29 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
29 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 13 ሕ.ጽ. 5-15፡ ኣብ ገጽ 150 ዘላ ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ዜና መዋእል 6-9
ቍ. 1: 2 ዜና መዋእል 6:12-21
ቍ. 2: td 37ሀ ምምሕልላፍ ደም ንቕድስና ደም የርክስ
ቍ. 3: ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ጌርና እንስዕረሉ’ መገድታት (ሮሜ 12:21)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ “ቀናኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪጽልዩን ኬስተንትኑን ኣለዎም።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሰማዕቲ፡ መዓስ ከም ዜስተንትኑ ሕተቶም።
10 ደቒቕ፦ ‘ንየሆዋ መስዋእቲ ነቕርብ።’ ሓደ ሽማግለ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2010 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20-21 ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ታሕሳስ፡ መጽሔታት ንምዕዳል ተዳሎ። ምይይጥ። ንትሕዝቶ እቲ መጽሔታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ደቒቕ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓንቀጻት መሪጽካ፡ ነተን ዓንቀጻት ንምፍላጥ እንታይ ሕቶታትን ጥቕስታትን ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ንሰማዕቲ ሕተቶም። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኸመይ ኪብርከት ከም ዚኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።