ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/10 ገጽ 3
  • “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ ምስ ኣሉታዊ ስምዒት እትገብሮ ቓልሲ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንዚውሃበኒ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክርእዮ ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከወግድ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ተስፋ ምቝራጽ ምስ ዘጋጥም እንታይ ክግበር ይከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 7/10 ገጽ 3

“ጥበብ ብደቃ ጸደቐት”

1. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ዕዮና እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

1 ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ምርዳእ ዘለዎም ወይ ግጉይ ሓበሬታ እተዋህቦም ሰብ ቤት፡ ኣሉታዊ ምላሽ ይህቡና ይዀኑ። ምናልባት ኣረኣእያኦም ብሰንኪ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚቐርብ ቄናን ጸብጻባት ተጸልዩ ይኸውን። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ “ሓደገኛ ኣንቆራ” ተባሂልና ተጸዊዕና ኢና። ከምዚ ዓይነት ነቐፌታ ኼጋጥመና ኸሎ እንታይ ምላሽ ክንህብ ይግባእ፧

2. ነቐፌታ ኼጋጥመና ኸሎ ተስፋ ንኸይንቘርጽ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

2 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ፦ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንየሱስን ንኻልኦት ኣገልገልቲ የሆዋን ብጌጋ ይርድእዎምን የካፍእዎምን ነበሩ። (ግብ. 28:22) ኰይኑ ግን፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሰንኪ ነቐፌታ ብኣገልግሎቶም ኣይሓፈሩን። የሱስ፡ “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት” በለ። (ማቴ. 11:18, 19) የሱስ፡ ደለይቲ ሓቂ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዜምጽኦ ጥቕሚ ኸም ዚርድኡ ርግጸኛ ስለ ዝነበረ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ብቕንኣት ፈጸመ። ንሕና እውን፡ ወዲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ነቐፌታ ኸም ዘጋጠሞ ብምዝካር፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን።

3. ኣሉታዊ ጸብጻባት ኰነ ምጽራር ኬገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ፡ ዓለም ከምቲ ንዕኡ ዝጸልኣቶ ንሰዓብቱ እውን ኸም እትጸልኦም ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 15:18-20) ስለዚ፡ ብዛዕባና ኣሉታዊ ጸብጻባት እንተ ቐረበ፡ ምጽራር ድማ እንተ ኣጋጠመና ኽንግረም የብልናን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ዳሕሮት መዓልትታት እናተጸንቀቓ ኪኸዳ ኸለዋ፡ ቍጥዓ ሰይጣን ድማ እናገደደ ኪኸይድ ከሎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኪውስኽ ኢና ኽንጽበ ዘሎና። (ራእ. 12:12) ይኹን እምበር፡ እዚ ነገራት እዚ፡ ጥፍኣት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዝቐረበ ዚሕብር ብምዃኑ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና።

4. ኣሉታዊ ምላሽ እንተ ኣጋጢሙና፡ ብኸመይ ክንምልስ ይግባእ፧

4 ብለውሃት መልስ፦ ኣሉታዊ ምላሽ ኪወሃበና ኸሎ፡ ኵሉ ሳዕ ብለውሃትን ብልእመትን ክንምልስ ኣሎና። (ምሳ. 15:1፣ ቈሎ. 4:5, 6) እቲ ዅነታት ዜፍቅዶ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ግጉይ ሓበሬታ ኸም ዚንገር ንሓደ ቕኑዕ ብዓል ቤት ክንገልጸሉ፡ ወይ ከኣ ከምኡ እተሰምዖ ስለምንታይ ምዃኑ ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። እቲ እንህቦ ልኡም ምላሽ፡ ነቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰምዖ ሓበሬታ ኣብ ሕቶ ኸም ዜእትዎ ኺገብሮ ይኽእል እዩ፣ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ኪበጽሖ ኸሎ ንኺሰምዕ ኸኣ ይድርኾ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዓል ቤት ኣዝዩ እንተ ተቘጢዑ፡ ገዲፍናዮ እንተ ኸድና ይሓይሽ። ኣረኣእያ ሰባት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ የሆዋ ንኣገልግሎትና ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 52:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ