ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/10 ገጽ 1
  • “ኣይትፍርሃዮም”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣይትፍርሃዮም”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ፍቕሪ ንፍርሂ ኸነሰንፍ ትሕግዘና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • የሆዋ ኼበርትዓካ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ብየሆዋ ተኣመን እሞ ንፍርሂ ኸተሰንፎ ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 10/10 ገጽ 1

“ኣይትፍርሃዮም”

1. ከመይ ዝኣመሰለ ምስ ናይ ኤርምያስ ዚመሳሰል ጸገማት እዩ ብብሕቲ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

1 ኤርምያስ፡ ነብዪ ዀይኑ ኼገልግል ምስ ተመዘዘ፡ ኣብ ፈለማ ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰምዖ። የሆዋ ግን፡ “ኣይትፍርሃዮም” ድሕሪ ምባል፡ ዕዮኡ ንኺፍጽም ብሕያውነት ኣበራትዖ። (ኤር. 1:6-10) ኣብዚ ግዜና እውን፡ ፍርሂ ወይ ብኽእለትካ ዘይምትእምማን፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ተሳትፎ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ሰባት ‘እንታይ ምላሽ ኰን ይህቡ ይዀኑ፧ ወይ ብኸመይ ኰን ይርእዩና ይዀኑ፧’ ዚብል ፍርሂ ሓድሓደ ግዜ ድሕር ምሕር ከም እንብል ኪገብረና ይኽእል እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧ ምስ እነሰንፎኸ ብብሕቲ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

2. ምድላው፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ንዚስምዓና ፍርሂ ንምስናፍ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

2 ኣቐዲምካ ተዳሎ፦ ኣቐዲምካ ምድላው፡ ፍርህና ንኸነሰንፍ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኰለፍቲ ዘረባ እንታይ ከም ዚብሉ ኣቐዲምና ምስ እንሓስበሉ፡ እንታይ ኢልና ኸም እንምልስ ክንዳሎ ኢና። (ምሳ. 15:28) ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ንዜጋጥም እተፈላለየ ጸገማት ብኸመይ ክትምልስሉ ኸም እትኽእሉ ንኽትዳለዉ፡ ንምንታይ ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ዘይትለማመዱሉ፧—1 ጴጥ. 3:15።

3. ብየሆዋ ምእማን፡ ፍርሂ ንኸነሰንፍ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3 ብየሆዋ ተኣመን፦ ኣብ የሆዋ ምውካል፡ ፍርሂ ንምስናፍ ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ቓል ኣትዩልና እዩ። (ኢሳ. 41:10-13) ካብዚ ዝዓቢ ዕቝባ እሞ ኣበይ ይርከብ፧ ብተወሳኺ፡ ዘይተጸበናዮ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ጽቡቕ ምስክርነት ንኽንህብ መንፈስ ቅዱስ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል የሱስ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ማር. 13:11) ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንኺህበና ኣዘውቲርና ንለምኖ።—ሉቃ. 11:13።

4. ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ኣብ ኣገልግሎት እንተ ጸኒዕና እንታይ በረኸት ንረክብ፧

4 በረኸት፦ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ኣብ ኣገልግሎት እንተ ጸኒዕና፡ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንሰግሮ ሓይሊ ንረክብ። ኣብቶም መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦም ሰባት ዝርአ፡ ከም ብርታዐን ትብዓትን ዝኣመሰለ ባህርያት ይህልወና። (ግብ. 4:31) ብተወሳኺ፡ ብብሕቲ ንዚስምዓና ፍርሂ ብሓገዝ የሆዋ ምስ እነሰንፎ፡ ኣብቲ ዜድሕን ቅልጽም የሆዋ ዘሎና እምነትን ትውክልትን ይድልድል። (ኢሳ. 33:2) ብዘይካዚ፡ ንሰማያዊ ኣቦና ነሐጕሶ ኸም ዘሎና ብምፍላጥ ዚመጽእ ሓጐስን ዕግበትን ንረክብ። (1 ጴጥ. 4:13, 14) ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ወትሩ ብምትእምማን፡ ከይፈራህና መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ንኣውጅ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ