18 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
18 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 11 ሕ.ጽ. 20-22፡ ኣብ ገጽ 131 ዘላ ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ዜና መዋእል 8-11
ቍ. 1፦ 1 ዜና መዋእል 11:1-14
ቍ. 2፦ እቲ መንፈስን እታ መርዓትን “ንዓ” ዚብሉ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ (ራእ. 22:17)
ቍ. 3፦ td 35ሐ ባህርያት ኣምላኽ
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ኣገልግሎት ንሰማዕቲ ምጥማት ዘለዎ ኣገዳስነት። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 124፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ክሳዕ ገጽ 125፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4 ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ።
20 ደቒቕ፦ “ንኽትብርከት እተዳለወት ሓዳስ ብሮሹር!” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ንትሕዝቶ እታ ብሮሹር ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ንሕጡብ ጽሑፍ 2ን 3ን ምስ ተመያየጥኩምለን፡ ነቲ ኸም ኣብነት ቀሪቡ ዘሎ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ። ንሕጡብ ጽሑፍ 4 ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጀምር ዚሕብር መርኣያ ኣቕርብ።