26 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
26 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ነገስት 15-17
ቍ. 1፦ 1 ነገስት 15:1-15
ቍ. 2፦ td 31ለ ሰባት ክብሪ ኺወሃቦም ይኽእል እዩ፡ ኪምለኽ ዘለዎ ግን ኣምላኽ ጥራይ እዩ
ቍ. 3፦ ኣርማጌዶን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት—3ይ ክፋል። ኣብታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 114፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽሳብ ገጽ 115፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንእተኻፈሉ ኣብነታውያን ኣስፋሕቲ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ጥቕሚ ምእንቲ ኺገልጹ፡ ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ኣብዚ ኣብያተ-ትምህርቲ እተኻፈለ ኣስፋሒ እንተ ዘየልዩ፡ ኣብ ጽሑፋት ዝወጸ ተመክሮታት ኣዘንቱ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ነሓሰ መጽሔታት ክትዕድል ተዳሎ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ትሕዝቶ እተን መጽሔታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ደቓይቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ሓንቲ ወይ ክልተ ዓንቀጽ መሪጽካ፡ ሰማዕቲ እንታይ ሕቶን ጥቕስን ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ።