ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ
ፍረ ነገር እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2009 ዚውሰድ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ “ነታ . . . ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ” ዚብል ኰይኑ፡ ኣብ ቈሎሴ 4:17 እተመስረተ እዩ። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ለበዋ እዚ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። ዕላማና፡ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ንኣገልግሎትና ብተኣማንነት ምፍጻም እዩ። (ዮሃ. 17:4) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ኣብ ኣገልግሎት ጕያኡ ንኺፍጽም ቈሪጹ ነበረ።—ግብ. 20:24
እቲ ብሓላው ወረዳ ዚቐርብ ክፍሊ፡ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ንዜጋጥሞም ጸገማት ብኸመይ ይሰግርዎ ኸም ዘለዉ ኺሕብረና እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ “ነቲ ዝተኸልኩምዎ ዀስኵሱ” ዘርእስቱ መደረ፡ ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ኪጐልሕ እዩ። (ግብ. 13:48 NW) እቲ በጻሒ ተዛራባይ፡ ፈለማ ኣብቲ፡ “ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኸመይ ርእስና ኸም እነርኢ” ዘርእስቱ መደረኡ፡ 2 ቈረንቶስ 6:1-10 በብጥቕሲ ኼብርሃ እዩ። ድሕሪ ቐትሪ፡ “ንኣገልግሎትኩም ኣኽቢርኩም ርኣይዎ” ዘርእስቱ መደረ ኬቕርብ እዩ። ካብቲ “ዓበይትን ንኣሽቱን ዘበልኩም፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስ ርኸቡ፡” ከምኡውን “ኣገልግሎቶም ዚምልኡ መንእሰያት” ዘርእስቱ ኽፍልታት ምትብባዕ ከም እትረክብ ኣየጠራጥርን እዩ። እቶም ኣብ ሓደ ኻብቲ ብወረዳ ዚግበር ኣኼባታት ወፈያኦም ብማይ ብምጥማቕ ኬርእዩ ዚደልዩ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ንኣስተናባሪ ሓላዊ ኺሕብርዎ ኣለዎም። ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ዚቐርብ ትምህርትታት፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እዩ። ኣብታ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እትካየደላ ሰሙን እትጽናዕ ሕታም ተማልኡ።
ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ኣብ እንገብሮ ኽትትል፡ ረብሓታትናን ንጥፈታትናን ነቲ የሆዋ ብሕድሪ ዝሃበና ኸይዕብልሎ ጻዕሪ ንገብር ኢና። እቲ ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ዚወሃብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መተባብዒ፡ ኣትኵሮና ንኸይንስሕት እንታይ ክንገብር ከም ዜድልየና ንኽንርዳእን ኣገልግሎትና መሊእና ንኽንፍጽም እንታይ ንገብር ከም ዘለና ንኸነስተንትንን ኪሕግዘና ኣለዎ።