም እዩ።

◼ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፦ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ሒዝኩም ኣይትምጽኡ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጥቓ እቶም ወለዲ ኪቕመጥ ዚኽእል ንድሕንነት ሕጻናት እተዳለወ ፍሉይ መናብር ይፍቀድ እዩ።

◼ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትብሃል ፎርም፦ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ እትብሃል ፎርም፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ፡ ምእንቲ ኺከታተልዎ ንኽፍሊ መጻሕፍቲ፡ ወይ ናብ ጉባኤኻ ምስ ተመለስካ፡ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።

◼ ኣብያተ ምግቢ፦ ኣብ ኣብያተ ምግቢ ብጽቡቕ ጠባይኩም ንስም የሆዋ ኣኽብርዎ። ንክርስትያናት ኣገልገልቲ ኸም ዚግባእ ጌርና ኽንክደን ኣሎና። ኣብ ከባቢኹም ልሙድ እንተ ዀይኑ፡ መቝሽሽ ሃቡ።

◼ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፦ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከም መደቀሲ ዀይኑ ኼገልግል ኣይንመርጽን ኢና። ዜገድድ ኵነታት እንተ ተፈጢሩ ግና፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚሓድሩ፡ ብጽሬትን ብጽፈትን ንኺሕዝዎ ሓላፍነት ኪስምዖም ይግባእ። እቲ መደቀሲ ብግቡእ ኪዕጸፍ፡ ዝፈሰሰ ነገራት ብኡንብኡ ኺውልወል፡ ወረቓቕትን ካልእ ጐሓፍን ከኣ ኣብቲ ንዕኡ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ።

◼ ሆቴላት፦

(1) ብእተኻእለ መጠን ሆቴል እንተ ሓዝኩም ይምረጽ። ካብቲ ብሓቂ ዜድሊ ንላዕሊ ኽፍልታት ኣይትሕዝኡ፡ ካብቲ እተፈቕደ ንላዕሊ ድማ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኣይተሕድሩ።

(2) ኣዝዩ ህጹጽ ኵነታት ኬጋጥመኩም ከሎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ እተሓዝኣልኩም ቦታ ኣይትሰርዝዎ። ክትስርዝዎ ምስ ዜድልየኩም ግና፡ ነቲ ሆቴል ብኡንብኡ ኣፍልጥዎ። ከመይሲ፡ ካልኦት መዕረፊ ዜድልዮም ኪጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም።—ማቴ. 5:37።

(3) ሰራሕተኛታት እቲ ሆቴል ባልጃኹም ምስ ዚስከሙልኩም፡ ኣብ ከባቢኹም ልሙድ እንተ ደኣ ዀይኑ መቝሽሽ ሃብዎም። ነታ ኽፍልኹም እተጽርየልኩም እውን በብመዓልቱ መቝሽሽ ግደፉላ።

(4) ኣብቲ ምግቢ ኽትክሽኑ ዘይፍቀደልኩም ክፍልታት ኣይትኸሽኑ።

(5) ምስ ሰራሕተኛታት ሆቴል ኣብ ዘለኩም ርክብ፡ ኵሉ ሳዕ ፍረ መንፈስ ኣርእዩ። ንሳቶም ንብዙሓት ኣጋይሽ እዮም ዚኣልዩ፣ ንለውሃትናን ንትዕግስትናን ንልእመትናን ከኣ የማስዉሉ እዮም።

(6) ወለዲ ንደቆም ኣብ ከባቢ እቲ ሆቴል፡ ማለት ኣብ መሓምበሲ ጋብላ፡ ኣብ መዛነዪ ቦታታት፡ ኰነ ኣብ ክፍሊ ምውስዋስ ኣካላት ኵሉ ሳዕ ኪቈጻጸርዎም ኣለዎም።

◼ ጽሬት፦ ክፍሊ ጽሬት በብእዋኑ ጽሬት ኪግበር ዚውድብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵላትና እቲ የሆዋ ኻብ ህዝቡ ዚጽበዮ ዝለዓለ ደረጃ ጽሬት ምእንቲ ኺዕቀብ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ፡ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ ይኹን ኣብ እዋን ዕረፍቲ ሕማቕ ትርኢት ምእንቲ ኸይህልዎ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዝወደቐ ወረቓቕቲ ወይ ካልእ ጐሓፍ፡ ኣብ ባይታ እቲ ኣዳራሽ ወይ ኣብ ባይታ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ኺግደፍ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኡንብኡ ኣብቲ ንጐሓፍ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ካብ ኮፍ መበሊና ተንሲእና ኽንከይድ ከለና፡ ኣብ ከባቢና ዝወደቐ ነገራት እንተ ኣልዩ ብምርኣይ፡ እናኣልዓልና እንተ ኸድና ዚነኣድ እዩ።

◼ ኣገልግሎት ወለንተኛ፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኼገልግል ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ናብቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ወለንተኛ ኼመልክት ኣለዎ። ዕድሚኦም ትሕቲ 16 ዝዀነ ቘልዑ እውን፡ ምስ ወለዶም ወይ ምስ መጕዚቶም ወይ ከኣ ምስ ካልእ ብወለዶም ወይ ብመጕዚቶም ሓላፍነት እተዋህቦ ሰብ ኰይኖም ኪሰርሑ ይኽእሉ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ