ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
በቲ ብሓሙሽተ ቛንቋታት ሃገርና እተዳለወ ሕብራዊ መዐደሚ ወረቐት ጌርና ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ዝገበርናዮ ፍሉይ ጻዕሪ ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ ኣሎ። ገና እተማልአ ጸብጻብ እኳ እንተ ዘይበጽሓና፡ ክሳዕ ሕጂ ብእተረኽበ ብድምር 24,701 ተኣከብቲ ኸም ዝነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኣናዮ ብዝሒ ተኣከብቲ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ይስራዕ። እዚ ኣገዳሲ በዓል እዚ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ዓሰርተ ሓደስቲ ኽልታት ንፈለማ ግዜ ተባዒሉ እዩ። ንኣብነት፡ ሽዱሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኣብ ዚርከቡሉ ገጠር፡ 149 ተኣከብቲ ነይሮም! ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ብምክትታል ተወሳኺ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር፡ ጻዕርታትና ነሐይል!
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ ሓፈሻዊ ንጥፈት ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ጽቡቕ ብምንባሩ፡ ንየሆዋ ብዙሕ ውዳሰ ኣምጺኡ እዩ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ፡ 8,612 ዚኸውን ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ኸም እተረኽበ ኽንሕብረኩም ንፈቱ። ኣስታት 1,122 ሓገዝቲ ፈለምቲ ነይሮም፣ እዚኣቶም ካብቶም ኣብ መጋቢት ዝነበሩ ይበዝሑ። ስለዚ ኸኣ፡ እንደገና ዳርጋ 30% ኣስፋሕቲ ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተኻፊሎም ማለት እዩ!