ሕቶ ሳጹን
◼ ብተሌፎን ኣቢልካ ንዚመሓላለፍ ኣኼባታት ጉባኤ ብዚምልከት መመዛዘንቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ብዙሓት ጉባኤታት፡ ነቶም ሓድሓደ ግዜ ብምኽንያት ሕማም ወይ ብምኽንያት ካልእ ዘይጥዕም ኵነታት ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከይዶም ኣብ ጉባኤ ኺካፈሉ ዘይክእሉ ሰባት፡ ኣብ ቤቶም ብመስመራት ተሌፎን ኣቢሎም ከም ዚሰምዑ ገይረን እየን። በዚ መሰናድዎ እዚ ዚጥቀሙ ሰባት፡ ናብ ብሓቂ ኸምኡ ኺግበረሎም የድሊ እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ፡ ምምዝዛንን ጥንቃቐ ዝመልኦ ውዳበ ምግባርን ይሓትት። ስለዚ፡ እቶም ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሰናድዎ ብሓላፍነት ዚከታተሉ ሽማግለታት፡ ነቲ “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ዚብል ማዕዳ ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ብግቡእ ኪውድብዎ ይግባእ።—1 ቈረ. 14:40።
ሽማግለታት፡ ነቶም ሕዱር ሕማም ወይ ስንክልና ዘለዎም ወይ ከኣ ነቶም ብገለ ምኽንያት ካብ ቤቶም ኪወጹ ዘይክእሉ ኣብ ጉባኤኦም ዚርከቡ ኣስፋሕቲ ቐዳምነት ኪህብዎም ኣለዎም። ሓደ ንግዜኡ ዝሓመመ ወይ ልሙስ ዝዀነ ኣስፋሒ፡ ወይ ከኣ ሓደ ዕቤት ዚገብር ዘሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ ተጠቃሚ እዚ መሰናድዎ እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከም እተኣከበ ጌርካ ድማ ኪቝጸር ይኽእል እዩ። ነቶም ብሓቂ ኸምዚ ዓይነት መሰናድዎ ኪግበረሎም ዚግባእ ኣስፋሕቲ ዚኸውን እኹል ናይ ተሌፎን መስመር እንተ ዘየልዩ፡ ምናልባት ካልእ መሰናድዎ ኪግበር፡ ማለት ብካሴት መሊእካ ኺወሃቦም ይከኣል እዩ።
ብኣካል ኣብ ኣኼባታት ብምክፋል ዚርከብ ጥቕሚ፡ መወዳድርቲ ኸም ዘይብሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ምስ ኣሕዋትና ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምርኻብና፡ ንሓድሕድና “ኽንጸናናዕ” ኣጋጣሚ ይኸፍተልና፣ እቶም ሓደስቲ ሰባት ድማ ብሓደ ምእካብ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ይመሃሩ። ኣብ ኣኼባታት ክንካፈል ከለና፡ ካብ መርኣያታት ንጥቀም ማለት ጥራይ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ሽማግለታት ብሕታዊ ሓገዝ ኪገብሩልና ይኽእሉ፣ ካብቲ ሕውነት ድማ ብቐጥታ ምዉቕ ፍቕሪ ንረክብ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ፡ ካብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትወጽእ ከላ፡ ሓደ ሰብ ሕቝፍ ኣቢሉ ስለ ዝሰዓማ፡ “እዚ ኣብ ተሌፎን ኪርከብ ኣይከኣልን እዩ” ኽትብል እምበኣር ሓቃ እያ።—ሮሜ 1:11, 12።
ልክዕ ከምታ “ኻብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት” እተገልግል ዝነበረት ሃና፡ ሎሚ እውን ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ጥዕናኦምን ኵነታቶምን ክሳዕ ዝፈቐደሎም ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣብኲሮም ኣይፈልጡን እዮም። (ሉቃ. 2:36, 37) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብመስመራት ተሌፎን ይጥቀሙ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነዚ ግን ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኬድካ ኣብ ጉባኤ ንምክፋል ከም ዚትክእ ምሹእ ኣማራጺ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ንሕና እውን ነቲ ሰናይ ኣብነቶም ብምቕዳሕ፡ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንምምላኽ ናብ ኣኼባታት ብኣካል ክንከይድ ጻዕሪ ብምግባር ንተሓጐስ።—መዝ. 95:1-3, 6፣ 122:1።