ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 28 ታሕሳስ 2009 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
1. ሎሚ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ዘዳግም 14:1 ዘሎ ስርዓት ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ [w05 1/1 ገጽ 28፣ w04 15/9 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 5]
2. ዘዳግም 20:5-7 ሎሚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ክትዓዪ እትኽእል ብኸመይ እያ፧ [w04 15/9 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 6]
3. እስራኤላውያን ብውግእ ዝመጸ ኻብ ካልኦት ኣህዛብ እተፈልዩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ዘዳ. 20:10-15, 19, 20፣ 21:10-13) [cl ገጽ 134-135, ሕ.ጽ. 17]
4. ንየሆዋ ብሕጉስ ልቢ ምእንቲ ኸነገልግሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ዘዳ. 28:47) [w95 15/1 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 4-5]
5. ወለዲ ኻብቲ ኣብ ዘዳግም 32:9, 11, 12 ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ ዝነበሮ ፍቕሪ ዚገልጽ ምምስሳል ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ [w01 1/10 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 7-9]
6. ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ንኺደልዩ ንጉስ ዝለኣኾም ሰባት ዘጋገየቶም ስለምንታይ እያ፧ (እያ. 2:4, 5) [w04 1/12 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 1]
7. እቲ ኣብ እያሱ 3:15, 16 ዚርከብ እስራኤላውያን ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ እዩ ዚምህረና፧ [w04 1/12 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 6]
8. ካብቲ እያሱ ንስርቂ ኣካን ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (እያ. 7:20-25) [w04 1/12 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 4]
9. እያሱ 9:22, 23 ቃል ኣምላኽ ብርግጽ ከም ዚፍጸም እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧ [w04 1/12 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 3]
10. ካብቲ ካሌብ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ምትብባዕ ክንረክብ ንኽእል፧ (እያ. 14:8, 10-12) [w04 1/12 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 2]