ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/08 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 10 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
  • 17 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
  • 24 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
  • 1 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 11/08 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

10 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 28 (224)

10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብታ ጉባኤ በታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ነቲ ኽሊ ንምሽፋን ዚግበር ዘሎ ዕዮ ብዚምልከት፡ እቲ ሓላው ኣገልግሎት ሓሳብ ከም ዚህብ ግበር። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንናይ 1 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንናይ ጥቅምቲ ንቕሑ! ኼበርክትወን ስለ ዝቐነዩ፡ ብኸመይ ከም ዘበርከትወን ሓሳብ ኪህቡ ሕተቶም።

15 ደቒቕ፦ ናይ ፍቕርን ልግስን መንፈስ ኣማዕብል። ሓደ ሽማግለ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2008 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 6-7 ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ።

20 ደቒቕ፦ “ንኻልኦት እነካፍሎ ኽቡር መዝገብ ኣሎና።” ንሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ሰማዕቲ ብዛዕባ እቲ ናብ ውድብ የሆዋ ዝሰሓቦም ወይ ካብ ጥምቀቶም ንነጀው ብዝያዳ እተረድእዎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 18 (162)

17 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 12 (113)

10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።

15 ደቒቕ፦ ሕቶ ሳጹን።

20 ደቒቕ፦ “መምህር ክትከውን ትኽእል ኢኻ!” መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ብቕዓት ከም ዘይብሉ ዚስምዖ ዝነበረ እሞ፡ ሕጂ ግን ነቲ ስምዒት ንዘሰነፎ ኣስፋሒ ወይ ፈላሚ ቓለ-መጠይቕ ግበር። ሓገዝ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ብኸመይ ተወኪሉ፧ ብቑዕ ንኪኸውን ውድብና ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ ኣብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ ዕዮ ብምክፋሉ እንታይ ዓስብታት ረኺቡ፧

መዝሙር 16 (143)

24 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባ ድማ ብመርኣያ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

15 ደቒቕ፦ ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሕዳር ንቕሑ! ኽትዕድል ተዳሎ። ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ፡ ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነን ሕተቶም። ነተን ዓንቀጻት ንምብርካት እንታይ ሕቶታትን ጥቕስታትን ክንጥቀም ንኽእል፧ እቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዚነብሩ ኣብ እትስሕብ ዓንቀጽ ተመርኲሱ እተዳለዎ ሓጺር ኣቀራርባ ብመርኣያ ኸም ዜቕርብ ግበር።

መዝሙር 2 (15)

1 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 17 (187)

10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሕዳር ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም።

15 ደቒቕ፦ ካብታ ጉባኤ እተረኽበ ተመክሮታት። ንሰማዕቲ በታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ክንደይ ዚኣክል ክሊ ኸም እተሸፈነ ሓብሮም። ነታ ትራክት ኪዕድሉ ኸለዉ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ኪጥቀሙላ ኸለዉ ዝረኸብዎ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓድሞም። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ሕዳር ክትዕደል ከላ ዘጋጠመ ዜተባብዕ ተመክሮታት እውን ኣዘንቱ። ሓደ ወይ ክልተ ብሉጽ ተመክሮታት ብመርኣያ ኪቐርብ ይኽእል እዩ።

20 ደቒቕ፦ “ንሓደስቲ ምጽራር ኬጋጥሞም ከሎ ንኺጸንዑ ኣዳልዎም።” ንሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ ኣብ ትሕቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ዘሎ ሓበሬታ፡ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተሻቐሉ ኣዝማድን ፈተውትን ንዚቐርበሎም ሕቶታት ንኺምልሱ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም ኣሕጽር ኣቢልኩም ተመያየጡሉ።

መዝሙር 22 (130)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ