መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅምቲ
“ሓያሎ ሰባት ጭንቀትና ወይ ጓሂና ንኣምላኽ ዜገድሶ እንተ ዀይኑ የተሓሳስቦም እዩ። እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕርዚ፡ መዝሙር 34:18 ኣንብብ።] እታ ኣብ ገጽ 19 እትጅምር ዓንቀጽ፡ ብጓህን ጸጸትን ክንወሓጥ ከለና ዀነ ዋጋ ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት ንኸነሰንፍ ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ትሕብር።”
Awake! October
“ገሊኣቶም ንኣምላኽ ከም ሓደ ሓይሊ ገይሮም ጥራይ እዮም ዚርእይዎ። ገሊኦም ከኣ እተፈላለየ ስምዒታት ዘለዎ ኣካል ገይሮም ይርእይዎ። ንስኻኸ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት እሞ ኣቕልበሉ። [1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኣንብብ።] እታ ኣብ ገጽ 29 እትጅምር ዓንቀጽ፡ ነታ፡ ‘ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ድዩ፧’ እትብል ሕቶ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር
“ኵላትና ዕግበት ኪስምዓና ንደሊ ኢና። ንኽንዓግብ ገንዘብ ዜድልየናዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኪስእን ከሎ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂሩ እዩ። [ፊልጲ 4:11, 12 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዕግበት ንምርካብ ዜኽእል ሓሙሽተ ረቛሒታት ትሕብር።”
Awake! November
“ገሊኦም ብህላወ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት ነቲ ብስም ኣምላኽ ዚግበር ሕማቕ ነገራት ይጠቕሱ፡ ሃይማኖት እንተ ዘይህሉ ዓለም ዝሓሸት ክትከውን እትኽእል ኰይኑ ኸኣ ይስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ኻብቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መከራ ዘምጸኣትሉ ምኽንያት ኣብዚ ተጠቒሱ ኣሎ። [2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ እቶም ብህላወ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት ዚህብዎ ምኽንያታት፡ ጕድለታት ከም ዘለዎ ትሕብር።”