መደብ 12 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
12 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 8 (53)
❑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 123 ሕ.ጽ. 12–ገጽ 126 ሕ.ጽ. 18 ከምኡውን ሳጹን
❑ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 6-10
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 9:1-17
ቍ. 2፦ td 11ሀ ምምላስ ክርስቶስ ብዓይኒ ኣይርኤን እዩ
ቍ. 3፦ ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተላእከ ደብዳበ (lr ምዕ. 2)
❑ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 29 (222)
5 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ኣገልግሎትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ዘለዎ ጥቕሚ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። የሱስ ነቶም ዚሰብከሎም ዝነበረ ሰባት፡ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ኣባጊዕ ገይሩ ብምርኣይ፡ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (ማቴ. 9:36-38) ሃናንያ ናብ ሳውል ኪኸይድ ምስ ተነግሮ፡ ኣብ ፈለማ ስግኣት እኳ እንተ ነበሮ፡ ኣረኣእያኡ ኪቕይር ዝሓገዞ ግን እንታይ እዩ፧ (ግብ. 9:13-15) ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ፡ ኣብ ኣቀራርባኡ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 9:17) ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽንቀርቦም ዜኽእለና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኣገልግሎትና ብዝያዳ ውጽኢታዊ ዚገብሮ ብኸመይ እዩ፧ ብኣወንታዊ ኣረኣእያኦም ኣብ ኣገልግሎቶም ጽቡቕ ፍረ ንዝረኸቡ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ። ሓላው ኣገልግሎት ወይ ካልእ ሽማግለ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ ኣብ ገጽ 7-8 ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ።
10 ደቒቕ፦ “ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧”a
መዝሙር 7 (51)
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ፡ ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር።