መደብ 19 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
19 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18 (162)
❑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 126 ሕ.ጽ. 19–ገጽ 129 ሕ.ጽ. 4
❑ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 11-16
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 14:1-16
ቍ. 2፦ እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ (lr ምዕ. 3)
ቍ. 3፦ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚቐርጸና፧ (ኢሳ. 64:8)
❑ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 12 (113)
5 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ትእዛዛቱውን ሐልዎ። ሓደ ሽማግለ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 272፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-4 ተመርኲሱ ብውዕዉዕ መንፈስ ዜቕርቦ መደረ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ለካቲት ዚዕደል ጽሑፍ። ንትሕዝቶ እቲ ዚዕደል ዘሎ ጽሑፋት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ፡ ሓደ ወይ ክልተ መእተዊታት ድማ ብመርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።”a ነታ መጽሓፍ ዘለዋ ፍሉይ ነገራት ኣጕልሕ።
መዝሙር 25 (204)
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ፡ ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር።