ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ነሓሰ 2008 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 7 ሓምለ ኽሳዕ 25 ነሓሰ 2008 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
ባህርይ ዘረባ
1. ንኻልኦት ሓቂ ኸነካፍሎም ከለና፡ ርትዓውነት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ፊል. 4:5) [be ገጽ 251 ሕ.ጽ. 3]
2. እቲ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎስ ንግሪኻውያን ኪዛረቦም ከሎ ዝገደፎ ኣብነት፡ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምኑሉ ሰባት ክንምስክረሎም ከለና ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 17:22, 23) [be ገጽ 252 ሕ.ጽ. 1-2]
3. ሽሕኳ እቲ ኻልእ ሰብ ጌጋ ምዃኑ ንተኣማመን እንተ ዀንና፡ ምስቲ ሰብ ክንዛረብ ከለና ርትዓውነት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [be ገጽ 252 ሕ.ጽ. 5–ገጽ 253 ሕ.ጽ. 1]
4. ብዜእምን መገዲ ኽንዛረብ ክንጽዕር ከለና፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዞ ዘሎና እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 255 ሕ.ጽ. 3፡ ሳጹን]
5. ልቢ ሰማዒ ኽንትንክፍ እንተ ደሊና፡ ምስትውዓል ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ምሳ. 20:5) [be ገጽ 258 ሕ.ጽ. 1-5]
ክፍሊ ቁ. 1
6. ኣሓት ንሓደ መልክዕ ኣቀራርባ ኺዓያሉ ኸለዋ፡ ኣብ ኣእምሮአን ኪሕዛኦ ዘለወን እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 44 ሕ.ጽ. 5-6]
7. ኣሕዋት ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ኬቕርቡ ኸለዉ፡ እንታይ ኪዓሙ እዩ ዚግብኦም፧ (ነህ. 8:8) [be ገጽ 47 ሕ.ጽ. 2-3]
8. ሓደ ሓው መርኣያ ወይ ቃለ-መጠይቕ ዜጠቓልል ክፍሊ ኣኼባ ኣገልግሎት ብኸመይ ኬቕርቦ ይግባእ፧ [be ገጽ 49 ሕ.ጽ. 5]
9. መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ኣገባብን ዝርጋሐን እቲ እተዋህበ ምስክርነት ብኸመይ ተጕልሕ፧ (ግብ. 20:20, 21፣ 28:23) [bsi08-1 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 35]
10. ሓደ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚዛረብ ተዛራባይ፡ መደረኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተመስረተ ንምርግጋጽ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧ (ግብ. 17:2, 3) [be ገጽ 52 ሕ.ጽ. 6–ገጽ 53 ሕ.ጽ. 2]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
1. እቲ ሓላው እሱራት ‘ርእሱ ኪቐትል ዝደለየ’ ስለምንታይ እዩ፧ (ግብ. 16:25-27) [w90 15/5 ገጽ 25, ሳጹን (እንግሊዝኛ)]
12. ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን መስጐጕቲ ምስ ወረዶም እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ (ግብ. 19:29፣ 20:4, 5) [w08 15/2 ገጽ. 10 ሕ.ጽ. 16-17]
13. ንጳውሎስ “ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ” ኺበሃለሉ ኸሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ግብ. 26:14) [w03 1/10 ገጽ 32]
14. “ሓጢኣት” በቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ትእዛዝ ኣምላኽ “ምኽንያት” ኪረክብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሮሜ 7:8, 11) [w08 15/6 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት”]
15. ኣብ ርእሲ ጸላኢና “ጕሁር ሓዊ” ኽንእክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሮሜ 12:20) [w08 15/6 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት”]