ኣብ ኣኼባታት ንየሆዋ ኽትዝምረሉ ተዳሊኻዶ፧
1 ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል ምድላው ምግባር፡ መዝሙር ውዳሰ ንምዝማር ምድላው እውን ዜጠቓልል እዩ። ነዚ ዚምልከት ቀጺሉ ዘሎ ሓሳባት እስከ ንርአ።
2 ነቲ ግጥሚ ተረድኣዮ፦ ፍረ ነገር እቲ መዝሙር ዝሓዘት ጥቕስን ኣብ መደምደምታ ነፍሲ ወከፍ መዝሙር ዚርከብ ተወሳኺ ጥቕስታትን፡ እቲ ግጥምታት እተመስረተሉ ጥቕስታት ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።
3 ተለማመድ፦ ኣብቲ ኣብ ሰሰሙን እትገብሮ ኣምልኾ ስድራ ቤት ነዚ ሓደስቲ መዝሙራት ንምልምማድ ዚኸውን እተወሰነ ግዜ ኽትምድብ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ዚዝመር መዝሙራት፡ በቲ ብፕያኖ እተዳለወ መዝሙራት ጌርካ ተለማመደሉ። ነታ ሲንግ ቱ ጂሆቫ—ቮካል ረንዲሽንስ፡ ዲስክ 1 (ንየሆዋ ዘምሩሉ—ብድምጺ፡ 1ይ ዲስክ) ዘርእስቱ ቕዳሕ መዝሙራት ብምስማዕ እውን ንገሊኡ ሓደስቲ መዝሙራት ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ።
4 እሞኸ፡ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ ዚግበር መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኻብታ ንየሆዋ ዘምሩሉ ዘርእስታ መጽሓፍ ክትዝምር ተዳሊኻዶ ኣሎኻ፧ ነቲ መዝሙራት ትርጕሙ ንኽትርድኦን ንኽትለማመዶን ግዜ እንተ መዲብካ ኸምኡ ኽትገብር ኢኻ።