28 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
28 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 28 (224)
❑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 297 ሕ.ጽ 16-ገጽ 299 ሕ.ጽ. 21 ከምኡውን ሳጹን
❑ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 12-15
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
❑ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 23 (200)
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ነታ “ኣብ ኣኼባታት ንየሆዋ ኽትዝምረሉ ተዳሊኻዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣተኵረላ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኻብ ጥሪ ጀሚሮም ነቲ ሓድሽ መጽሓፍ መዝሙር ሒዞምዎ ኺመጹ ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ ብኸመይ ምላሽ ክትህብ ትኽእል፧ ኣብቲ ኣብ ክልኹም ልሙድ ዝዀነ ተቓውሞታት ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ንሓደ ካብዚ ተቓውሞታት ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ዜርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። (ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ገጽ 7-16 ርአ።)
10 ደቒቕ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተመደበት መዓልቲ መዓስ ምዃና ግለጽ። ኣብ ክልኹም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተገብረ ጻዕሪ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧ ሓደ ፈላሚ ወይ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ክልኹም ውጽኢታዊ ዀይኑ ብዛዕባ እተረኽበ ኣቀራርባ ኼዘንቱ ወይ ብመርኣያ ኬቕርብ ዓድሞ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ጥሪ ዚዕደል ጽሑፍ። ንትሕዝቶ እቲ ዚዕደል ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ነቲ ኣብታ ወርሒ ዚዕደል ጽሑፍ ተጠቒምካ፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር እትኽእለሉ መገድታት ምስ ሓደ ኣስፋሒ ተመያየጥ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብታ ወርሒ እቲኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምሩ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 18 (162)