2 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
2 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ነገስት 18-20
ቍ. 1፦ 1 ነገስት 18:21-29
ቍ. 2፦ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ራእ. 21:1)
ቍ. 3፦ td 32ሀ ኣርማጌዶን—እከይ ንምጥፋእ ዚግበር ውግእ ኣምላኽ
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት—4ይ ክፋል። ኣብታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 116፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽሳብ ገጽ 117፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንእተኻፈሉ ወይ ኣብ ቤትኤል ንዝዓየዩ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል እንታይ ከም ዚስምዖም ምእንቲ ኺገልጹ፡ ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማር እተረኽበ ተመክሮታት። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምምይጥ። ኣብታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እነጀምረላ ፍልይቲ ዕለት እንታይ ከም እተዓመ ግለጽ። ሰማዕቲ ንዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉ ሕተቶም። ሓደ ወይ ክልተ ብሉጽ ተመክሮታት ብመርኣያ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ኣብ መጀመርታ ምብጻሕ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጅመር መርኣያ ብምቕራብ ዛዝም።